ክፋል 4

ብፅባሒቱ ንጉሆ ቁርሲ ምስ በልዑ እንድሕር ናፍቲ ዝቆሰለ ተጋዳላይ ምካድ ኣብዩ ፖሊስ ብኸመይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዝውዕሎ ብሙሉኡ ተደሪሱ ሓዲሩ እዩ። እቲ ድርሰት ብሓፂሩ ቁርሲ ክበልዑ ከለው ፖሊስ ሲቭል ተኸዲኑ ምስኦም ኮፍ ከም ዝብል፣ ኣለም ናብቲ ዝቆሰለ ተጋዳላይ ኣይወስደኩምን ዝብል እንድሕር ኮይኑ እቶም ቤተሰብ ኩሎም በቢውልቆም ስልኮም ኣብ እዝኖም እንዳገበሩ ምስ ሰብ ዘዕልሉ እንዳመሰሉ ብዙሕ ከዕልሉ፣ ፖሊስ ድማ ፖሊስ ምኳኑ መታወቅያኡ ኣርእዩ እንታይ ኢኹም ንስኹም ካበይ ዝመፃኹም ኢኹም? እንታይ እዩ እዚ ኹሉ ስልኪ ዕላል? መታወቅያኹ ኣርእዩ? ኣብዚ ከተማ ኣይትፍለጡን ፀጉሪ ለወጥ ኢኹም ትመስሉ? ኢሉ ኣርባዕቲኦም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ከውዕሎምን ናብ ፖሊስ ጣብያ ክውሰዱን ይስማዕምዑ። ኣብ ፖሊስ ጣብያ ምስ በፅሑ ድማ ንምንታይ ናብ ኣፅቢ ከም ዝመፁን ኣለም መሪሑዎም ከም ዝመፀን ንዝሓለፉ 2-3 ኣዋርሕ ኣለም ዝገብሮ ዝነብረን ኩሉ ዘርዚሮም ንፖሊስ ከረድኡ ከም ዝግባእን ተስማዕሞዖም እዮም ሓዲሮም።

ድሕሪ ቁርሲ ኣለም እውን ተንቅፀኒ እዚ ተጋዳላይ ኣየርየኩምን ምስ በለ እዚ ምስ ፖሊስ ብሓባር ዝተደረሰ ድርሰት ናብ ተግባር ይእቶ። ፖሊስ ንኣርባዕቲኦም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ናብ ፖሊስ ጣብያኦም የእትዎም ምርማራ ድማ ከምቲ ቀዲሙ ዝተደረሰ ይጅመር። ተጋዳላይ ኣለም እዚ ቤተሰብ ዘረድኡዎ ኩሉ ብትኽክል ከምኡ ገይሩ ናብ ኣፅቢ ከም ዘምፅኦም ቃሉ ንፖሊስ ይህብ። ቃሉ ተኸቲሉ ድማ ዝገብሮ ኩሉ ሓቂ ምኳኑን ዘይምኳኑ ሙሉእ መዓልቲ ምርመራ ይውዕል። ኣለም ኣባል ስለያን ኣባል ሴንትራል ኮማንድን ምኳኑ እውን ንፖሊስ ኣረጊፂ ይናገር። ፖሊስ ናብ ወታደራዊ መሓውር ሴንትራል ፣ ናብ ክፍልታት ስለያ ስልኪ ባዕሉ እንዳሰምዐ ይድውል። ከምዚ ዝብሃል ስታፍ/ኣባል ኣለኩም ዶ ይብሃል? መልሲ ኩሎም አረ ብፍፁም ይኸውን። ናብ ሰለስተ ዓበይቲ ሰበስልጣናት መሓውር ሴንትራል እውን ስልኪ ይድወል፣ እስኪ ኣባል እንተኮይንካ መን ይብሃል እዚ ዘውግዐና ዘሎ ብድምፁ ፍለጦ ዝብሃል ንኣለም፣ ኣለም ንሰለስቲኦም ክፈልጦም ኣይከኣለን። ተጋደልቲ ኣስመላሽን ሰለሙንን ኣለውዎ ናብ ዝበለና ኣርምን ክፍለ-ጦራትንን ይድወል ኣስመላሽን ሰለሙንን ዝብሃል እሱራት ኣለውኹም ድዮም ይብሃል ሀዚ እውን ኣለም እዝኑ እንዳሰምዐ አረ ብፍፁም ክልቲኦም ኣብ ትሕተና እሱራት የለውን ይብሃል። ንኣለም ሀዚ እውን ናይዚ ዝቆሰለ ተጋዳላይ ስልኪ ሃበና ክንድውለሉ ይብሎ ፖሊስ ስልኩ ረሲዐዮ ኣይፈልጦን ይብል። በል እሺ ንዓናይ ገዝኡ ውሰደና ይብሎ ፖሊስ፣ ኣለም ድማ ገዝኡ ኣይፈልጦን ይብል። እዚ ኹሉ ንፍርቂ-መዓልቲ ዝተገበረ ምርመራ ፖሊስ ከተማ ኣፅቢ ተጋዳላይ እየ በሃሊ ኣለም ንሰለስተ ኣዋርሕ ሙሉእ ሕሶት እዮም ኢልካ ንምእማን መልኣኽ ምኳን ዘድልዩ ክሳብ ሀዚ ዝጠቐስኩምን ኩሉ እንተዝፀሓፍ ድማ ሓደ ዓብዪ መፅሓፍ ዝወፆምን ኩሎም ንዘደምምም ብቕዓቱ ዝደረሶምን የጭበርብረና ምንባሩን የረጋግፀልና።

ፖሊስ ከተማ ኣፅቢ ንምንታይ ቤተሰብ ናብ ከተማ ኣፅቢ ከምፅኦም ከም ዝደለየ ንበይኑ ብዝገበሩሉ ምርመራ ድማ ዋና ዕላማኡ ምስ መሻርኽቱ ኮይኑ ቤተሰብ ዓፊኑ ክወስድ ዕላማ ከም ዝነበሮን ቤተሰብ ዓፊንካ ድማ ካብ ወፃኢ ዘለኹ ኣባል ቤተሰብ ገንዘብ ክሓትት ከም ዝነበረ ዕላማኡን ንፖሊስ ቃሉ ይህብ። ፖሊስ ከተማ ኣፅቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ እየ በሃሊ ኣለም ክሲ ክንምስርት ከም እንኽእልን እዚ ተጠርጣሪ ገበነኛ ድማ እንተደሊና ኣብ ኣፅቢ እንተደሊና ድማ ናብ ዝደለናዮ ቦታ ብእሱር ንፖሊስ ከም ዘረክበልናን ንቤተሰብ ይነግሮም። ቤተሰብ ድማ ናብ ዝነብሩሉ ከተማ ዓዲግራት ናብ ፖሊስ ከረክቡሎምን ክሲ መስሪቶም ድማ እዚ ተጠርጣሪ እኹል ምርመራ ተገይሩሉ ፍርዱ ንኽረክ ክሲ ከም ዝምስርቱ ብምንጋር ፖሊስ ከተማ ኣፅቢ ናብ ዓዲ ግራት ዘብፅሕ ፖሊስን መኪናን ብምምዳብ ተጠርጣሪ ኣለም ናብ ፖሊስ ከተማ ዓዲግራት የረክቦ። ቤተሰብ ድማ ክሲ ብምምስራት ፖሊስ ድማ ንተጠርጣሪ ኣለም ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ፖሊስ ንምርመራ ጊዘ ብዝጠየቖ መሰረት ተፈቒዱሉ ቤት ፍርዲ ንቐፃሊ ቖፀሮ ንዕለት 7 ለካቲት ቆፂሩዎ ይርከብ።

እንተ ንሕና ቤተሰብ ግን ክንደይ ተስፋ ዝገበርናሉ ሃለዋት ኣሕዋትና ተጋዳላይ ኣስመላሽ መለስን ተጋዳላይ ሰለሙን ፀጋይን ከም ጨና ማይ ኮይኑ ቀርዩ፣ ናታቶም ሃለዋት ምጥፋእ ከይኣክለናስ ተወሳኺ ሃለዋት ቤተሰብ ክጠፍእ እዚ ኹሉ ኣዋርሕ ዝወደአ ቅንብር ገበን ክፈሓሰልና ድሕሪ ምፅናሕ ብሓገዝ ፈጣርን ብዝገርም ትዕዝብትን ጥበብን ኣኮይ መ/ር ኪዳነ ለምለምን ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ ካብ ምካድ ድሒንና ተጠርጣሪ ገበነኛ ድማ ብሕጊ ምሕታት ጀሚርና ንርከብ። 

ብዚ ኣጋጣሚ ነዚ መሕዘንን መምሃርን ተንብቡ ዘለኹም ደሃይ ተጋደልቲ ውላድኩም ቤተሰብኩምን ዝጠፍአኩም ካባና ተምሃሩ፣ እዚ ተንብቡ ዘለኹም ተጋደልቲ ድማ ካብ ማእኸልኩም ነቲ ዝኸፈልኩምዎ መስዋእትኹም ዘይምጥን ረሳሕ ታሪኽ ዝፍፅሙ ተጋደልቲ ኣለው እዮም እሞ ተኸታቲልኩም ናብ ሕጊ ኣሕሊፍኩም ኣረክቡዎም። እንተኽኢልኩም ድማ ብዚ ኣጋጣሚ ድሃይ ተጋዳላይ ኣስመላሽ መለስን ተጋዳለይ ሰለሙን ፀጋይን እትፈልጡ እንተሃሊኹም በይዛኹም ተዳሃዩኒ። ሚድያታት ትግራይ ድማ እዚ ኹሉ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ቃልሲ ወለዲ መስዋእቲ ውላዶም ከይኣኽሎም ከም ኣለም ብዝበሉ መጭበርበርቲ ንዝገደደ ኢኮኖምያዊ ፀገም ይቃልዑ ኣለው እሞ ህዝብና ካብ ከምዚኦም ዝበሉ መጭበርበርቲ ባዕሉ ክጥንቀቕ እዚ ታሪኽ እዚ ይኹን ካልኦት ተመሳሳሊ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት እንዳቕረብኩም ህዝብና ኣምህሩ። ብወገነይ እዚ ታሪኽ ኣብ ዝዓደመኒ ሚድያ ቀሪበ ከዘንትዎ ድልዊ እየ። መንግስቲ ትግራይን ኣመራርሓ TDFን ድማ እዚ ከቢድ መስዋእቲ ዘኽፈለ ብረታቂ ቃልሲ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ደሃይ ተጋደልቲ ደቁ ኣሕዋቱን ዘመድ ኣዝማዱን ንምርካብ ልዕሊ እዚ ክሳቐ የብሉን። ብኽብሪ ዝተሰውኡ ተሰዊኦም፣ ብኽብሪ ኣካሎም ዝጎደሉ ኣካሎም ጎዲሎም፣ ብዘጥፍኡዎ ዲሲፕሊን ዝተኣሰሩ ተኣሲሮም፣ ምስ ፀላኢ ጎሮሮ ንጎረሮ ተሓናኒቖም ዝተማረኹ ድማ ተማሪኾም ኢልኩም ቁርፅና ንገሩና። እዚ ኹሉ ዝኾነ ንስለ-ትግራይን ንክብሪ ህዝቢ ትግራይን እዩ እሞ እዚ ንምስማዕ ዝፈርሕ ህዝቢ ትግራይ የለን፣ ቁርፁ ግን ሀዚ ክንገረና ይግባእ።    

ተፈፂሙ፨

By aiga

2 thoughts on “ኣለሻ ሃለዋት ተጋደልቲ (ኣብ ልዕለይ ዝበፅሐ ዘሕዝን ተጓንፎ – ፬) ”
  1. This is due to lack of system of governances in the TDF due to the rottenness nature of TPLF lawlessness. There need to be a system or Sraet of governances due to the fact that we have been led by the law of jungle since the time of Menleick until now. We need the following:
    1. System of governances or Sraet of Governances that upholds all the goods of our culture, history and social fabric and that removes the bads of our ignorance, backwardness due the fact we have been kept in darkness for the 13 000 years which made us lose our values of Axumite.
    2. We have to computerize Tigray
    3. Every Tigray has to be registered which means we have to have a national Tigray register and the register register all our private data
    4. We have to develop, reformulate the Baito system instead of cutting, copying, pasting things we do not know from Russia,China,America, etc. No society can progress based on cut, copy, and paste ideology. The more we copy the more we lose our whoness. The TPLF is our curse , not our blessing because it has destroyed our identity more than Mussoloni, Menelick, Haileslassie, DERG. During DERG b I lived in Tigray, despite all the problems of poverty, famine, backwardkess, darkness,war, etc there was no this kind of bad applies in our society. Thanks to TPLF , everything is corrupted now. Our langauge is corrupted, our culture is corrupted, our mind is corrupted and our way of living corrupted and our history is corrupted. I have seen many coutries, there is none like Tigray without bias, but we have lost it now big time. This is why I say we need to reclaim, restore and rebuild Axumite because we have to get back to our roots. You cannot plan a tree in environment there it cannot grow. A fish cannot live out of water nor does a society out of its identity, culture, values. This is part of the tragedy our people have to go through of the evil and cursed TPLF. We have to be real and reboot ourselves by resetting to our history. It is important the TPLF cut, copy and paste ideology of China, Russia,etc has to be eradicated from Tigray. With TPLF,Tigray will never get anywhere as it did not in the past 30 years. All Tigreans must understand TPLF is a liability to Tigray less than a liberator. It is a pure curse of Tigray.
    Tigreans must be ready for a revolution to liberate Tigray from ;
    1. Ethiopia
    2. TPLF
    Tigray problem has to be solved scientifically and in whole. All bTigreans must regain their dignity, humanity from Ethiopia and TPLF. It is TPLF who put our people in all these tragedy by refusing to listen. Some of knew all these problem from day one but we were persecuted like enemies for 30 years. Fast forward 2023, everything we fear starting 30 years ago has now happened. Let us turn this to an opportunity by over riding opportunists.

Comments are closed.