03 – 12 -2022

ብ ዜናሆሙ መዋእል

ኲናት ፊንላንድ ኣብ መንጎ ግዝኣተ-ንጉስ ሽወደንን ሃፀያዊት ራሽያን ብ ኣ/ፈ ለካቲት 1808 ክሳዕ መስከረም 1809 ተኻይዱ። ብ ሳዓቤኑ ድማ ሲሶ ዝኣክል ምብራቓዊ ግዝኣት ሽወደን ተነፂላ ዓርሳ-ዝኸኣለት ብ ራእሲ እትምራሕ ፊንላድ ትብሃል ክፋል ዓባይ ሃፀያዊት ራሽያ ኮይና ቆይማ። ሽወደን እውን ኣብ 1818 ኣ/ፈ ሓዱሽ ቕዋም/ሕገ-መንግስቲ ክትሕንፅፅ ከምኡ እውን መኳንንቲ በርናዶት (House of Bernadotte) ዝበሃሉ ገዛእቲ ክትሸውም ኽኢላ።

ነገሩ ከምዚ እዩ ይብሉ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ፣ ውዕሊ ትልሲት (ብቲ እተፈረመለታ ከተማ ዝተፀወዐት ውዕሊ) ኣብ መንጎ ንጉስ ራሽያ ኣለክሳንደር ቀደማውን ንጉስ ፈረንሳይ ናፖልዮን ቀደማውን ኣብ ሩባ ኒሞን ዝበሃል ፍሉይ ቦታ (ኣብዛ ሐዚ ቤላሩስ እትብሃል ሃገር ዝርከብ ኮይኑ ን ልቱንያ ዝውሕዝ ዝርከብ) ካብኡ ቀፂሉ ኣብ ናይ ቀደም ፐሩሽያ  ናይ ሎሚ ጀርመን ዝርከብ ቦታ ዝተፈረሙ ክልተ ኣገደስቲ ውዕላት  ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሓምለ 1807 ክታሞም ኣንቢሮም። እዚ ውዕል ድሕሪ፣ ፈረንሳይ ን ራሽያ ብ ውግእ ጎዝያ ምስኣሸነፈታ ዝተፈረመ ኮይኑ ልዕልና ፈረንሳይ ዝሕልው ውዕል እዩ። ፍረ-ሓሳብ እቲ ውዕል ድማ ኣህጉራዊ ስርዓት (Continental System/Blockade) ዝብል ስም ዝተጎልበበ ኮይኑ ወፃኢ ጉዳያት ፈረንሳይ ዝፍፀምሉ፣ ናፖልዮን ቦናፖርት ን ፐሩዥያ ምስ ሰዓረ ኣብ ከተማ በርሊን ዝፀወዖ ‘ኣዋጅ በርሊን’ (Berlin Decree) ክትግብር ዝተኣመተሉ እማመ ኮይኑ ዋንኡ ጉዳይ ድማ ወሽመጥ ባሕሪ ግዝኣታት ፈረንሳይ መሓዙታን ዝኾኖ ሃገራት ን ሃገረ ዓባይ ብርጣንያ መፈናፈኒ ክኸልእኣን ዓባይ ብርጣንያ ድማ ብ ኣግኡ ብቑጠባ ንኽትህሰ ዝትንብይ ነይሩ።

ከም መሰረት ውዕሎም ድማ ንጉስ ራሽያ ኣሌክሳንደር ቀደማዊ ን ንጉስ ሽወደን ጉስታቭ ራብዓይ ኣዶልፍ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 1807 ኣ/ፈ ደብዳቤ ይፅሕፈሉ። ናይ ሽወደንን ራሽያን ምሕዝነት ዝልካዕ ነዚ ብ ክቡር ንጉስ ፈረንሳ ዝተጋውሐ ኣምር ኣህጉራዊ ስርዓት ኣብ ሽወደን ምስዝትግበር እዩ ክብል የቕርብ።  ጉስታቭ ራብዓይ ከኣ መንገዲ ናፖልዮን ወ ኣሌክሳንደር ፀረ-ክርስትያንን መዐወኒ መንገዲ ክብል ነፂጉ ምስ ክርስትያን እትውግን ክርስትያንዊት/ልተራዊት ብርጣንያ ምሕዝነቱ ከደንፍዕ ድንን ቅንዕ ክብል ጀመረ። ዋላ’ኳ እዚ ምሕዝነት ኣህጉራዊ ስርዓት ን ደቂ ዓባይ ብርጣንያ ክንድቲ ዝድለ ኣይህሰዮም ብ ፍላይ ካብ 1808 ክሳዕ 1812 አ/ፈ ዘይነዓቕ ጉድኣት ግን ኣብፂሕሎም እዩ። ዝኸፈቶ በሪኽ ዕድል ድማ እንግልዝያውያን ኣማራፂ መንገድታትት ን ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካታት ክደልዩን ዓብዩ ክፋል እቲ ውቅያኖሳት ክቆፃፀሩን ዘይሕጋዊ ጉዕዞታት ሃገራት ኣውሮጳ ክጥቀሙን ግድን ኮይኑ ነይሩ። ከም ትልሚ ጉስታቭ ራብዓይ ድማ ን እንግሊዝ ኣእሚኑ መሓዛ ፈረንሳ ን ዝነበረት ዴንማርክ እንግሊዝን ሽወደንን ተሓባቢሮም ናይ ሓባር ውግእ ከፈቱላ። ከም መንቀሊ ውግእ እንግሊዝ-ራሽያ ምኽንያት ኮይኑ ድማ ተመዘዘ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣሌክሳንደር ደጊሙ ን ጉስታቭ ራብዓይ ኣጠንቀቖ። ሽወደን ግን ብ መራሒኣ ጉስታቭ ራብዓይ ምንም መልሲ እንተይሃበት ውሽጣ ውሽጢ ምስ እንግሊዝ ምትሕብባራ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ምስበፅሐ ኣብ ወርሓ ለካቲት 1808 ኣ/ፈ ን ልኡኽ ራሽያ ከምዝነፀገቶ ግልፂ ገበረት።  ራሽያዊ ንጉስ ኣሌክሳንደር እውን ኣብ ወርሓ ታሕሳስ 1807 አ/ፈ ሽወደን ነገር ትፍሕሰላ ከምዘላን መልሲ ዘይምሃባን ከምዘቖጠዖ ገሊፁ ነይሩ።

ጉስታቭ ራብዓይ ልምዲ ንዘለዎም ሰራዊት ራሽያ ዘርኣዮ ዘይምኽኑይ ንዕቐትን ካብ ንጉስ ኣሌክሳንደር ንዝተልኣኽሉ መጠንቀቕታታት ተዓብዩ ብዘይመልሲ ብምትራፍን ካብ ቀዲሙ ዝቖስቆሶ ኣብ ባሕርታት ዝተሞርኮሰ ውግእ ዴንማርክ  እንከይተላቐቐ ዓባይ ሃገር ራሽያ ምስ ዴንማርክ ተሰራዒዳ ን እትፍንዎሉ መጥቃዕቲ መልሲ እንተይሃበ ኣብ በረድ ዝዘንበሉ ሓጋይ ሰሜናዊ ንፍቀ -ክቢ ዓብይ ክሳራ ተሸከመ። ብዝይ ምኽንያት ድማ ንጉስ ኣሌክሳንደር ሲሶ ክፋል ሽወደን ዝኾኑ ተዛረብቲ ቛንቋ ፍንሽ ናብ ግዝኣቱ ጠቕለሎም።

ቀድም ቐዳድም ትልሚ ሰራዊት ሽወደን ኣብ ፅቡቕ ዓቕምን ድልዱል ድፍዓን ኣለና ኢሎም ዝሓሰብሉ ደቡባዊ ፊንላንድ ኣድብዮም ብ ምፅናሕ ዓቕሚ ወረርቲ ምድኻም ዝብል ኣምር ኮይኑ ዝተረፈ ምሉእ ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ን ሰሜናዊ ክፋል ስዊድን ምግዓዝ። ኣብ ነጎዳ በረድ ሓጋይ ዝዘንበሉ ግዘ ሃይሃይታ ኲናት ይካየድ እዩ ኢሎም ዘይኣመቱ ሓለቓታት ሰራዊት ሽወደን ኣብ እቲ ሓያል በረድ ዝዘነበሉ ዝዝነበረ ወቕቲ ካብ ሰሜንን ደቡብን ሓያል መጥቃዕቲ ካብ ራሽያን ዴንማርክን ተፈነወሎም።

እዚ ንምግባር ራሽያ  ካብ ሰለልቲ ፊንላንድያውንን ካልኦት ፍልፍልን እኹል ሓበሬታ ነይርዎም እዩ።  ጀነራል ጆርጅ ማግነስ (General Georg Magnus Sprengtporten) ዝተብሃለ ምስ ራሽያ ዝሓበረ ፊንላንዳዊ እቲ ውግእ ኣብ ሓጋይ ዝመረፀሉ ምኽረ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ ፊንላንድ ኣብ ግዜ ሓጋይ ብ በረድ ስለእትኽበብ ተፈልያ ከም ደሴት እትግነይ ዓዲ ስለ ዝኾነት ሓጋዚ ብ ቐረባ ካብ እታ ስርወ ንግስነት ሽወደን ኣይበፅሓላን እዩ ክብል ይዛረብ ነይሩ። ዘርኢ-ሓረጉ ካብ ኔዘርላንድስ ዝምዘዝ የማናይ ኢድ ት’ዛር ኣሌክሳንደር ቀዳማይ ዝነበረ ጀነራል ራሽያ ኣብ ፊንላድ ኮይኑ ዝተሓርየ ጀነራል ዣን ፒተር (Jan Pieter van Suchtelen) ሓሳብ ጀርነራል ጆርጅ ማግነስ ኣማዕበሎ።

ካብ 1790ታት ጀሚሩ ራሽያ ዝተፈላለዩ ሜላታት ክትጥቀም ፀኒሓ እያ። ካብዚኣቶም እቶም ቀንዲ ኣብ ደቡባዊ ፊንላንድ ሽወደን ምሉእ ዓቕሚ ከይህልዋ ግንባር ከፊትካ ምክልኻል ኣብ ምብራቓዊ ፊንላንድ ድማ ን ወሽመጥ ባሕሪ ባልቲክ ተተርኢስካ ንቕድሚት ምውርዋር ከምኡ እውን እቲ ደጀን ሰራዊት ሽወደን ብ ድሕሪት ምቑራፅ እዮም።

ለካቲት – ግንቦት 1808

ድሕሪ ጀነራል ዣን ፒተር ዝተሓረየ ራሽያዊ ጀነራል ፍሪድሪክ ዊልሄልም (Friedrich Wilhelm von Buxhoevden) ብ ለካቲት 21 1808 ኣ/ፈ 24 ሽሕ ሰራዊት ኣምሪሑ ናብ ፊንላንድ ኣተወ። ኣብዚ ግዜ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ጀነራል ክሊንግስፖር (Klingspor) ክበፅሕ ስለዘይከኣለ ሌተናል ጀነራል ካርል ናትናኤል (Karl Nathanael af Klercker) ኮማንደር ሽወደን ኣብ ፊንላድ ኮይኑ ክፍፅም መምርሒ ተውሃቦ። ብዛዕባ ወረራ ራሽያ ብ ጀነራል ፍሪድሪክ ዊልሄልም እውን ብታ ሽዓ መዓልቲ ኣፍለጥዎ። ኮይኑ ግን ሰራዊቱ ኣብዛ መፃብብ ሰዓት ከሰራዕድ ከመዓራሪ ግዜ የድልዮ ነይሩ። ኣብ ታቫስትየስ (Tavastehus) እትብሃል ንእሽቶ ከተማ ን ክዕርዱ ድማ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ኣብ መወዳእታ ግን ክሊንግስፖር ኣብ ወርሒ መጋቢት ዕለት ክልተ ኣብ መእዘዚ ቦታ ስለዝበፅሐ ሓላፍነቱ ካብ ካርል ናትናኤል ተቐቢሉ ክሰርሕ ጀመረ። ናይ መጀመርታ ውሳንኡ ድማ ካብ ቴቫስትየስ ወፂኡ ንድሕሪት ከንሳሕብ ዝብል ነይሩ። ኣብ ሳቮላክስ (Savolax) እትብሃል ጥቓ ታቫስትየስ እትርከብ ቦታ እውን ራሽያውያን ን ሽወደን ደፍእዎም። እቲ ኣውራ ውግእ ክሳብ ወርሒ ማዝያ ብዕሊ ስለዘይተጀመረ እቲ ንጉስ እውን ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ፊንላንድ ዝነበሩ 21 ሽሕ ሰራዊት ምንም መምርሒ ኣየውረደሎምን። ቕድሚ ራሽያውያን እዚ ዝብሃል ውግእኣብ ሳቮላክስ እንተይከፈቱ እውን ዳርጋ ኣለዉ ዝበሃሉ ናይ ኲናት መሳርሕታት እናባርዑ ሃዲሞም እዮም። ከም ዓብዪ ክሳራ እትልዓል ድማ ኣርችፕሌጎ ፍሊት (Archipelago fleet’s) እትብሃል 50 ተተኮስቲ ሚሳይላት ዝፅዓነት ወሽመጣት ሽወደን ዘዳቡብ ባሕሪ እትሕሉ ዝነበረት መርከብ ባዕላቶም ሃደሽደሽ ኣበልዋ።

ብ ኻሊእ መዳይ ብ ጀነራል ግሪፐንበርግ እትምራሕ ናይ ሽወደናውያን ድፋዕ ስቫርዞልም( Svartholm fortress) ምንም ምድላዋት እንተይገበረት እታ ድፋዕ ዝሕልዉ ስሩዕ ሓይሊ 700 እኳ እንተነበሩ ሲሶ እቶም ሰራዊት ጥራሕ ዝትኩስ ጠበንጃ ነይርዎም። መብዛሕትአን እተን ጠበንጃታት እውን ዕጥቂ ኣይነበረንን። ኮታስ ዕጥቅን ስንቅን ሓፀሮም። እተን ኳዕቲ ጉድጓዳት እውን ዘይስተያ ዒላታት ኮነኦም። ራሻውያን  ከኣ ነዚ ተረዲኦም ን ግሬፐንበርግ ኢዱ ንክህብ ሓደ ክልተ ግዘ ምሕፅንታ ኣብ ለካቲት 21 ን መጋቢት 2 ን ኣቕሪቦምሉ ነይሮም። እቲ ምሕፅንታ ስለዝነፀጎ ደብዳብ ነፋሪት ኣስዒቡ ኣብ ወርሓ መጋቢት ዕለት 10 ንቲ ዝነፀጎ እቅበሎ እየ ክብል ተስማዕሚዑ ብ ዕለት 18 መጋቢት ድማ ብዘይካ ናይ ሓደ ራሻዊ ሰራዊት ቀሊል መቑሰልቲ ካሊእ ጉድኣት እንተየኸተለ ግርፐንበርግ ኢዱ ሂቡ።  ብ ተኸታታሊ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ግዙፍ ዓወት ዝሓፈሰ (Decisive winner)  ዋላ ኣይሃሉ ብ ጠቕላላ ክርአ እንተሎ ግን ናብ ራሽያ ወገን ዘዘንበለ ይመስል። ከም ውፂኢቱ ድማ ኣብ ሽወደን ዝነበረ በዝሒ ሰራዊት ራሽያ 36 ሽሕ እኳ እንተኾነ ናብ ፊንላንድ ገፅ ኣዚሩ በዝሖም ናብ 55 ሽሕ ከብልዎም ክኢሎም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ሰራዊት ሽወደን ኣብ ፊንላንድ ዝጠቅም ስርሒት እንተይፈፀሙ ዕልምልም ተሪፎም።

እዚ ኩሉ ክኸውን እንከሎ ብ ክረምቲ 1809 ኣ/ፈ ናይ ዓባይ ብርጣንያ ሓይሊ ባሕሪ ኣዛዚ ኣድሚራል ጀምስ ስዋማሬዝ (Admiral James Saumarez) ኣብ ጠረፋት ሽወደን ብ ወርሒ ግንቦት ዓበይቲ 10 መርከባትን ካልኦት 17 ንእስ ዝበላን ሒዞም ደበኽ ኢሎም። እዚ ሓይሊ እዚ ን ሰራዊት ራሽያ ኣብ ክሮንስዳት ዝበሃል ዓዲ ተሓፂሩ ዘኽአለ እንትኸውን በዚ ዕድል ተጠቒሞም 35 መራኽብ ራሽያውያን እንትውረሱ ካልኦት 20 ኣቃፂሎም።

እንግሊዛውያን በዚ ዓወት ተባራቲዖም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1809 ብ ንጉሶም ቻርለስ 13 ኣቢሎም ን ንጉስ ሽወደን ከምዚ ክብሉ መልእኽቲ ለኣኽሉ። “ኽቡር ንጉስ ዘ ሽወደን ጉስታቭ ወዝትሜኽስተር ከምቲ ትርእዮ ዘለኻ ናይና ዓብላልነት ጎሊሁ ጫፍ ዓወት ንኽንበቅዕ ን መራሒ ሰራዊት ራሽያ ካመንስክይ ( Kamensky) ብድሕሪት ውግኣዮ።” ንጉስ ሽወደን እዛ ምኽሪ ተቐቢሉ ኣብ ሳቫር ን ራታን ን ዝበሃላ ክልተ ፍሉይ ስም ቦታታት ውግእ ዘካየደ እንትኸውን ታሪኽ ዓለም ድማ ሳቫር ናይ መወዳእታ ዓውደ ኩናት ናይ ፊንላንድ  ከምኡ እውን ራታን ድማ ናይ መወዳእታ ዓውደ ኲናት ራሻን ሽወደንን ኣብ ግዝኣት ሽወደን ኮይነን ተመዝጊበን ይርከባ። እዘን ክልተ ወሰንቲ ዓውደ ውግኣት ድም ብ ክያምንስክይ ዝምራሕ ሰራዊት ራሽያ ን ሰራዊት ሽወደን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝገበረለን መዕልቦ ውግእ ኲናት ፊንላንድ እየን። ኣከታቲሉ ድማ ክታም ውዕሊ ሰላም ፍሪድሪከን ዝተከተመ ኮይኑ ሽወደን ካብ መሬት ፊንላንድ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኢዳ ክተልዕል ብ ቅሉዕ ዝተቐበለትሉ ውዕል ነይሩ።

ፊንላንድ ብዕሊ ነፃ ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ሃፀያዊት ራሽያ ኮይና ተወልደት!

ራሽያ ን ንቡር ባህሊ ውሽጣዊ ምሕደራ ፊንላንድ እንተይተንከፈት ካብ ናይ ቀደም ሃገራ ሽወደን ዝተወሰደ ቕዲ ኣሻውማ ንጉስ ተኸቲላ ሹም-መኳንንቲ ፊንላንድ ሓረየትላ። እቶም መኳንንቲ (Senates) ድማ ነታ ዘመናዊት ፊንላድ ሱር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ትካላትን ስርዓቶም ኣንበሩ። 

ንፅፅር ኲናት ትግራይን ኲናት ፊንላንድን እንታይ ዝምድና ኣለዎ ዝብል ሒዘ ክሳብ ዝመልስኩም ወደሓንኩም።

By aiga

One thought on “ኲናት ፊንላንድ ከም መምህር-ታሪኽ”

Comments are closed.