ከተማ ማይጨው
10 መጋቢት 2015 ዓም

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ዪኒሴፍ፤ ትካል ትግበራ ንማሕበራዊ ልምዓትን ሓለዋ ከባብን (ኣስዴፖ) ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይን ብምትሕብባር ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝፍፀም ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ምድሓን ሂወትን ዝተዋደደ ግልጋሎት ስነ መኣዛን ዕላዊ ኮይኑ።

10 መጋቢት2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ ማይጨው ዕላዊ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ንምጅማር ኣብ ዝተሳለጠ ዎርክሾፕ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ትካል ኣስዴፖ፣ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይን እቲ ፕሮጀክት ናይ ዝፍፀመለን ወረዳታት ነቕሰገ፣ እንዳ መኾኒን ምምሕዳር ከተማ ማይጨውን ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብቲ ዎርክሾፕ መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ገብረህይወት፤ እቲ ዎርክሾፕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣስዴፖን ቢሮ ጥዕና ትግራይን ብምትሕብባር ኣብ ዙርያ ስነ መኣዛ ዝተትሓዙ መደባትን ኣፈፃፅመኦምን መሰረት ዝገበረ ዘተ ብምክያድ ኣብ ባይታ ዝርኣይን ዝጭበጥን ስራሕ ንምስራሕ ዝሕግዝ ኮይኑ ከምዝሳለጥ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።  

ኣብቲ ዎርክሾፕ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚብሄር ብወገኖም፣ ኣብ ባይታ ዝትግበሩ መደባት ማእኸሎም ስነ መኣዛ ቀንዲ ትኹረት ድማ ኣብ ኣዴታትን ህፃናትን ክኸውን በዚ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ኣካላውን ስነ ኣእምራውን ዕብየቱ ዝሓለወ ጥዑይን መፍረይይን ዜጋ ንክህሉ ልዑል ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ዛዕባ ስነ መኣዛ ከም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዝሓዞቶም ስትራጂታት እቲ ቀንዲ ክኸውን ዝተደለየሉ ዋና ቁምነገር “ጉዳይ ስነ መኣዛ ጉዳይ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ወይ ጉዳይ ሓደ ትካል ገባሪ ሰናይ ዘይኮነስ ኩሎም ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሕዎ ስለዝግባእ ‘ውን እዩ” ክብሉ ኣይተ ተስፋይ ወሲኾም ገሊፆም።

ወ/ሮ ፀሃይ ሃይሉ ካብ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ኣይተ ባይሩ ካሕሳይ ድማ ካብ ጣብያ ጥዕና ነቕሰገ መፂኦም ኣብቲ ወርክሾፕ ዝተሳተፉ እንትኾኑ እቲ ፕሮጀክት ብዋናነት ኣብ ህፃናትን ኣዴታትን ተግባራዊ ንዝኸውን ፕሮጀክት ስነ መኣዛ ብዕውት መንገዲ ንምስላጥ ግደ መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ብምዃኑ ካብ ኩለን ሴክተራት ዘተሳፈሉን ፅቡቕ ግንዛበ ዝረኸብሉን ምዃኑ ገሊፆም።

ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ምድሓን ሂወትን ዝተዋደደ ግልጋሎት ስነ መኣዛን ኣብ ሰለስቲአን ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ብልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝፍፀም እንትኸውን ን155 ሽሕ ህዝቢ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ተረባሕቲ ዝገብር ምዃኑ ከይዲ ዝርዝር ኣፈፃፅማ መደባት እቲ ፕሮጀክት ኣመልኪቶም ፅሑፍ ዘቕረቡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፆም።

By aiga