ተቀበለኒ ዝናረይ

ኹላይ ሰናዲረይ

ሓወይ ወዲ ኣደይ

ኣይደኸምኩን ኣይበልኩን ረይረይ

ጥይት መንዚዕዋ 

ተቓላሲት ኢደይ

ደመይ ይፍሰስ

ይስተዮ መሬት ዓዲ ኣቦይ

ኾላይ ወላዲተይ

የብቑል ፍዮሪታት ዝብል ለይለይ::

ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ 

ኣብ ሩሑቅ  ይኹን ቀረባ

ይመችው ወይ ይኽፋእኻ

ተቀበለኒ ዝናረይ

ታዓጠቅ ብረተይ

ኹን ፈዳይ ሕነይ:

ሕድሪ ኣለካ

ናይ ስውኣት ኣሕዋትካ/ኣሓትካ

ከይኣክል ናይ ባዕዳውያን መፅቐጥቲ

ዝበኣሰ ናይ ውሽጢ ፀላእቲ 

ኹላይ ላንጋ ላንጋ መንጨብጨብቲ

ብደም ስውኣት ነገድቲ

ሃገር ንኽሸጡ

ዝብሉ ላዕሊ ታሕቲ::

ደምስሶም ተለዓል ደምስሶም

ካብቶ ሃፄያውያን

ዝገደዱ ንሶም::

ኣብ ዘለኻዮ ዓርድ

ሎንደን በሎ ሲያትል:

ስዊድን በሎ ጊስን:

ቶሮንቶ ኾላይ ዓዲ ሃሎ

ቦሎ: ቦሎ: ቦሎ

ክሳዕ ዝኣኽሎ::

ክንደሻዕ ኣሎ

ኽትፃወሮ 

እዚ ስቃይ ሃገር  መንሽሮ::

ወላዲት ክትርገም

ትሸዓተ ወርሒዶ ኢሳያስ ክትሽከም!

ጠንቂ ሃገር

ዘይሓስብ ቁምነገር

እንፃር ሕዝቢ-ነበር

ሞትን ዕንወትን 

ዝምሳሕ ዝድረር::

ይኣኽሎ

ኽንደሻዕ ኣሎ!

ኣብ ዘኣተዎ ኣቲኻ

ቦሎ ቦሎ

ክሳዕ ዝኣኽሎ

ብረት ተዓጢቁ 

ደም ንፁሃን ፀሚቁ

ኣዕፅምቶም ጨፍሊቁ

ኣካሎም ቦጣሊቁ

ኣብ ፀላም ዓሚቑ

ክንደሳዕ ኽነብር 

ሲሕቑ:

ወዲ ስብ ኒዒቑ::

ቦሎ ቦሎ

ክሳዕ ዝኣኽሎ

በቱ ዝፈልጦ ናይ ዓመፅ ቋንቋ

ኣዛርቦ ኽሳዕ  ይኣኽለኒ ዝብል በቃ::

ብ በላይ ኣምበላይ

By aiga