ስእሊ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ

ጉባኤ ጳጳሳት ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘትግራይ ኣብ ወፃእ ሃገራት ንዘለዉ ኣህጉራተ ስብከት ብፁዓን ኣቦታት ሊቃነ ጳጳሳት ሹመት ብምሃብ መዲቡ ኣሎ። በዚ መሰረት ፦

1] ብፁዕ ኣቡነ ኢሳይያስ ➜ ናይ ኣውሮፓ ኣህጉረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ [ብዝሒ ኣብያተ ክርስቲያናት 15]

2] ብፁዕ ኣቡነ መርሐ ክርስቶስ ➜ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ሃገረ ሰሜን ኣሜሪካ [ብዝሒ ኣብያተ ክርስቲያናት 3]

3] ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ➜ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ሃገረ ኣውስትራልያ [ብዝሒ ኣብያተ ክርስቲያናት 7]

4] ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ➜ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ሃገረ ካናዳ [በዝሒ ኣብያተ ክርስቲያናት 8]

እተን ኣብያተ ክርስትያናት ብ ፃዕሪ ኣመንቲ ክርስትና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነበርቲ በብከባቢኦም ዝግልገልሎም ኮይኖም በቲ ኣብ ላዕላይ ተጠቒሱ ዘሎ ዝርዝር መሰረት ድማ ናብ ቅዱስ ኣበዋትን ዝመርሕዋ ቤተ-ክርስትያንን ተሓቚፎም ኣለው።

By aiga

One thought on “ጉባኤ ጳጳሳት ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ”
  1. መበረ ሰላማ ትግራይ መስኩሩለይ ዘይድልዮ መሪሕ ሃገረ-ትግራይ!!እተን ካልአኦት ፖሎቲካውያን ውድባት ክአ ጭራ እንዳወጠጣ እንተሲዒበን መንከምአን!!

Comments are closed.