“ካብ ማያዝያ 28, 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ንኽልተ መዓልትታት ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ኣብቲ ዋዕላ ብፅእ ኣቡነ ኢሳያስ፣ ብፅእ ኣቡነ መርህ ክርስቶስን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስን ሓዊሱ በርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተረኸቡ እንትኾኑ ፣ ትግራይ ናይ ባዕላ ዋና ቤት ፅሕፈት ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክህልዋን ነዚ ዘፈፅም መምርሒን ደንብታትን ክህልዋ ብምግባር ንክልተ መዓልታት ዋዕላ ድሕሪ ምክያድ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝብሃል ዋና ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ክጣየሽ ተገይሩ ኣሎ። ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ከተማ መቐለ እንትኸውን ጉባኤ ጳጳሳት ትግራይ እውን ክጣየሽ ክኢሉ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ ክብሉ ድማ እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ መልእኽቶም አሕሊፎም።እታ ቤተ ክርስትያን ምስ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ብዕሊ ከምዘቋረፀት ይዝከር።” ካብ ዝብል ዜና ድምፂ ወያነ ትግራይ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ክዕዘብ ቀንይና። እቲ መዛረቢ ዛዕባ ዝገበሮ ከኣ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ መቐለ ዶ ኣክሱም እምበይ በዚ ቅዱስ ተግባር ዘይተፋዕነነ ትግራዋይስ ከቶ የለን። ን ኣቦታትና ድማ የቐንየልና ንብል። ኣነ እውን ካብቶም መንበረ ሰላማ ኣክሱም በሃልቲ እንድየ ንምንታይ? እንታይ ሰዓቤን ኣለዎ ሓቢርና ንርኣዮ።

ኣክሱም፥ መንበረ ሰላማ ከሳቴ-ብርሃን!ኣብ’ዚ ፅንኩር እዋን፣ ግፍዒ መሊኡ ፈሲሱ ነፍሲ ኣእላፍ ኣብ ሞትን ሕውየትን ኮይና ብ ሰንኪ ግብረተ-ኽፍኣት ፀላእትን ሕመቓት ባዕልናን ህይወት ብዙሓት በለኽ ከይትብል መዓንጣ ብ መቐነት ደግዲጉ ህዝብና ከይተንበርከኸ ‘ክሓልፍ እዩ!’ ኢሉ ስኑ ነኺሱ እናተቓለሰ እንተሎ፣ ብ ስርኡ ካብ ሽዋ መንጢሉ ናብ ገዝኡ ዝመልሶ ዘሎ መንበረ ኣባ ሰላማ ኣብ እቲ ናይ ጥንቱ ኣኽሱም ክኸውን ኣለዎ ምባል ነቶም ካብ ኣዲስ-ኣበባ ክሳብ መቐለ ዘግዐዝዎ ተባዓት ሊቃውንቲ ዝፈፀምዎ ጅግንነት ንምስትውሓድ ኣይኮነን። ን ተግባርኩም ግንቡስ ኢልና ብርኪ ስዒምና ኣለና!


ንምንታይ ግን ኣክሱም? መንበረ ኣባ ሰላማ ኣክሱም ክኸውን ዘለዎ እንብለሉ ምኽንያታት በዘን ዝስዕባ ነጥብታት መዚነ ከቕምጠን።

ሓደው ኣክሱም ብ ዘለዋ ታሪኻዊ ሃፍትን ስጡም ረኽቢ ምስ ምትእትታው ሃይማኖት ክርስትና ናብ ኣፍሪካ ትኽክለኛ ቦትኡን ክብሩን ሓልዩ ንክፀንሕ ኣውንታዊ ግደ ኣለዎ።

ክልተው ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ምስ ታቦት ፅላት ኣተሓሒዙ ዘለዎ ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ኣመልኪቶም ናብ ኣክሱም ኣብ ዝውሕዝሉ ግዘ ዝርድእዎ ነገር እንተሃለዎ ስርዓትን ክብርን ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብ ምዕሩይ ስርዓት ካብ ዝፍፀመለን ገለ ውሑዳት ከተማታት ዓለም ዝዳረግ ኣገባብ ን ክልተ ሽሕ ዓመት እናተግበረት ዝመፀት እንትትከውን ብርሃን ውሽጥና ናብ ደገ እንደጉሐሉ ን ኣሽሓት ዓመታት ዝዓቀብናዮም ሓድግታትና ኣብሊፅካ ንምዕቃብን ንምእውላልን ትኽክለኛን ከተማ ኣኽሱም እያ።ሰለስተው፡ ብስርውና ጎረቤት ክለግበና እንተዘይደሊና ካብ ገይጋታት ቅድሚ ሐዚ ኣፀቢቕና ክንመሃር ይግባእ።

ካብዞም ክንፅየፎም ዘለና ሕመቓት ሓደ ምትሕውዋስ መንግስትን ሃይማኖትን እዩ። ብፍላይ ከም ትግራዎት ከዓ ካብ ዝነበረና ልዕልና ናብዚ ሐዚ ኣቲውናዮ ዘለና ጭቃ ዝወረድና ወይከኣ ዘዳህለለና ነገር እንተሃለወ እዛ ስንፍናና ኣብ ምልላይ ዘይእርኑብ ጥርናፈ ሃይማኖትን መንግስትን እያ። እታ ሓንቲ ናይ ሓንቲ ፖለቲካዊ መሳርሒ እናኾና መቕፅዒ ሓለንጊ ኮይነናና ማሕለኻ ረቢበን ኩርንኲሪት ኣሲረናና ፀኒሐን እየን። ከምዚ ዓይነት ስሕተት ንዘይምድጋም ኢልና እውን ሕልፊ ክንጥቀም ኣብ ክልተ ከተማታት ክልተ ዓርሰን ቆይመን ዝኸኣላ ቤተ መንግስትን መንበረ ሃይማኖትን ምህላወን ሓይሊ ንጥምረትና ዓንዲ ንሓድነትና ነግኒ።

ሰለስተው ካብቶም ብ ብልሂ ዘይሓዝናዮም ሓደ ምርኩሳት ኮይነን እንቀንዐለን ሰረጋላ ኮይነን ዘሳግራና ትካላት ዘይምድጋፍና እዩ። ካብዚ መከራ ንክንወፅእ መንበረ-ሰላማ ኣብ ኣክሱም እንተዝነበር መንግስቲ መቐለ ሓደጋ እንተዝኣትው እውን ኣብቲ ሓደ ተደጊፍና እቲ ሓደ ብቕልጡፍ መሰራዓድናዮ። ‘Secularism’ ኣብ ‘ኣንገሊካል ፕሮቴስታንት’ ዓዲ እንግሊዝን ካብ ቫቲካን ዝቕዳሕ ካቶሊክዝም ብ ጣልያናውያንን ስፓኛውያንን ዝስፍሕፋሕ ግዙፍ ትካል ሃይማኖት ከመይ ከምዝተጠቐምሉ ብ ካሊእ ግዜ ኣስፊሐ ክምለሶ እየ።

ኣርባዕተው፥ ፅልዋ ሃይማኖት ካብ መሬታዊ ስፍሓት እታ ኣብ መሬት ዘላ ትግራይ ኣዝዩ ዝሰፍሐን ኣድማሳውን ምስቲ ምዃኑ ኣብ ውሽጢ ግዝያዊ መኣዝናዊ ቅርፂ ኣብ ዝተሓፀረ መንግስቲ ምስ ነቕምጣ እቲ ክብፃሕ ዝግብኦ ከይተበፅሐ ግብራውን ዓለማውን ከምኡ እውን ሰመያዊ ተልእኽኡ ብ ኣግባብ ከይፍፅም ዕንቅፋት ይኸውን። ብ ፍላይ ከኣ እቲ ሐዚ ብ ስነ-ፈሊጥ ደረጃ ሃይማኖት ከም ትካል ዘቆናፅብ መሪሕነት ከምዘለ ይግመት። ምኽንያቱ ድማ ካብ ክልተ ነገራት ከምዝኸውን ይግመት፣ ብ እታ ካብታ ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ብ ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዕን ነዚ ኣብ ምፍፃም እታ ቤተ-ክርስትያን ከም መሳርሒ ከምዝነበረት ብዝተርኣየ ዝተደግለለ ስምዒት ከምኡ ድማ ብ ፍላይ እቲ ኣብ 1960ታት 70ታት ዝነበረ ትውልዲ ካብ እቶም ሃይማኖት ዘናሽዉ ወያነታት ኤሽያ (ቻይናን ቬትናምን) ኢሉ እውን ራሽያ ዝቕዳሕ መፅሓፍቲ ኣድሂቦም ዝመያየጡ ስለዝነበሩን ኣድህበኦም ኣብኡ ክኾን ዓብዪ ታራ ተፃዊቱ። እዚ ንምፍፃም ድማ ካብ ምቅናዕ እታ ቤተ-ክርስትያን ንላዕሊ ኣበርክቶኣ ኣዝዩ ክጎድል ብ ምግባር ፅዕንቶኣ ክጓደልን ውሽጣ ውሽጢ ድማ ፅልኢ ትግራይ ፈኸም ኢሉ ንክጉህር መሳርሒ ፀላኢ ንክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ።


ሓምሽተው፥ ኣክሱም ን ኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖት ብ ፍላይ ድማ እቲ ከም ክርስትና ልክዕ ን እምነት እስልምና እውን በሪ ኣፍሪካ ከም ምዃና መጠን ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ሌላን ጉሌላን ከይህልው ብ ምስጋእ እቲ ምምላስ መንበረ ኣባ ሰላማ ከሳቴብርሃን ናብ ኣክሱም ዝሟጎቱ ክርእይ ክኢለ እየ። እቲ ሕቶ ብ ኣገባብነት ከምዘለዎ ካብ ልቢ ይኣምን። ግን ከኣ ከምዚ ዓይነት ግብዝና ኣብ ትግራይ ክኣቱ እዩ ኢለ ኣይጠራጠርን። እቲ ምንታይ ሲ ክሳብ ሐዚ እኳ ኣብ ክንደይ ክፉእ ዘመን ኣብ ትግራይ እቶም ዝፀንሑ ስርዓታትን ክብርታትን ሃይማኖታትና ካብ ባዕሉ እቶም ቅዱሳን መፃሕፍቲ ተመዚዞም ዝተሳነቑ ስለዝኾኑ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ምንም ዓይነት ፅዕንቶ ንምግባር ዝእምተሉ ምኽንያት ከምዘየለን እታ ከተማ ከም ቀደማ ብ ህዝቢ ብዝመረፅ ንቡረ-እድ ክትምራሕ ብምግባር መርኣያ ሓድነት ተጋሩ ምዃና እናመስከረት ክትኩላዕ ይግባእ።

One thought on “ኣክሱም መንበረ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን”

Comments are closed.