ውድብና ናይ ሓደ ወገን በይናዊ ከይዲ ምጥያሽ ጊዝያዊ መንግስቲ እናነፀጎ ምምፅኦ ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ድማ ሕጋውን ቅቡልን ከይዲ ተኸቲሉ ዘይተጣየሸን ናይ ኩሎም ሰብ ግደ ተሳትፎ ዘየረጋገፀን “መጣየሺ ኮሚቴ ጊዝያዊ መንግስቲ” ፤ ካብ ውድብና ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ኣካላት ዝቐርበሉ ዘሎ ግቡእ ተቓውሞ ጎስዩ ዝኸዶ ዘሎ ጨላልቃዊ ከይዲ ተቐባልነት የብሉን። ስለዝኾነ እቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ናይ ኩሎም ተጋሩ ሰብ ግደ ውክልና ብዘረጋግፅ ሓፋይ ከይዲ ከይጣየሽን ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ከይኣቱን ህወሓት መኻልፍ ይኸውን ከምዘሎ ክፍለጥ ኣለዎ። ብምዃኑ እውን ዓበይትን ግዘ ዘይህቡን ሕቶታት ህዝብና ከይምለሱን ኢሉ እውን ክጋደዱን ኣብ ምግባር ይርከብ።

ብሄራዊ መሪሕነት ውድብና ንዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፤ ጊዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት መማረፂ ሓሳብ ኣነፂሩ ኣሎ። እቲ ዝጣየሽ ጊዝያዊ መንግስቲ ተሳትፎን ውክልናን ኩሎም ሰብ ግደ ከረጋግፅ፤ እዞም ኣካላት ዝውከልሉ ኸይዲ እውን ግልፂ ክኸውን ኣለዎ። ስለዝኾነ ጊዝያዊ መንግስቲ ሰለስተ ኣካላት ማለት እውን ውድባት ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይን ፖለቲካዊ ዘይኮኑ ውዳበታትን (ምሁራት፣ ማሕበራት፣ ዲያስፖራ)ን ዘጣይሽዎ እንትኸውን፤ በቢብርኩ ዝህልዎም ውክልና ድማ ብቕደም ሰዓብ 60፣ 20፣ 20 ሚኢታዊ እንትኸውን፤ ኩሎም ኣብዚ ጊዝያዊ መንግስቲ ዝሳተፉ ውድባት ትግራይ ድማ ማዕረ ውክልና ዝህልዎም ይኸውን። ምስዚ ተዛሚዱ ዓበይቲ ውሳነታት ዝሓልፈሉን ብውክልና እቶም ዝተገለፁ ኣካላት ዝጣየሽን ካውንስል ክህሉ ይግባእ። ብኻልእ መዳይ እቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካዊ መሓውር ትግራይ ዳግመ ተኸላ ዝገብር እዩ። ፈፃሚ ኣካል ትግራይ፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ብርኪ ወረዳ በቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ሽንሽና ብኣካላት እቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ክተሓዝን ጣብያን ትሕቲኡን ዘለው መሓውራት መንግስቲ ድማ ህዝቢ ብዝመረፆም ክጣየሹን ኣለዎም።

ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጊዚያዊ ናይ ሕጋዊ መንግስትነት ሓጓፍ ንምፍታሕን ኢሉ እውን ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ፀጥታዊ ቅልውላው ብምውፃእ ናብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ዘሰጋግር መንግስቲ የድሊ እዩ። ብመረፃ ዝቖመ ሕጋዊ መንግስቲ ቅድሚ ምግሃዱ ስሩዕ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዝህብ መንግስታዊ ኣካል ኣብ ትግራይ ክህሉ ስለዝግባእን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ሕውየትን ስግግርን ዝፍፅም መንግስቲ ስለዘድልን ምጥያሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን፡፡ ምስዚ ተዛሚዱ እቲ ዝጣየሽ ጊዝያዊ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሕን ተሓታትነትን ምርግጋፅ፣ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ትግራይ ዘይልወጥ መርገፂ ክህልዎ ይግባእ። ውድብና ኣመሰራርታ ጊዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት ሰነድ ስለዘዳለወ፣ ኣብ ቀረባ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ክገብር እዩ።

ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

20 ለካቲት 2015 ኣ.ግ

መቐለ፣ ትግራይ

By aiga