“ሽማ መን ትበሃል’የ?” ዶ በለ ብርሃነ ሃይለ። እዚ ብ መሰረት እማመ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ክምስረት ዝበሃል ዘሎ ብ እንግሊዘኛ “Interim Regional Administration – IRA ” እንታይ እንተበልናዮ ነቲ ክፍፅሞ ዝምደበሉ ዕዮ ብ ዘየሻሚ መንገዲ ይገልፆ? መሰጋገሪ መንግስቲ (transitional)፣ ግዝያዊ ምምሕዳር(Interim/provisional)፣ ዋላስ በዓል-ሕድሪ (caretaker / ad hoc) መንግስቲ? እዚ ከም ሕቶ ዘልዐልኩሉ ካብ እቲ ስም ባዕሉ ተበጊስና ዕላማና ኣነፂርና ምስ እንምልከት ካብ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ክትሩ  ባህግና ብዝዛየደ እቲ ኣብ ጫፍ ኣፍንጫና ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ተኾሊዑ ክበርሀልና እዩ።

ስግግር መንግስቲ ክምሰረት ዝኽእል መብዛሕትኡ ግዘ እቲ ዝነበረ ጠርናፊ መንግስቲ ብ ውሽጣዊ ይኹን ግደማዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን እንተተኣልዩ ንኹሉ ዝምልከቶ ኣካል ዘሳትፍ ርትዓዊ መንግስቲ ብ ውድድር/መረፃ ስልጣን ክሳብ ዝሕዝ ኣብ ኣብዝሓ እቲ ንቑሕ ተሳታፊ ኣካል ብስምምዕ ንውስን ግዘ ዝፀንሕ ድሩት ስልጣን ዝሕዝ ሓይሊ እዩ። እዚ ናይ ስግግር መንግስቲ እዚ ግዝያዊ መንግስቲ ወይ ከዓ በዓል ሕድሪ መንግስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር/መንግስቲ ዓይነት ስግግር መንግስቲ ኮይኑ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ብ ኲናት ሕድሕድ ወይ ከኣ ባዕዳዊ ወራሪ ሒዝዎ ዝፀንሐ ስልጣን ብ ሙሉእ ወይ ብ ኽፋል ከፍፅመሉ ኣብ ዘይኽእል ኩነታት እንተኣጋጢሙ ብ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ድፍኢት ካብ ስልጣን ክእለ ምስ ዝግበር ነዚ ተኪኡ ዝመፅእ ጉጅለ ከኣ ነቶም ኣጋጢሞም ዝበሃሉ ጉድለታት ዝምልእን መፍትሒ ዝሓዘን ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ። እዚ ዝሳኻዕ ድማ ካብቲ ዝተመፅአሉ መንገዲ ፍልይ ዝበለን ዝተፈላለየ ሓሳብን ፍታሕን ዝሓዘ ሓቛፋይ  ኣካይዳ ምኽታል የድሊ። በዓል ሓደራ መንግስቲ ካብ ግዝያዊ መንግስቲ ዝፍለ ብ ዝህልዎ ናይ ስልጣን ገደብ እዩ። በዓል ሓደራ መንግስቲ ኣብ እዋን ስልጣን ምምሕልላፍ ክፍተት ንከይህሉ ወሰንቲ ዝበሃሉ ስራሕቲ ጥራሕ ንኸንቀሳቕስን እቶም ፖለቲካዊ ውሳነታት ዘድልዮም ተኣነፍቲ ጉዳያት ዘይትንክፍ ከም ስሙ ስልጣን ካብ ዝሓለፈ መንግስቲ ተቐቢሉ ን ቀፂሉ ዝተመርፀ/ዝተሓርየ ጉጅለ ዘርክብ እዩ። ነዚ ቅልል ዝበለ መግለፂ ካብ ኣቕረብኩ ካብዚ ቀፂለ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝብል ዝጥቀም ኮይነ እግረ መንገደይ ድማ ብ ኸመይ እዚ ስም ኣዕርዩ ነቲ ሐዚ ንፅበዮ ዘለና መንግስቲ ገላፂ ኮይኑ ተገንዩ ዝብል ክገልፅ እየ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ብ 4 መንገዲ ክጣየሽ ይኽእል ይብሉ ኣብዚ ዓውዲ መፅናዕቲ ዘካየዱ ናይ ማሕበረ ሳይንስ ተመራመርቲ። ንሳቶም እውን፥

  1. ብ ናዕቢ/ዕልዋ-መንግስቲ ዝምስረት (Revolutionary provisional) ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ዓይነት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ብ ሓይሊ ክእለ እንተሎን ስልጣን ናብ ኢድ እቶም ዕልዋ ዘካየዱ ክኣቱ እንተሎ።
  2. ስልጣን ክፍፍል ዝማእኸሉ (Power Sharing provisional) ግዝያዊ መንግስቲ፣
  3. ተሃድሶ መሰረት ዝገበረ (Incumbent provisional) ግዝያዊ መንግስቲ
  4. ዓለምለኻዊ መዳርግቲ ኣካላት ጣልቃ ዝኣተዎዎ (International provisional) ግዝያዊ መንግስቲ

ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ ዓረብ ሃገራት ዝተርኣየ “ዓረብ-ስፕሪንግ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኣብ ቱንዝያ ብ 2010 ኣ/ፈ ተጀሚሩ ኣልጀርያ፣ ግብፅን ሊብያን ካልኦት ከም ሶርያ የመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ  ዝተሳወረ ዓመፅ ዳርጋ መብዛሕትኡ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ዓይነታት ግዝያዊ መንግስቲ ብምምስራት ዝተዛዘመ እንትኸውን ከም ሊብያ ዝበላ ገለገለ ሃገራት ክሳብ ሐዚ ዘይጠፍአ ሓዊ እቲ ዓመፅ እናንደደን እንትርከብ ካልኦት ከም በዓል ግብፂ ዓይነት ድማ ከም ድጉል ረመፅ ንግዚኡ ተዳፊኑ ምቹው ኩነታት ዝፅበ ዘሎ ይመስል።

ብ መሰረቱ ኣየናይ ዓይነት ግዝያዊ ምምሕዳር እዩ ክምስረተልና ዝብል ሕቶ ንዳሕራይ ነፅንሓዮ እሞ ካብ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር እንታይ ንፅበ ኢልና ምስ እንሓትት ካብ እቶም መንግስቲ ትግራይ ወኪሎም ዝተደራደሩን ኣባል ሰንትራል ኮማንድ ትግራይ ሌ/ጀ/ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብ እቲ ትግራይ ወኪሉ ዝፈረመሉ እማመ ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ ክምስረት ላዕሊ ታሕቲ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳርን ስራሕቱን ኣመልኪቱ ዝዘርግሖ ፅሑፍ ምርኣይ ይከኣል። ዋላ እኳ ካብ እቲ ጋህዲ ዘይተገበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ንላዕሊ ኣብ እታ ኣጣያሺት ኮሚቴን ክትክተሎ ዝግበኣ መስርሕን ኣድሂቡ ርእይትኡ እንተወዝዐ ዋና ዋና ዕማማት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይገለፀ ኣይሓለፈን።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ ዋናነት ከፈፅሞም ተብሂሎም ኣብ ዝርዝር እማመ ሰላም ፕሪቶርያ ብግልፂ ዝተፀርሑ ዝስዕቡ 5 ነጥብታት

  1. ሰላም ምስፋንን ፀፅታ ምኽባርን
  2. ፍትሒ ምርግጋፅን ጉዳይ ተጠያቕነትን
  3. ጠንቂ ኲናት ዝኾኑ ጉዳያት መፍትሒ ምንዳይ
  4. ዳግም-ሕውየት ምክያድን ማሕበራዊ ዝምድና ምድልዳልን
  5. ፖለቲካዊ፣ ቑጠባውን፣ስነልቦናውን ህንፀትን

ዝብሉ እዮም።

ነንሕድሕዶም መፃሕፍቲ ዝወፅኦም ዓበይቲ ርእሰ-ጉዳያት እኳ እንተኾኑ መእሰሪኦም ግን እዞም ዝተዘርዘሩ ዛዕባታት ኩሎም ኣድህብኦም ድሕሪ እቲ ግፍዓዊ ኲናት ንዝተፈፀሙ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዕንወት ርእሰማላት፣ ብርሰት ሃፍትታት ተፈጥሮን እዮም። ስለዝኾነ ድማ ዳርጋ 99 ምኢታዊ ማሕበረሰብ ትግራይ እቲ ስምምዕ ካብ ዝካየድ 4 ወርሒ ኣብ ዘቑፀረሉ ቐፂሉ ዘሎ ኢኮኖምያዊን ማሕበራውን ዕፅዋን ክባን ምስ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ጥራሕ ዝፍታሕ ጌርካ ምፅባይ ካብ ሐዚ ጠጠው ኢሉ ብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኩሉ ሲቪል ሰርቪስ ኣገልጋላይን ኣብ ፌደራል ኣብያተ ዕዮ ተቖፃራይን ን ዝሓለፈ ኣስታት 3 ዓመታት ዘይተከፈሎ ደሞወዝን ጥቕማ ጥቕምን ን ፌደራል መንግስቲ ክሓትትን ብ ኹሉ መዳይ ፀቕጢ ክገብርን ይግባእ።

ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ዓለም-ለኻዊ ኣገባብ ኣተኣላልያ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ግዘ መዛዘሚ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ህንዲን ብ 1973ኣ/ፈ ኣብ ግዘ ኲናት እስራኤልን ግብፅን ተኸቲሉ ኣብ እስራኤል ዝተፈጥረ ሕንፍሽፍሽን ከም ኣብነት ወሲድና ክንርእይ ኢና። መንግስቲ እንግሊዝ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ህንዲ ዝነበሮ ሓይሊ እናላሕለሐ ብዝከደ ብ 1946 ኣ/ፈ ብ ሎርድ ወቬል ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ልኡኽ ኣቢሉ ን ጀዋህርላል ኔህሩ መራሒ ምንቅስቓስ ብሄራዊት ህንዲ (INC) ግዝያዊ መንግስቲ ንምምስራት ሕቶ ኣቕረበ። እዚ ብ መብዛሕቲኦም ምንቅስቓሳት እኳ ተቐባልነት እንተረኸበ ን ኣስላም ወኪለ እየ ዝበለት “ውድብ ሙስሊም ሊግ” ግን ሃገር እየ ዝደሊ ኢላ ጠንጠነለይ ኣብዚ ግዝያዊ ኣይሕወስን ኢላ ኣቕበፀት። ኣጣያሺ ግዝያዊ መንግስቲ ህንዲ በዚ ከይተሰኮነ ን ውድብ ሙስሊም ሊግ ብፅሒታ 3 ቦታ ወሲኑ ኣባላት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣፅደቐ። ውድብ ሙስሊም ሊግ ክውክል ዝተመርፀ ሓደ ብ ወለንትኡ ስለዝተሓወሰአ 2 ቦታ ክፍቲ ቀርዮም ብ 1 ሰብ ተወኪላ ግን ድማ ብ ዝቐረዩ ኣባላት ፓርትታት ምሉእ ተሳትፎ ግዝያዊ መንግስቲ ህንዲ ግሁድ ኮነ። ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናብ ናፃ ሪፐብሊክ ህንዲ ዝግበር ጉዕዞ ድማ ብዘይተሓለለ ውዑይ ምንቅስቓስ ህንዳውያን ኣብ ብራኽኡ በፅሐ።

እንታይ ክብል ደልየ እየ ዝተወሰኑ ኣብ ዕርያ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እምቢታ እንተፅንዑ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምምስራቱ ዓዲ ይውዕል ማለት ኣይኮነን። ግን ዋጋ ከኽፍል ዝኽእል ውሽጣዊ ሓይሊ ኣብ በቦትኡ እናቆራረፅና እንተኸይድና ነቲ ዓብዪ ስእሊ ማለት እቲ ሐዚ ብ ጎሮርኡ ተዓጊቱ ተትሒዙ ዘኒሀ 5.6 ሚልዮን ህዝብን ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ህዝብን ግቡእ ፍታሕ ከይረክብ ብምግባር ስቓይ ህዝብና ነናውሕ ኣለና ማለት እዩ።

ኣብ 1969 ኣ/ፈ ብልፅቲ ፖለቲከኛን እስራኤል ሃገር ካብ እትብሃል ሰለስተ ሰብኡት ምስ መርሕዋ ራብዐይቲ መራሒት ሃገረ እስራኤል (ቀዳመይቲ ሚንስትር ኮይና ዝተመዘዘት ኣባል ለበር ፓርቲ ጎልደን መየር ፅዮናውያን ኣነቓኒቓ ሃገራ ሓፍ ኣቢላ ዝመርሐት ኣንደበተ-ርትዕቲ መራሒት ነይራ። ድሕሪ ካምፕ ደቪድ ኣግሪመንት እስራኤላውያን ደጊም ዓረብ ሃገራት ደፊሮም ኣይውሩናን ዝብል ሸለልትነት ሒዝዎም ነይሩ። እቲ ዝርኣይ ዝነበረ ናይ ፀላኢ ምድላው ርእዮም ኣባላት ከነሰት (ፓርላማ) እስራኤል ን መከላኸሊ ሃገር ብዘይ ናይ ካቢነ ፀቕጢ ምሉእ ብ ምሉእ ክትእዝዞ ስልጣን ዋላ እንተሃብዋ ተዳሊውና ክንፀንሕ ኣለና እምበር እንድሕር ንሕና ናይ መጀመርታ ጥይት ቶኪስና ዓለም ክትወቕሰና እያ እንደልዮ ሓገዝ ድማ ኣይንረክብን ኢላ ጎስያቶ ከምዝፀንሐት ይዝረብ። ብ ፍላይ ን መራሒ ስቴት ዲፓርትመንት ኤመሪካ ዝነበረ ሂንሪ ኪሲንጀር ኩሉ ትልምታታ ተፍልጦ ከምዝነበረት ኣብ መፅሓፉ ይሕብር። ደሓር ኣብ 1973 ኣ/ፈ ን ውግእ ‘ዮም ኩፐር’ ድሕሪ ዝተወሰነ ምንስሓብ ፀረ መጥቃዕቲ ከፊቶም ተዓዊቶም። ዋላ እዚ ኮይኑ እውን ግን ዝኣለየትሉ ኣካይዳ ዘየዕግቦም እስራኤላውያን ቁጠዐኦም ከስምዑ ጀሚሮም። እዚ ድምፂ ህዝባ ሰሚዓ ከኣ ካብ ሓላፍነታ ብ ፍቓዳ ብ 1974 ኣ/ፈ ካብ መዝነታ ለቒቓ። ነዚ ዘይጥቁው ዝበልዎ ኣገባብ ኣተኣላልያ ዘፃሪ ‘ኮሚሽን መፃረዪ ገበን’ ተቛቚሙ ምፅራይ ገይሩላ። ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ለበር ፓርቲ ተቐባልነት ስኢኑ ካብኡ ንደሓር እቲ ሐዚ ቤንጃምን ነታንያሁ ዘለዎ ሊኩይድ ፓርቲ ከንሳዕርር ጀሚሩ። ጎልደን ማየር ብውልቃ ግን ካብቲ ክሲ ምፅራይ ገበን ነፃ ተብሂላ።

ካብ እዚ ናይ እስራኤል ታሪኽ እውን ክንመሃሮ ዝግባእ ኣካይዳ ኣሎ። ‘ይኣኽለኒ’ ምባል። ልክዕ ከምቲ ናይ ህንዲ ታሪኽ ኣይ ኣነ በታ ዝበልክዋ መንገዲ እንተዘይከይድኩም ኢልካ ንቕፅ ምባል ለውጢ ዘይፈጠረት። ኣይ ዘይኣነ ኣብዛ ቦታ ኮይኑ ትግራይ ካብ ዘላቶ ፀላም ዘናግፋ ካሊእ ወዲ ትግራይ የለን ካልእ ጓል ትግራይ የላን ምባል ከ ክንደይ ከጓዕዘና እዩ እሞ?

ምሕፅንታ፥

  1. ብ 2012 ዓም ብ መረፃ ስልጣን ዝበሓትኩም ሐዚ ን ልዕሊ 4 ኣዋርሕ ኣብ ኣኼባ ዘለኹም ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት
    • እዚ ኲናት እናመርሐ እስካብ ሐዚ ዘፅንሐ ኣመራርሓ ን ግዚኡ ካብ ቅድሚት ገለል ክብል ምግባር። ሓመድ ልሒስና ተላዒልና ኣብ ውግእ ጥራሕ እንተይኮነትስ ኣብ ዲፕሎማሲ እትሰርሐሉ ግዘ ሐዚ ስለዝኾነ እዚ ከተግብሩ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ናብ ቅድሚት ክመፅኡ ምግባር።ብ ዋናነት ን መፃኢ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ሐዚ ዝጣየሽ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ስልጣን ክፍፍል መሰረት  ዝገበር ግዝያዊ ምምሓር (power sharing provisional regional administration) ክኸውን ምግባር።
    • ታክቲካል (tactical) ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ገይርካ ፀላኢ ምቕናስ፣ እዚ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዘሎ ኣካይዳ ዝነኣድ ኮይኑ ሐዚ እውን ከምቱ ልክዕ ኣባል መሪሕነት ውድብኩም ዝኾነ ኣትንኩት መዝገቦ ኣብ ፌደራል ስልጣን ዝተሾመ ኣባል ብልፅግና ይኹን ብብልፅግና ዝድገፋ ኣብ ወሰንን ድንበርን ትግራይ ዘየማትእ መርገፂ ዘለወን ውድባት እውን እንተኾነ ኣብ እቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ምሕዋስ።
    • ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ትምክሕተኛ ወራሪ ሓይሊ ብ ጥንቃቐ ፈሊኻ ክውቀዐሉ ዝኽእል መንገድታት ነቲ ሌጣ ህዝቢ ዘቐይምን ዝኳሳሕ ቃላት ካብ መራሕቲ ከይወፅእ መምርሒ ምሃብ።
    • ኣብ ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ኣፃራዪ ገበነኛታት ኲናት ትግራይ ዘፃርዩ ትግራይ ክኣትዉ ክፍቀደሎም ኣለዎ ዝብል ፅኑዕን ግልፅን ዝኾነ ቅዋም ብ ሚድያ ምግላፅ
    • ብሄራውያን ውድባት ዋላ እኳ ኣይንሳተፍን ይበላ ዝግበአን ቦታ ክሳዕ መወዳእታ ብ ኻሊእ ከይተሓዝ ወይ ከይሕደግ ፃዕሪ ምግባር።ኣገልገልቲ ስቪል ሰርቪስ ናይ 3 ዓመት ደመዎዞም ክልቀቐሎም ከምዝግባእ ን መንግስቲ ፌደራል ብ ኣዋጅ ምሕታት ን ዓለም ለኸ ረድኤት ትካላት ኣብ መንግስቲ ፌደራል ድፍኢት  ክገብራ ምልባው። ጉዳይ ስቪል ሰርቪስ ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ተፈልዩ ክረኣይ ከምዝግብኦ ን መሻርኽቲ ኣካላት ምእማን።
    • ዘይተደለየ ዝተናውሐ ኣኬባን መግለፅን ዋና ዓንቃፊ ስሉጥ ኣገልግሎት ህዝብና ምዃኑ ተረዲእኹም ብ ህፁፅ ክተሕፅርዎ ምኽኣል።
    • ን ኮሚቴ ኣጣያሺ ግዝያዊ መንግስቲ ደገፍ ምሃብ
  2. ን ብሄራውያን ውድባት
    • ሐዚ እውን ዝጎደለ ብምምዕርራይ ዝምልከት ብ እርይ ቁፅር ብምሕታት ኣብ ምጥያሽ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ምስታፍ። ካብ ክጥየቑ ዝኽእሉ ሕቶታት ፖለቲካዊ ወገንተኝነት ኣለዎም ዝበሃሉ ውልቀ-ሰባት ኣብ እቲ ዘይተሳተፍክናሉ ሕርያ ኣጣየሽቲ ግዝያዊ መንግስቲ እንተሃልዮም ብ ግልፂ ደብዳበ ተቓውሞ ብምስማዕ ሓላፍነቶም/ን ክለቁ ፃዕሪ ምግባር እምቢ እንተይሎም ናብ ቤት-ፍርዲ ምውሳድ።
    • ብ ብሄራውያን ውድባት እምነት ዝሓደረሎም ካልኦት ተወሰኽቲ ምልምል ኣጣየሽቲ ኮሚተ ክውሰኹ እሞ ብሄራውያን ውድባት እውን ብ ምሉእ ዓርሰ እምነት ክሳተፋ ዕድል ክወሃበን ምፅዓር።
    • ብ ሰንኪ እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሰ መንግስቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ትግራዋይ ዝቐፀለ ዕፅዋን ክባን ክኸውን ዘይግብኦ ምዃኑ ኣብራህሪህካ ምክርኻር።
    • ብ ጥምረት ብሄራውያን ውድባት መሳ-ን-መሳ መንግስቲ ምምስራት እዚ እውን ንባዕሉ ናብ ካሊእ ሰሓቦ-ጉተቶ ዘምርሕ እኳ እንተኾነ ግን ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘኻዕብት ብምዃኑ መጠረሽትኡ ምይይጥ ስለዝኾነ እዚ ኣካይዳ ምስ እቲ ኣብ ወሊሶ ዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ሹመት ዝመሳሰል ኣዝዩ ብዙሕ ብምጥያቕ እኹል ዝበሃል ሒዝካ ምምላስ ከም ማለት እዩ።
    • ጉዳይ ሰራዊትን ካልኦት ተዃሳሕቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ቅደም ሰዓብ ብምትሓዝ ኣብ ዝግበኦ ሰዓትን ግዘን ኣጀንዳ ክኾኑ ምግባር።
    • ኣብ ጉዳይ ተማዛበልቲ ህዝብናን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራን ወራሪ መንግስቲ ኤርትራን ዘይዋዘ ቕዋም ምሓዝን ብሄራዊ ስምዒት መንእሰይ ዝምጥን ፖለቲካ ምክያድን ምኽንያቱ ብዙሕ ህዝቢ ብትዕግዝቲ ዝፅበያ መዓልቲ ናፅነት ስለዘላ።

መጠቓለሊ፥

እዚ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ዲሞክራሲ ተኺልና ነጥጥዐሉ፣ ዲሞክራስያዊ መሰላት ተኸቢሮም ዶ ኣይተኸበሩን ኢልና ንካተዐሉ፣ እንተይኮነስ ነፍሲ ውፅኢ ነፍሲ እተዊ ኢሉ ኣብ መከራ ዝነብር ሓፋሽ ማሕበረሰብና ኣብ ገጠርን ከተማን ተፀጊሙ ሰኣን መድሓኒትን ምግብን መዓልቲ ሓለፈት መዓልቲ መፅአት ዝነፅፍ ዘሎ ህዝብና እነድሕነሉ እዩ። ኩላትና እዚኣ ዘደናጒ ኣይፋል ክንብል ኣብ መንገድና ዘግነናያ እምኒ ነዚ ቅዱስ ሓሳብ እዚ ከይተዕንቅፍ ክነልዕል ይግባእ።

እዚ ክንብል ከለና ከኣ ብዝመፃእናሉ መንገዲ ህዝብና ክነድሕን ከምዘይንኽእል ተረዲእና ጓል መንገዲ ኣብ ምድላይ ንርከብ። እቶም ዓንተዎ ዓንቃፊት እምኒ ከይትህሉ ዘልዕሉ ዝነበሩን ሐዚ ጓል መንገዲ ዝደልዩ ዘለውን ኩሎም ደቂ ትግራይ ሓደ ዓብዪ ኣውራ ጎደና ሰሪሖም በቲ ዝሰርሕዎ ንህዝቦም ዝምጥን ናይ ሕውነት መንገዲ ንኩላትና ከሕልፉና ከሳግሩና እተን ፅባሕ ብምሉእ ዓርሰ-እምነት ክንፍፅመን ኣብ ልብና ዝሓዝናየን ጉዳያት ክነሳኽዕ ክሕግዙና ነተስፉ።

ሽዑ ምንባር ንጅምር!

ሽዑ ሰማእታትና ይድበሱ!

One thought on “ግዘ ዝበልዕ ዘሎ ጉዳይ ግዝያዊ ምምሕዳር”
  1. by the way Are :
    1. Eritrean out ?
    2. Amharas out of Tigray
    first thing first, first all the enemies in Tigray has to out of Tigray before anything

Comments are closed.