ጥዕና ይሃበለይ እንዳ ዓይጋ! 

ሎሚ ቕነ አብ ትግራይ ዘሎ ስግኣት ዝምልከት ብዙሕ እናተዘረበሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ዛዕባ ህይወት ሕድሕድ አብ ትግራይ ዝነብር ሰብ ዝምልከት ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ኮይኑ ቀፂሉ ዘሎ ንብረት ምሕዳግ፣ አካል ምጉዳል፣ ዓጊትካ ገንዘብ ምሕታት እንተዘይተኸፊሉ ድማ መቕተልቲ መበገሲኡ፣ ብ ኣግኡ እንተዘይተቐልቢሱ ድማ ከም ማሕበረሰብ ዝህልዎ ሰዓቤን ክንርእይ ኢና።  

ነዚ ኩሉ ስግኣት መንቀሊኡ “ሕጊ አልቦነት” እዩ ክበሃል ይስማዕ። ንምኳኑ ሕጊ-ኣልቦነት ነጊሱ ክበሃል እንተኮይኑ እንታይ እንታይ ከማልእ አለዎ ዝብል አብ ዝተፈላለዩ ድሕረ-ኲናት ዘጋጠሙ ቀይዲ በተኽነት ዝምልከቱ ዘይሕጋውነት ዝሰፈነሉ ዓዲ ዝህልውዎ ምልክታት ከምዚ ዝስዕብ ይመስል። 

1. ውሃብቲ አገልግሎት ስሩዕ ስራሕቶም ክፍፅሙ እንተዘይክኢሎም፣ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሰዓት እዚ መለለዪ መንነት ምርካብ ዝብል መሰረታዊ ኣገልግሎት ንባዕሉ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ተገልገልቲ ብሰፊሑ ከማርሩ ይስማዕ። 

2. ሕጊን ስርዓትን እንተዘይተኸቢሩ ከም ውፅኢቱ ድማ መፍረስቲ ሕጊ ግቡእን መምሃርን ቕፅዓት እንተዘይረኺቦም፣ ከም አብነት አብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝርከባ ማይ ቡንቧ ተሰቢረን ብዝተዋደደ ዝመስል መልክዑ ሓፃውንተን ክሽየጥ እንተሎ ነዚ ሰንሰለት እዚ ዝበትኽ ጥንክርን ስጥምን ዝበለ መሓውር ፀፅታ ዘይምህላውን፣ ዘይሕጋውያን ገዛእትን ሸየጥትን ከምድላዮም ክዕንድሩ ምኽኣሎም። 

3. ዘይሕጋዊ ነጋዶን ልዕሊ ስሩዕ ዋጋ ሸቐጥን ክስፋሕፋሕ እንተሎ፣ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ግዘ ዕፅዋን ክባን አብ ዘይሕጋዊ ምእምራር ንዋይ ንዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ልምሉም መሬት ኮይና ትርከብ። ሽዑ ምስ አብ ጎረቤት ክልላትን ማእኸል ሃገርን ከምኡ እውን አብ ወፃኢ ዝርከቡ መሻርኽቶም ብምትሕብባር ዶላር ይኹን ዩሮ ብ ፍርቂ ዋጋ ካብ ቤተሰብ ብምቕባል ዘዋህለልዎ ናይ ሃረፃ ሃፍቲ ምስ እቲ አብ ፀበባ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዝቃዶ መነባብሮ ከይነብሩን ኩሉ ብመጠን ንከይኸውንን ፅዕንቶ አሕዲሩ። ነዚ ድማ እዩ ሐዚ እውን ብዝበዝሐ ኣብ ጦርነት ብዝፈጠርዎ ቑጠባ ካብ እታ ዝተሓተት ቅልሃ ምሻጥ ናብ እቲ ዝዓበየ ዕደና መኣድናት ኢዶም ዘርጊሖም ሃፍቲ ኣብ ምጉሕጓሕን ገፀ-መሬት አብ ምብራስን ዝርከቡ።  

እዞም ምልክታት ምስፍሕፋሕ ቀይዲ በተኽነት ከም ኣብነት ደኣ ይገለፁ እምበይ እቲ ዋና ክጠቕሶ ዝደለኹ ጉዳይ ሰላም እዩ። አብ ትግራይ ብ ውሽጣዊ ስግኣት ደረጃ እንትዕቀን እታ ዝኸፍአት ግዘ ሐዚ እያ። ካብ መንግስታዊ መሓውራት ፀፅታ ንላዕሊ እቶም ዘይሕጋውያን/ሰባት ዝጨውዩ ዝተጠናኸረ ምንባብ ከምዘለዎም ካብ ዝሰርሕዎ ዝተወሳሰበ ወንጀል ብቐሊሉ ምዕዛብ ይከአል።  

ነዚ ታሪኽ ክበሃል ስማ ዝተቐየረ ወይዘሮ ጥዕምቱ ካብ ሃገረ ኤመሪካ ግዝኣት ምኒሶታ ቤተሰብ ንምጥያቕ መቐለ ክሳብ እትዓልብ እዚ ዝበሃል ዘጓነፋ ፀገም አይነበረን። ንዘመድን ፈተውትን ዝኸውን ውህብቶ ዝሓዘ ባልጃታት አብዚሓ ስለዝነበረት እቲ ግብግብ ዝጀመረ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ (መቐለ ኤርፖርት) ጀሚሩ ነይሩ። ክሳብ ዘዕረፈትሉ ሆቴል እትበፅሕ ዝነበረ ኣቕሓ ንምምንጣል ዝነበረ ጥምጥም ዝድንፁ እዩ ትብል ወሮ ጥዕምቱ። እዚ ብተኣንክሮ እናረኣየት ንብፅባሒቱ ናብ ትውልዲ ዓዳ ዕዳጋ-ዓርቢ ዝሓረዮቶ መጓዓዝያ “ኩንትራት መኪና” ምሓዝ ነይሩ። ካብ ላጪ ክሳብ ጫፍ ሃገረሰላም፡ ካብ ማርያም ስቑርቲ ክሳብ ጥቓ ኣግበ ከምኡ እውን ካብ ወርቃምባ ክሳብ ጋሕሪ ወርዒ ጠበንጃ ዝተሓንገጡ ብሞተር ሳይክል ዝከታትልዎም ዝነበሩ ከተርቲ ሳላ ካልኦት መኻይን ንሕንጢጣ ክተርፉ ክኢሎም እዮም። ብፍላይ ካብ ወርቃምባ ወፂእና እንዳባፍሊሞና ሓሊፍና ን ማይቅነጣል ክንከይድ ዝወረድናዮ ቁልቁለት ወርዒ  እዞም ብ ክልተ ሞተር ዝከታተሉና ዝነበሩ ኸተርቲ ብ ድሕሪትን ቅድሚትን ከቢቦም ደው ምስኣበሉና ጠበንጃ ኣተኻኺሎም ካብ መኪና ክንወርድ ኣዘዙና። ብፍርሒ ጠልቅይና ስለደቀይ ክብል ኩሉ ሓዲገ ምስወረድኩ እቲ ዝተኾናተርክዎ በዓል መኪና ሓደ ክልተ እናተገታተረ ምስፀንሐ ሃንደበት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶብስ ህሩግ ኢላትና። ነዚ ዝረኣዩ ከተርቲ ሓዲጎምና ተፀሪጎም፡- ትብል ወይዘሮ ጥዕምቱ።   

ወዮ ደኣ ንኣብነት ኣልዒልናዮ እምበይ በቢዓዱ ዝተጨውያ ደቂ ሂዋን ልብኻ ዘድሚ እዩ። ቅድሚ እቲ ኣብ ነብሲ ንእስቲ ንፍዕቲ ተምሃሪት ቃላሚኖ ዝኾነት ቤተልሄም ገብረምካኤል ነጋሽ ዝበፅሐ ሓደጋ፣ ለያቡ ብ ተደጋጋሚ ናብ እቲ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ብምእታው ነተን ደቂ ኣንስትዮ ብምፍርራሕን ክሳብ ናብ መደቀሲአን ብምኻድ ሞባይለንን ካልእ ናውትን ይምንጥልወን ከምዝነበሩ ይሕብራ። ሓደ ፀሓይ-ቀትሪ ን 5 ተምሃሮ ብ ኻራ ብምፍርራሕን ቀሊል ኣካላዊ ማህሰይቲ ብምብፃሕን 5 ሞባይል ከምዘሕደጉወን ናብ እቲ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ኣመልኪተን እየን። ምምሕዳር ቃላሚኖ ድማ እዚ ዝበሃል ናይ ሓለዋ ይኹን ክትትል ምምሕያሽ ስለዘይገበረ ወለዲ ተምሃሮ ድማ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከቡ። 

እዚ ሻቕሎት ዘኸትል ሕንፍሽፍሽ ካብ ህፃውንትን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ኣባፅሕ ተባዕትዮን ኣገልገልቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ተሰጋጊሩ ይርከብ። እዚ ዘበለና ጉዳይ አብ ከተማ ውቕሮ ብ ዕለት 13 ጉንቦት 2016 ዓም ዘጋጠመ መሕዘኒ ተመሳሳሊ ፍፃመ እዩ። መልኣከ-ሰላም ተኽለዝጊ (ስም ንድሕንነት ክበሃል ተቐይሩ እዩ) ካህን ደብሪ እንዳ ኣውነ-ኣረጋዊ እዮም። ንጉሆ ካብ ገበዝ ቅርሺ ተለቂሖም ን ድራር ደቆም ዝኸውን ቅድም ኢሎም ዋጋ ዝኸፈልሉ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣቕሑት ክሸጡ ክልውጡ ንመቐለ ተበጊሶም፤ ካብ እታ ዝነብሩላ ከተማ ንመቐለ ቀጥታ መኪና ስለዘይረኸቡ ድማ ውቕሮ ክሓድሩ ግድን ኮይንዎም። ኣብ ውቕሮ ቅድም ኢሎም ናብ ዝፈልጥዎ መሕድሪኦም ሆቴል እትወስዶም ባጃጅ ቦታ ጠይቖም እትው ምስበሉ እዩ ገናሒ እታ ባጃጅ ኣንፈት ቐይሩ ን እንዳ መስቀል ገፅ ክወስዶምን ኣብ ውሽጢ እታ ባጃጅ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ዘይኮኑስ ዓፈንቲ ምንባሮም ዝተገንዘቡ።  

መልኣከ-ሰላም ብ ዓፈንቲ ምስተጨወዩ ን 4 ለይትን ቀትርን ምንም ደሃይ እንተይሃቡን ስልኪ እንተየልዓሉን ክፀንሑን ብምግባር ኣማኢት ኣሽሓት ክዋገዩሎም ፀኒሖም አብ መወዳእታ ሰለስተ ምኢቲ ሽሕ ቕርሺ ዘኽፍል ዓቕሚ የብለይን እሞ ዝገብሮ የብለይን ስለዝበሉ ከም ድሕነት ተወሲድሎም ናብ ቤተሰቦም ዘደወልዎም። እዚ ኣብ ውሽጢ 4 ሰዓት እንተዘይተኸፊልዎም ወይድማ ናብ ፖሊስ ምስ ዝምለከት ድማ መልኣከ-ሰላም ስጉምቲ ከምዝውሰዶም ቀጢን ትእዛዝ ዘሕለፉ።  

እዚ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ጨወይቲ ኣብ ውቕሮ ገንዘብ ተቐበልቲ ድማ ኣብ መቐለ ምዃኑ እዩ። ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ እዚ ጥርዓን ምስቐረበሎም ንሕና ምንም ንገብሮ ነገር የለን። ኣብ ውቕሮ ከይድኩም ኣብ ናይ እቲ ቐጠና ፖሊስ ኣመልክቱ ክብል መሊሱ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝተወሳሰበ ስግኣት ፀፅታ ዝምጥን ምላሽ ፖሊስ ኮሚሽን ብዘይምርካቡ ድማ ኣብ ብዙሓት ፍርሒ ፈጢሩ ይርከብ። ኣብ ሕድሕድ ኮሚኒታት ዘለው ጎበዝ-ሓለቓታት ድማ ብዝበለፀ ተደራጂዎም ዝኸፍአ ወንጀል ክፍፅሙ ዕድል ዝፈጥር ስለዝኾነን ህዝቢ ኣብ መንግስትን መሓውራቱን እምነት ከየሕድር ዝገብርን ስለዝኾነ ዓብዪ ጠመተ ክግበረሉ ይግባእ።  

ወደሓንኩም!  

By aiga