ናብ ዝኸበርኩም ተናሓናሕቲ ውድባት ባይቶና፣ ፫ ወያነን፣ ውድብ ናጽነት ትግራይን ሕዝቢ ትግራይ ሎሚ በለካን ለኽዐካን እንተይኮነ ዝጠልብስ በቲ ተረኺቡ ዝንሄ ኖዃል ሾሊኹ አትዩ ወጽዕኡን ስቃዩን ዘቃልለሉ፣ድምፂ ዝኾኖ እዩ አንቃዕሪሩ ንአምላኩ ዝልምን ዘሎ። ካፍቲ ንቡር  ገባጣይነት ሓደ ”መሪሕነት ውድብ” ከናግፎ ዝጽዕር ፖለቲከኛ ይጠልብ አሎ።

ፖለቲካ ትግራይ ካብ ኢድ ዘየሕይሽ ጭዃሮ (ከእጅ አይሻል ዶማ) ይኾነና አሎ።ታሪክና ንፈትሽ “ጎራሕያ ቆልዓስ ዝሃብዎ ሒዙ ይበክይ” ይብሉ ወለድና።ብወገነይ ከም ሓደ ትግራዋይ ካብ ሕሉፍ አንፈት ፖለቲካ ትግራይ ተላዒለ ውድብ ህወሓት ካፍቲ ተመንይዎ ዝነበረ ኮታ 60%  ወሪዱ፣ወሪዱ፣ወሪዱ ናብ ዚሕዚ ረኺብዎ ዝንሄ እጃም ተሰማሚዑ እዙይ ድማ ለውጢ እዩ።ሂብካ ምቅባል ማለት እዩ።

ተናሓናሕቲ ውድባት ንምዃኑ በታ ዝረኸብኩማ ዕድል ድምጽኹም ምስማዕ ዶስ ? እንተዘይ ሂብኩምና ሞይትና ንርከብ ኢኹም ክትብሉ ? ወይለይ ህወሓት ሰፋሕ በሉ እንተበሉኹም ከ ? ከም ልማድኩም ዲኹም ክትጻረፉ? ከትውንጅሉ? ውሽጥኹምባ ፈትሹ ? ጉርሒ ባ ልመዱ ? እረ ንምዃኑ ደገፍቲ እንንተሃሊኦሙኹም ንምንታይ ብቃልስኹም ውጽኢት ክተምጽኡ ዘይካአልኩም ? እረ ንሙዃኑ እትዕደምዎ አኼባታት ንረብሓኹም ክተውዕልዎ እንተዘይክኢልኩም ብኸመይ ዳአ ልምዲስ ክትረኽቡ ?

እረ ንሙዃኑ ፖለቲካዊ ጉርሒ ድዩዝንሄኩም ? ወይስ ፖለቲካዊ ግትርና ? ግትርና ኮ ንዝሓለፉ ፴ዓመታት ዝሰልቸወና ምሕደራ ህወሓት እዩ።አበይ አሎ እቲ ትግራዋይነት ጉርሒን ጥበብን ?ስልጣን ብመሪር ተጋድሎን መስዋእትነትን እምበር ብጸለመን ብምቁዛምን መን ክህበኩም ኢልኩም ትጽበዩ ?

እረ ንሙዃኑ ንስኹም እተርእይዎ ዘለኹም ግቱር ፖለቲካዊ ቅዋም ውድብ ህወሓት ብውሽጡ ጠስሚ ተስትይዎ ከምዘለኹምን ትርድእዎ ዶ ? እቲ ንውክሎ እትብልዎ ሕዝቢ ንቲ ልሙድ ገባጣይ ባህሪያት ካድረታት አሕሊፍኩም ትህብዎ ከምዘለኹም ከ ትርድኡ ዶ ? ንስኻትኩም ፩ንቲ ወይ ፪ ፣ ፫ ሕዝባዊ ትካል ብፍትሒን ርትዕን ክትመርሑ ከምትኽእሉ ንሕዝቢ ብምርአይ ባ በታ ዝረኸብኩምዋ  ዕድል አርእይዎ።

ሓንቲ ጽብቅቲ መርአያ ክገልጸልኩም፣ቅድሚ ፶ዓመት ሎሚ “ንህንዲ ዝመርሕ ዘሎ” ፖለቲካዊ ፖርቲ፣ናብ ናይ ህንዲ ፖርላማ እንትጽምበር፣ ብሓንቲ ወምበር ስዒሩ እዩ አትዩ።ሎሚ ንህንዲ እናደጋገመ ይምረጽን ይመርሕን አሎ። ሎሚ ንስኻትኩም አብዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፮% ረኺብኩም አለኹም። እቲ ጉባኤ ተጸምቢርኩሞ ሓሳባትኩምን፣አፈላላይኩምን ንሕዝብኹም ክትገልጽሉ እትኽእልሉ ዕድል ብምሕንሻሽኩም፣ ክንደይናይ ብፖለቲካዊ ጉርሒን ጥበብን ከምዘይሰደርኩም መርአያ እዩ።

ሎሚ ውድብ ህወሓት እታ ዝረኸብዋ ዕድል ተጠቂሞም ንዓካትኩም ምስ ሕዝብኹም ዝፈልዩሉ ገዚፍን ዝበለጸ ንምጥቃዕ ዝጠቅም ዕድል ስለዝፈጠርኩሙሎም እንተየመስገኑኹም ከምዘይሓልፉ ርግጸኛ እዬ።

እንተ ንስኻትኩም ግን እዛ ሎሚ ረኺብኩማ ዝንሄኹም ፮% ኮላይ ዕድመ ንዳያስፖራን ሙሁራትን ትግራይ በሉ።እዛ ዕድል እዚአ ከምቲ ንጉባኤ ተዓዲምኩም ዝሓንሸሽኩምዋ እንተተሓንሺሻ፣እመኑኒ መንእሰይ ትግራይ ኮነ ሙሁርን ዳያስፖራ ትግራይን ዓኽ እንቱፍ ከምዝብለኩም።

ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ ሕዝቢ ትግራይ ንኽተርድኡን፣ንኽተምህሩዎን ሓያል ጎቦ ከም ምውፃእ ክኸብደኩም እዩ።ውሽጣዊ ዓፈናታት ክሕይሉኹም እዮም።ብቶም ዘይሓዝኑልኩም ገበጥቲ ክትፈረኻኸሱ ኢኹም።ንኽተምህሩ ኮነ ንኽትንቀሳቀሱ ከምዘይትኽእሉ ከምዝገብርኹም እመኑ።

ነዙይ እዬ “ጎራሕ ያ ቆልዓስ ዝሃብዎ ሒዙ ይበክይ” ዝበልኩኹም።ናታትኩም ነገር ግን “ጽምብላሊዕስያ ማዓኮራ እንተይ ከደነት መሬት ከደነት” ኮይኑ።አኼባ ንምግባር ሓይሊን ተሰማዕነትን ዘይረኸብኩምስ ? ስልጣን ብማዕረ እንተዘይተኻፊልና ማለት ? ዓገብ።        እስኪ በታ ዝረኸብኩማ ዕድል ተጠቀሙላ እጃምኩም ስርሑላ።ጸገም ሕዝብኹም ብኽብሪ አብ ቤትምኽሪ አቲኹም አስምዑሉ።አብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምስ ጊዚያዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ኮይንኩም ፖርላማ አቲኹም ድምጺ ሕዝብኹምን፣ውድባዊ ጸገምኩምን፣ሚዲያዊ ተሰማዕነትን እተስፍሕሉ ዕድል እዩ ተጠቀሙሉ።ተሟገቱሉ እንተዘየለ ድሌትኩም በሉ እተን እጃምኩም እንተስ ብሙሁራት፣እንተስ ብአባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክምላአ እዬን።ድሕሪኡ “ተሓሳማያ ጓሳስ ምስሑ ዝተባህለ ድራሩ ይኸውን” ከምእትባሃሉ አይትረስዑ።አነ ፍጹም ህወሓት ዝባሃል ውድብ ብኽብሪ አብ ሙዚየም እንተዝቅመጥ ደስ ይብለኒ።አነ ህወሓት ኮነ ባይቶና፣ውናት፣ወይ ፫ወያነ ስልጣን እንተሓዘ አይሞቀኒ፣አይቆረኒ ሕዝበይ ሳአን ብቁዓት መራሕቲ “ጽንተት ዘርኢ ጀኖሳይድ” ክወርዶ ካብ ምርአይ ዝኸፍእ የለን። እንታይሞ “አብ ስፈር ዕውራትስያ ሓደ ዓይኑ ንጉስ” ኮይኑና።ከም ማሕበረሰብ ስለዝወደቅና ዝዘራእናዮ ኢና ንሓፍስ ዘለና።አነስ እረ ይገርመኒ እዩ ? እዛ ዓደይ ትግራይስ ቅኑዕ መራሒ አይውጽአልኪ ተባሂላ ዶ ተረጊማ ትኸውን ? እንድዒ

የቀንየለይ

ሙሉጌታ በሪሁ

03/02/2023

By aiga

2 thoughts on “ጎራሕያ ቆልዓስ ዝሃብዎ ሒዙ ይበክይ።”
  1. Arrogance is the mother of all human problems. So you are telling us the opposition has to pick a gun as TPLF did? Wow, amazing brilliance and mentor? I think the opposition are much better than you?

Comments are closed.