ከም ክልተ ዝኣፉ ሴፍ’ውን ሓቅን ሓሶትን ይፈልይ`ዩ።’ ዝብልዎ ኣበዋት እማን ክትርዕሞን ሓንጎፋይ ኢልኻ ክትቕበሎን ዝገበር ብዙሕ ሳዕ ተራእዩን ተሰሚዑን እዩ።ብዛዕባ ታሪኽን ስለ ታሪኽን ብዙሕ ክበሃል ይከኣል እዩ፤እንተኰነ ኣሕፅር ከብሎ ክቕሰብ’የ።

ከም ከማይ ተኰይኑ፡ብዛዕባ ታሪኽ ዓዲ፣ሃገር፣ዉድብ ኰነ ሃይማኖትን ብዙሕ ሰሃሮ ገይረ ክጽሕፍ ኣይረድይን እየ ነይረ።ንገለ-ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽን ዓበይቲ ምሁራንን ዝብሎም ወከፋት ኸኣ፡ ቕድሚ 15 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ወግዕታትና መሰረት ገይረ ክውከሶም ከለኹ ነዙይ ዝስዕብ ክነግሩኒ እዝክር’የ።

‘ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝበዝሑ መንእሰያት ኣብ’ዙይ ጊዜ`ዚ፡ብዛዕባ ታሪኽ ውልቐ-ሰባት ሃንቃ ገይሮም ክጽሕፉ ከም ዝፈትዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ (ዩኒቨርስታት) ተኰነ ነዚ ዝሰማማዕ መፅናዕታትን ምርምራትን ከም ዘሎ ዝርዕም’ዩ።’-ነዙይታትን ካልእ ኣልዒሎም፡ ኣውሲኦሙለይ ብምንባሮም እዝክር`የ።

      ነዚ ርእይቶታትን ሓሳባትን ኰነ ባህጊ ናተይ ገይረ ኸኣ፡ኣብ ዝሓለፉ ገለ ዓመታት፡ጭሩ ብዓቕማ ትሕጎም ከም ዝበሃል፡በታ ንእሽትለይ ዓቕመይ ታሪኽ ዉልቀ-ሰባት ክፅሕፍ እፍትን ነይረ’የ።

እንተዀነ ግን ከም’ቲ ንጉሥ ሰሎሞን “ጊዜ ለኩሉ!” ዝበሎ ኰይኑ ኸኣ፣ሓንሳብ ሓንሳብ ዓይንኻ እናረኣኻ ክትዝመትን እንሓንሳብ ድማ ‘ተዓመተልና እሞ ከነሽክዓኻ ወይ ክንሕምለኻ!’ ዝብል ብሂል ተኰልኺሎም ድላዮም ክገብሩን ክፅሕፉን ስቕ (ትም) ኢልኻ ምዕዛብ ብታሪኽን ብሕልናን ተወቃሳይ ኢኻ ትኸውን ዝብል እምንቶ ሒዘ ምህላወይ ወስ ክብል ተቐሲበ ኣሎኹ።

ኣብ`ዙይ ከም`ዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ድማ እንተስ ብዕድመ እንተስ ጉዳይ ጸገም ምርኣይ ዓይኖም ኣጋጢምዎም ዝፈልጥዎ ክፅሕፉን ክምስክሩን ዝክእሉ ሰባት ክትርእይ ከሎኻ ድርብ ዕዳ ይዀነኻ’ዩ።ኣብ ጉዳይ ወልቃይት ኣድሂቦም ክፅሕፍን ዝፈልጦ ነገረ ተሃልዩ ክሓናጥጥ ዝላበዉኒ ፈተውተይን መቕርበይን ዝኰኑ ኣርካናት ኣቦታት ኣሎዉ እዮም።

    ነዙ’ይ ይመስል ትማሊ መምህር ግርማይ ገብረጻድቕ ደዊሎም~”ኣብ ጉዳይ ወልቃይት ሓድሽ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣሎዉ እሞ እስክ ርኢኻ ዝግበር ግበር ኢኻ።ካብ’ዙይ ዝዓቢይ ጉዳይ እንታይ ኣሎ ኢልኻ ኢኻ!~”-ቢሎም ተማሕፀኑኒ።

ምስ መምህር ግርማይ፡ኣብ ብዙሕ ሓሳብ ኰነ ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ኣብ ብዙሕ ኲርንዓትን ርእየታትን፡ስለ ንረኣዳዳእ ይዂን ንሶም ድማ ብሰሪ ኣማዕቢሎሞ ዘሎዉ ፀገም ብርሃን ዓይኖም፥ እቱይ ዂሉ ፍልጠትን ተመኽሮን ሒዞም ከም ባህታ ልቦም ክፅሕፉ ብዘይምክኣሎም፣እታ ዝክእላን ንዖዖም ሰሃሮ ልቦም ተመልኣትሎምን-ቢለ እዛ ትስዕብ ጽሕፍትን ኣብ ቀፃልን ክሓናጥጥ ተበጊሰ ኣሎኹ እብል።

በሉ እምበኣር፡ንሎሚ ክልተ ታሪኻዊ መሰረት ዘሎዎ ጽሑፋት ምንም’ኳ ኣንቢብክዎም ወይ ርኢኽምዎ ትዀኑ ኢኹም ዝብል እምንቶ ተሃለወኒ፤እንተዀነ ብጥርኑፍ ኣገባብን ገለ ስምዒታት ኰነ ሓሳብን ብምውሳኽ ንዝመፅእ  ብሰፊሑ ንምጽሓፍ ድሌት ዘሎዎም ባእታታት፡ገለ እትዋት ይኸውን እዩ ካብ ዝብል ምኳኑ ከስመረሉ እፈቱ።

መደበር ተለቪዥን ክልል ኣምሓራን ብዓንደ-ርእሱ ድማ ትካል ማዕከን ብዙሓት ኣምሓራ፡ ብዙሕ ሻብ ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ኣድሂቡ መደባት ናብ ሰማዕቶም ወይ ተመልከቶም ከቕርቡ እንከለዉ፡ገለ-ገሊኡ ዝንብዑን ታሪኻዊ መሰረት ዘይብሉን ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘሎዎም መደባት ናብ ሓፋሽ ህዝብታት ክዝርግሕ ትዕዝብቲ ብዙሓት ምኳኑ ዝእመን’ዩ።ኣብ ኣደባባይ ተኰነ ዝፍለጥ ጉዳይ’ዩ እብል።

ካብ’ዙይ ኹሉ ትረካታትን ምሕዞታትን ንኽንደይ እዃ ቢልኻ ክትእርምን ክትነቕፍን ግና-ሲ ኣብ ናይ ሎሚ ዛዕባይ ንጒዳይ ወልቃይት ዘተኲረ ብምግባር ክግድቦን ሕፅሮን ክፍትን’የ።

ኣቶ ግርማይ በርሀ ዝተብሃለ ዉልቀሰብ ኣብ መዳይ ዓውደ ታሪኽ  ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ኸኣ ኣብ መዳይ ሥነ-ጥበብ ብዕቱብ ብምንጣፍ ዝልለይ ወክፍ’ዩ።ኣብ ዳሕራይ ዘመን ድማ ታሪኽ ተኰር ፅሑፋትን ኣሳእልን ናብ ሓፋሽ ከም ዝዝርግሕ ተኸታተልቱ ዝፈልጥዎ`ዩ። መምህር ግርማይ ድማ ኣብ ገለ ታሪኻት ኣድሂቦም ኣብ ዘልዕልሉ ኣጋጣሚታት፡ኣብ ለሰ ወግዕታቶም ሕልፍ-ሕልፍ ቢሎም ይጠቕስዎ`ዮም፣ኣብ መፅሓፎም ተዀነ ዝተጠቐምሎም ኣሳእል ከም ዘሎዉ የውስኡ እዮም።

ኣነ`ውን መምህር ግርማይ ገብረፃድቕ ብዛዕባ ኣቶ ግርማይ በርሀ ኣድሂቦም ብዘውግዑኒ፡ኣብ ዝማእማኣኒ እናሓለፍኩ፡ንዝልጥፎ ፅሑፋትን ኣሣእልን ክኸታተል እፍትን’የ።ነዛ ብዛዕባ ወልቃይት ኣድሂቡ ዝፀሓፋን ንመራኸቢ ብዙሓን ክልል ኣምሓራን ግብረ-መልሲ ዝሃበላን ኸኣ ኣቐዲመ ኣንቢበያ እዃ ተነበርኩ፣መምህር ግርማይ ገብረፃድቕ ደዊሎም “እዛ ግርማይ በርሀ ለጢፍዋ ዘሎ ግርምቲ ዝኰነት ታሪኻዊ መሰረት ዘሎዋ ፅሕፍቲ ረኺብካያ ዲኻ፧” በሉኒ።

 ኣነ ደማይ ኣንቢበያ ምንባረይ መለስክሎም።ንሶም ”በል ፅቡቕ ጠመተ ገይርኻ ተኸታተሎ ኢኻ! እዙይታት ኢኻ ኣተኲሮ ክትገብረሉ ዘሎኻ ዝመስለኒ!”-ብምባል ኣባታዊ ዝኰነ ለበዋ ከም ወትሩ መጠውኒ`ዮም።ብታሪኽ ኸኣ ዋዛን ፈዛዛን ክህልው የብሉን ዝብል እምነት ስለ ዘሎኒ ኸኣ፡እንሆ ለበዋ መምህር ግርማይ ከም ለበዋ ደዚደራታ ሓንጎፋይ ቢለ ተቐቢለዮ ኣሎኹ እብል።

By aiga

2 thoughts on “ታሪኽ ኣፍ ኣሎዎ ይዛረብ`ዩ፡”

Comments are closed.