14 – 02 – 2022

ዜናሆሙ መዋእል

ኣብዚ ክፋል ስለ እንታይነትን ድሕረ-ባይታን ኣፅናፈ-ሰማይ ንድፈ ሓሳብ ቢንግ ባንግን ብላክ ሆልን ብጠቕላላ ብ ኸመይ ነገራት እቲ ሐዚ ዘለዎም ቅርፂ ክሕዙ ከምዝኸኣሉ ኣሕፂሩ ዝትንትን ይኸውን።ቅድሚ 340 ዓመተ ዓለም ኣርስቶትል ኣብ “on the heavens” ትብል መፅሓፉ ኽልተ ኣገደስቲ መከራኸርቲ ሓሳባት ማለት እውን መሬት ኽቢ እያ ን መሬት ፀፋሕ ኣይኮነትን ዝብል የቕርብ። ቀዳማይ ነገር ከውሊ ወርሒ ዝኽሰት መሬት ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሕን ክትውዕል እንተላ እዩ። ፅላሎት መሬት ኣብ ኣብ ወርሒ ዓሪፉ እንትርአ ከባብ ኮይና ወሽመጥ ኣካል እታ ወርሒ ዝርኣየና መሬት ድምብልብሎ ምስእትኸውን ጥራሕ እዩ።

መሬት ፀፋሕ ቅርፂ እንተዝነብራ እቲ ፅላሎት እውን እንድሕረ ደኣ ፀሓይ ኣብታ መንቀራቕር (ተኽ ን ተኽ) መሬት እንተዘይውዒላ ሞላል፣ ዝተለጠጠ ፅላሎት መሬት ኣብ ወርሒ ዓሪፉ ካሊእ ዓይነት ቅርፂ ወርሒ ምርኣና ነይርና።ካልኣይ ግሪካውያን ካብ ምርምሮም ኮኾባት ኣብ ደቡባዊ ጠረፍ ካብ ካሊእ ቦታ (ብፍላይ ካብ ሰሜናዊ ጠረፍ) ብዝተፈለየ መልክዕ ቀሪቦም ይርኣዩ። ካብዙ ኣፈላላይ እዚ ብምብጋስ ኮኾባት ጠረፍ ኣብ ግብፂን ግሪክን ኣርስቶትል እቲ ግምታዊ ኣፈላላይ ከባቢ 400 ስታድ ከምዝኮነ ሓቢሩ። ዋላ’ኳ ግልፂ ዝኾነ ናይ ስታድየም ላውጣ ክንደይ ምዃኑ ኣይፈለጥ ከባቢ 200 ያርድ ወይ ድማ 183 ሜትር እዩ ተብሂሉ ይሕሰብ። እዚ ድማ ናይ ኣርስቶትል ዓቐን 2 ዕፅፊ ናይ እቲ ኣብዚ ግዜ ተቐባልነት ዘለዎ ዓቐን ኣቐሚጡ ከምዝሓለፈ የርኢ።

ግሪካውያን ሳልሳይ ሞጎታዊ ስነ-ሓሳብ ከምዝነበሮም ዘረድእ ድማ መሬት ከባብ ስለዝኾነት ኢና ላዕለዋይ ሰቐላ መርከባት ቀዳድም እንምልከት እምበር ኣብ ሰጣሕ ባሕሪ መሰረት መርከባት ካብ እቲ ላዕለዋይ ጫፍ ተፈልዩ ናብ ዓይንና ድሒሩ ዝበፅሐሉ ኩነታት ኣይምሃለወን ክብሉ የቐምጡ። ኣኸቲሉ ድማ ኣርስቶትል መሬት ከም ቐዋሚት ወርሕን ካልኦት ፕላኔታትን ኮኾባትን ኣብ ዙርያ መሬት ከምዝሕንበባ ይኣምን ነይሩ። ከምኡ ዝኣመነሉ ጉዳይ ድማ ንዘይፅራሕ ፈሊጣዊ ምኽንያት መሬት ከም ማእኸል ስሕበት ፅንፈ-ሰማይ ኮይና ዘይዝምብዕ ዙረት ኣብ ዙርይኣ ዘይድሩት ሓይሊ ኮይንዋ እዩ ዝብል ኣምር እዩ።እዚ ክልስ ሓሳብ ብ ፕቶለምይ (Ptolemy) ኣብ ቀዳማይ ክ/ዘበን ድ/ል/ክ ናብ ኮስሞለጂካል ሞዴል ተብራህሪሁ እዩ።

መሬት ኣብ ማእከል ኮይና ነንሕድሕደን ኣብ ውሽጠን ወርሒ ፀሓይን በቲ ሽዑ ግዜ ዝፍለጣ 5 ፕላኔታትን ዝሓዛ (ሜርኩሪ፣ ቬኑስ፣ ማርስ፣ ጁፒተር፣ ሳተርን) 8 ሉል (sphere) ዝተኸበበት ከምዝኾነት ገሊፁ እዩ። ፕላኔታት ኣብ ናይ ባዕለን ንኡስ ክቢ ዑደት ከምዝፍፅማ እዚ ድማ ባዕሉ ዝኸኣለ ውስብስብ ዑደት ኣብ ናይ ባዕለን ዙርያ ከምዘካይዳ ኣብ ግምት ዘእተወ እሞ ድማ ምስ ባዕዳዊ (ካሊእ) ሉል ማለት ቀወምቲ ኮኾባት (Fixed stars) ኩሉ ግዜ ኣብ ኣንፃራዊ ውስን ቦታ ተራሓሒቐን ብ ሓባር ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝሕንበባ ምዃነን የብራህርህ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ሉል ዘሎ ወይ ድማ ክህሉ ዝኽእል ነገር ግልፂ ኣይተገበረን፣ ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጢ መፅናዕቲ ስነ-ከዋኽብትን ኣብ ኣምር ፅንፈ-ሰማይ ዘሎ ሳይንስን ዘይካተት ተብሂሉ ከምዝተፈልየ ግን ግልፂ እዩ። ሞዴል ፕቶለምይ ዘቕርቦም ምኽንያትዊ ርትዒ ፅፉፍ ስርዓት ን ኣተኣላልያ ሰማያዊ ኣካላት (heavenly bodies) ኣብ ሰማየ ሰማያት ብ ዝብል ታኳ እዩ። ኮይኑ ግን ን ኣተኣላልያ እቶም ቦታታት ፕቶሎምይ ክወስዶም ዝግባእ ስነ-ልቦናዊ ግምት (Assumptions) ነይሮም። ካብዚኣቶም ሓደ፣ ወርሒ እትኽተሎ መንገዲ ዑደት ሓድሓደ ግዜ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ እትሕንበበሉ ዙርያ ብ ክልተ ዕፅፊ ናብ መሬት እትቐርበሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ ዝብል እዩ። ብኻሊእ ኣገላልፃ ወርሒ ብ2 ዕፅፊ ካብ ናይ ወትራ ዓብያ ትረኣየና ማለት እዩ ይብል።

ፕቶሎምይ እታ ስሕተት ዋላ እኳ ትርኣዮ እዚ ሞዴል ተቐባልነት ነይርዎ ዋላ እኳ ምሉእ ኣይኹን። ብክርስትያናዊ ኣስተምህሮ ተቐባልነት ኣሕዲሩ ስእሊ ኣፅናፈ-ሰማይ ብ መንገዲ እዚ ስእላዊ መብራህርሂ ክቕረፅ ተገይሩ። ካብዘን ዝተገለፃ ሉላት ወፃኢ ዘሎ ዓብዪ ቦታ ን ገነትን ሲኦልን ተባሂሉ ክሕደግ ዓብዩ ቦታ ሓዲጉ። ኣዝዪ ዝቐለለ ሞዴል ድማ ብ 1514 ዓ.ም. ብ ፖላንዳዊ ቀሺ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ ተቀሪፁ። ኣብ ፈለማ፣ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ምስቲ ምዃኑ ዓለማዊ ተብሂሉ ከይኽሰስ ብምፍራሕ ኮፐርኒከስ ብ ሕብሕቢኢተይ ሞዴሉ ኣዳልዩ። ሓሳቡ ቀዋሚት ፀሓይ እምበር መሬት ኣይኮነትን። መሬት ምስ ካልኦት ፕላኔታትን ኣብ ዙርያ ፀሓይ እየን ዝሕምበባ ብምባል ቅዱም ኣረዳድኣ ማእኸል ዙረት መሬት እያ ዝብል ዝነበረ ፍርሺ ገበሮ። እቲ መሕዘኒ ነገር ሰባት እቲ ዘመን እዚ ሓሳብ ቅድሚ ምቕባሎም ልዕሊ ምኢቲ ዓመታት ሓሊፉ። ደሓር ክልተ ተመራመርቲ ስነ-ከዋኽብቲ ጀርመናዊ ዮሃንስ ኪፕለርን ጣልያናዊ ጋሊልዮ ጋሊሊን ክልስ ሓሳብ ቐሺ ኮፐርኒከስ ኣብ ኣደባባይ ኽድግፍዎ ጀሚሮም። ድሕሪ እዚ ንድፈ-ሓሳብ ፕሎተምይ ብ1609 ዓም ኽመውት ተገዲዱ። ኣብዛ ዓመት ድማ ጋሊልዮ ለይቲ ለይቲ ሰማይ ኣብ እቲ ግዜ ብዝተምሃዘት ቴለስኮፕ ሰማይ ክዕዘብ ጀመረ። ጋሊልዮ ኣብ ጁፒተር ፕላኔት ብ ቴለስኮፕ ክርእይ እንተሎ ድማ ጁፒተር ብ መዓት ኣናአሽቲ ሳትላይታት ወርሕታት ተዓጂባ እዚኣተን ድማ ኣብ ዙርያ ጁፒተር ዑደት ከምዝገብራ ተዓዘበ። እዚ ድማ እቲ ዑደት ናይ ግድን ኣብ ዙርያ መሬት ጥራሕ ከምዘይኮነን ብ መንፅር መሬት ድማ ናይ ጁፒተር ወርሕታት ዝተሓላላኸ ዑደት ከምዘካይዳን እዚ ድማ ግድን ኣብ ዙርያ መሬት እዩ እቲ ዑደት ምስዝብል ሓሳብ ተዋቓዒ ከምዝኾነ የረድእ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፣ ኬፕለር ናይ ኮፐርኒከስ ሓሳብ ብከምዚ ዝስዕብ የማሓይሾ። ዑደት ፕላኔታት ምሉእ ክቢ እንተይኮነ ሞላል ቅርፂ ምዃኑ የረድእ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ርትዓዊ ምኽንያት ምስ እቲ ዝተወሰደ ትዕዝብቲ ይሰማማዕ። ዳርጋ ብ ኣጋጣሚ ዝተዓዘቦ ሞላል ዑደት ፕላኔታት ምስትዕዝብቱ እኳ እንተሰመረሉ ፕላኔታት ብ ማግኔታዊ ሓይሊ ኣብ ዙርያ ፀሓይ እየን ዝዝምብያ ዝብል ሓሳቡ ግን ዘሳንየሉ መርትዖ ኣይረኸበን።ኒውተን ብ 1687 ዓም Principia mathematica Naturalis Causae ዘርእስቱ ሪሰርች ኣዳልዩ ነገራት ብ ከመይ ኣብ ግዜን ቦታን (space and time) ከምዝጓዓዝ ብ ምፅንዑ ብተወሳኺ ድማ ኩነታት እቲ ምንቅስቓስ ብ ቐመር ዝውክል ስልሒት ብምብልሓቱ እታ ዝበለፀት እንኮ ምርምር ኣብ ፊዚካዊ ሳይንስ (Physical Science) ተብሂሉ ተቐሚጥሉ ይርከብ። ኒውተን ሕጊ ስሕበት ፈልሲፉ ሕድሕድ ቑሳዊ ኣካላት ብዘለዎም መጠን ኣካል መጠንን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ቕርበትን ንስሕበት ኣካል ዝተቓልዑ እዮም ክብል ይትንትን (ዝንኣሰ ርሕቐት ኣብ መንጎ ኣካላትን ዝዓበየ መጠን ኣካልን ዝለዓለ ስሕበት ይፈጥሩ ከም ማለት ይኸውን)።

ሓበርቲ ፅሑፋት: ስቴፈን ሃውኪንግ ብዛዕባ ግዘ ካብ ዝፅሓፎን ካልኦትን

By aiga