ኣብዚ ሰዓት እዚ መሪሕነት ህወሓት በይኑ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ተላፊኑ ምስለኔ ሸዋ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ክተክል ገዛ ዓፅዩ ላሕ ይብል ከምዘሎ ተረዲእና ኣለና፡፡ ፅንተት ህዝቢ ሃንዲሶም ዝፈፀሙ መራሕቲ ኢትዮጰያን እዚ ፅንተት ንክፍፀም ዕድል ኣብ ምፍጣር ናይ ባዕሉ ግደ ዝወስድ መሪሕነት ህወሓትን ኮይኖም መንግስቲ ክተኽልሉ እንተለዉ ህዝቢ ትግራይ ስቕ ኢሉ ይቕበል እዩ ኢልና ኣይንኣምንን፡፡

ውድብ ናፅነት በዚ ኣካይዳ እዚ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ከባቢና ሰላም ክህሉ ኣይኽልን ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለዎ፡፡ ብወገንና ኣብ ትግራይን ከባቢናን ሰላም ክህሉ እንተኾይኑን ንትግራይና ካብዚ ሐዚ ኣትያቶ ዘላ መሃሙቕ ኣውፂኡ ናብ ንቡር ክመልስ ዝኽእል ግዝያዊ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክንድዝክኣል ዘቲኻ ዝፍጠር ክኸውን ኣለዎ፡፡ ነዚ ዝኸውን መማረፂ ሓሳባት ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ትግራይ ክቐርቡን ክስምዑን ኩነታት ክመቻቸው ይግባእ፡፡ እንተኾነ ግና እዙይ ኣይግበርን ዘሎ።

ውድብና እቲ ሐዚ ክትከል ዝግብኦ ግዝያዊ መንግስቲ ክልተ ኣካላት ዘለውዎ ኮይኑ ክቐውም ኣለዎ ይብል፡፡ እቶም ኣካላት ድማ ብሄራዊ ቤትምኽሪ ትግራይን ካቢኔ ትግራይን ተባሂሎም ክፅውዑ ይኽእሉ፡፡ እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ተልእኽኡ ኣብ ናይ ትግራይ ቁልፊ ብሄራዊ ረብሓታት እናመኸረን እናወሰነን ነቲ ፈፃሚ ኣካል (ካቢኔ ትግራይ) ናይ ትግበራ ኣንፈት ምሃብን በዚ መሰረት ድማ ነዚ ኣካል እዚ ምቁፅፃርን ይኸውን፡፡ ውድብና እዚ ብሄራዊ ቤትምኽሪ ናይ ኩለን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ማዕረ ውክልና ብዘረጋግፅ ኣግባብን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ እውን ሓዊሱ ክቐውም ኣለዎ ኢሉ ይኣምን፡፡ እቲ ፈፃሚ ኣካል (ካቢኔ ትግራይ) ድማ እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ክንድዝክኣል ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ብዘረጋግፅን ግልፅነት ብዘለዎን ስርዓት ካብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ዘጣይሾ ይኸውን፡፡

ብእምነትና ብኸምዚ ዝበለ ኣካይዳ ዝትከል ግዝያዊ መንግስቲ እዩ ነቶም ሐዚ እውን ኣብ ልዕሌና ተዳዕኖኖም ዘለው ከም ህዝቢ ጠቕሊሎም ከብርሱና ዝኽእሉ ሓደጋታት እናመከተ ትግራይ ንቡር መንግስቲ ክህልዋ ክገብር ዝኽእል፡፡

ባህጊ ናፅነት ህዝብና ኣይኽበስን !!

ውድብ ናፅነት ትገራይ

ለካቲት 18/2015 ኣ/ግ

መቐለ

All reactions:

13Mercy Gebremeskel, Tigexit Geremeskel and 11 others

By aiga