ዕፅዋን ክባን ፈንፂሑ ዘየቋርፅ ውሕስና ሂወት ሰብን እንስሳን ትግራይ ዝኾነ ወርቃማ ሕምባሻ ልግሱ ቀፂሉ። ሰነ ገፀ በረከት ሃፍቲ ሕርሻ ትግራይ  ተኾልⷊሉ እንትብሕት ወለላ መዓዝኡ  ምዕጉርትኻ ዝመልእ  መቐረት ትዝ እናበለካ ናብ ኣንፈት ዞባ ምብራቅ ትግራይ  ብሓሳብ ክትጓዓዝ  ሃንቀውታ ዝፈትር ፀጋ በለስ ዓመታዊ ወቅቱ  ሓልዩ  ናብ ኣፍ ህዝቢ ከበፅሕ በቂዑ።

ካብ ነበርቲ ወረዳ ኢሮብ ሓደ ዝኮኑ ኣይተ ኣለማ ወልደማርያም “ኣብ እዋን ክባን ዕፅዋን ዋሕስ ሂወት ስብን እንስሳን ትግራይ ኮይኑ ብፍላይ ካብ ወራሪ ሓይሊ ፀላኢ ሻዕብያ ዝተዳሃለ ህዝቢ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ናብ ጎበታት ዓዱ ኣብ ዝተፀገዐሉ ከምቲ ዝለመዶ ማሙቅ ገዝኡ ዋላ ዳኣ ኣይርከብ እምበር ልግሲ ሕምባሻ በለስ ግን ኣይተፈለዮን።” ይብሉ።

ከም መብርሂ እቶም ወሃቢ ሪኢቶ፣ ሕዚ እውን እንተኾነ ወረርቲ ሓይልታት ሻዕብያ ካብ መሬትና ስለ ዘይወፁ ብፍላይ ወርሒ ሰነ ልግሲ ዘይፍለያ እዋን ኮይና በለስ ስሩዕ ምግብና  ጌርና ግዜ ንሓልፎ ኣለና ክብሉ ሓሳቦም ድሕሪ  ምግላፅ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ ዝርከብ ህዝቢ ኢሮብ ዓለም-ለኻዊ ቆላሕታ ክግበረሉ ተማሕጺኖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ አንከሎ በለስ ኣብ ንምገበሉ እዋን ንሰውነት ወዲ ሰብ ፍልፍልዕ ካልሴም ዝባሃል ንጥረ ነገር ክረክብ ከም ዝሕግዝ ኮይኑ ብፍላይ ድማ  ህፃናት ኣዕፅምቶም ጠንካረ ክህልዎ ከም ዝገብር ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝሓበሩ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ተመራማሪ ልምዓት በለስ ኣይተ የማነ ካሕሳይ እዮም ። በለስ ይብሉ ኣይተ የማነ መበቆሉ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ከም ዝኾነ ብምሕባር ብመንፅር ትሕዝቶን ዓሌት በለስን ግን  ናይ ትግራይ በለስ  ኣብ ምክልኻል ሕማም ሸኮርያ ልዑል ብፅሒት ከም ዘለዎ ይሕብሩ።

ከም መብርሂ እቶም በዓል ሙያ ብፍላይ ኣብ ናይ ንጉሆ ቁርሲ በለስ ክንጥቀም እንተኺኢልና ንቆርበትና እውን ፍሉይ ወዝ ክህልዎ ከም ዝገብር ኣብሪሆም ፣ ከም ኣብነት እንትጠቅሱ ድማ ናብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ በለስ  ኣብ ዝፈርየሉ እዋን እንተተንቀሳቂስካ ኩሉ ምግቢ በለስ ዝጥቀም ሰብ ፅቡቅ ሕብሪ  ቆርበት ኣብ ገፁ ከም ዝንበብ ይጠቅሱ  ኣይተ የማነ ካሕሳይ ። መፅናዕትታት ከም ዝሕብርዎ በለስ  መፃኢ ምግቢ ዓለምና እናተባሃለ ከም ዝፅዋዕ የብርህ እዚ ድማ በለስ እቲ ሕዚ ዓለምና ትኸዶ ዘላ መጠን ልአቀት ጋዝ ናብ ከባቢ ኣየር እናቀፀለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ካብ በለስ ሓሊፉ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ዋዒ መሬት ክፃወር ዝኽእል ተኽሊ ክህሉ ከም ዘይኽእል የእንፍት ። እዚ ድማ ህዝቢ በለስ ናይ ምምጋብ ተኽእልኡ ዝላዓለ ክኽውን ከም ዝኽእል  ንምጥቃስ እዩ። ተኽሊ በለሰ  ሽላኑን  / ቆፅሉ/ ብመልክዕ ፀብሒ ከም ኣሰራርሓ ድንሽን ካሮትን ፣ ምስ ካልኦት ናይ እኽሊ ሕሩጫት ብምሕዋስ ድማ ቅጫ ፣ ብስኩት ፣ ሃንዛ ፣ ጋዓትን ኮይኑ ከም እንጥቀመሉ ብምግቢ ዓርስና ንኽኣል ኣብ ዝብል መድረኽ ምድላው ምግቢ 2012 ዓ/ ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝቅረበ ቅምሶ ምግብታት ተራእዩ መልሓስ የቁጥም ተባሂሉሉ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፍረ በለስ በሲሉ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ኣብ ክንዲ ብቐጥታቀ ምምጋብ ብመልክዕ ፅሟቅ ተዳልዩ ንምግብነት ከም ዝውዕል ብበዓልቲ ሙያ ዶ/ር ሳራ ተ/ብርሃን ኣብቲ እዋን መድረኽ ምድላው ምግቢ ዝተራኣየ ብሉፅ  ኣዳላልዋ ምግቢ  በለስ ሓደ እዩ። እዞም ክያዶታት ኣዳላልዋ በለስ ሕዚ ኣበይ በፅሑ ንዝብል ሪኢቶ ዕቱብ መልሲ እኳ ንተዘይተረኽበ በለስ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣደላልዋ ምግቢ ተሰንዩ ንምስራሕ ዝዓግት ነገር ከም ዘይብሉ BBC ብ2008 ዓ/ም ዘቅረቦ ፀብፃብ ዛዕባ በለስ እውን ነዚ ዘራጉድ ሓሳብ ንረኽብ ምዚ ተዛሚዱ ሓደጋ ብርሰት በለስ ብሓሰኻ ኮችኔል ዛጊድ መፍትሒ ከም ዘይተረኽቦ  እውን BBC የዘኻኽር።  

በለስ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ወቅቲ ዋሕስ ተመዛበላይ ህዝቢ ኮይኑ ከም ዘሎ ዘመላኽት ዳማ ኣብ ኣፍ በሪ IDPS / መዕቆቢ / ተመዛበልቲ ህፃናት ንባኒ ዝኾውን ወፃእታት ብምስኣኖም በለስ ብቐሊሉ  ክገዝኡ ትሪኤሉ ዕለታዊ ትዕዝብቲ ኮንይኑ ኣሎ ነዚ  መሊኡ ዘይተፈተሐ ዕፅዋን ክባን ትግራይ በለስ ሕዚ እውን ኣብ ጎኒ ህዚቢ ኮይኑ ብዕፅዋን ክባን ኢዱ ከይሃበ ዝቅፅል ዘሎ ፍርያት ሕርሻ ኢልናዮ ኣለና።

ብተዛማዲ መብኣሕትኡ ነባሪ ከተማታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ከተማታት ዓድግራትን መቐለን ሸዊት በለስ ኣብ ዘንቢሉ ኣንጠልጢሉ ነናብ ገዝኡ ዝኽደሉ ወቅቲ ከም  ዝኾነ መጠን ኣብ ገዛ ዘሎ ጠለብ ምግቢ እኽሊ ንምቅናስ ህዘቢ  ብብዝሒ በለስ እናገዘኣ ትሪኤሉ ኩነታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

ሰነ 2015 ዓ/ም

መቐለ

By aiga