ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

ሰብ ብገዛ ኢዱ (ሕርይኡ) ኣብ ዝባኑ ካብ ዘምፅኦም፣ ተመሊሶም ድማ ባሪያ ካብ ዝገበርዎ ነገራት ሓደ ስልጣን ወይ ድማ መንግስትነት ዝበሃል ነገር ይጥቀስ። መልክዑን ቁመቱን ብዘየገድስ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ዘለዎ ሰብ ኹሉ ተፈጥሮኣዊ ባህሪኡ ናይ ምግዛእ ፀጋ ዘለዎ ፍጡር እንትኸውን፥ ሰብ ንሰብ ንኽገዝኦ ግን ንሰብ ናብ ህልውና ዘመፀኣ ናይ ፈጣሪ ሓሳብ ኣይነበረን፤ ኮይኑ ‘ውን ኣይፈልጥን። ስልጣን ኮነ መንግስትነት፥ ብተፈጥሮኣዊ ባህሪኡ ድልየቱ ናይ ምምራፅ ፍቓድ ዘለዎ (ተሓታትነት ዘኸትል) ናይ ወዲ ሰብ ናይ ሕርያ ውፅኢት ‘ዮም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፥ ንሕማቕ ድዩ ንፅቡቕ፣ ንልምዓት ድዩ ንጥፍኣት፣ ንሓርነት ድዩ ንባርነት፣ ንደበስ ድዩ ንዝኸፍኣ ዕንወት ብኸይዲ ብቑሉዕ ዝረኣ ኾይኑ፥ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ዓቢይ ግደ ዝፃወት፣ መቐነት ወላዲተይ ኣዐንቅፍኒ ኢልካ ዘይተምልጠሉ ዝለዓለ ናይ ስልጣንን ሓላፍነት ተሸካሚ ኮይንካ ኣለኻ። ዝመፃኻሉ መንገዲ ብዘየገድስ፥ ስቓይን ሕሰምን ድኻ ማሕበረሰብ ዘይፈትው፣ ንብዓትን ስብራት ውፁዕ ህዝቢ ዝይዕገስ፣ ንዝለመነ ዘበለ ኹሉ ሂቡ ዘይነፅፎ ፈጣሪ እነሆ ሎሚ በፅሒኻዮ ንዘለኻ ብራኸ ንኽትበፅሕ ማለት ‘ውን እዚ ዝበሃል ፃዕሪ ከይገበርካ፣ ዝተኣልመ ሽርሕን ጉርሕን ውድብካ ውድብ ህወሓት በታቲኹን ኣቕሂሙን፣ ዕድልን አጋጣምን ኣመዓራርዩ፣ ብኣውርኡ ድማ ጊዜ ኣብ ጎንኻ ደው ንኽብል ጌይሩ ኣቶ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይንካ ህዝብን ዓድን ንኽትመርሕ በቒዕኻ ኣለኻ። እዚ ዕድል ከመይ ትጥቀመሉ? ንዝብል ሕቶ ንዓኻ ገዲፈ፤ ከምቲ ቕድም ኢሉ ዝሓበርክዎ ‘ውን ድሕረ ባይታኻ ኾነ ኣመፅኣኻ ከምኡ ‘ውን መሽረፈት አራት ኪሎ (ዐቢይ አህመድ ዓሊ) ዝዘኻኸረኒ፣ ተዝፈትሎን ተዝኣልሞን ንበይኑ መፅሐፍ ዝወፆ እቲ ፈላማይ መንግስታዊ መረደኻ ሰሚዓ ከም ዘይሰማዕኹ ኾይነ ብምሕላፍ፥ 1ይ. ከም ሓደ ተስፍኡ መሊኡ ዘይጸልመተ ትግራዋይ ሰናይ ንኽፀንሓካ፣ 2ይ. ዝመፀ ሰብ ይምፅእ ነቲ መንበረ ስልጣን ዝግባእ ዕድል ምሃብን ከም በዓል ሞያ ድማ ተሞክረይ ብመልክዕ ምኽሪ ከካፍል መሪፀ እነሆ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳባይ ከካፍለካ።

ፀዓዱ፥ “New sheriff in town!” ይብሉ። እዚ ማለት፥ ናይ ዝመረተ እምነትን ኣተሓሳስባን ውፅኢት ዝኾነ ነባር መስርሕን ኣሰራርሓን ንቡር ኮይኑ ዝቕፅለሉ ዕለት ሎሚ ኣብቂዑ ‘ሎ! እነሆ ከምኡ ኢሉ ብዝነበረ ዝቕፅል ዝኾነ ይኹን ነገር የለን፤ ለውጢ መፂኡ ‘ሎ! ሓድሽ መስርሕን ኣስራርሓን ድማ ስፍርኡም ሒዞም ኣለዉ! ማለት እንትኸውን ጥቅልል ብዝበለ ኣገላልፃ ምስ ነቕምጦ ድማ፥ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን! ከም ማለት ይኸውን። ኣብ መእተዊ ፅሑፈይ ከም ዝሓበርክዎ፥ ጥልቕ ናብ ዝበለ ኣብ ዙሪያ ናይ ስልጣን ተፈጥሮኣዊ ባህሪያት ናብ ዝሕምብቡ ነጥብታተይ ቅድሚ ምእታዋይ፥ ስልጣን ኮነ መንግስትነት ምስ ሕግን ስርዓትን ካብ ዘለዎም ምትእስሳር ንላዕሊ ምስ ስነ-ልቦና (mindset) ዝለዎም ተዛምዶ ኣዝዩ ዕዙዝ ብምኻኑ ከም ቁፅሪ ሓደ ገይሬ ዘስፍሮ ናይ ስልጣን ተፈጥሮን ባህሪይን ቀፂሎም ንዘስፍሮም ነጥብታት ተፈፃምነት ወሳኑ ምኻኑ ክሕብር እፈቱ። ብኻሊ ኣባህላ፥ ናይ ስልጣን ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ፣ ባህርን ረብሓን ኣፀቢቖም ዝፈልጡ፣ ናይዚ ፍልጠት ተረባሕቲ ብምኻን ድማ ንዝሓልፉ 30 ዓመታት ኣብ ዝባን ህዝቢ ተሰቒሎም ድሌቶም እናገበሩ ዝመፁ መራሕቲ ህወሓት ኣብ መዋእሎም ፈፂሞም ክሪእዎ ዘይደልዩ፣ ብህይወቶም ኣዝዩ ዘፍርሖም ነገር ተሃለወ፥ ብኣተሓሳስብኡ ነፍሱ ኽኢሉ ደው ዝብል፣ ንነፍሱ ናይ ምሕሳብ ዓቕሚ ዘለዎ፣ ነፃን ሙሉእን ዝኾነ ሰብ እንትኸውን፤ ናይ ስልጣን ናይ ምግባርን ምፍፃምን ባህሪ፣ ዓቕምን ረብሓን ኣፃፊፉ ዝፈልጥን ዝርዳእን፣ ዕድልን ኣጋጣምን ተገጢምዎ ድማ ፍልጠቱን መረዳእትኡን ኣብ ተግባር ካብ ምውዓል ንድሕሪት ዘይብል፣ ኣብ ልዕልነት ሕግን ስርዓትን ዝኣምን፣ ብስርሑን በተሓሳስብኡን በዓል ስልጣን ዝኾነ ሰብ ክሪኡን ክሰምዑን ከለዉ ከምቲ በኣምሓርኛ “ወዶ-ገብ ባሪያ” ዝበሃል ኣገላልፃ፥ መራሕቲ ህወሓት ካብ ለማዳ (ዘቤታዊ) እንስሳ ዝተሓተተ ስብእና ዘለዎም ስሉባት ምኻኖም ምፍላጥን ምርዳእን ወሳንን ኣድላዪን ‘ዮ። ብተመሳሳሊ፥ መራሕቲ ህወሓት ዘይደልይዎ ሰብ ናብ ስልጣን ስለ ዝመፀ ጥራሕ ድማ ብቐሊሉ ዝደናገፁ ሰባት ከም ዘይኮኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ‘ዩ። ብሕጊ ተመረቕ ብኻሊእ፥ ናይ ስልጣን ናይ ምፍፃም ዓቕምን ባህርን ኣላሚፁ ዘይተረደኣ፣ ስልጣን ንበዓል ስልጣን ዝህቦን ዘበርክቶን ዓቕምን ጉልበት ዘየስተማቕር፣ ኣብ ኢድካ ዝኣተወ ናይ ምጥቃም ባህግን ተበግሶን ዘይብልካ ሓላፊ መንገዲ ዝዓይነቱ ሰብ ምኻንካ ተፈሊጦም፤ እዚ ማለት፥ ብዝመፃኻ ምፃእ ኣብ መንበረ ስልጣን ዝተቐመጠ ተራ ውልቀ- ሰብ ምኻንካ ተሽቲቶምኻ መፃወቲኦም ክገብሩኻ ‘ዮም። እዚኣ ንኸይትኸውን ግን ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹልን፥ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ኣብ ትግራይ ልዕልነት ህግን ስርዓት ንኽኽበር ብምግባር ናይ ትግራይ ጊዜያዊ መንግስቲ በዓል ስልጣን ምኻንካ ኣፍልጥ።

ዓሰርተ ትእዛታት ምስረታ ዘይናወፅ ፅኑዕ መንግስትነት ትግራይ

(ብፍላይ ንፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ንኣቶ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ)

1. ስልጣን ዘውዲ ዘይኮነ፥ ብኣንፃሩ ናይ ምትካልን ናይ ምንቃልን ፍሉይ ዝኾነ ዓቕምን ተኽእሎን ዘለዎ ናይ ሓላፍነትን ተፅዕኖ ናይ ምፍጣርን መስርሕ ምኻኑ ፈሊጥካ ሙሉእ ሓላፍነት ውሰድ። ስልጣን ክበሃል ከሎ ኣብ መንበረ ስልጣን ምቕማጥ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ዝተቐመጥካሉ መንበረ ስልጣን ዝኣመንካሉ ናይ ምግባርን ናይ ምፍፃምን ዓቕሚ ዘለዎ ተፅዕኖ ፈጣሪ መሳሪሒ ምኻኑ ተረድኢኻ ናይ መሪሕነት ድርሻ ምውሳድ ምኽኣል ‘ዩ። እዚ ማለት፥ እቲ ትማሊ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስልጣን ዘበለ ኹሉ ካብዚ ሕዚ ሰዓት ጀሚሩ ትሕቲ ምሕደራኻ ‘ዩ። ትማሊ ልዕሌኻ ዝነበረ በዓል ስልጣን ዘበለ ኩሉ ሎሚ ትሕቲ ስልጣካ ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ትግርኛ፥ ኣብዚ ሓዚ ሰዓት ኣብ ትግራይ ካባኻ ንላዕሊ ስልጣን ዘለዎ ግለሰብ ይኹን ቡድን ክህልው ይትረፍ፥ ምሳኻ ዝመዓራረ፣ ጎኒ ጎንኻ ክኸይድ ዝኽእል፣ ኣነ ዝበልክዎ ተዘይኮይኑ ኢሉ ክኾልፈካ ዝኽእል፣ ኣብ ስራሕኻ ጣልቃ ናይ ምእታው ዓቕሚ ዘለዎ፣ ዝበካዮን ዝኣዘዝካዮን ገዲፉ ናይ ልቡ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ሰብ/ቡድን የለን። ንምንታይ? ስልጣን ህልውን ጭቡጥን ድ’ምበር ስልጣን ታሪኽ ስለ ዘይኮነ ‘ዩ። ትማሊ በዓል ስልጣን ዝነበረ ሰብ ይኹን ቡድን ሎሚ ኣብ ስልጣን ተዘይሃልዩ፥ እቲ ሰብ/ቡድን ንሱ የለን! ተባሂሉ ‘ዩ ዝፍለጥ። ትማሊ ኣብ ስልጣን ዘይነበረ ሎሚ ናብ ስልጣን ተመፅዩ ድማ እቲ ትማሊ ዘይነበረ ሰብ ሎሚ በዓል ስልጣን ተባሂሉ ‘ዩ ዝፈለጥ። ሕዚ ‘ውን ቅልል ብዝበለ ትግርኛ፥ ፕሬዝዳንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፥ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናይ ትግራይ ናይ ስልጣን መወዳእታ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ትሕቲ ናይ ትግራይ ሰማይ ዝነብር ብልዕልነት ሕግን ስርዓት ዝኣምን ስጋ ዝለበሰ ሰብ ዘበለ ኹሉ ድማ ካብ ስልጣን ንታሕቲ ‘ዩ። እዚኣ ፈሊጥካ ሓላፊነትካ ንኽትዋፃእ ከም ዝነቐልካ ዝፈለጠን ዝሰምዐን ሰብ/ቡድን ኩሉ ድማ ብዘይ ተፃብኦ ንመሪሕነትካ ኣፍልጦ ሂቡ ብሕግን ብስርዓትን ንኽነብር ተፈጥሮ ባዕላ ገኒሓ ናብ መስመር ክተእትዎ ‘ያ። ካሊእ ይትረፍ፥ እቶም ከም ጠነግ ዝተሓላለኹ፣ ንዝሓፉ 30 ዓመታት ሀብቶምን ናይ ሰብ ሓይሎምን ተኣማሚኖም ናይ ልቦም እናገበሩ ዝመፁ፣ ዘመኖም ዘብቅዑ ጉጅለ መራሕቲ ህወሓት ከይተረፉ ንኽቕበሉኻ ኾነ ንኽነፅጉኻ ውሳኒ ሚና ዝፃወት ኣታሕዛኻን ኣረጋግፃኻን ከም ዝኾነ ክሕብረካ እፈትው። ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርክዎ፥ ስልጣን ታሪኽ ወይ ድማ ነበረያ ነበረ ዘይኾነስ፥ ስልጣን ህልው ሓላፍነት ከም ሙኻኑ መጠን ሎሚ እቲ ህልው በዓል ስልጣን ድማ ንስኻ ሙኻንካ ፈሊጥካ ደው ተልካ ክትስዕሮም ኢኻ። እዚኣ ፈሊጥካ ደው ምባካ እናፈለጠ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዝብል መሰሪ ተሃልዩ ‘ውን ዘይተዓደለ ግለሰብ/ቡድን ጥራሕ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። ብኣንፃሩ፥ መሰረታዊ ናይ ስልጣን ተፈጥሮን ባህርን ብዝግባእ ከየስተማቐርካ (በዓል ስልጣን ተባሂልካ ስለ ዝተፈለጥካን ዝተፀዋዕኻ ጥራሕ) ብሃስመሰስ ህዝብን ዓድን ክመርሕ ‘የ ኢልካ ተወፂኻ ግን እቲ ብሽመትካ ሕጉስ ዘይኮነ ዕሉል ጠነግ መሪሕነት ህወሓት መስሓቕ ሸራፋትን ጓህማማትን ክገብረካ ‘ዩ። እዚኣ ንኸትኸውን ግን ሕዚ ‘ውን፥ ፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ስልጣን ዘለካ ጭቡጥ መረዳእታ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቑን፣ ፈታውን ፀልእን ብዕሊ ክፈልጥን ክርዳእን ኣለዎ።

2. ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብግቡእ ገምግም። ካሊእ ይትረፍ ኣብ ከይዲ ስራሕ ክገጥመካ ንዝኽእል ዓንቀፍቀፍ ኩሉ ብዓቕምን ብዓቕልን እናበዳህኻ፥ ኣማስይኡ ድማ ሰዓራይ ኮይንካ ክትወፅእ እትኽእል፥ መልዓሊኻ ነጥብን ምኽንያትን ብዝግባእ ብምንፃር መንገድኻ፣ ኣካይዳኻን መዕለቢኻን ፈሊጥካ እትገብሮ ጉዕዞ ንምኻኑ ዘተሓትት ኣይኮነን። ከም ምሳላ ወለዲ፥ ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን! ከም ዝብልዎ፥ ሕዚ ‘ውን መሰረት ስልጣንካ ዝኾነ መሬትን ማህበረሰብን ትግራይ ብዝግባእ ምፍላጥ ምኽሪ ዘድልዮ ዛዕባ ኾይኑ ዘይኮነ፥ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ንቡር ተባሂሉ ክፍለጥ ዝኽእል ኩነታት ብዘይ ሙኻኑ፣ ብቐንዱ ድማ ትግራይ ትርከበሉ ወድዓዊ እዋን ድሮ ዘርኣዊ ፅንፈትን ዕንወትን ብምኻኑ ብፈላጣትን ብሰብ ሞያን ዝምራሕን ዝስራሕን ሰፊሕን ዕሙቐት ዘለዎን ግምገማ (analysis) ዝጠልብ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ብምኻኑ ‘ዩ። ፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፍልፍል መሰረት ስልጣንካን ሓላፊነትካን እዚኣ ጌርካ ተተላዒልካ ማለት ‘ውን፥ ከም ሓድሽ መሪሕነት፥ ፍልፍል ራኢኻ ኾነ መንግስታዊ ተልእኾኻ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምስ ዝኸውን፥ ርኡይ፣ ብኹሉ ዓይነት መዓቀኒ ዝልካዕ፣ ግልፅን ውፅኢታውን ዝኾነ ስራሕ ንኽትሰርሕ ዓቕሚ ምፍጣርካ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ታሪኽ ትግራይ፥ ብልጫ ዘለዎ፣ ዝነኣድ፣ ንመፃኢ ወለዶ ትግራይ ዝተርፍ፣ እምነ ኹርናዕ ለውጢ ዝኾነ ስራሕ

ሰሪሕኻ ንኽትሓልፍ ዘኽእለካ ‘ዩ ዝኸውን። ከምቲ ኣብ መንግስታዊ መግለፂኻ ብቑሉዕ ዝሓበርካዮ፥ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘጉህን ጥራሕ ዘይኮነስ ስፍርን ቁፅርን ዘይብሉ ትግራዋይ ብረሃፁ ዘጥረዮ ሀብትን ንብረትን ስኢኑ ተመፅዋቲ ዝኾነሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ፈታንን ዝተሓላለኸን ፀገም ህዝብን ዓድን መልክዕ ኣትሓዝካ ፍታሕ ክትገብረሉን ክትረኽበሉን እትኽል ድማ መዓልቲ መዓልቲ ዕፃ እናውፃኻ “ሎሚ እዚ ፀገም እዚ ከፈትሕ ‘የ” ተባሂሉ ብሃሰስ መሰስ ዝፍታሕ ፀገም ዘይኾነ የግዳስ ምኽንያታዊ ብዝኾነ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ቀዳማይ ዳሓራይን ብንፁር ፈሊኻ ብዝስራሕ ስራሕቲ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። “ፀገመይ ፍታሕ ኣይረኸበን!” ኢሉ ክስለፈካ ዝኽእል ማሕበረሰብ ትግራይ ‘ውን ተኾነ እሂን ምሂን እናተባሃልካ ውፅኢታዊ ስራሕ ንኽትሰርሕ ዝኽእለካ ፍቱን መስርሕ (ኣሰራርሓ) ካሊእ ዘይኮነ ወድዓዊ መንግስታዊ ስራሕኻ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብዝግባእ ዝገምገመ (መልዓሊኡ ዝገበረ) ኣጀንዳ/መስርሕ መሰረት ጌርካ ተተላዒልካ ጥራሕ ‘ዩ። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዘይ ሕንከት ህዝቢ ትግራይ ከም ትርኣስን መተርኣስን ተነፂፎሞ ደቂሶም ዝሓገዩ፣ ብሽመትካ ሕጉሳት ዘይኮኑ ፀረ ለውጢ ውልቀ-ሰባት ዓቕሚ ክተስእኖም እትኽኣል ፀገማት ህዝቢ ብግቡእ እናፈለኻ ፍታሕ ንምሃብ ብትገብሮን ብተርእዮን ፃዕሪ፣ ቆራፅነትን ተወፋይነት ንምኻኑ ‘ውን ክዝንጋዕ የብሉን። ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ብግቡእ ንኽትግምግም ዘገድደኻ ካሊእ ወሳኒ ነጥቢ ግን ናይ ስልጣንን ደሕንነትን ጉዳይ ‘ዩ ዝኸውን። ናትካ ናብ ስልጣን ምምፃእ ብዝምልከት፥ እቲ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎን ዝርከብ ሓይሊ ዝብሎን ዝገብሮን ናይ ተፃብኦ ጎስጓስ ገዲፍና ንስኻ ባዕልኻ ዘለኻሉን ትርከበሉን ውድበይ ትብሎ ውድብ ህወሓት ኣባላት ዝኾኑ ቁፅሮም ዘይነዓቑ ውልቀ-ሰባት ሕጉሳት ዘይምኻኖም ጋህዲ ‘ዩ። ዝኾነ ይኹን ናይ ፓርቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ (ዋላ ሓደ ሰብ ይኹን) ካብ ስልጣንካ ንታሕቲ ኮይኑ እንተብቅዕ ነቲ ዝተቐመጥካሉ መንበር ግቡእ ዝኾነ ክብሪ ተዘይሃልዎ ናይ ጊዜ ጉዳይ ‘ዩ ዝኸውን ድ’ምበር ከምዚ ዝበለ ዓመፀኛ ሰብ ዕድልን ኣጋጣምን ተሂብዎ ኣብ ልዕለኻ ተግባራት ዓመጽ ካብ ምፍፃም ንድሕሪት ከም ዘይብል ብደም ዝጠልቐየ ማህደራት ዓለምና ዝምህረና ሓቂ ‘ዩ። እዚ ጭቡጥ ናይ ሰብ ናይ ስልጣን ፃምእን ሳዕቤናቱን ኣፀቢቑ ዝርዳኣ በሊሕ መሪሕነት ግን ሽሻይ መፃወዲያ ዓመፀኛ ሰብ ንምኻን ዝፃደፍ ዓይነት ሰብ ዘይኮነ “ዓሰርተ ጊዜ ለክዕ ሓደ ጊዜ ቁረፅ” ዝብል እምነት ዘለዎ ብምኻኑ ንኸምዚ ዝበለ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጌጋ ብቐሊሉ ንዘይምስጣሕ ናይ መጀመሪያ ስርሑ ከባቢኡ ብዝግባእ ምግምጋም ይኸውን። ናይ ትግራይ ናይ ፍትሕን ናይ ፀጥታን መሐውር ብዝምልከት ‘ውን ብተመሳሳሊ ማእኸል ሕመቕን ሕማምን ትግራይ ከም ሙኻኖም መጠን ንዕቤትን ለውጥን ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኖም ምፅንሖም ዘይተርፍ ‘ዩ። ንምንታይ? እዞም ትካላት እዚኦም ናይቲ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዓማፂ ሓይሊ መሳሪሒ ኮይኖም ምስ ምፅንሖም ሎሚ ብቕፅበት መራሕቲ ህወሓት ተሓተቲ ኣብ ምግባር፣ ህግን ስርዓትን ንኽኽበር ‘ውን ብንጥፈት ክሳተፉ ‘ዮም ኢልካ ምሕሳብ ኮነ ምእማን የዋህነት ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ድኽመትን ጥንካረን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ተዋሳእትን ኣፀፂኻ ምፍላጥ ‘ውን ኣካል ናይዚ ገምጋም ‘ዩ።

3. ሰሪሖም ከስርሑኒ ይኽእሉ ‘ዩም ኢልካ ትኣምኖም፥ ዓቕሚ፣ ክእለት፣ ትምህርትን ጥበብን ዘለዎም ተጋሩ (Team) ፍጠር። ብርግፅ፥ ሰብ ካብ መሬት ተላዒሉ ዝሰርሖ ዝኾነ ይኹን ስራሕ የለን። ይረደኣና ኣይረደኣና፣ ይርባሕ ኣይርባሕ፣ ይንኣስ ይዕበ፣ ብፍላጥ ይኹን ብሓስ መሰስ፥ ሰብ ንዝገብሮን ንዝሰርሖን ዝኾነ ይኹን ስራሕ መልዓሊ ዝኾነ ምኽንያት ኣለዎ። ምኽንያት ሃሊይዎ ንዝገብሮን ንዝሰርሖን ስራ ኩሉ ውፅኢታዊ ክኸውን ተኾይኑ ድማ ባህጉ/ድሌቱ፣ ዓላምኡን ሽትኡን ወሳኒ ‘ዩ። ዝደልዮ ኣፅፊፉ ዝፈልጥ ናይ ዓላማ ሰብ ኮነ ውዳባ ድሌቱ ክረክብን ዓላምኡ ከሳኽዕ ዝኽእል ብተመሳሳሊ ድሌቱን ዓላምኡ ንምርካብ ንፁር ዝኾነ መንገዲ ምፍጣርን ምንዳይን ምስ ዝኽእል ንምኻኑ ግልፂ ‘ዩ። እዚ ኣባህላ እዚ በመንፅር መሪሕነት ተሪኢናዮ ድማ፥ መሪሕነት ካሊእ ዘይኮነ እቲ ዝድለ ውፅኢት ንምርካብ ዘኽእለካ፣ ሰሪሖም ከስርሑኻ ዝኽእሉ፣ ዓቕምን ሸኽምን ፍልጠትን ራእይን ዘለዎም፣ ትኽከለኛ ሰባት ምርካብ ምኽኣል ‘ዩ። ብሓደ ኢድካ ምንጭብጫብ ከም ዘይከኣል ኩሉ፥ ከም ውልቀ-ሰብ ንስኻ ንበይንኻ ተሳልጦ፣ ትፈጥሮን ትልውጦን ሀገራዊ ኾነ መንግስታዊ ዕማም ከም ዘለየ ፀሐይ ዝወቕዖ ሓቂ ‘ዩ። ብኣንፃሩ፥ ባህግኻ ኾነ መንግስታዊ ተልእኾኻ ብግቡእ ክትዋፃእን ክተሳኽዕን ተኾይንካ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርክዎ፥ ግቡእ ዝኾነ ትምህርትን ፍልጠትን ዘለዎ፣ ሕድሕዱ እናተናበበ ናይ ምስራሕ ዓቕምን ባህልን ዝኽተል፣ ሓላፍነት ዝወስድ፣ ግልጽነትን ቅንዕናን መለለይኡ ዝገበረ፣ ኣብ ልዕልነት ሕግን ስርዓትን ዝኣምን፣ ካብ ሰበይ ሓለፋ ኣለኒ ኢሉ ዘይኣምን፣ ተሓታትነት ዝስመዖ፣

ዝተፈላለየ ልምድን ተመክሮን ዘለዎ፣ ሰሪሑ ከስረሓካ ዝኽእል፣ ኣብ ጎንኻ ደው ዝብልን ክትስሕን ክትጋገን ከለኻ ብተመሳሳሊ ብኣግባቡ ብምኽንያት ዝሙግተካ፣ ትጋገ ኣለኻ! ኢሉ ናይ ምዝራብ ፀገም ‘ውን ዘይብሉ ቲም (team) ክትፈጥር ግድን ‘ዩ። ከምዚ ዝበለ ቲም ክትፈጥር ከለኻ ግን ተነኣሰ ካብ 4 ነገራት ረሓቕ፥ 1ይ. ካብቲ ዝነበረ ናይ ዛምቢ ጉጅለ ርሓቕ (ኣይትፀጋዓዮ ንኽፅገዓካ ‘ውን ኣይትፍቀደሉ)፤ 2ይ. ጥቕሚ፣ ስጋዊ ዝምድናን ዕርክነትን መሰረት ገይሩ ዝፍጠር ናይ በለፀኛታት ምትኽኻብ ከይትውዕሎ፤ 3ይ. ፖለቲካዊ እምነትን ኣተሓሳስባን ሃይማኖት ዝኾኖ፣ ካብ ጭብጥን መርትዖን ንላዕሊ ናተይ ‘ዩ ዝብሎ ርዕዮተ ኣለም ዘሰጉም ሰብ ተፀየፍ፤ 4ይ. ምስ ዝነፈሰ ናይ ምንፋስ ዝንባለ ዘለዎ ናይ ዕስለ ኣተሓሳስብ (group thinking) ዝማረኾ ጉጀለ ካብ ምፍጣር ክትርሕቕን ክትቁጠብን ይግባእ።

4. ራኢኻን ተልእኾኻን ግልጽን ሓፂርን ብዝኾነ ቋንቋን ኣገላልፃን ኣፋልጥ። ከም ሓደ ዲሞክራሲያዊ መራሒ (ናይ ምኻን ባህጊ ተሃልዩካ)፥ ህዝብን ዓድን ክቕበሉኻን ክኽተሉኻን ተኾይኖም (ብጭቡጥ ዝረኣ ውፅኢታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ተኾይንካ) ኣብ መንጎ ተጋሩ ሓበራዊ መረዳኣታን ኣተሓሳስባን ክፈጥር ዝኽእል ንዓኻ ብፍሉይ ዝገልፀካ መዕሰሊ ሓሳብ/ራዕይ/ዓላማ ክህልወካ ግድን ‘ዩ። ድሌት ነፍስ ወከፍ ትግራዋይ ከም መልክዑን ከም ቁፅሩን ብዙሕ ክነሲ ከም ህዝቢ ሓደ ክገብረና ዝኽእል ብሕቲ ሓይሊ ተሃለወ ራእይ ወይ ዓላማ ጥራሕ ‘ዩ። ካብቶም ዝነበሩን ዝሓለፉን ተራ ሰበ-ስልጣናት ትግራይ ፍልይ ዘብለካ፣ ናብ ስልጣን ዝመፃኻሉን ኣብ ስልጣን እትቕፅለሉን ምኽንያት፣ ናይ ስልጣን በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንዓኻ ደጊፉ ኣብ ጎንኻ ደው ዝብለሉን ኣብ ዙሪያኻ ዝዓስለሉን ጭቡጥ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? ማሕበረሰብ ትግራይ፥ ዓላማ መሪሕነትካ እንታይ ‘ዩ? ሕዚኸ ጉዕዞና ናበይ ገፁ ‘ዩ? ናበይ ኢኻ ትወስደና ዘለኻ? ኢሉ ከም ህዝቢ ንዘልዕለልካ ሕቶ ዘየላጢ ምላሽ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ስለ ዘለካ እዚኣ ብምግባር ልቢ ህዝቢ ኣዕርፍ። ብተወሳኺ፥ ትግራይ ካባይ እንታይ ትፅበ? ትግራዋይ ንዓይ ከም መራሒ ዝተቐበለንን ዝቕበለንን ዘሎ ምኽንያት ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ እንታይ ክገረለይ ‘ዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ‘ዩ? ኢልካ ንነፍስኻ ዘቕረብካዮ ሕቶ ሃሊዩካ ዝሃብካዮ/እትህቦ ምላሽ እንታይ ‘ዩ? ዝድየቱ ዓይነት መስዋዕትነት የኽፍለኒ እዚ ዕድል እዚ ኣይሓልፈንን፥ ክጥቀመሉ ‘የ! እዚኣ፣ እዝን እትን ብምግባር ድማ ሞትን መስዋእትነት ትግራዋይ ክድብስ ‘የ! እትንብሎ ነገር እንታይ ‘ዩ? ብንእሱ፥ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ክትምልስ ተኺእልካ ክትዕወት ኢኻ፤ ተዘይ ክኢላካ ድማ፥ ከምቶም ዝነበሩን ዝሓለፉን መራሕቲ ሃሰስ እናበልካ (ናይ ቃላት ከበሮ ሓምሓም እናወቓዕካ) ክተዋዚ ምፅኣት ክተርክበካ ‘ያ።

5.    ኣብ ፀልማትን ፀበባን ዝርከብ ህዝቢ ካብ ፀበባ ዘውፀኣሉ መስርሕን መንገድን እዚ ‘ዩ! እትብሎ ፍኖተ ኻርታ/ስትራቴጂ ይሃልኻ። ልዕል ኢሉ ኣብ ቁፅሪ 4 ንዝተዓለ ሕቶ ግልፂ ዝኾነ ምላሽ ሃልዩካ ምላሽካ (ራእኻን ዓላማኻን) ተፈፅመሉን ተሳኸዓሉን መንገድ ብተመሳሳሊ እዚ ‘ዩ! ኢልካ ንህዝብኻ ናይ ምፍላጥ ሓላፍነት ኣለካ። እዚ ብምግባርካ፥ 1ይ. ንተዓሞም ህዝባዊን መንግስታዊን ዕማማት ምስኻዕ ዕዙዝ ሚና ዝፃወት ህዝባዊ ድጋፍ ብቐሊሉ ንኽትረክብ ይረድኣካ፤ 2ይ. ንፅረት ዘለዎ ፅፉፍ ስራሕ ንኽትሰርሕ ይሕግዘካ፣ ስራሕኻ ‘ውን የቕልለልካ (ካብ ዕንክሊልን ሸንፈለለን የውፀኣካ)።  ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዝባን ድኻ ማሕበረሰብ ተቐሚጡ ዝነበረ፣ ብሞት ጥፍኣትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሃጠረ፣ ንጥፋእትና ምኽንያት ዝኾነ፣ ውድበይ እትብሎ ዕባራ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ትሕቲ ሕግን ስርዓትን ወዲቑ ከም ሰቡ ንኽነብር ናይ ምግባር፣ ብጥቕምን ብመውስቦን ዝተጋመ መሕፈሪ ኔትዎርኩ ከም ዘይነበረ ናይ ምብጥጣስ ዓላማ ተሃልዩካ ዋላውን ብዕሊ ኣይተፋልጦ ድ’ምበር፥ ክትገብሮን ክተፈፅሞን እትደሊ ህዝብን  ዓድን  ዝጠቕምን  ዘዕርፍን  ናይ  ሪፎርም  ስራሕቲ  ንምስራሕ  ዘኽእለካ፥  እንታይ?  መዓዝ?  ኣበይ?  ብኸመይ?  ዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ ንፁር ዝኾነ ስትራቴጂ ከትድየካ ‘ዩ።

6. ዋኒን ትግራይ ብዝምልከት ማዕረ ንማዕረ ተረባሕትን ተጎደእትን ምስ ዝኾኑ ናይ ትግራይ ሰብ ድርሻ አካላት ሕብረትን ምሕዝነት ፍጠር። እቲ ዝነበረ ስንኩ፣ ፈላላዪን መዳለዊን ኣካይዳን ኣሰራርሓን መሪሕነት ህወሓት ንኽቕፅል ብምግባር ሓድሽ/ዝተፈለየ ውፅኢት ከምፅእ ይኽእል ‘የ! ኢላካ ከም ዝይተኣምን ተስፋ ጥራሕ ‘የ ክገብር ዝኽእል። በቲ ዝነበረ ናይ ትምክሕቲ እምነትን ኣተሓሳስባ፣ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ውድብካ፥ ትግራይ ካብ ፀልማትን ፀበባን ክተውፅኣን ክተናግፋን ከም ዘይትኽእል ኣሚንካ ሓድሽ ኣቀራርባን መስርሕን ንኽትፈጥር እላቦ። ከም ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ፥ መሪሕነትካ ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ኣማራፂ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ሲቪል ማሕበራት ዝገብሮን ዝፈጥሮን ናይ ኢሂን ምሂን መድረኽ፥ ትግራዋይ ደም ዘለዎ ፍጥረት ኩሉ

ትግራይ ናይተ ‘ያ! ኢሉ ንኽኣምን ካብ ምግባር ሓሊፉ እቲ ነባር መሪሒነት ዕንቅፋት ኮይኑ ንኸይቅፅል ዝፃወቶ ሚና ኣዝዩ ዕዙዝ ምኻኑ ፈሊጥካ ውዓል ሕደር ብዘይብሉ መሪሕነትካ ምስ ኩሎም ናይ ትግራይ ሰብ ድርሻ ኣካላት ነቲ ለውጢ ከስጉሙ ዝኽእሉ ዛዕባታት ማእኸል ገይሩ ማለት ‘ውን፥ ኣብ ዕቤት ዲሞክራሲ፣ ኣታሕዛ ሰብአዊ መሰላትን ልዕልነት ሕጊን ዘኣመሳሰሉ ሓበራዊ መራኸቢ ነጥብታት መሰረት ገይሩ ብሓባር ናይ ምዝታይን ምምኽኻርን ሸውሃት ፈጢርካ ሓቋፋይን ኣሳታፍን ዝኾነ ሓባራዊ መድረኽ ብምስንዳውን ብምብርትታዕን ድሑር ፖለቲካ ትግራይ ንኽጥቅይሮ እመኽረካ።

7. ምስ ህዝብኻ ተላዘብ፣ እቲ ብወገንካ (ከም መሪሕነት) ክመፅእ እትደልዮ አገዳሲ ለውጢ ሽትኡ ንኽወቅዕ ማህበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይቲ ለውጢ ማእኸልን ተሸካምን ግበሮ። ኣብ ፅሑፈይ ደጋጊሚ ከም ዝገለፅክዎ፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ምኽርን ተግሳፅን በዓል ሞያ ንምቕባል ኮነ ንዘይምቕባይ ዝውስኑ ዓላማን ተልእኾን ናይቲ ሰብ ምኻኑ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ብኻሊእ ኣገላልፃ፥ ናይ ቅንዕና ስራሕ ናይ ምስራሕ ድሌትን ዓላማን ዘለዎ ዝኾነ ይኾን ሰብ (መራሒ) ቅኑዕን ሰናይን ዝኾነ ምኽሪ ኣለሻ ከም ዝወፅእ፣ ከም ዝሰምዕን ዝቕበልን ብተቓራኒኡ፥ ህዝብን ዓድን እናዓመፀን እናታለልን ብሓይልን ብጉልበትን ናይ ምግዛእ ባህጊ ዘለዎ ግለሰብ ይኹን ቡድን ድማ ብተመሳሳሊ ሰይጣናዊ ምኽርታትን መስርሓትን ኣለሻ ምውፅኡ ግድን ‘ዩ። ብምኻኑ፥ እቲ ሓደ ምኽሪ ነቲ ሓደ ክሰርሕ፣ ክረብሕን ከዋፅእን ኣይኽእልን። ሕቶይ፥ ህዝባዊ ዓላማ ተሃልይካ፣ ናይ ለውጢ ሰብ ‘የ ኢልካ ትኣምን ተኾይካ፥ ራእይካን ዓላማኻን ንህዝቢ ብዕሊ ኣፍልጥ፤ ማህበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይቲ ከምፅኦ ‘የ ኢልካ ተስፋ ትገብሮ ለውጢ በዓል ዋና (ተሳታፊን ተሸካምን) ግበሮ። ፖለቲካ ትግራይ ሰባት ክርድእዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ሕሱር ምኻኑ ኣፍልጦ ዝህም ሰብ ብምኻነይ ኣዝዩ ዝረስሓ ፖለቲካ ትግራይ ክልውጥ ‘የ! ኢሉ ዝልዓል ዝኾነ ይኹን ሰብ ክትጥዕሞ ከም ዘይኽእል ብኣውርኡ ድማ ክገጥሞ ዝኽእል ማህሰይቲ ብተመሳሳሊ ይርዳእ። እዚ ማለት ግን፥ ፖለቲካ ትግራይ መፍትሒ ዘይብሉ ፀገም ‘ዩ ማለት ኣይኮነን። ብመሰረቱ፥ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዝኾኑ ነገራት ሓደ፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዘግለለ፣ ብተሳትፎ ህዝቢ ዘይኣምን፣ ዓማፂ ፖለቲካ ምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ይውክሎ ‘የ ንዝብሎ ህዝቢ ብጭቡጥ ዝንዕቕን ዘናሽውን ብልሽው መሪሒነት ምኻኑ ‘ዩ። መፍትሒኡ? ዋኒን ትግራይ ብዝምልከት ህዝቢ ትግራይ ማዕረ ድምፂ ንኽህልዎ፣ ንኽስማዕን ሓሳቡ ንኸካፍልን ምግባርን ምፍቃድን ጥራሕ ‘ዩ። ፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናይ ለውጢ ሓሳብ፣ ራእይን ዓላማን ሃልይካ እዚ ናይ ምስኻዕ ባህጊ ድማ ተሃልዩካ ካብ መፃወዲያ ፀረ- ለውጢ ሓይልታት (መራሕቲ ህወሓት) ክተርፍን ክተምልጥን ግድን ስለ ዝኽውን ንኽተርፍ መላእ ማሕበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ ንኽዓስል ግበር። ንልምዓት ኮነ ዝበስበሰ ነባር መሪሕነት ውድብካ ንምፅራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎንኻ ንኽስለፍ ግበር። ሕዚ ‘ውን ተኾነ እዚኣ ንኽትገብር (ህዝቢ ንኽተዕስል) ግልፂን ጭቡጥን ዝኾነ ራእይን ዓላማን ምስ ዝህልወካ ጥራሕ ከም ዝኾነ ኣይትዘንግዕ። ውድበይ እናበልካ ምስ ውድብካ ተታሒዝካ ካብ ትጠፍእ ‘ውን፥ ምስ ህዝብኻ ወጊንካ ንህዝቢ ዝረብሕ ስራሕ ንምስራሕ ምረፅ። እዚ ማለት፥ ትግራዋይ ሰጋእ ከይበለ ሓሳቡ ብነፃነት ንኽገልፅ፣ ክቃወምን ሰልፊ ከወፅእን ተሃሊዎ ንኽቃውምን ሰልፊ ንኽወፅእን ብምፍቃድ፣ ትግራዋይ ኣብ ፖለቲካ ዓዱ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብር ብምፍቃድን ብምብርትታዕን ህዝባዊነካ ኣረጋግፅ።

8. ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ፅቡቕ፣ ግልፅን ውፅኢታዊን ዝኾነ ርክብን ምሕዝነት ፍጠር። ኣብ ትግራይ ክፍጠር፣ ክመፅእን ክዕንብብን ዝድለ ናይ ለውጢን ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ጋህዲ ኣብ ምግባር ድጋፍን ሓገዝን ማህበረሰብ ዓለም ዝፃወቶ ሚና ዕዙዝ ንምኻኑ ኣይካትዕን። ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ርክብ ምፍጣር ማለት እንታይ ማለት ‘ዩ? ብኸመይስ ክንገብሮ ንኽእል? ንዝብል ሕቶ፥ ብቐዳምነት፥ ትግራይ ናብ ንቡር (ናብ ልምዓት) ንምምላስ ሓገዝ ከም ዘድልየና ኣፍልጦ ምሃብ ክሓተና ‘ዩ። እቲ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ/ህልው ኩነታት ትግራይ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሚ ጥራሕ ዝቕረፍ ፀገም ከም ዘይኮነ ንኹልና ዘተኣማምን ሓቂ ‘ዩ። ካብ ጥፍኣት ዝተረፈ ህዝቢ ከምኡ ‘ውን ንሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ኣካላቶም ዝጉደሉ ኣማኢቲ ኣሸሓት መናእሰያት ትግራይ ቁሳውን ሞራላውን ጠለባቶም ተማሊኢሎም ከም ሰቦም ራህዋ ንኽሪኡ ዘኽእል ስራ ንምስራሕ ኮነ ናይዚ ሞትን ጥፍኣትን ምኽንያት ዝኾነ ውድብካ ውድብ ህወሓት ፀረ ለውጢ ምንቅስቓሳት ንምዕጋት (ናይ ለውጢ ሓይሊ ‘የ ኢልካ ትኣምን ተኾይንካ) መሪሕነት ህወሓት ዕንቅፋት ኮይኑ ንኸይቕፅል ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ፅቡቕ ዝምድና ምፍጣርን ምልዛብን ከድልየካ

‘ዩ። ብልሽው ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ምዕራይ (ውስጣዊ ዓቕሚ ብምፍጣርን ምጥንኻርን) ክህልወካ ዝኽእል ኣስተዋፅኦ ከም ዘሎ ኾይኑ፥ ዝሩግ መስፍናዊ ፖለቲካ ትግራይ ንበይንኻ ተዓርዮ ነገር ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ሕዚ ‘ውን ኣድላዪ ‘ዩ። እዚ ምስ ትርዳኣን ምስ ትቕበልን ድማ ረብሓ ትግራይ ብዘይፃረር መልክዑ ሓገዝ ናይ ምእላሽ ኮነ ኣሊሽካ ናይ ምርካብን ፀገም ኣይክህልወካን ‘ዩ። ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ናይ ርክብ መስመራትን ስታሪጂካዊ ዝኾነ ምሕዝነትን ብምፍጣር ንተቕርቦ ናይ ቁጠባዊ ሓዘግ ጥያቄ ኾነ ካሊእ ናይ ምርካብ ዕድሉ ኣዝዩ ሰፊሕ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ተኾነ ግን፥ ከም መሪሕነት ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ከራኽበካን ከላዝበካን ዝኽእል (ዓቕሚ ክህበካን ክፈጥረልካን ዝኽእል) ግልፂ ዝኾነ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ (ዓላማን ራእይን መሪሕነትካ ዝካተተ) ብዝግባኣ ዝተሰነደ ፍኖተ ካርታ ምስ ዝህልወካ ጥራሕ ‘ዩ።

9. መውስቦ፣ ጥቕምን ዝምድናን መሰረት ዝገበረ መስፍናዊ ኔትዎርክ መራሕቲ ህወሓት ከም ዘይነበረ በጣጥሶ፤ ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ‘ውን ትግራዋይ ፍትሒ ዝረኽበሉ ካብ ኣድልዎ ዝረሓቑ ናይ ፍትሒ ትካላት ንኽፍጠሩ ግበር። ኣብ ቁ.2 ናይ መወዳእታ ሓሳባተይ ከም ዘልዓልክዎ ብሓቂ ዘይተዘርኣ ከም ዘይዕፀድ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ሰዓቱ ናይ ዓፀዳ ሰዓት ከም ዘይኮነን ናይ ዘርኢ (ናይ መጽናዕትን ገምጋምን) ሰዓት ከም ዝኾነን ‘ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፥ እቲ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣይሰርሕ ኣየስርሕ ኮይኑ ዝመፀ መሪሕነት ህወሓት ፀልማት ኣተሓሳስብኡ ሒዙ ንኽቕፅል ዝገብሮ ዘሎ ሓይሊ፣ ከምኡ ‘ውን ናይዚ ነባር መሪሕነት ደገፍትን መሳሰይትን ብምኻን ዝሳተፉ ዘለዉ መንግስታዊን ዘመንግስታዊን ትካላት ምንፃርን ፈሊኻ ምፍላጥን ካድልየካ ‘ዩ። ብርግፅ፥ ውድብይ እትብሎ ውድብ ህወሓት ውልቃውን ውድባውን ረብሓታቱ ንኽሕልው ምስ መን ምዝማድ ከም ዝመረፀ ንዓካ ምሕባር ንቐባሪ ምርድኣ ስለ ዝኸውን ናይ ለውጢ ሓሳብን ዓላማ ሃልዩካ ንሓሳብካ ዘይቕበል ተኾይኑ ናይ ባዕሉ መድሓኒት ኣውሒጥካ ኣደብ ንኽገዝኣ ኣብ ምግባር ንድሕሪት ንኸይትብል እመኽረካ።

10. ስሙር ዝኾነ መንግስትነት ኣብ ትግራይ ንኽጣየሽ ስራሕ። ሳዕስዕ እሞ ስራሕኻ ኣይትረስዕ! ይበሃል፥ ህዝባዊ ቅቡነትካ ብዝምልከት ብምኽንያት ንዝቃወሙኻን ንዝድግፉኻን ሓድገ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይንካ ንዝለዓለ ናይ ስልጣን ሓላፍነት ንኽትበቅዕ ዝገበረ ኩነታት ግን ካሊእ ዘይኮነ፥ እቲ ንስኻ ውድበይ ትብሎ፣ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ዝጠጠዓ፣ ብዘመድ ኣዝማድ ዝተሓፅረ ዓማፂ መስፍናዊ ስርዓት መሪሕነት ህወሓት ዝገጠሞ ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ኪሳራን ውድቀትን ዝተልዓለ ድ’ምበር ማሕበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ መሰሉ ተሓሊይሉ ነፃን ፍትሓውን ብዝኾነ መንገድን ኣሰራርሓን መሪፀካ ናብ ስልጣን ዝመፃኻ መራሒ ከም ዘይኮንካ ንኹልና ዘረዳድእ ሓቂ ‘ዩ ኢለ ይኣምን። ብምኻኑ፥ ብመንፅር ናይ ስልጣን ፃኒሕትካ ክኸውን ዘለዎን ዝግበኦን ስራሕኻ (ተልእኾኻ) ካሊእ ዘይኮነ፥ ኣብ ትግራይ ትግራዋይ ዝመረፆ፣ ህዝባዊ ቕቡልነት ዘለዎ፣ ህዝባዊ ራእይን ዓላማን ዝተሸከመ፣ ብሽርሒ ብሓይልን ብጉልበትን ዘይኮነ ብሕርያ ህዝቢ ትግራይ ናብ ስልጣን ንዝመፅእ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ንኽጣየሽ ኣድላዪ ዘበለ ኹሉ ምምዕርራያት ምግባር ‘ዩ። እዚኣ ክትገብራ ትኽእል ድማ፥ ማሕበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፈለሉ መድረኽ ሙሉእ ተጠቃሚ ንኽኸውን ብምግባር ‘ያ። ሓሳብ ኣለኒ ኢሉ ዝኣምን ትግራዋይ ኩሉ ኣፉ መሊኡ ንኽዛረብ፣ ዝፅሕፍ ንኽፅሕፍ፣ ዝቃወም ንኽቃወም፣ ዝስብሰብ ንኽስብሰብ፣ ሰልፊ ዝወፅእ ሰልፊ ንኽወፅእ ብምፍቃድ፤ ሚድያታት ትግራይ ንኹሎም ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካ ውድባት ብዘይኣድልዎ ማዕረ ሽፋን ንኽህቡ ብምግባር፤ መረፃ ትግራይ ብሽርሕን ተንኮልን ውሑዳት ካብ ጠለፋን ዘረፋን ንኽድሕን ተዓዘብቲ ኣካላትን ሓይልታትን ንኽኣትዉ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ነፃን ፍትሓውን በዝኾነ መንገድ ንኽመርፅ ምርጭኡ ድማ ንኽሕለወሉ ብምግባር፤ ሰብ ድርሻ ኣካላት ትግራይ በሓበራ ዝመያየጥሉ ዲሞክራሲያዊ መድረኻት ብምድላው ትግራዋይ ዝገጠሞ ፖለቲካዊ ስዕረትን ውድቀት ምኽሓስ። ብሽም ገድሊ እናሸቀጠ ገደል ዘእተወና፣ ከም ህዝቢ ሽሻይ ሞትን ጥፍኣትን ዝገበረና ውድብካ መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘስኣኖ ነገር ኣዚኣ ‘ያ። ህዝቢ ትግራይ በመስዋዕቱ ናይ ስልጣን በዓል ዋና ንኸይኸውን ዝኣለማ ሽርሒ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ እዚኣ ሰይጣናዊ ሽርሓን ክፍኣትን ውድባካ ንሓንሳእን ንሓዋሩን በቲኽካ ትግራዋይ ይጥዓሞ ይሕሰሞ ዝመረፆ ንኽመርፅ ባይታ ተፈጢርካሉ፥ መዝገብ ተቐሊዑ ታሪኽ ትግራይ ኣብ ዝንበበሉ መድረኽን ዘመንን ኩሉ ሰማዕን ኣንባቢን (ወልዶ ትግራይ) ብሓደ ድምፂ “ኣቦ ትግራይ” እናበለ ክምርቐካን ከኾርዐልካን ‘ዩ። ዝቐበርና ተቐበርና፣ ዘፍሰና ደም ተፍሰስና ዝሓረመትና እዚኣ ‘ያ፥ እነሆ ድማ ንስኻ ንኽተዐርያ

ዕድል ረኺብካ ኣለኻ። ገዲም፥ ትግራይ ዓረየት በረሰት ኣብ ኢድካ ወዲቓ ኣላ። ኣጥፈኣኻና ንስኻ ኣድሓንካና ንስኻ። ዘሎን ዝነበረን መሕፈሪ ስራ ውድበይ ኣይደግምን፣ ኣብ ጥፍኣት ዓደይን ህዝበይን ‘ውን ኣየውዕለኒ! ኢልካ ብሓቂ ንለውጢ ተነቒልካ ኣነ ‘ውን ኣብ ጎንኻ ‘የ ብሞያይ ሸኽምካ ተሸኪመ ድማ ክሕግዘካን ክድግፈካን ‘የ።

ሰላም!

By aiga

2 thoughts on “ዓሰርተ ትእዛዛት ንፕሬዝዳንት ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ አቶ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ”
  1. Stop hanging to one person. This is the cause of the main problem. People hang on one person and when that person fails, it becomes a disaster. Tigreans followed Meles like camels with no questioning. The end is Meles took Tigray to the grave with him. Meles eliminated able men and women from around him and he collected yes men around him like Dr. Debretsion, Abay Tsehaye, Siyum, Mesfn, etc. When Meles died there was no single Tigreway who can take up the spectre of power and what cames was a big disaster or extermination of Tigreans.
    Now, you are creating another Meles and you wanted us to lay all our eggs on Getachew Reda? When he fails another tragedy. When will we learn then? How he came to power also matters very much. How did he come to power?
    1. Merti
    2. Hard work
    3. Clean track record
    4. He was put by Abiy Ahmed Ali
    it matters a lot how a person becomes a leader. The leader must be hardworking, sober, meritful, clean track record , does he has the capacity to do what we wish?
    My person view is Wocho Tegelbetkayo Wocho is the Tigrignea saying. Getachew Reda is part and parcel of the Tigray problem. He was the advisor of Dr. D and if he was smart or smarter than Dr. D he would have saved Tigray from the Tragedy. Getachew groomed TPLF . He drunk TPLF water and TPLF food. Leave alone Getachew Reda alone, I do not believe any member of the TPLF has the capacity to solve Tigray problem. Reason, they have no the capacity to help Tigray. They do not have even the idea of that. That is why they put us where we are today. You can not teach an old dog a new trick. TPLF is imbued with foreign ideas, ideologies from day one. It has no real connection with Tigray history, civilization, culture, ideology, norm, custom. Tigray has been destroyed by TPLF more than by DERG Menelicki, Haileslsasie, etc. During DERG i lived in Tigray and at that time you will not find a Tigreans who spoke Amharic across Tigray. Today Tegarus cannnot speak Tigrignea but only either Amharic or Amatignea which means Amharic + Tigrignea. The people of Tigray has to learn and must stop relying on individuals. It is wrong.

  2. Ato Mulugeta, there is no such called democracy in the world. Democracy is a hoax or a political tactic. Every country is governed by its own tradition. EG, Canada is governed by British tradition, French tradition and by the local tradition. Most of the Canadian Constitutional acts are derived or even acted by British, the House of commons, senate and parliament is derived from British. The Canadian Civil code is derived from French Civil law code. The federalism is derived from the indigeneous people tradition. The USA has also both British and French tradition plus Robert/s rule of order. The same is in Nordic countries such as Norway, Sweden, Finland, Denmark, Australia, Newzealand where the Sovereign states are traditional Monarchies , eg in Canada, the Sovereign State of Canada, is the Queen or king of UK until and the Governor General in Canada is elected by the Queen in consultation with the Prime Minister. The Sovereign State of Australia, Newzealad is the Queen or king of UK. The Sovereign state of Nordic countries such as Sweden, Finland, Norway, Denmark also have their own Sovereign state which is the Queen or king. There is no single country is governed by so the so called democracy. Democracy does not exist anywhere and in any country as an entity. You are telling us Getachew Reda will give us democracy? What is democracy as an entity? where did we get it ? do we know what it is ? or just copy, paste it because we heard them talking about democracy?
    Is not the Tigray a lesson that such thing called democracy and human right, international community does not exist? Some people never open their eyes and keep on doing the same thing over and over. Tigray has it own ideology and it is called Baito which is similar the UK house of commons. That is what Tigray needs. The rest is tactic. You are advising Getachew Reda to be x, y, z. How is that going to happen? Something that does not exist will not happen. Getachew was a leader for 30 years and he is one of the culprits who put Tigray in danger. To present us Getachew Reda now as something new leader is lacks any substances. If i did not show my ability in 30 years where I am going to get new capacity? All Tigreans are stake holders now. All Tigreans must participate and formulate together a magna carta or a road map taking into account our history, tradition, civilization, Baito laws, customs. We must stop collecting junks ideas from Russia,China,USA. i am sure there is good things we can learn from every country, but only if we find best practice that isbe

Comments are closed.