ፍጡር ሰብ ክገብሮ ዘይእመን ቴክኖሎጂካዊ  ፈጠራታት ዓለምና ፈቲንዎ ዘይወደቐ መንፈሳዊ ዓቅሚ ጅግና ሰራዊት ትግራይ  ምምንማን ስምዒታዊ  ጥንካሪኡ  ብኣሉታ ከንፀላልዎ ምክንያት ዝኮኑ ዘይፍትሑ ቀለልቲ ዝመሰሉ ዓፀቦታት ክፍትንዎ ይረኣዩ ኣለው።

 ካብ ዓብዩ ክሳብ ንእሽቶን ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ማዕፆ ከሉ ህዝቢ ትግራይ ዘንኳሕኮሐ ወራር ልፍንታውያን ሓይልታት ንምምካት ኣብ ግምባራት  ዓውደ ውግእን  ደጀንን ክኳሽሑ  ዝፀንሑ ኣባላት ስራዊት ትግራይ እንመን እዮም ኩሉ ትግራዋይ ከካብ ገዝኡ  ዝሰነዮም ደቁ፣ ኣቦታቱ፣ ኣሕዋን ኣሓቱን  ምኳኖም ዝፍለጥ ሐቂ ኮይኑ ፤ እዚ  ወርቃዊ ስርሒት ፣ ጅግንነታዊ ፍፃመ ፣ ዓለማዊ ትንግርቲ  ዘበለ።

ልፍንታዊ ሓይልታት ምፍጣሮም ዝረግምሉ ንህዝቢ ትግራይ ምትንካፎም ምኳኑ ዘይዝንግዕዎ ተኣምር ዝሰረሐ ሰራዊት ትግራይ ካብ ቃልሲ ኣፈሙዝ ናብ መድረኽ ዓለማዊ ዘተ ዘብቀዐ ፍቱን ወዲ ህዝብን ህዝብን ጅግና ሰራዊት TDF ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ከይበለዐ ከም ዝበለዐ ከይ ሰተየ ከም ዝሰተየ ብዕሩቑ ክዱን ኮይኑ ክቅፅል ዝገብሩ ናይ ሎጀስቲክ መሪሕነታዊ ስራሕቲ ፅፉፋት ዘይምኳኖም  ዘኸተሎ  ኣብ መላአ ተቃላሲ ህዝቢ ትግራይ  ናይ ሓሳብ ግርታ ፈጢሮም እኳ እንተፀንሑ  ።

ኣባላት ጉዳኣት ኩናት ትግራይ ንተኻታተልቲ 3 እዋናት ለካቲትን ጥርን 2015 ዓ/ም ሰልፊ ብምውፃእ ምግቢ ክዳንን ቀረባት ናውቲ ሕክምናን የገበረልና እናበሉ እንትስአምዑ እቲ ኣብ ብመላእ ትግራዋይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነበረ ትዒምዒምታ ኣብ ምሕጋዝ ተቃለሰቲ ጋህዲ ጌርዎ እዩ ።

እቲ ሰልፊ ተቃውሞ ጉዳኣት ኩናት ትግራይ ነዚ ዝተገለፀ ሓቂ ሰለፊ ተቃውሞ ብወገን ዝምልከቶም ኣካላት ምኽንያት መንቀሊ እቶም ሰልፍታት ተቃውሞ ጥረ ሓቂ እዩ ፣ ወዓል ሕደር ዘይብሉ ቅድምያ ክዋሃቦ ዝግባእ ኣጀንዳ ግዝያዊ መንግስትን ኣባለዓት ኣመራርሓ ስራዊትን ምኳኑ ኣብ ማእኽል መሐከሚ ጉዳኣት ኩናት  ትግራይ ኣዋሽ  መቐለ ዝተረኽቡ ተጋዳላይ ምግበይ ሃይለ  እመኑኒ ኣነ ንዓኹም  ተዘይ ኮይነ  ሽመይ እውን እንተኾነ ከይተልዑሉኒ እንትብሉ ኣባላት ሰራዊት ትግርይ ብፍላይ ህዝቢ ድማ ብሓፈሻ ሙሉእ ለውጢ ኣብ ምሕጋዝ ጉዳኣት ኩናትን ስራዊትን ክመፅእ እዩ ዝብል ዓብዩ ተስፋ ተጌሩሉ ። ይኹንእምበር  ናይ መፀበዓ ቃላት ላዕለዎት ኣመራርሓን  ግዝያዊ መንግስትን ምቅፃሎም ኣይተረፈን።

 27 መጋቢት 2015 ዓ/ም ብተመሳሳሊ ጉዳኣት ኩናት ትግራይ ከካብ ማእኸላት መሐከሚ ተኣኻኪቦም ድምፂ ተጋደልቲ ይሰማዕ ፣ ባንዳ ብቪትስ ጅግና ብምርኩስ ፣ ህዝብና ዘዋፀኦ ሓገዛት ጉዳኣት ኩናት ብቐጥታ ይብፀሐና እናዳበሉ ናብ ቤት ፅሕፈት ክልል ምምሕዳር በፅሑ፤ ችፍ ሴክሬታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኾኑ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሳፋ ነቲ ሰልፊ ኣብ ምርግጋዕን መልሲ ተጋድለቲ ንምሃብን ተረኺቦም እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ይሰርሕ እኳ እንተሃለወ ካብ ምሕጋዝ TDF ንላዕሊ ግን ምንም ዓይነት ውራይ የለን ክበሉ ሕዚውን ንመተዓሻሸዊ ዝተዳለወ  ዝመስል ቃል መፅበዓ ካብ ምድጋም  ሓሊፎም ኣብ መሬት ንምሕጋዝ TDF ጠብ ዝብል ስራሕ ከም ዘይተሰሐ ካብ ሕድሕድ ኣባላት ጉዳኣት ኩናት ዝስማዕ ዕላል ቡን ከተማ መቐለ ኮይኑ ከም ዘሎ ዕለታዊ ትዕዝብቲ እዩ ።

ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ቀንዲ ሓበሬታ ሓደ ኣባል ሰራዊት ካብ ኮማንድ ፖስት ፍቃድ ከይረኽበ ንሚድያ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ክህብ ብዘይምፍቃዱ ሓበሬታና ኣብ ገገዘና እንሪኦ ሓቂ ብምውካስን ብትዕዝብቲ ሚድያናን ክንድህስሶ ፈቲና ። ከም ህዝቢ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ ዘለዎ ስሕበት ፖለቲካዊ ከይድን ምድሓን ህዝብን ዕውት ከይዲ ምሕጋዝ ንጉዳኣት ኩናትን ስራዊትን ተሻማይ ውራይ ህዝቢ ከም ዝኾነ ዘይዝንጋዕ ሓቂ አዩ። ግን ድማ ህዝቢ ብዓይነትን ብገንዘብን ኣዋፅዩ ንደቅና ኢሉ ኣብ  ከባቢኡ ንዘሎ መሐከሚ ማእኸል እንተርክብ ኣይፋል ናብ ማእኸል ሎጀሰቲክ TDF እዩ ኣታዊ ክኮውን ዘለዎ ብምባል ብቐጥታ ህዝቢ ደቁ ከይጥቀምሉን ንምትርፍራፍ ዝሓስቡ ኣመራርሓ ማእኸላት ምግብና ሰራዊትን ተቃላዒ ዶ ኣይገብሮን ዝብል ዛዕባ ተደጋጊሚ ይስማዕ ።  

እዚ ዓይነት ወቐሴታ ካብ ዲስፖራ ተጋሩ እውን እናተደመፀ ዝፀነሐ ጉዳይ አዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ወገናት ተጋዳላይ ትግራይ ናብ ቦቶኦም ብዘይ ምምላሶም ንህዝቡ ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእትን ጅግንነትን ከንቱ ዘትርፍ ብምኳኑ ይረኣይ።

መንግስቲ ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላው ግልፂ እኳ እንተኾነ ተመዛባሊ ህዝቢ ከድሕን ብዘይ ምኽኣሉ ሕዚ ውን ተስፋ ተጋዳላይ ዘጉድል ወላዲቱ እናነበዐትን እናጠመየትን ዝረኣየ ጅግና ንዓኣ ንምሕብሓብ ናብ ናይ ባዕሉ  መንገዲ ምምራሕ ሂወቱን ሂወት ሰድርኡን ክኣቱ  ይግደድ ዘሎ ኣባል ሰራዊት እቲ ዓቅሚ ሃልይዎ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ተጋዳላይ አዩ እቲ ንሰለ ህዝቢ ኢሉ ሰንኪሉ ዘሎ ሰራዊት ከ ኩላትና እንግምቶ ሓቂ አዩ  ትግራይ ኣብዚ አዋን ኣገዳዲ ጠለበ ምድሓን ህዝቢ አንተትሓትት መን ኮን የድሕና ኢልካ ከትሰግእ ዝገብሩ ኣካይዳታት በቢመዓልቱ ዝረኣዩ ትዕዝብቲታት እዮም ። ጉዳኣት ኩናት ተጋደልቲ በዓልቶም ዝማረኽወን ተሽከርከርቲ ብጎደና እንተሓልፋ ንሕክምና ቆፀሮ ክኽዱ ጠጠው ኢሎም መኪና ዝፅበዩ ተጋደለቲ ትእዛዝ ዝተዋሃበን ይመስላ ሓሓሊፈኖኦም እንትኽዳ  ኣብ ገፅ እቶም ጀጋኑ ዝንበብ ቁጠፀ መመሊስካ ክትነብዕ ዝገብር ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ምኳኑ ተዕዘብ ።

እዚ ምስኣን ሓቦ ዝወለዶ  ኣብ ከተማ መቐለ ሮማናት ኣብ ዝተባሃለ ከባቢ ካብ ማእኽላት መሐከሚ ወፅዮም ኣብ ሊስትሮ ተዋፊሮም ካብ ዝሰርሑ ሓደ ተጋዳላይ ንርኢ እዚ ጅግና እቲ ዓይነት ሰራሕ ምስርሑ ሕጉስ ብዘይ ምኳኑ ንቃለ ምሕትት ፍቃደኛ ኣይኮነን ግን ሓቦ ጅግና ዘረብረበ ቃል መፅበዓ ብምንውሑ ሲዒቡ  ዝወሰኖ ውሳነ ምኳኑ ግሁድ ሓቂ አዩ። ሓደ ነገር ክግለፅ ዘለዎ  ካብ ግዜ ናብ ግዜ  ውሱናት ለውጢ ዘርኣዩ ከይደታት  ንጉዳኣት ኩናት ትግራይ ከም ዘለው  ዝዝንጋዕ ኣይኮነን ቅድም ክብል ናይ ጁባ ክፍሊት 300 ብር ይኽፈል ዝነበረ ኣባል ተጋዳላይ ትግራይ ሕዚ ናብ 1000 ብር ክብ ምባሉ ክምስገን ዝግበኦ እዩ እኳ እንተዘይ ተባሃለ ተስፋ ምምሕያሽ ኣለዎ ክትብል ትኽእል። ብዓይኒ ናህሪ ዋጋ ትግራይ 300 ብር ኮነ 1000 ብር ስረ ኮነ ካሊእ መቐየሪ ክዳን ክገዝኡ ስለ ዘየኽእሎም ሕዚ ውን ተጋደልቲ ካብ ዕርቃን ኣይወፁን ።

እዚ ዛዕባ ንግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ  ምስቲ ዘለዎ ከይዲ ምምላስ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይን መምላስ ተመዛበልትን  ክንደየናይ ከቢድ ምኳኑ ዘይዝንጋዕን። እንተኾነ ግን ንሰራዊት ትግራይ ልክዕ ከምቲ ንምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ናይ ተጋሩ ወፍሪ ቴሌቶን ዝሳለጥ ንምድንፋዕ ዓቅሚ ጉዳኣት ኩናት ዝብል መስርሕ ዘርጊሕኻ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ምኳኑ ዘመላክቱ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ በዓል መፀ  ደቁ ንምሕጋዝ ዘርእዮ ቅሩብነት መበገሲ ብምግባር ይካኣል እዩ። እዚ ንምግባር ዛጊድ ዝተጀመረ ወፍሪ እኳ ተዘይ ሃለወ ንሰራዊት ገንዘብ ኣተኣኻኪብካ ምጥንኻር ከም ውርደት ዝርእዩ ኣባላት ኣመራርሓ ከምዘለው ንዕዘብ  ኣለና። ብዝተፈላለየ መንገዲ ን ሰራዊት ዝመፅእ ዝተበታተነ ሓገዝ ከተዓናቕፉ ዝርኣዩ እዞም ሰባት እዚኦም እንድሕር ተሓባቢርካ ምሕጋዝ እንተሕፊሩ ሰራዊትካ ዝደለዮ ዘይመምላእ ኸ እንታይ ክባሃል?

 ሰራዊት ትግራይ ብዓይኒ መንግስቲ ብመዓልቲ 30 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝሓትት ምዃኑ ዝተረኸበ ሓበሬታ የርድእ ። በዚ በለ በቲ ንምጉዳል ሓቦ ተጋደለቲ ከም መበገሲ ዘልዐልናዮም ዛዕባታት ጠቂስና ክንዛዝም ሓቦ ጅግና ዘላሕለሐ ቃል መፅባዓ ይኣክል ብምባል ክንፍለየኩም ።

By aiga