ብ ኣብርሃም ብርሃነ

ሎሚ መዓልቲ ዕልተ 4 ግንቦት 2022 ዓ/ም/ፈ፡ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ እንቁላል ፋብሪካ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት እንዳ ኣቶ እንየው (በዓል ቤተን ንወ/ሮ ሰናይት ጳውሎስ) ብመስረት ዝነበረና ቆጸራ ተራኺብና-ኣብ ጉዳይ ወላዲ ኣቡኣን ሰፊሕ ታሪኻዊ ወግዕታት ኣውጊዕና ኢና።


ንግደ ሓቂ፡ ከም`ቲ “ፈጣሪ፡ስለ ዂሉ ዝተመስገነ ይዂን”-ዝብልዎ ኣበዋት ክበሃል እናሻዕ ንሰምዕ ኢና እማን ኸኣ ግሩም ብህሎ እዩ ድማ እብል። ከም ኣነ ኸኣ ሎሚ ንዓመታት ሃረር ዝብሎ ዝነበርዂ ጉዳይ ሳላ ፈጣርን ሳላ ግዱሳት ወከፋትን ሰሊጡኒ ስለ ዝወዓለ፡ንፈጣሪ ከማሥዎ ግቡእን ንቡርን ብምኳኑ ኣቐዲመ ኤመሥግኖ ኣሎኹ።


እወ፡ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ኣብ ምድረ-ሓበሻ (ኣብ ኣቢስኒያ)-ዉሑዳት ኣዝዮም ጸለውትን ምሁራት ሰባትን ካብ ዝነበሩ ወከፋት ማእከል፡ ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ ሓደ ምንባሮም ብርክት ዝበሉ ተመራመርትን ጸሓፍትን ጠቂሶሞ ሓሊፎም እዮም።
ሎሚ-ሎሚ ግን ስም ዓቢይ ምሁር ነበረ ነጋድራስ ገብረሕይወት ባይከዳኝ ክለዓል ከሎን መጽሓፎም ኣድሂቡ ክለዓል እንከሎ
ተዘይኰይኑ ግቡእ ክብርን ኣፍልጦን ክወሃቦብ ብዙሕ ኣይረኣን እዩ፤ኣይስማዕን እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ።


ከም ከማይ ተኰይኑ ድማ ዝርዕሞን ዘስምረሉን ጉዳይ እዩ። ታሪኽ ህይወት ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ ክፅሕፍ ቢለ፡ ካብ ዝለዓል ጊዜ ኣይቐለለንን እንተኰነ ንዂሉ ጊዜ ስለ ዘሎዎ ኣብ’ቲ ፈጣሪ ዝፈቐዶ ውን ይኸውን እዩ።ነዙይ ይመስል ነቱይ ዝነበረኒ መባእታዊ
ክበሃል ዝክእል ሓበሬታቶም ሒደት ኣሳእሎምን ክድርዕን ከስፍሕን ዝክእል ብእኒ ወ/ሮ ሰብለወንጌል ሓጎስ ተወልደመድህን፣ብእኒ ዶ/ር ኪሮስ ሙሉን ጓሎም ወ/ሮ ሰናይትን ካልኦትን ተወሲኽዎ እዩ።


#ምስ ሞታለቃ ግርማ ወልደጊዮርግስ (ፕረዚደንት ሃገረ ኢትዮጵያ ነበር)፡ወዶም ካብ ኣስመራ ብዝመጸን ገለ-ገለ ዓበይቲ ወለዲ ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣድሂቦም ኣብ ማሕበር ሽማግለታት (ሰብ ዕድመ ጸጋ) ከም ወድ ማሕበር መጠን ስልኺ ክድውለሎምን መልእኽታቶም ከብፅሓሎምን ብሓደራ ዝህቡኒ ዝነበሩ ለበዋታት ደዊለ ክሕብሮም ዕድል እረክብ ብምንባረይ- ብስልኺ ኣብ ዝገበርናዮ ርኽባት ብዙሕ ከም ልብና ከነዕልል ብዘይምክኣልና ሓደ መዓልቲ ብኣካል ክረኽቦም ዝነበረኒ መደብ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከይሰለጠኒ ጊዜ ወሰደ።

By aiga

One thought on “ብዛዕባ ክቡር ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ”

Comments are closed.