ኢንዱስትሪ ውድድር ፅባቐ (Beauty Pageant Industry) ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብ ዝተረኸበ መረዳእታ መሰረት ኣብ አሜሪካ ጥራሕ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቀሳቕስ ይግመት። እቶም ኣውራ ኣውራ Miss World (Since 1951), Miss Universe (Since 1952), Miss International ዝበሃሉ ኮይኖም ብ ጠቕላላ ከባቢ 2.5 ሚልዮን ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ክልል ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ይሳተፋሉ ይበሃል።

ናብ ዓድና እንትንምለስ ድማ ብዙሕ ከም ትካላውነት ዋላ ኣይርአይ እምበር ፅባቐ ካብ ምድናቕ’ሲ ዓዲ ኣይተውዓለን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ውድድር ፅባቐ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ዝተኻየደ ነይሩ። ካብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ውድድር ካልአይቲ ብምውፃእ ተዓዋቲት ብምዃን ካብ ኢድ ሃፀይ ሃይለስላሰ ብ ክብሪ ዝተሸለመት ወይዘሪት ትግራይ ስላስ ረዳ ትበሃል። ፀሓፋይ ታሪኽ በሃር ኣብርሃም ብርሃነ ሓደ እዋን ክገልፅ እንከሎ ማማ ስላስ ረዳ ከም ሓንቲ ፈታዊተይ መጠን ብዛዕብኣን ደሓን ዝኰነ ኣፍልጦ ኣሎኒ እብል።እዚ ድማ ማማ ስላስ ኣብ 1948 (1955 ዓ/ም/ፈ) እየን ወይዘሪት ኤርትራ ተባሂለን።ኣብ ሚስ ኢትዮጵያ (ወይዘሪት ኢትዮጵያ) ተዓሚጸን ከም ቀዳመይቲ ክወጻ ኣይከኣላን እየን።እቲ ምንታይ ሰበይ ሰብኻን ዉሽማይ ዉሽማኻን ብምንባሩ ንሰን ክዕወታ ኣይደለዩን። ሰፊሕ ታሪኽ እዩ።” ይብል።

ስላስ ረዳ፥ ተዓዋቲት ፈላማይ ውድድር ፅባቐ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ 1950ታት (ስእሊ ካብ መም. ሙሉወርቅ ፌስቡክ)

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኣደራዕ ክረኽብኦ ዝግባእ ቀዳማይ ደረጃ ዋላ ይስኣና ማማ ስላስ ኣብ 1960ታት ብ ትግራይ ደረጃ ኣብ ዝነበረ ውድድር ተሳቲፈን ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሓዛ ታሪኸን የዘንቱ።

A person holding trophy
ስላስ ረዳ፥ ተዓዋቲት ፈላማይ ውድድር ፅባቐ ትግራይ ኣብ 1960ታት (ስእሊ ካብ መም. ሙሉወርቅ ፌስቡክ)

ብ ድሕሪኡ ኣሰር ማማ ስላስ ረዳ ስዒበን ዝተኸተላ ተጋሩ ተወዳደርቲ ፅባቐ ከምዝነበራን ንሰን ድማ ከም በዓል ማማ ኣልማዝ  ኣበራ (ኣብ ኦሮማይ ዝብል መፅሓፍ በዓሉ ግርማ ብ ሮማን እተደርሰት)፣  ኣብቲ ዘውዲ ኣርኣያ (ኤርትራዊት) ቀዳመይቲ ዝወጸትሉ ኣብ 1962 ማማ ስላስ መምህራን ኣላይታን ኰይነን ሰሪሐን እየን።

ስለ ሕሉፍ ታሪኽ ውድድር ፅባቐ ትግራይ ቅሩብ ካብ ጨለፍኩ ናብ እቲ ዓብዪ ጉዳየይ ክምለስ።

ራህዋ ክንፈ ትበሃል! ኣብ TMH ቃለ-ምልልስ ኣብ ኣኽሱም ከምዝዓበየትን ክሳዕ 12 ከምዝተምሃረትን ትገልፅ። ብ ማርኬትንግ ማንጅመንት ቀዳማይ ድግሪ ዝተመረቐት ራህዋ ን ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ሰራሕተኛ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዪጵያ ብምዃን ኣገልጊላ። ድሕሪ እቲ ን ትግራይን ትግራዋይነትን ዘቕንዐ ወራር ን ህይወታ ብ ምስጋእ ኣብ ቤልጄም ብራስለስ ብ ምዃን ድምፂ ህዝባ ብፍላይ ግዳይ እቲ ኲናት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈላለዪ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምትሕብባር ክተስምዕ ክኢላ። ብዝረኸበቶ ውልቃዊ ዕድል ድማ ን መጀመርያ ግዘ ትግራይ ወኪላ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ “ውድድር ፅባቐ ወይዘሪት ኣፍሪካ ኣብ ቤልጄም” (Miss Black Belgium) ካብ እታ ሕርይቲ ወይዘሪት እቲ ውድድር ቀፂላ ካልአይቲ ሕርይቲ ወይዘሪት (1st runner up) ደረጃ ሒዛ ተዓዊታ።

Rahwa computing in the Miss Black Belgium Beauty Contest
ራህዋ ፎቶሾት ኣብ ውድድር ሚስ ብላክ ቤልጄም

ራህዋ ብ ደጋዊ ፅባቐ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ እዚ መድረኽ ክትገንን ዝበቕዐት። ካብ እቲ 50% እቲ ውድድር ዘይንእስ ዝሽፍን ሰብኣዊ ኣረኣእያን ካብ ካልኦት ተወዳደርቲ ንላዕሊ ድማ ብሄራዊ ክብርታት ትግራይን ዝተወለደትሉ ዓዲ ዝውክል ጥንታዊ ኣክሱማዊ ስልጣነ ባህልን ስርዓታትን ኣብ ትኽክለኛ ግዘን ሰዓትን ክተፋልጥ ከምኡ እውን ስለ እቲ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት’ ዓው ኢላ ክትዛረበሉ ዘኽእል መድረኽ ንምስታፍ ዘርአየቶ ዘይተሓለለ ተጋድሎ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ወኪለን ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ዝተሳተፋ ወይዘራዝር ትግራይ ከም ኣብነት ቅሳነት ተክለሃይማኖት፣ ገነት ፀጋይ፣ ሰለማዊት ተክላይ ዝኣመሰላ ኣሓት ኣብ ቀረባ ግዘ እንዝክሮ ተሳትፎ ደቂ ትግራይ እዩ። ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ትግራይ ወኪልካ ብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዓድኻን ክብርኻን ምፍላጥ ከምዝከኣል ኣብነት ዝኾንኪ ወይዘሪት ራህዋ ክብሪ ይግበኣኪ።

By aiga