ሙሉጌታ ወልደገብርኤል (ቀዳማይ ክፋል)

መዓልቲ እናቖፀርካ፣ ብፀልማት ምስ ከልብን ምስ ዝብእን እናተዳፋእኻ፣ ዕሾኽን በሊሕ እምንን እናረገፅካ፣ ንጉሆ ንጉሆ ነፀላኻ ሻሽ ኣምሲልካ (ኣፅሪኻ) ንቤተ ክርስቲያን ጉያ ሓደ ካብቶም ሃይማኖታዊ መለለዪ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። እንተ እቲ ንቡር፥ ናይ ትግራይ ክርስትና ከም ሎሚ ብልሓቱ ዘይፍለጥ ድርዕቶ ዘይኮነ ዝነበረ ገዳማውያን ተጋሩ (ከም እኒ ኣባ እስጢፋኖስ ዘጉዳጉንዶን ሰዓብቶምን) ብናይ ሽዋ ነገስታት ከም ጠለገ በጊዕ ተኸስቲኖም፣ ኣካሎም ከም ስጋ ብዕራይ ተጎዝዮም፣ ገሊኦም ነፍሶም ከይወፀት እምንን ሓመድን ዝተደፍኦም፣ ፍርቆም ድማ ሓመድ ኣዳም ንኸይለብሱ ተባሂሉ ስገኦም ከም እኽሊ ተጣሒኑ ዝተበተኑ ኣቦታት ዋጋ ዝኸፈልሉ እምነት ‘ዩ ነይሩ።

እታ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘላ መፅሓፍን ትማሊ ዝነበረት (እኒ ኣባ እስጢፋኖስ) ዘንበብዋ መፅሓፍን መለሳ የብለንን። ዝተወለጠ መፅሓፍ ኮነ ንባብ የለን። ንወለድና ህይወት ዝኾኖምን ዝሃቦምን፣ ንእግሮም መብራህቲ ኾይኑ ዓይኖም ዘንቆሓ ንባብ እንድሕር ድኣ ዘይተወጠን ዘይተቐረን ኮይኑ ማሕበረሰብ ትግራይ ሰዓቢ ናይ ክርስትና እምነት ከም ምኻኑ መጠን ብተመሳሳሊ ማዕረ ተረባሒ ኾይኑ ዝተለወጠ ህይወትን ናብራን ዘይመርሓሉ ምኽንያት ‘ዩ? ተረባሒ ምኻን ይትረፍ ብኣንፃሩ ሃይማኖት ናይ ወፅዓ መሳሪሒ ኾይኑ ከም ህዝቢ ትግራዋይ ኣደዳ ድኽነት ሕሰምን ንኸውን ዝገበሮ እንታይ ስለ ዝሰሓተ ‘ዩ? እቲ ሓቂ፥ ብሓቂ ብኣምላኽ ዝኣምን ሰብ (ንየማነ ንፀጋም ከይበለ ህይወቱን ናብርኡን ከም ቃል ኣምላኽ ዝነብርን ዝመርሕን ሰብ)፥ ከምቲ ንጉስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቆፅላ ኸዓ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን፤ ዝገብሮ ዅሉ ‘ውን ይሰልጦ” ከም ዝብሎ (መዝሙረ ዳዊት 1)፤ ተጋሩ ብሓቂ እንታይ ኢና ኣስሊጥና? ተስለጥና ጥምየትን ሕሰምን፣ ተስለጥና ጥፍኣትን ዕንወት፣ ተስለጥና ሁከትን ጦርነት ዶ ኣይኮነን ‘ዩ? ትግራዋይ 17 ዓመት ተቃሊሱ ብዝኸፈሎ ናይ ህይወት መስዋእትነት ዘስለጦ ነገር ተሃልይዎ፥ ውሑዳን ብሕሱም ፅጋብ ዝሰቐዩ፣ ምልዮናት ድማ ብኣንፃሩ ብሴፍትኔት ተሓቒፎም ስርናይን ዘይትን ዓዲ ሀገር አናተረጠበሎም ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ምፍጣር ‘ዩ ዘስለጠ። ናይ ሎሚ ‘ውን ተኾነ ካብቲ ናይ ትማሊ ዘሕፍር መግለፂና ዝገድድ ድኣምበር ዝሕሽ ኣይኮነን። ብሓገዝ ግዱሳት ተጋሩ ዝርከብ ሳሙናን ሶፍትን ብመስርዕ ንኽወስድ ኣካሉ ዘጉደለ (ዝተጠልመ) ወልዶ ብምፍጣር ተጋሩ ግርም ኣሳልጦ ጌርና ኣለና።    

ሕቶይ፥ ኣመንካ ኣይኣመንካን ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ሰብ ይረብሓኒ ‘ዩ ዝብሎ፥ ኣንጭዋ ትኹን ተመን፣ ላሕሚ ትኹን ርግቢት ሃይማኖተይ ‘ዩ! ኢሉ ናይ ምእማን መሰል ኣለዎ። እዚ ንምታይ ኮነ ኣይኮነን ናተይ ሞገት። ኣነ ዝብሎ ዘለኹ፥ ብሓቂ ኣማኒ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ/ማሕበረሰብ ኣብ ዘይዛሪ (ናይ ትግራይ ዝዓይነቱ) ናይ ደልሃመት ናብራ ኣይነብርን! ‘የ ዝብል ዘለኹ። ብርግፅ፥ መንፈሳዊ እምነትን ሃገራዊ ሃይማኖት ሓደ ኣይኮነኑ። መንፈሳዊ እምነት ብባህሪኡ ፀላምን መቑሕ ባርነትን ሰይሩን ገፊፉን ሓራ ዘውፅእ ጭቡጥን ምኽንያታዊን ዝኾነ ፍልጠትን ጥበብን እንትኸውን፤ ሃገራዊ ሃይማኖት (የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ያን ተባሂሉ ከም ዝፍለጥ) ብኣንፃሩ፥ ፖለቲካዊ ተልእኾ ሃልይዎ አእምሮ ሰዓብቱን ተኸተልቱን ብሽምን ሽፋንን ፈጣሪ ዝተደጎሱ ግበር ኣይትግበር ብዝብሉ ናይ ሽርሕን ተንኾልን ሕግታት እናምሃረ ብድንቁርና ሒዙ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ፀልማት ዘንብር ኣዝዩ ረቂቕ ናይ ወፅዓ መሳርሒ ‘ዩ።

መፅሓፍ “እየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፥ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ ተፀኒዕኹም ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፤ ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም እታ ሓቂ ድማ ሓራ ክተውጽኣኩም ‘ያ በሎም” ከም ዝብሎ (ዮሓ 8፥ 31-32) ሓቀኛ ክርስትያን ኣይኮነን ናይ ሰብ ባሪያ ክኽውን ይትረፍ ህይወቱን ኣእምርኡን ዝተፈትሓ ፍጥረት ‘ዩ። ናይ ምንታይ ፀልማት? ናይ ምንታይ ደልሃመት? ናይ ምንታይ ምዕርምራም? ካበይ ዝመፀ ሕሰም? ሓቀኛ ናይ ክርስትና እምነት (መሰረቱ ቃል ኣምላኽ ዝገበረ) ፀላም ኣእምሮ ዝገፍፍ ድ’ምበር ምስ ፀላም ዝመዓራረ ኣይኮነን። ትግራዋይ፥ ከምቲ “እየ!” ዝብሎ ብሓቂ ሰዓቢ ናይ ክርስትና እምነት ተዝኸውን ነይሩ፥ ካሊእ ይትረፍ ናይ ስልጣነ መርኣያ ዝነበረ ህዝቢ ተፀባይን ተመፅዋቲን ስርናይን ዘይትን ዓዲ ሀገር ኮይኑ ኣይምተረፈን ነይሩ። ኣሜሪካን ኣውሮፓን (ስለ ዝብላዕን ዝስተይን ገዲፍና) መሬት ሓዲጎም ናብ ካሊእ ፕላቴት ንኽመላለሱ ብርሃን ኮይኑ በግ ዘበሎም ኣብርሆት ክርትስና እንትኸውን፥ ትግራይን ከባቢኣን ድማ በኣንፃሩ፥ ብጥምየት፣ ብሕሰም፣ ብሞትን ብጦርነት በግ ዘብለን ዘሎ ሓደ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ምኻኑ ክሓስቦ ከለኹ ኣዝዩ ይገርመኒ።    

ኩሉ ከም ዝፈልጦ፥ ትግራይ ዓዲ ሃይማኖት ‘ያ። ቅድም ኢሉ ብቖፀራ ከም ዝተረጋገፀ ‘ውን፥ 95% ትግራዋይ ናይ ክርስትና እምነት ተኸታሊ ‘ዩ። በዚ ልክዕ፥ ትግራይ ስእነትን ድኽነት ዝነገሱላ፣ ሞትን ጥፍኣትን ዘይበትከላ ዓዲ ‘ያ። ካሊእ ይትረፍ፥ እዛኣ ኣንቢቡ “ትግራይ ድኻ ኣይኮነትን፣ ተጋሩ ድኻታት ኣይኮናን!” እናበለ ሓዙኒ ስደዱኒ ዝብል፣ ድኽነቱ ኣሚኑ ንስራሕ ንኸይለዓል እኳ ውድባዊ ድኽነት ዝተለማመደ፣ ካብታ ዝፈልጣ ናይ ድኽነት ህይወት ወፃኢ ኻሊእ ዝሓሸ ህይወት ዘሎ ዘይመስሎ፣ ሕልፍ ዝበለ ድኻ ዝበቅለላ ዓዲ ‘ያ። ብርግፅ፥ ናይ ፅሑፍይ መልዓሊ ሓሳብ ‘ውን እዚ ‘ዩ። ማሕበረሰብ ትግራይ፥ ቅድም ክብል እቶም ዘረፍቱ ነገስታት፣ ሕዚ ድማ ውድብ ዝሃበቶ መፈክር ሒዙ ወፅዩ፥ ብኣፉ፣ ብደርፍን ብጭርሖን ሕሰምን ድኽነት ዝፅየፍ፥ ውፅኢት ኣተሓሳስቡ ብዝኾነ (ብሕርይኡ) ድማ፥ ድኽነት መሰል ‘ዩ! ኢሉ ዝኣምንን ዝምጉትን ማሕበረሰብ ‘ዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ፥ ዕድላትን መማረፅታት እናሃለውዎ (ኤርትራውያን መማረፂ የብሎምን)፣ ሕርይኡ ብምስትኽኻል ናብርኡ ናይ ምምሕያሽ ዓቕምን ተኽኣሎን ዘለዎ (ሶማሊያ ኾነት ደቡብ ሱዳን ምስ ትግራይ ዝመዓራረ ታሪኽ የብሎምን) ኮይኑ እናሃለወ ግን ፖለቲካዊ ርዕዮተ አለም ሃይማኖት ስለ ዝኾኑ ከም ሰበይቲ ሎጥ ናይ ጨው ሓወልቲ ኾይኑ ብምትራፉ እንሆ ኣብ መፃወዲያ ጥፍኣትን ድኽነት ኣትዩ ዝዳኽር ዘሎ ማሕበሰረብ ተሃልዩ ማሕበረሰብ ትግራይ ሓደ ‘ዩ። ፍልፍል ድኽነትን ሕሰምን ትግራይ፥ ባህሉን ሃይማኖቱን ንሓሶትን ንወፅዓን ከም ዝጥዕም ተገይሩ ዝተቐርፀ፣ ሓቂ ካብ ሓሶት ምፍላይ ዝተስኣኖ፣ እቲ ፈሊዩ ዝፈለጠ ‘ውን ተኾነ ዝግበር ንኸይገብር (ንለውጢ ከይነቅል) መወዳእታ ዘይብሉ መመኽነይታ እናመሃዘ ምስ ሕሰምን ድኽነት ተመዓራርዩ ምንባር ዝመረፀ ማሕበረሰብ ትግራይ ባዕሉ ‘ዩ። ካብዚ ዝተልዓለ ‘ውን ትግራይ፥  

  • ደው ኢልካ ንነፍስኻ ምሕሳብ ነውሪ ዝኾነላ፤
  • ከም በዓል ዓዲ ግቡእኻ ምጥያቕ ኮነ ኣብ ርስትኻ ተፈጥሮኣዊ ሰብነትካ ንኽሕለው ምቅላስ ከም ገበነኛ ዝቑፀረላ፣ 
  • ሕቶ ምሕታት ኮነ ውልቃዊ ርኢቶኻ ምክፋል ከም ገበን ዝረኣየላ፣
  • ነቲ ሓቂ ብሓቅነቱ ነቲ ጌጋ ድማ ጌጋ! ኢልካ ምፅዋዕ ከም ክሕደት ዝንገረላ፣
  • ዝተምሃረን ዘይተምሃረን ማዕረ መጣቕዒ ዝኾነላ፣
  • ብውልቀ ሰብ ዝዝወር ውድብ፥ ትግራይ ናተይ ‘ያ! ዝብላን ዝውንናን መሬት ንሙኻን ዝበቕዓት።

ወገን፥ ምትሕውዋስ ሃይማኖትን ፖለቲካን ከይንእሰ ባህልን ሃይማኖትን ተወሲኽዎ ዝግበር ጉዕዞ ዓይነ ዕሙተይ ይኣክል። ነፀላኻ ኣፅሪኻ ጉያ ካብ ሞትን ጥፍኣትን ከድሕነካ ተዘይክኢሉ፥ ልብኻ ኣፅሪኻ ናብራ እንሆ ሕዚ ጀምራ! ተኾነ ፈጣሪ ኾነ ክርስትና ምስ ነፀላ ዘራኽብ ዘይብሎም ንምኻኖም ንምፍላጥ ናተይ ትምህርቲ ኣይመድለየን ነይሩ። ክርስትና ኾነ ፈጣሪ ዝደልይዎን ዝጠልብዎን ልቡ ከም ነፀላ ዘፅረየ ሰብ ‘ዩ። ህይወት ‘ውን ተኾነት ብተመሳሳሊ (ብሓቂ ዝጥዕሞን ዝምችዎን) ልቡ ኣፅርዩ ብቕንዕና ዝኸይድን ህይወቱ ዝመርሕን ሰብ ‘ዩ። ክርስትና፥ ፃዕዳ ነፀላ ተኸዲንካ ወደኽደኽ ዘይኮነ፥ ልብኻ ከም ፃዕዳ ነፀላ ኣፅሪኻ፣ ናይ ቅንዕና ህይወትን ናብራን ምባርን ምምራሕን ምኽኣል ‘ዩ። ልቡ ኣፅሪዩ ህይወቱ ዝመርሕ ሰብ ድማ ከም ሰብ መጠን ብዓንቀፍቀፍ ክሓልፍ ይኸውን ድኣምበር ዘልኣለም ኣለም ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ትግራይ ዝዓይነቱ ናይ ሕሰምን ድኽነትን ናብራ ኣይነብር።  እሞ ማ፥ ፖለቲካ ሃይማኖት ኣይኹንካ (ደላዪ ለውጢ ኹን)፣ ክርስትና እምነት ‘ውን ተኾነ ማሊያ ዘይኮነ ግድን ክትፈልጦ ዘለካን ዝግበኣካ መፅሓፍ ቁዱስ ፍልጠትን ጥበብን መሰረት ዝግበረ ጭቡጥ ህይወት ‘ዩ ሞ እምነትካ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ። ነፀላ ኣፅሪኻ ሸኾርተት ግድን ተኾይኑ ‘ውን፥ ልብኻ ምሰ-ፅረኻ ክተረኻኽበሉ ኢኻ።

ቀፃላይ ‘ዩ …

ሳጥናኤል ትግራዋይ ተዝኸውን ነይሩ … (ካልኣይ ክፋል )

By aiga