ዶር. ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር ብ ኣ/ፈ 19 ለካቲት 1940 ኣብ ክልል ትግራይ ኣውራጃ ዓድዋ ማይምሻም ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ተወሊዱ ። ሓው እቲ ውሩይ ጸሓፊ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር እዩ ። ወዲ 11 ዓመት ህፃን እንተሎ ጀሚሩ ካብ ጥቅምቲ 1951 ኣ/ፈ ክሳዕ ሰነ 1955 ኣ/ፈ ኣብ ዓድዋ ኣብ ዝነበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ስሩዕ/ዘመናዊ ትምህርቲ ተምሂሩ ። ዶር. ተወልደብርሃን ካብ መስከረም 1955 ኣ/ፈ ክሳዕ ሓምለ 1959 ኣ/ፈ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጀነራል ዊንጌት  ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ቀፂልሉ። ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ (ሽዑ  ቀዳማዊ ሃይለስላሰ) ዩኒቨርሲቲ ተፀምቢሩ፡ ኣብቲ ካብ መስከረም 1959 ክሳብ ሓምለ 1963 ዘጽንዓሉ ዩኒቨርሲቲ ድማ ፡ ኣብ ፋካልቲ ሳይንስ ብሉጽ ተመራቒ ብምዃን ናይ ቻንስለር ወርቂ መዳልያ ዓቲሩ።

ካብ 1963 ኣትሒዙ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍሊ ስነ-ህይወት ይዓዪ ዝነበረ: ክሳብ 1978 ብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ክሳብ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ን ዲን እቲ ክፍሊ ትምህርትን ኰይኑ ኣገልጊሉ ። ብ 1978መራሒ ፕሮጀክት “ምርምርን ምዕባለን ኮምሽን ስነ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ”፣ ካብ 1980 ክሳዕ 1996 ከኣ መራሒ ፕሮጀክት ፕሮጀክት ፍሎራ ኢትዮጵያ ነይሩ።

ካብ1975 ክሳብ 1983 ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይኑ ወርቃዊ መዋእል ዩንቨርስቲ ኣስመራ ዝመርሐ ኢሉ እውን ካብ መጋቢት 1995 ኣትሒዙ ድማ ፡ ጀነራል ብዓል ስልጣን ሓለዋ ኣከባቢ ኢትዮጵያ ኰይኑ ን ዓዱ ብ ምሉእ ልቡ ዘገልገለ ነይሩ ዶር. ተወልደብርሃን።

ኣብቲ ብ1999 ኣብ ካርታገና ፡ ኮሎምብያ እተገብረ ዘተ ‘ባዮ-ሴፍቲ’ ፡ ወሃብ ቃል እቲ ‘Like Minded Group’ ጉጅለ 77 ሃገራት (G77) ዝነበረ ዶር. ተወልደብርሃን ጥቕሚ እዘን ተጎጀልቲ ሃገራት ከኽብር ዝተኸራኸረ ኮይኑ ቅዋሙ ኣፅኒዑ ብ ሰንኪ ፀቕጢ ምዕቡላት ሃገራት እኳ እንተዘይሰመረ ኣብ ጥሪ 2000 ግን ኣብ ሞንትሪያል ዕዉት መደምደምታ በጽሐ ።

 ኣብዚ ዘተ ናይ  ዶር. ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር መሪሕነት  ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ልምዳውን ሕብረተሰባውን መሰላት ኣኽቢሩ፣ ኣንጻር ሓያል ናይ ኣመሪካን ናይ ኣውሮጳን ተቓውሞ ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ።

ኣብ ኮፐን-ሃገን ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ዋዕላ ብኽለት ኣየር ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስትር መለስ ዜናዊ ዝነበረ ዶር. ተወልደብርሃን ኣተሓሳስባ ሃገራት ኣፍሪካ ብ ሓፈሻ ድማ ‘ግሎባል ሳውዝ’ ተሰማዕነት ክረክብን ብ ሰንኪ ብኽለት ኣየር ምዕቡላት ሃገራት ዝበፅሕ ጉድኣት ክሳብ 100 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈላን ሓሳብ ዘመንጨወን ነዚ ድማ ዝተቓለሰ ነይሩ።

ኣብ ስራሕቱ ኩሉ ዕውት ዝነበረ ዶር. ተወልደብርሃን ኣብ 2006 ዓ/ም/ ፈ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝለዓለ ናይ ከባቢያዊ ኣየር ሽልማት ማለት ናይ ምድሪ ተዓዋቲ (Champion of the Earth) ተብሂሉ ተሸሊሙ እዩ።

ዶር. ተወልደብርሃን ን ብዙሓት ተጋሩ ብ ሰብኣውነት ኣብ ገዝኡ ዘዕቖበን ብ ትምህርቶም ክነፍዑ ብ ፍሉይ ዘተባብዕ ዝነበረን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ስነ እፅዋት ብዝሃነት ን ትግራይ ዘማእኸለ ኮይኑ ክቕረፅ ሞያዊ ሓላፍነቱ ዝተዋፅአን ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ ምስጉን ተሳታፋይን ተሓላቓይ ምሕዋይ ኸባብን ዳግመ ግረባን ነይሩ። ኣብ ብዙሓት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓሳት ንቑሕ ተሳታፍን ኣሳሳይን ኮይኑ ዝመርሐ ዶር. ተወልደብርሃን ኣብ 83 ዓመቱ ሎሚ ብ ኣ/ፈ መጋቢት 21, 2023 ካብዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልዩ።
ዓይጋ ን ስድራን ፈተውትን ፅንዓት ትምነ!

By aiga