ውልቃዊ ፃውዒት 

መሓሪ ታደለ ማሩ 

ትግራይ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ኣብ ሞንጎ ተስፋን ተስፋ ምቑራፅን፣ ኣብ መንጎ ዕድላትን ድሕረ ኲናት ዝፍጠር ቕልውላውን መንቀራቕሮ ኣትያ ትርከብ። ልበ-ምልኡነት፣ ፍፁም ሓላፍነትን፣ ተዓፃፃፋይነትን ዝሓትት እዩ። መፃኢ ወለዶ እውን እቲ ዝተፈጠረ ከቢድ ኹነታት ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ጸባሕ ምሕታቱን ምስትንታኑን ኣይተርፍን’ሞ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር የድሊ።  

፩ – ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ ገይሩ ክወስዶ ዘለዎ ነገር እንተሃሊዩ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ዝነበረ መስካሕከሒ ኲናትን ህልቀትን ዝኾነ ይኹን ውድብ፣ ፌዴራላዊ ሥርዓት ኢትዮጵያ፣ መስርሕ ፓን-ኣፍሪቃ፣ ወይ ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣካል ከድሕኖ ከምዘይኽእል እዩ። እሞ እዚ ዝተፈጠረ ኩነታት ንኹሉ ትግራዋይ ናይ መነቅሒ ደወል ኮይኑዎ እዩ።  ኣብ ከምዚ ዝበለ መዘና ኣልቦ መከራ ዝወረዶ ህዝቢን ኣብ ኣዚዩ መሕዘኒ ኩነታትን ክርከብ ግድን እዩ። ዘለቕነት ትግራይ ኣብ ምውሓስ ወሳኒ ግደ ክህልዎም ዝኽእሉ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ትግራይ ሰነያ እንትህልው፣ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊ መሰላት ዜጋታት ግቡእ ሓለዋ እንትግበረሎም ጥራሕ እዩ።   

፪ – እዙ ዓሌታዊ ጽንትት ዝፈጠሮ ኹነታት ፍሉይ ሓላፍነት ዝጠልብ ኮይኑ ይርከብ። ብምዃኑ ድማ ኩሉ ፀጋታትካ ኣኻኺብካን ኣዋሂድካን ምጥቕም ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ። እዚ ድማ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ሓደ ፕሬዝደንት፣መንግስቲ ይኹን ፓለቲካዊ ውድብ እዩ። ሓላፍንት ሓደ ወለዶ ጥራሕ እውን ኣይኮነን። ትግራይ ኣብቲ ዘላቶ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኹነታት ኮይንካ፣ ናይ ስነ-መንግስቲ ቐዳሚ ትኹረት ኾይኑ ክስራዕ ዘለዎ ቁልፊ ጉዳይ ህልውናን ባህግን ህልውን መፃኢን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ‘ምበር፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ክኾን ኣይግባእን።    

፫ – ሕድሕድ ትግራዋይ ነንባዕሉ ሓላፍነት ክስከም ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ኲናት ዘርኣዊ ፀነተ ዓርሱ ንምክልኻልን ትግራይ ናይ ምህናፅን ፍሉይ ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ። እዚ ፀውራ ንውሑዳት መንግስታዊ ሰበ-ስልጣናት፣ ጄነራላት፣ ምሁራንን ማሕበራትን ብፍላይ ድማ ንፖለቲከይናታትን ፖለቲካዊ ውድባቶምን ዝደርብይ ኣይኮነን።    

፬ – እቲ ኣብ ቀረባ ዝሳለጥዘሎ  ከይዲ ስግግር ድልዱል፣ ዴሞክራስያዊ፣ ተፃዋራይነት ግልጽነትን ዝመልኦ ክኸውን ይግባእ። ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ መሬት ትግራይ ብዝፍፀም ገበናት ዕንወትን ምኽንያት ጥራሕ ከይኮነስ ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያን ነቲ ኲናት ቐንዲ መበገሲ ዝኾኑ ምኽንያታትን መልሲ ስለዝይሃበ እዩ። ኲናት ዘርኣዊ ፀነተ መሊሱ ከይጋጥም ቀዲምካ ምክልኻልን ምድላውን ከድሊ እዩ። እዙይ እውን፣ ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም ሓደጋ ህልውና ዘጋጥሞም ህዝብታት፣ ዝተደላደለን ሓቋፊን ሕገ-መንግስታውን ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ክህሉ ይጠልብ።     

፭ – መተካእታ ዘይብሉ ህይወቶምን ኣካሎምን ንዝኸፈሉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን [TDF] ቤተስቦምን ኹሉ ግዜ ጭቡጥ ሓገዝ ክንገብር ይግባእ። ይኹን እምበር መስዋእቲ’ቶም ደቂ ህዝቢ ትርጉም ዝህልዎ፣ ትርኑዕን ንድሕሪት ዘይምለስን ሰላም፣ ደሕንነት፣ ዴሞክራሲን ፀጋታትን ዘለዋ ትግራይ፣ ንመፃኢ ወሎዶታት እንትፍጠር ጥራሕ እዩ።  እዙይ ንህዝብን ተጋደልትን ትግራይዝለዓለ ኽብሪን ምጉንጻፍ እዩ። 

፮ – ስለዝኾነ ድማ ኹልና ኣብ ትግራይ ጭቡጥ ለውጢ ዝፈጥር ስግግርን ባህጊ ተጋሩ ዘረጋግፅ ሕገ-መንግስታውን  ዴሞክራስን ንክፍጠር ጸቕጢ ምግባር ይግባእ። ኣብ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ኻልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዓይነት ስርዓት-ምልኪነት፡ ኣብ ትግራይ ንኸይድገም ዝከላኸል ፖቲካዊ ስርዓት ንክሰፍን ብንቕሓት ክንቃለስ ይግባእ።    

፯ – ዓምዲ ሕጋዊ፣ ቕቡልን ብቑዕን ሥነ-ምሕደራ፣ ብቀጥታን ብነፃነትን ብእተመረፁ ተወከልቲ ኣቢሎም ኣብ ፖለቲካ ብዝገብሮዎ ህዝባዊ ተሳትፎ ይረጋገፅ። ከምዙይ ዓይነት ህዝባዊ ተሳትፎ ህዝብታት ነኒባዕሎም ይኹን ምስ ተወከልቶም ብህዝባዊ ዘተን ምጉትን ኣቢሎም ዝፈጥርዎ ድርኪ ይሓውስ። እቲ ተሳትፎ ቕቡልነት ዝህልዎ ድማ ሓሳብ ናይ ምግላፅ፣ ናይ ምእካብን ምውዳብን ነፃነት ዘረጋገፀ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ነፃነት ሓሳብ ምግላፅን ሓበሬታ ምርካብን፣ ምትእኽኻብን ምውዳብን ቁልፊ ንጥፈት መሰል ህዝባዊ ተሳትፎ እዮም። ሰበ ስልጣን ትግራይ ነዞም መሳላት እዚኦም ከኽብሩን ትፅቢት ይገበረሎም።   

በዚ መሰረት፣ ሓይልታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ትግራይ ነኒባዕሎም ብምቅድዳው ንህንፀት ባህሊ ዴሞክራስይዊ ስርዓት ብርኡይ ተግባር ከበርክቱ፣  ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝተመልኦ ንጥፈታት ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ክሰፍን፣ ሰብኣዊ መሰላት ክረጋገፅ፣ ዝፍጸሙ ግህሰት መሰላትን ክትትል ንምግባር ብቕሉዕን ቖራፅነቶን ከረጋግፁ፡ ውልቃዊ ፃዊዒተይ የቕርብ ። 

By aiga