ኣብርሃም ብርሃነ

ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ (ጉዳይ ፈጻሚ ) ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ድሕሪ 4 ዓመት ንፈለማ ብዕለት 7 ሰነ 2023 ከም ዝተዘከረ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ  ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካውያን፡ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታትን ኤርትራውያንን ኣጋይሽ ዝተረኽብሉ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ክጽንበል ብምኽኣሉን ንታሪኽ ኣመሪካውያናን ናጽነቶምን ክብሪ ዝህብ ምኳኑ እቲ ኤምባሲ ብመገዲ ጉዳይ ፈጻሚኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብምሳኽ የረድእ።

ኣመሪካውያን፡ኣብ 4 ሓምለ ዓመተ 1776 መዓልቲ ናጽነቶም ከም ዝኣወጁ ይፍለጥ።

ነዚ ንምጽንባልን ክብ ብዝበለ መልክዕ ንምኽባርን ድማ ዓመት መጸ ዓመት ዕለት 4 ሓምለ ብልዑል ወንን ሓቦን ይዝክርዋ እዮም።

ኣብ ኤርትራ ድማ ዓመት መጸ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝነበራ ዓመታት፡ዕለተ 4 ሓምለ ኣብ ቀጽሪ እቲ ኤምባሲ ክኽበር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብነት፡ኣብ 4 ሓምለ 2000 ዓ/ም/ፈ፡ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ቐጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም መራሒ ሃገር ተዓዲሙ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ’ቲ መዓልቲ ኲናት ባረንቱ ስንብራቱን ኲነታት ዶባዊ ኲናት መዕለቢ ዘይረኸበሉ ወቕቲ ብምንባሩ ምስ ጸቕጥን ፍሽለት መሪሕነቱን ብምትሕሓዝ ልዕሊ ዓቕሙ መስተ ሰትዩ ከም ዝሰኸረ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ንድሕሪት ተመሊሶም ዝዝክርዎ ከም ኣሉታዊ ተራ ተራእዮ ሓሊፉ’ዩ።ኣብታ ዕለት እቲኣ ድማ ከም ኣጋይሽ ተዓዲሞም ዝነበሩ ኣጋይሽ ብዓይኖም ዝረኣይዎ  ክምስክርዎ ዝኽእሉ ጉዳይ ምኳኑ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ሓበሬታ የረድኡ።

ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ኢሳይያስ ድሕሪ ምስካሩ ድማ ምስ እንዳ ማቱ ሰበይቲ ዝኰነት ሰራሕተኛ ክፍሊ USAid ዝነበረት (በዓልቲ ቤታ መምህር ዩኒቨርስቲ) ስማ ንክብራን ንክብሪ ቤተሰባን ክንዕቕበሎም ተቐሲብና ከም ዘሎና ክስመረሉ ይግባእ።

እንተኰነ ካብ 2019 ኣትሒዙ ምክባር መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ተቋሪጹ ምጽንሑ ካብ’ቲ ሓበሬታ እቲ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ምርዳእ ይከኣል እዩ።

እስከ ብዛዕባ ኣመሪካን ወኪላት ዲፕሎማሰኛታትን ብኸፊሉ ንድሕሪት ተመሊስና ክንድህሶ ክንፍትን።

ኣመሪካ ከም ሓንቲ ዓንቓፊት ናጽነት ኤርትራ ከም ትግለጽን ትፍለጥን መግለጺታትን ዜናታትን ሓተታትን ህግደፍ ወርትግ የረድኡ እዮም።

እንተኰነ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን 11 ሰነ 1991 ቆንሲል ብቕንፍጽ ዝኸፈተት ሃገር እያ።

ስለዚ ምስቲ ትረኻን ወቀሳን ህግደፋውያን ይራጸም ኣሎ ማለት’ዩ።ኣስተውዕልሉ ኢኹም!!

ኣብቲ ጊዜ እቲ Joseph P. O’neill ቆንስል ኰይኑ ከም ዝሰርሐ ማህደር ታሪኽ እቲ ኤምባሲ የመልኽት።

ብድሕሪ እዚ ኤርትራ ናጽነታ ብዕሊ ኣብ 1993 ምስ ኣወጀት ድማ ብደረጃ ኣምባሳደር ወኪላ ሸይማ እያ።

ኣምባሳደር Robert Gorden ካብ ሕዳር 1993 ክሳዕ  31 ታሕሳስ 1996 ድማ ከም ዘገልገለ ዝፍለጥ’ዩ።

ንመራሒ ህግደፍን ንጊዚያዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ምምስራትን ኣብ ኣመሪካ መገሻታት ክገብርን ባብ ዝተርሓወሉ መቃን ጊዜ ምንባሩ ይዝከር።

ኲናት ብምስምስ ባድመ ኣብ ዝተወልዓሉ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ድማ ድሕሪ ወርሒ ኣብ ሰነ 1998 ሓድሽ ኣምባሳደር ተሸይሙ’ዩ።

ኣምባሳደር William David Clarke ካብ 20 ነሓሰ 1998 ክሳዕ 1 ነሓሰ 2001 ኣብ ኤርትራ ተመዲቡ፣ኣብ ዝሰርሓሉ ንናንጽነት ኤርትራ ብምእማን ዉዕል ኣልጀርስ ክፍጸም ካብ ዝተሸባሸቡ፡ ሓደ ኤምባሲ ኣመሪካ እጃሞም ካብ ዝገበሩ ሓደ ትካል እዩ።ነዚ ይመስል ኣብቲ እዋን እቲ ርክባት ደሓን ዝመስሉ ዝነበሩ።

ክንሕጽሮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣገልግሎት ዘመኑ ዝወድኣ ጉዳያት ጸሓፊ ዝኰነ Steve Walker ብወገኑ፡ ካብ 11 ታሕሳስ 2019  ክሳዕ ሓምለ 2022 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ምሉእ ናጽነት ዝነበሮ ሰብ ኰይኑ ናይ ልቡ ዝሰርሐ ዲፕሎማት ምምባሩ ምስክርነት ብቐሊሉ ትረኽበሉ ጉዳይ እዩ።

ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳጊኑ ድማ ብሰላም ዕማማቱ ዛዚሙ ከም ዝኸደ ይፍለጥ።

እንተኰነ እቲ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ከይክበር ዝተኸልከለሉ ዓመታት ኣብ ዘመነ መዝነቱ ዝተኸስተ ምኳኑ ዘስተውዓለሉ ኤርትራዊ ክንደየናይ ይኸውን ትብሉ/ላ፧

ስቴቭ ዋልከር ድሕሪ ምስንባቱ ድማ ከም ጊዚያዊ ጉዳያት ፈጻሚት ኰይና ዝተመዘዘት ወይዘሮ Leslie Freriksen ምኳና ይፍለጥ።

ሚስ ለስሌ ፍረኪክሰን ልዝብትን ከም ስቴቭ ዋልከር ዋዕን ድፍረተን ዘለዋ ኣይትመስልን ክብሉ ተዓዘብቲ ካብ ከተማ ኣስመራን ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እሞ ደኣ ንምንታይ ሓንሳብ ብማንካ ሓንሳብ ብኢድካ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ፧ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ዝቃወም ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስልን’ዩ።ህግደፍ ግን ከም ዝጠዓሞን ዝማእምኦን መትከልን መርሖን ዘየማእዝኖ ስርዓት ብምኳኑ ከም ባህታ ልቡ ምኳኑ ብዙሓት ይኣምኑ እዮም።

ግን ንምንታይ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካውያን፡ኣብ ኤርትራ ክጽንበል ዘይተፈቕደ ትብሉ/ላ፧ ኢሳይያስ ስለ ዘይፈቐደሎም ድዩ፧ ወይስ ርኽባቶም ሓርፊፉ ስለ ዝርከብ ደው ክብል ተገይሩ፧

ብንጹር ኣገባብ ዝሰፈረ ነገር እኳ ተዘይሃልወ እቲ ጉዳይ ርዱእ ነገር ይመስል!

ሕጂ ከ ንምታይ ክጽንበልን ክበዓልን ተፈቒዱ፧ ምናልባት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝወጣወጥ ዘሎ በትሪ ኣመሪካ’ዶ  ይኸውን ዳግማይ ክጽንበል ዝተፈቕደ፧ወይስ ካልእ ጉዳይን ነጥቢ ይህልዎ ትብሉ/ላ፧

ወይስ ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቻይናን እምነት ኣሕዲሩ፡ካብ ኣፋፌት ምዕራባውያን ቀስ ብቐስ ክርሕቕን ክንጸልን ዝጸንሐ ኣባይ ስርዓት ህልው ኲነታትን ዝመጽእ ጊዜ ኣመት ገይሩ ዶ ይኸውን፧

ኣንበብቲ እስከ፡ግበረ- መልስታትኩም ባዕልኩም ሃብሉ/ባሉ ኢኹም/ኽን ክንብል ንፈቱ።

እምበኣር ተገላባጣይ መርገጺ ስርዓት ህግደፍ ዘርእየና ሓንሳብ ዝምድናታት ኣብ ዝሕርፍፈሉ እዋን በዓላቶም ከኽብሩ ከም ዘየፍቕድ የርእየካ።

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራን መዓልቲ ሰማእታት ኤርትርን ግን ኣብ መሬት ኣመሪካ ከም ድላዩ ከኽብር ኣይክልከልን’ዩ።ካብ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዝመጽእ ተቋውሞ ተዘይኰኑ ማለት እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱን ካልኦት ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዝገብርዎ ዘሎዉ ዘይሕለልን ዘይጸዓድን ተቋውሞታትን መከተን፡ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናበረኸን እናሰወደን ካብ ጸወታ ፖለቲካ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ናጻን ሓራን ክገብሮ ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ሓሳቦም ክህብሉ ይርከቡ።ንስኹም/ኽን፡ ከ እንታይ ትብሉ/ላ፧

እሞ  ትማሊ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሓምለ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ብምኳኑ ንኣመሪካውያንን ትውልደ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያንን እንቋዕ ናብ’ዛ ዕለት ኣብጽሓኩም ክንብል ንፈቱ።

ሓሳብኩም ዘለኩም ርእይቶታት ድማ ጽሓፉልና ኢኹም።

ሰላም ይንገስ

By aiga