ምስ ሕውስዋስ እምነቶም ኣይንቕፅልን!!

መንበረ ሰላማ ክብሪ ተጋሩ ንምምላስ፣ ህልውናና ንምውሓስን ትንሳኤና ንምግሃድን 8 ሓምለ 2015 ዓ/ም ከይዲ መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት እንተሳልጥ ዘሕለፎ ረዚን መልእኽቲ ዝስዕብ ነይሩ።

ንሕና መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት ዘካይድና ተገዲድና እምባር ፈቲና ኣይኮንናን። ታሪኽና፣ ሃይማኖትና፣ ፊደላትና፣ ዘመን መቑፀሪና፣ ካብ ቅዱስ ያሬድ ጀሚሩ ወለድና ስለዝወሰዱ፣ መንበረ ሰላማ ብመንበረ ተ/ሃይማኖት ስለዝተክኡ፣ መንገዛ ዓድና ደቂ የመን ገይሮም ንኣና ኣፅኒቶም መሬትና ክውንኑ ስለዝፈተኑ፣ ካብ ደቂቀ እስጢፋኖስ ጀሚሩ እናፅነቱናን እናጋፍዑናን ብምምፃኦም ስለዝመረረናን ጥራሕ ኣይኮነን። ትግራይ ቅርሳ ወሪሮም ህዝባ ጨፍጪፎም ዓፅሚ ዝወግእ ዘረባ ካብ ምዝራብ ሓሊፎም ህፀፅ ሃይማኖት (ጎዶሎ እምነት) ስለዝረኸብናሎም እውን እዩ።

መቐፀልታ ስቓይ ተጋሩ ንኣባ ሰረቀብርሃን ኣሳቕዮም ናብ ህንዲ ደርብዮምዎም እዮም። ክርስትያን ህንዲ ከመይ ከምዝተቐበልዎም ርኢና ኢና። ካብ ባንዳ ወፃኢ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዝኸዶ እዩ ዝዕወት። እዞም ኣቦ ድምፂ ህዝቢ ስለዝኾኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ዝፈለጦም ኣቦ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ወለዶ ክፈልጦ ዘለዎ ኣባ ሰረቀብርሃን ትግራይ ከይረግፁ ዝኸልከለት እታ ንኣማኢት ዓመታት ዘድመየትና ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምዃና እዩ።

ካብ ዝገርም ነገር፣ ካብ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ዓለም “ሰይጣን ይሓይሽ” ኢሉ ንሰይጣን ኣፍልጦ ዝሃበ ሃይማኖት የለን። ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ግን ኣፍልጦ ሂባ። ስለዚ መራሒ ሃይማኖት ኮይኑ ሰላም ክሰብኽ እናተገብኦ ኲናት ይቐፅል ኢሎም ምስ ጥርዓን ዘቕረቡ ጳጳሳትን ሲኖዶስ ኢትዮጵያን፣ ካብ ሕልና ደቂ ሰባት ክንፈሓቑን ክንፀንትን ምስ ዝደልዩ ኣካላት ክንቅፅል ስለዘይንኽእል እዩ። መሬት ትግራይ በቢ 30 ወይ 50 ዓመት እናቆረሱ ዝወሰድዎ ከይክል ሕዚ ብሻዕብያን ፋኖን ተወሪሩ ዘሎ መሬትና ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ግፍዕን ጨፍጫፍን ዝበፅሐና ከይኣኽለና ሃይማኖትና ከይናጋዕ ሓሲብና ምስዞም ሕውስውስ ዝበለ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ሓቢርና ኣይንቕፅልን ኢልና ኢና ተፈሊና። ከምዚ እንትንፍለ ምስ ዓብዪ ከውሒ (ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ማለቶም እዩ) ትላተሙ ኣለኹም ኢሎም ከፈራርሑና ዝፈተኑ ነይሮም። ብስራሓን ተግባራን ዓባይ ዘይኮነት ሲኖዶስ ኢትዮጵያ እግዚኣብሔር ሒዝና ክንስዕር ኢና ኢልና ተበጊስና ዘይንቑርጠም ኮይንና ንቕድሚት ንስጉም ኣለና።

እዞም ሰባት ዘይርቱዓትን መዳለውትን ምዃኖም ዘርኢ ኣብ ጎጃም ባዕልቶም ጳጳስን ፓትርያርክን ዝሸሙን ሃይማኖት ዝቐየሩን ሰባት እናሃለዉ ትንፍስ ዘይበሉ ንኣና ተደፊእና ዝወፃናን ሃይማኖት ዘይቀየርናን ግን ከመይ የፀልሙ ከምዘለዉ ዝስማዕ ዘሎ እዩ። ንባዕሎም ሰይጣን ዝኣምኑ ከሓድቲ ዘይተብሃሉ ንኣና ከወንጅሉ ይውዕሉ ኣለዉ። እዞም ሰባት ኣብ 30 ጳጳሳት ኣምሓሩ ሓደ ትግራዋይ እናቅርቀሩ፣ ኣብ 40 ዕድል ትምህርቲ ወፃኢ ዝወሃቦም ኣምሓሩ ሓደ ትግራዋይ እናሓወሱ ብፍትሓውነት እውን ዝብድሉና ዝነበሩ እዮም። ኣብ ድልድል በጀትን ሽልማትን እውን እንተኾነ ሰበብ እናፈጠሩ ካብ ሽልማትን በጀትን ከትርፉና ፀኒሖም እዮም። ንሱ እውን ንኣና ብጭልፋ ንዕኦም ብከፈር እናወሰዱ ስለዘጓነይና ክንሓርር ኢና ፀኒሕና።

እዞም መታለልቲ ፓትርያርክና ከምንፈቱ ፈሊጦም ብሽሞም መፂኦም ከፍሩሱና ፈቲኖም እዮም። ኣቦና ለባም ስለዝኾኑ ግን ኣይንበኣስን፣ ሎሚ ኣቦና ፅባሕ ኣቦና እንትንብሎም፣ ኤጲስቆጶሳት መሪፅኩም ብዘይፓትርያርክ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ኢሎም ከደናግሩና ፈቲኖም። ንሕና ድማ ዓሻኹም ኣልሹ ቤተ ክርስትያን ግሪክ ብፓትርያርክ ቱርኪ እዩ ዝመሓደር። ስለዚ ንኣቦና ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና እምባር ንሶም መራሒና እዮም፣ ሲኖዶስን ኢትዮጵያ ግን ኣየመሓድረናን ኢና ኢልናዮም።

ስለዚ ኩሉ ትግረዋይ ንሃይማኖቱ፣ ዓዱን ህዝቡን ኢሉ ብሓቦ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብ ዘበን ሃፀይ ሃይለስላሴ ንዲቁናን ቅስናን ንምቕባል ኣዲስ ኣበባ ክኸድ እናተገደደ ንሓደጋ ዝቃላዕ ዝነበረ ትግረዋይ ብሳላ ቃልሲ ህዝብና እኒ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስን ኣቡነ ማትያስን ክፍጠሩ ክኢሎም እዮም። መንበረ ሰላማ ድማ ሳላ ቃልሲ ደቅና እዩ ጋህዲ ኮይኑ እሞ እዚ ጉዳይ ኣቃሊልና ክንርኦ የብልናን። ኣብዚ 4 ዓመት ተዛሪብካ ዘይውዳእ ፀገም ተፃዊርና ኢና ኣብዚ በፂሕና ዘለና። ድሕሪ ደጊም ሓሳረ መከራ ተጋሩ ከብቅዕ ኢና ክንሰርሕ ዘለና። ኣብዚ ብኣካል ዘለኹምን ዘየለኹምን ኩልኹም ሃወርያት መንበረ ሰላማ ኮይንኩም ህዝብኹም ክተንቅሑ ኣለኩም ክብሉ ዝገለፅዎ እዩ ነይሩ።

ንሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መድርኽ ኣብ ወይን ዩትዩብ ቻነል ተኸታተሉ።

By aiga

One thought on ““ዓሻኹም ኣልሹ!” ሊቃውንቲ መንበረ ሰላማ”
  1. እቲ ሕውስዋስ ሃይማኖት ዝበልካዮ ንዕኦም ዝገልጽ አይኮነን ጸረ-ሃይማኖት ‘ይሁዳ’ ወይውን አይስስ እቲ ውሽጣዊ ቑምነገር መግለጽኦም።ምስዚኦም ተለጢፍካ ምኻድ ዝከአል ሃይማኖት የለን ።ንተጋሩ ግን ካብኡ ንላዕሊዩ። እቲ ባርያ ኮይኑ ዝነበረ ህዝባ ነጻ ኮይኑ ትግራይ ብዙሓት ሙሰታት ስለ ዝወልደት ናብ ንቡር ቦትአ ‘THE PROMISED LAND’ AXSUM.well Don!!!!እግዛአብሀር ትግራይ ይባርኽ!

Comments are closed.