ኩኩናይ ዘይንቁወሉ መረበታ

ገድሊ ምሸት ገድሊ ወጋሕታ

ወላድ  ምግልጋል ፃዕሪ እንትጎታ

ክሳብ ኣፈሞታ

ኣብክንዲ ክንዲ ሓገዝ ምሃብ ዘውርድ እፎይታ

ምሽምጣጥ ተፀጊዕኻ ኣብዝሞቀ ቦታ

እናበልካ ባዕላ ዘምፀኦቶ ሸማሚታ

ክተሽሞንምን ኣብ ገዛ እንዳማታ:

ጉንብስ ጥልዕ ዘልመደት ንጎይታ:

እናበሉ ትልብድዋ ዘይ ናታ:

ኣንታ!

በል ስማዕ መዘከርታ!

ነገር ሽፍታ

ናታስያ ንሓማታ!

ቀደሙውን  ዝኹሉ ዋዕዋዕታ

ነወሕቲ መላሕስ  ፈርኬታ

ባዕሎም ጮርጊፎም ኡይኡይታ::

እዋን ገድሊ ኾታ!

መጀመርታ

እዋን ‘ዘመነ መሳፍንት’

ኢልካ መፀለምታ

ሹም ምሃብ መፀዋዕታ::

ሓደ ሓደ ሰባት ሚካኤል ሱሑል ‘ዘመነ መሳፍንት’  ዝብል:: ስያሜ ን1676-1876 ሂቡ ኢሎም ይዛረቡ::

ሱሑል ዝበሎ “ፍፃሜ መንግሥቲ” እንትኾውን  “ፍፃሜ መንግሥቲ” ማለትን ‘ዘመነመሳፍንት’  ማለት ሓደ  ትርጉም ፈፂሙ የብሉን:: ‘ዘመነ መሳፍንት’ ዝበልዎ ናይ ኣምሓራ ፀሓፍትን: ሊሒቃን ኢዮም ::

ኣምሓራ ሊሕቃን ዓልየቶም ጠቕሊሉን ጨምዲዱን እንተዘይገዚኡ መሬት  እንዳማቶም:  እንተዘይጎቢጦም:  ንዖዖም  እንተዘይጢዒምዎም: መፀለምታ  ነውሪ  ስም ‘ዘመነ መሳፍንቲ’  ኢሎም  የናሽውዎ። ነዙ ይ ሕንፍሽፍሽ ባዕሎም ክምዘይፈጠርዎ::

ቁስሊ ዝፍጠር ኣካል መጥቃዕቲ ምስበፅሖ እዩ:: ቁስሊ ስቅ ኢሉካብ ሃዋሁው ጡብ  ኢሉ ኣይፍጠርን::

ክምኡውን ‘ዘመነ መሳፍንት’ ስቅ ኢሉ ካብ  ሰማይ ዝወረደ ሕንፍሽፍ ኣይነበረን::

ቅድም ኢሉ ሥርዓት ኣንኮበር/ሸዋ ዝወለዶ: ተኣጅሉ ንክፍንድእ ግዜን መዓልቲንዝፅበይ ዝነበረ ቁስሊ እዩ::

ብሓፈሻ፥

•           መሬቶምን መስሎምን ብኣንኮበርያን/ሸዋ ዝተወሰዶም ኣጎው: ቤተ እስራኤል: ሽናሻ ሻንቅላ/ቤንሻንጉል:  ቅማንት:  ትግራዎት  ወዘተ  ግፍዕን በደልን ኣስካሕኪሕዎም ኣብ ዓንቀሮም  ምስበፅሐ  መሰሎምን ኽብሮምን  ርስቲ መሬቶምን ከምልሱ ዝተዋግእሉ:

•           ካብ መግዛእቲ ሓራ ንክወፁ ሳኣን ብቁዕን  ፁሩይን  ውዳበን መሪሕነትን ደንገርገር   ዝበሉሉ

•           ‘የፍክክር ቤት ሳይዘጋ ያድራል’  ከምዝባሃል  ኣምሓራ  ገዛእቲ  ዓይኒ  ኣግፊሖም  ዘሎን ዘየለን  ክመናጠሉ:  ዓይኒ ንዓይኒ ክናቆሩ: ክባሉዑ: ክቃተሉ ዝፈጠርዎ ሕንፍሽፍሽ እዩ።

•           ‘ዘመነ መሳፍንት’ ዘይኮነስ ዘመነ ገድሊ ከምዚ ሕዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እዩ::

ተስፋሕፈቲ  ብሰላም  ደቂሶም  ዝሓድሩላ እዋንን መዓልቲን የላን:: ካብ ገበን ዝፈፀምዎ በዝሒ ሑቐ ዝባኖም ስለዘየኣምኑ: ኩሉሳዕ ብረት ምስተሓንገጡ: ኩሉሳዕ ምስ ፎከሩ:  እታ ዝሓዋ መሬት ትፀንሕዶ  ትኸይድ  ሰለዘይተኣማመኑ  ኩሉሳዕ  ናይ እንዳማቶም  ሓዱሽ መሬት ንጥቂ  የማንን ፀጋምን  ምውራር ኣብ ደም  ሰራውሮም እተነደቀ  ባህረ ጠባይ እዩ::

ካብ ካብ እጃም ቁርሾ መሬት ኸባቢ ሸዋ  ዘሊሎም   ንወሎ: ካብ ወሎ  ንጎጃም:  ካብ ጎጃም ንበጌምድር:  ካብበጌምድር ንትግራይ  ክዋናጥሑ ዝነጠቅዎ በሊዖም ከይፀገቡ:  ራዕድን  ህውከትን ዝፈጥሩ  እዮም::

እግዚሔር  ዕድል እንተሂቡካ ንጋኔን እንታይ ትገብሮ? ምስጋኔን ተፀጊዔ ክነብር ዝብል ስብዶ ኾን ይህሉዶ?  እንድዕሉ  ኣይመስለንን:   ርግማን እንተዘይ ወሪድሉ!

‘ሞኣ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሑዳ’ ኢልካ እንዳ ፈኸርካ: ቤተ እስራኤልያዉያን ዓልየትእንዳፅነትካ: መሬቶም  እንዳገፈፍካ እስራኤላውያን እየ ማለት እንታይ ይበሃል?

ምናልባት ሰሎመን ተወላዲ መንዝ እዩ ኢልካ እንተዘይሰበኽካ! ናይ ኣምሓራ ሊሕቃን ብዕራይ ኣድጊ ወለደ ትርኽቲ ኣውጊእኻ ኣይውዳእን::

እሞ ናብቲ ዘምፀአና ጉዳይ ክንምለስ:

መሳፍንቲ ሸዋ ካብ1270-1748 እንዳተጋላበጡ በትረ ሥልጣን  ኢትዩጵያ እንተንደቕድቕሉ: መሬትን ኣዲ: ኦሮሞ: አገው: ቤተስራኤል: ሺናሻ ቤንሻንጉል: ትግራይ  እንትሰርቑን: ዓልየትተፅንቱ : ኹሉ ነገር ጡዑም እንትበዝሕ ግን መጨረሲኡ ኣብ ሓንጎልካ መርዚይነዝሕ ኸም ዝበሃል:

 27/6/1755-7/5/1769 ንጉሥ ኢዮኣስ/Iyoas I (ወዲ ኢያሱ ዳግማይ) በኣቡኡ እንትኸውን: እኖሓጉኡ ንግሥቲ ምንትዋብ እንትትኸውን: ኣዲዑ ውቢት በርስባ/ Berebsa ኦሮሞ እያ::

ኢዮኣስ ኦሮሞኛ እምበር ኣምሓርኛ ዘይዛረብ ተስፉሕፋሕቲ ኣምሓሩ ዘደንገፀ ንጉሥ ነበረ::

3000 ኦሮሞ ወታደራት ኣስልጢኑ መረሕቶም ባይራል/Birale ልቦ/Lubo ዝበሃሉ ኦሮሞ ኣዘዝቲ ኣኮታቱ ሾመ::

 ነዙይ ክቓወሙን ክምክቱ:  ደጃዝማች እሼቴን የማርያም ባርያው ናይ በጌምድር ኣዛዚ ፀረ ኦሮሞ ማሕበር ኣቃቆሙ

ደጃዝማች እሴቴ ናይ ዳሞት ገዥ እንትኾኑ: የማርያም ባርያው ናይ በጌምድር ኣዛዚ ኾኑ::

 ነገር ግን ዳሞት ዝነብሩ ጃዋ ኦሮሞ ኣዛዚ ደጃዝማች እሼቴ ቀቲሎም ናይ ባዕሎም ዓልየት ዝኾነ ራስ  ፉሲል ዝባሃል ሾሙ::

ቀፂሉ ኢዮኣስ ባራል/Birale ናይ ቤግምድር ኣዛዚ ገብሮ:: ዝራዓድን ተደናገፅን ኣምሓራ የማርያም ባርያው ኣሰሊፉ ንባይራል ክወግእ ተማሕፂኑ:

ኣብ  ሩባሩባ ፈርነይ ተዋጊኦም የማርያም ባርያው ባይራል/Birale እንትቀትል:: እዙይ መቕተልቲ ምስተፈፀመ ፅንሕ ኢሉ  ኾይኑ ግን እየስቶስ (ወዲ ኢያሱ) ብምንትዋብ (ኣዶ ሕጉኡ) ኣቢሉ ንሚካኤል ሱሑል  ሓገዝ እንትጥይቅ:  ምስ ናይ ባዕሉ 3000 ናይ ሱሑል ሚካኤል 6000 ስራዊት ኣስሊፉ ንሉቦ/Lubo  ጦር ኣዛዚ ገይሩ ኣብ ነፉስ መውጫ ንባርያው ማርያም ገጠሞ።

 ድሕሪ  ዘይተፀበየ ሞት ኢያሱ 2ይ ወዱ ኢዮኣስ/Iyoas 1ይ ናብሥልጣን ምምፃዕ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ግብግብ::

ኣብ ሞንጎ ንግሥቲ ምንትዋብን (grandmother) ኢዮኣስ 1ይ ኣዲኡ ውቢት ኣነ እባ ኣነ እባ እንደራሴ ክኸውን ፉኽክር: ምንትዋብ ንሱሑል ሓገዝ ጠይቓ 26000 ስራዊት ኣሰሊፉ ሱሑል ጎንደር ተቆፃፀረ:: ካብዚኦም 6000 matchlock ዝተዓጠቁ  እንትኾኑ  ኣብ ፍላቀቲ ግርገር/Filakit Gerger ንፉስ መውጫ ሱሑል ንማርያም ባርያው ኣቁሰሎ።  ብቑስሉ ኻዐ ንወሎ ክሃድም  ገበሮ::

 ባርያው ቆሲሉ ንወሎ እንትሃድም ናይ ወሎ ኦሮሞ ምስ 10 መረሕቲ  ሰራዊቱ ሒዞም ንኢዮኣስ ኣረከብዎም::

ጄነራል ሉቦ/Luba ድማ  ባርያው ደም እናፈስሰ ቁስል እናሃለወ ክሳዱ ቆሪፁመንጢሊ ደርበዮ:

ዳሞት ቀንዲ ሃገረ ኦሞቲክ ዝባሃሉ ኣህዛብ እንትኸውን ቀፂሉ ብኦሮሞ ዓልየት ኣብትሕቲ መግዛእቶም ዝእተወ እዩ:: ዳሞት  ናይ ኦሞቲክ ህዝቢ ዝነበረ እዩ ከም ወሎ ጎጃም በጌምድር ትግራይ ሸዋ።  ብጀካ መንዝን መርሓቤቴን  ብኣምሓራ ካብ ኣገው: ሽናሻ: ሻንቅላ/ቤንሻንጉል: ኦሮሞ : ቆቦ መተማ ዋግጅራ ካብተጋሩ ቤተእስራል ቅማንት ተመንዘዔንተስረቀንመሬት እዩ:

ሚካኤል ሱሑል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብንጉሥ ኢያሱ ዳግማይ ይበፅሖ ምንባሩዝፍለጥ እንትኸውን በዙይ ምኽንያት ሱሑል ብኢያሱ ድልየት ካብ ግብፂ ኣቡን 1745 ዓ.ም ኸምፅእ ተኣዚዙ እቶም ሉዑኻን ኣብ ማሳዋ ንሽድሽተ ወርሒ ከይወፁ  ብNaib  ኣዛዚ ምፅዋዕ እንትዕዱ:

ኸምኡ ድማ ሓዱሽ  ኣቡን  የሃንስ ሒዞም ካብ ግብፂ እንትምለሱ ኣብ ከተማ እርቂቆ/Arqiqo ኣሲሮም ገንዝብ/ransom  እንተዘይ ከፈልኩም  ኣንሕልፈኩም  ብምባል  ደብረቢዘን ቤተ ክርስትያን ሓገዝ ለሚኖም ጉቦ ገንዘብ ክኸፍሉ እንትግደዱ ከም ናይ ሱሑል ድኽመት  ተገይሩ ንጉሥ ኢያሱ ስለዝወሰዶ ሱሑል ተወቃሳይ ገበሮ::

 በዙይን ወዲዙይን ሱሑል ምስ  ዓንደ ሃይማኖት ገዛኢ ባሕሪ ምድሪ ዝነበረ  ተቃያይሙ 1752  ወጊኡ ማሪኹ ቀተሎ::

ናብቲ ዋና ዘምፅኣና ንኽንምለስ: ሱሑል ኣብ ውግዕ ሰራዊት ኢዮኣስን/Iyoas እንትካፈል ካብ ውግእ ዝሓለፎ ዘይሰብኣዊ ጭካነ  ኣስተውዓለ::

እዙይ ጭካነ ዝረኣዩ ናይ ወታደራት 12 መኮነናት ኮላይ ራእሲ ወንድወሰን(ወርቅወሃ ጋል-ጋሉ ንኢያሱ ቀዳማዊ/Showan aristocrats who claimed the So called Solomonic dynasty ተመርዒዩ ዝነበረ ንሃይሉ  ወሊዱ: ሃይሉ: ንተድላ: ተድላ:ንኣያህሉሽ: ኣያህሉሽ ንንጉሥ ተክለጊዮርግስ 2ይ (captured by Yohannes IV) 1836- 1873 ውልድ-ንውልድ ሓረግ ተዋለደ) ብሕቡዕ ጠፊኦም ክሃድሙ ገበሩ::

 ድሕሪ ሽንፈት ኣምሓራ መሳፍንቲ ሱሑል እናገነነ ምስመፀ ኢዮኣስ ተደናጊፁ ንሱሑል ንዓድኻ ተመለስ ኢሉ ኣዘዞ:: ኽንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከምዝበሃል  ኢዮኣስ/Iyoas ምስ ራእሲ ፉሲል/Fasil ናይ ዳሞት ሸጢሩ  ንሱሑል ውግዕ ገጠመሉ ኣብ ፉግታ/Faggeta 1770 ገጢሙውን ተሸነፉ::

እዙይ ዝተዓዘበ ሚካኤል ሱሑል ብደም ዝተጨማለቑ ሃገር ኸማሓዳድሩ ኣይግባእን ኢሉ ህዝቢ ኣኪቡ ካብ ትግራይ ሓግዝ ተባሂለ መፂአ  ውዕለታይ ምስፈፀምኩ ዝኸውን  መሲልዎም  ናዓይ ንኽቐትሉ ኣርኪበሎም: ኢሉ ብምውንጃል እዙይ ቀሊል ወንጀል ኣይኮነን ኢዮኣስ ክቅተል ኣለዎ ብምባል ሶሙን ብዘይመልኦግዜ ሞት ንእዮኣስ እንትፈርድ  ብጥይት ኸነ ወይም ብሳንጃ ንጉሥ ኣይቅተልን: እንተኾነ  ብሃሪ ጨርቂ ሓኒቁም ቅተልዎ ኢሉ ኣዘዘ 7/1779::

ብድሕሪኡ  ኢየኣስ ሞት የሃንስ ኢያሱ ዳግማይ/Yohannes II ንጉሥ ገበረ:: የሃንስ ዳግማይ ጋል ሱሑል ወለተ ሥላስ ተመርዕዩ  ካብተን ተመርዔወን ቡዙሓት ሓንቲ ነይራ: እታ ካልአይቲ ኻዓ Sancheviyar ትባሃል ፃዕዳ ፈላሲት እንትትከውን ሱሑል ንጉሥ እንትገብሮ  ኣብ ናይ ተናሓናሕቲ ደቂ ሃፄያውያን ቆልዑ ነገሥታት ቤትማእሰርቲ  ሓደ ኢዱ ከም መቅፃዕቲ ተቆሪፁ ነይሩ:

እዙይ ዝኣዘዘን ገበን ዝፈፀመ ንጉሥ ባካፉ ወዲ ኣቡዑ ንየሃንስ ነይሩ:: የሃንስ 2ይ ካብ (1699-18/10/1769) 70ታት ዕድሚዑ ነይሩ ንጉሥ እንትሽየም ብሱሑል:: 

ኣንታ ቆራፅ ኢዲ ኸመይ ገርካ ትሸይም ንሱሑል እንተበልዎ ባዕለይ ኢዲን እግሩን ክኾነ እየ በለ:: ጋለይ ከይቀረየ ኣምርዕየዮ እንድየ ካብኡ ዝዓበየ እንታይ ኣሎ በለ!

ኾይኑ ግን ናብቲ ቁም ነግር ክንምለስ የሃንስ ዳግማይ ኣድማዒን ተስማዒን ስለዘይነበረ ኣውሪዱ ካብ (Sancheviyar) ትባሃል ፈረንጂ ዝወለዶ ተክለ ሃይማኖት ዳግማይ/Tekle Hymanot II ቀፂሉ ንጉሥ ገበሮ::

ወዲ 15 ዓመት ተክለ ሃይማኖት ብ1770 ንኣዋርሕ ካብ ሥልጣን ወሪዱ ብስስስንዮስ ተተኪዑ ነይሩ ግን ሱሑል ንፉሲል ምስሰዓረ ብ23/12/1770 ናብ ሥልጣን ተመሊሱ።

ካልአይቲ ሱሑል ዝተመርዔዋ ወይዘሮ ኣስተር second wife, (after the death of first wife Walatta Gebreal) whose mother was Wentewab who was also the grandmother of Walatta Isreal, mother of Wezero Denkneshe, mother of Goshu Zewede, diehard Amhara aristocrats who likewise claimed the Solomonic Line engaged in several battles with Gugsa Mersu Baranentu and finally killed. Goshu Zewde himself was also killed at the battle Gur Amba by Emperor Tewdrows II.

ብ4/6/1771 ወንድወስን  ኣብ  ጦር  ምስ Iyoas I ተሠሊፉ እንትዋጋዕ ዝተማረኸ (ዳሕራይ ሱሑል ሓራ ዝለቀቆ) ጎሹ ዘውዴን ምስ  ራስ ፉሲል ገዛኢ ዳሞት ሓቢሮም ተገልቢጦም ንሱሑል  እንትወግእዎ ሳርባኩሳ/The Battles of sarbskusa  ዝበሃል  ውግዕ ኣብ ተዳ/Teda ዝበሃል ቦታ ሱሑል ተሸኒፉ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ጥራሕ ኢዱ ንትግራይ ብነፃ ኽምለስ ተገበረ ብ4/6/1771::

 ንጉሥ ተክለ ሃይማኖት 2ይ  ኣብ ትሕቲ ወንድወስን ቁፅፅር ንግሥነቱ እንትቅፅል  ነገር ሕንፍፍሽብ1772 ጎሹ ሃይሉ: እሸቴ ዘውዴ ኣብ ጨጭሖ/Checheho ንወንድወሰን  ኣሸኒፎም ንላስታ ክሃድም ገበርዎ::

 ድሕሪ ህድማ ዳግማይ ተመዓራዩ ንምንኣስ ሓዉ ተክለሃይማኖት 2ይ ተክለ ጊዮርግስ ካብ ቤት ማእሰርቲ  ወንድወሰን ኣፍቲሑ ንጉሥ ንክገብሮ ሞኪሩ ተክለሃይማኖት ኣብ ኢማኪና/Emakina ንወንድወሰን  ኣሸኒፉ ንተክለ ጊዮርግስ (ምንኣስ ሓዉ) መሊሱ ናብ እስር ቤት ሰደዶ::

 ብሥልጣን ምፍሕፋሕ ዝደኸሞ ተክለሃይማኖት 2ይ ብድሕርኡ መኒኑ ዋልድባ ገዳም ኣትዮ ዓለም በቃኝ በለ::

 ዘይወግሕ  ወጋሕታ: ቀደሙውን ካብትግራይ ተሻጊርካ አብ ዘይዋኒንካ ጊዜኻ ምጥፋእ ዘድሊ ዶ ነይሩ?

ቀፂሉ  ተክለገርግስ ናብ ንግሥና እንትመፅእ ከምኣመሎም መሳፍንቲ ካብ ሥልጣን እንተውርድዎ:

 ብድሕሪ ተኽለገርግስ  2ይ  ካብ ንግሥነት ምውራድ ሰሎመን ኣቤቶ ኣዲያጎ/Abeto Adigo  2ይ ብወንድወሰን: ሃይለ ዮፃድቅ: ሃይሉ እሼቴ : ሃይሉ ኣደራን: ክንፉ ኣዳምንንጉሥ ተሾመ 13/4/71777-20/7/1799::

ስሎመን 2ይ ደጃዝማች ሃይሉ እሼቴ ኣዛዚ  ስሜን፣ ኣዛዚ ዳሞት ራስ ኣይደር፣ ራስቢተወደድ ሃይሉ ኣደራ ኣዛዚ ጎጃም፣  ባሻ Boqatu/ብቃቱ ምኽትል ብላተን ጌታ ገይሩሾሞም::

ኣዋርሕ ፀኒሑ ኣዛዥ ሥላሴ ባርያ ዝበሃል ንተክለ ሃይማኖት ካብ ወኽኒ ፈቲሑ ንጉሥ ኢሉ ኣወጀ::

ሰሎመን 2ይ ኽተት ምስበለ ተክለገርግስ ካብ ንግሥና ተባረረ:: ተክለ ገርግስ  ሓገዝ ንኽደልይ ንትግራይ ኣንሳሓበ:: ካብኡ ቐፂሉ ሰነ 1777 ተክለገርግስ ኣብ ጎንደር ተሸኒፉ ናብ ወኽኒ ተመለሰ።

 ኣብ ስቢሳባር ኣብሞንጎ ሃይለ ዮፃድቅ: ክንፍን ኣዳምን ዉግዕ ተላዒሉ ክፍሉ-ኣዳም እንትስዕር : ሰሎመን ኣብ ትሕቲ ክፍሉ-ኣዳም ወዲቁ ንሃይሉ እሼቴ ምስ ክፍሉ-ኣዳም ክዛረይዎ እንትፅውዕ ኣብ ፍልቃቲ ጀርጀር/Filakit Gerger ምኽትል ብላተንጌታ ብቃቱ (Boqatu) (ሓው ወንድወስን) ሲዒሩ ካብ ፍላቃቲ/Filakit Gerger ኣባረሮ::

 ፅንሕ ኢሉ ክፍሉ-ኣዳምን ሃይሉ እሼቴ ኣብ ልዕሊ ስሎመን  ኣዲሞም ተክለግርግስ  ካብ ወኽኒ ፈቲሖም ንጉሥ ንምግባር ዝግጅት እንተካይዱ ስሎመን ንሃይለ የፃዲቅ ክማርኽ: እንተሞከረ ከሺፍዎ። እዙ ዓይኒስኒ ዘይብሉ ዕግርግር ንምፍታሕ ክፍሉ-ኣዳም ንንጉሥ ተክለገርግስ ንሰሎመን ናብ ዳሞት ወሲዱ ክስማዕምዑ  ኣብ የባባ (Yebaba) ዝተባህለ ቦታምስተኣከቡ ተክለገርግስ ንጉሥ ኾይኑ ተሸመ 17/7/1779::

 ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮብ25/5/1780 ክፍሉ-ኣዳም እንደገና ስሎመን  ካብ ወኽኒ ፈቲሑ ንጉሥ ንምግባር ዝሞከሮ ፈተነ ብባሻይ ብቃቱ  ኣብ ማርያም ውህ (Maryam Weha) በርዒኑ  ክንፉ እንትእሰር ሰሎመን ኣብ እሱርቤት ንመጨረስታ  ግዜ ይኽዘን::

14/7/1779 ተክለ ገርግስ  ብክንፉ ኣዳምን ሃይለ ኣደራ ኣብ yebaba ምስ ነገሠብ14/7/1780  ገድሉ ኣብወልቃይት ከምኡውን ፀዳሉ ዕግበት (ሰብኣይ ጋል ክንፉ) ዕግርግር እንትፈጥሩሉ ብ18/3/1780  ገድሉ ንበርገታ (Bergetta)  እንትሃድም ብ25/5/780 Mebaras Boqatu/መበርሳ ብቃቱ ኣብ ማርያም ውሀ  ኣዳም ክንፉን: ሃይለ ኣደራ ማሪኹ ንተክለገርግስ እንትርክቦም::

 ብድሕሪዑ ክፍሉ-ኣዳም ካብ እስርቤት እንትሃድም  ብ27/6/1780 እንደገና ተማረኸ:: ቀፂሉ እብ እዋን ተክለገርግስ ዘመቻ ኣማፅያን ክወግእ ኣብ እሪንጎ/Aringo ምስመረሸ: ደጃች ኣመዴ: ኣሊ ቦርሼ/Ali Borshe ምስ ሠራዊት ክፍሉ-ኣዳምን: ራእሲ ኣሊጋዝ ኣብ ሰላም/Selam ትበሃል ሃገረስብ ንተክለገርግስ ከቢቦም ምስኣጨነቅዎ ተክለገርግስ ሩባ ኣባይ ተሻግሩ ንጎጃም ሃደመ::

ተክለገርግስ ሓሙሽተ ግዜ  ካብ ንግሥና ደይቡ ዝወደቀ ባዓል ፅውፅዋይ ሰብ ዝነበረ ምስትዋስ ይግባዕ::

እሞ ሕዚካዓ ተክለገርግስ ናብ ሥልጣን ደይቡ ብባርበሳ ብቃቱ/Boqatu  ድሕሪምምራኽ ክንፉ-ኣዳምን ሃይሉ ኣደራ ተክለገርግስ  ኣዒንቶም ኣንቁሩ/ኣጥፊኡ ክዓውሩ ገበሮም::

ኣብ መበል ራብዓይ ፈተነ እልወት ብ10/1782  ሃይለ የፃድቅ: ሃይሉ እሼቴ ካብንግሥና ኸውርድዎ እንትማኸሩ ንእኦም ሲዒቡ ተክለገርግስ ንጎጃም እንትግስግስ ሃይሉኣ ባይ ተሳጊሪሩ ምስ ራእሲ ዓሊ 1ይ ተፀምበረ::

ኣብ ኣፍራዋናት/Afarwanat ተክለገርግስ ተሳዒሩ ክሳብ 24/4/1784 ካብ ንግሥነት ወሪዱ ናብ ኣምባሰል ሃደመ:: ምስ ራእሲ ዓሊ 1ይ ዝነበሮ ጎንፂ ብ1783 ተክለገርግስ ጋል ገብሬ ተስፋ ትሻን/Teshen Gebre  ብምምርዓው  ሓደ ምኽንያት እንትኸውን:

ምስ ራእሲ ዓሊ 1ይ  እንትገራጨው: ሓፍቲ ሃይለማርያም ገብረ ተመርዒዩ ስለዝነበረ ምስ ኣቦኣ  ኻልአይቲ ሰበይቱ ገብረ  ኣምባሰል ዕቑባ ጠይቑ  ኣፅለለ::

26/7/1789 -1/1794  Hezqeyas (son of Iyasu III)/ኢስቅያስ ብድጋፍ ኣዛዚ ዳግለን/ከንቲባ ኣይደር/Azaj Dagale and Kantiba  ካብ እሱር ፈቲሖም ንጉሥ እንትግብርዎ:: ድሕሪ ራእሲ ዓሊ 1ይ ሞት ራእሲ  ተክለገርግስ ዘንገሠ  ሪስ ኣሊጋዝ  ተገልቢጡ ንHezqeyas  ብ1789 Hezqueyas ካብ እስርቤት ብምፍታሕ ምድጋፍ ጀመረ።

ኸርተት ዘጨነቖ ተክለገርግስ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሽፍትነት ምስ ደኸሞ ኢዲ  ምስሃበ ኣብ ክንዲ ሓራ ምውፃእ ኣሊጋዝ ንተክለገርግስ ወሲዱ ናብ ድጋና ኢማኪና/Emikan ሸጎሮ::

Hezqeyas (son of Iyasu III Azequ grandson of Iyasu II)/ኢስቅያስ/ ውዕለታ ንምኽፋል  ራእሲ ሃይለ ዮዛድቅ/Ras Haile Yosadiq  ኣዛዚ ናይ ጎጃም ፊተውራሪ ኢኮያን/ Fitawrari Ikonyan ደጃዝማች ናይ ዳሞት ገይሩ  ሸሞም::

Hezqeyas ምስ ሃይለ የፃዲቅ/Haile Yosadiq: ደጃዝማች ፀዳሉን ምስ ክልተ ኣቡናት Abune Yosab and ichege Wolde  Iyosus ሓቢሮም ፀረ ኦሮሞን እስልምናን ዘመተ ጀመሩ::

ብ ተወሳኺ እውን ራእሲ ዓሊ 1ይ ቅድም  ኢሉ ጋል ሓፍቱ ኣንቃሊት/Anqualit ትበሃል ንሃይሉ እሼቴ ብምምርዓው: ከምኡውን  ራእሲ ዓሊ 1ይ ንተክለ ሃይማኖት 2ይ  ናብ ንግሥና ከድይብ ምፅዓሩ: ምስ ሃይለ ዮፃድቅ ምፍሕፋሕ ጀመሩ።

ደጃዝማች ወልደገርኤል ወዲ (ወዲወዶም ንሚካኤል ሱሑል) ንጉሥ ባእደ ማርያም ብምድጋፍ  ምስ ሃይለ የፃድቅ  ሓቢሮም: ምስ ተክለገርግስ: ኣሊን: ሃይለ እሼቴን ብ5/1788 ኣብ ማዳብ/Madab ዝበሃል ቦታ ተዋጊኦም::

ደጃት ወልደ ገብርኤል እንትቅተሉ: ባእደማርያም  እንትማረኽ  ራስ ሃይለ የፃድቅ እግረይ ኣውፅእኒ ይሃድሙ::

ድሕሪ ዓመት ቢተወደድራ ራእሲ ዓሊ 1ይ ኣብ Filakit Gereger ብመሰተ ብዝሓትን ስኽራን እንትሞቱ::

ራስ ኣሊጋዝ 1788 ሥልጣን ምስደየቡ ኣክንዲክንዲ ተክለገርግስ ንዮኢስቅያስ/Hezqeyas ንጉሥ ክኸውን ካብቶም ተቃለሱ ሓደ ኣካል ነበሩ ::

ከም ልዕል ኢልና  ዝጠቀስናዮ ድሕሪ ክልተ ዓመት   ሽፍትነት ተክለገርግስ ኢዱብ ምስሃበ  ኣብ  ክንዲ ሽመት ራስ ኣሊጋዝ ናብ ኢማኪና/Emakina  ዝበሃል እስር ቤት ሸጎሮ። ብ ኣንፃሩ ምስ ኣሊጋዝ ዝነበሮ ቅርሕንቲ ንምውፃእ ሃይለ ወንድወሰን ተክለገርግስ ደጊፉ  ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ካብ እሱርቤት እንትፈትሖ የፃዳቅ ምስ ኣብነ የስዮስን ወሲኹ ብ1793 Hezqeyas ብምድጋፍ  እንትስለፉ  ተክለገርግስ ነዚኦም ጣምራ ንምውጋእ ንጎንደር ኣምረሐ::

ይኹን ዳኣምበር Hezeqyas ደጃች ሃይሉ እሼቴን ኣሊጋዝ እኳ ሓገዝ እንተረኸበ ብተደጋጋሚ ውግእ ምፃር ስለዘይካኣለ ንድንግል በር  ሃደመ:: እዙይ ኸምዙይ እናሃለወ ኣሊጋዝ ነዊሕ ከይፀንሐ ሓሚሙ ሞተ::

ዘይወግሕ ወጋሕታ

Wagner/ዋግነር ኾይንካ ሽፍታ

ኣብ ዘይተዓደምካሉ ገበታ

ክትፍትፍት ብርኩታ

እንታይ ኣድለየ እንተሎካ ገፊሕ ቦታ

እግሪ እግሪ ኣምሓራ ኹታ

እናሃለወ ፅምብልታ

መሰል ኦሮሞ መንግሥቲ ምሥረታ::

ንጉሥ ምስኮነ ድሕሪ ቡዙሕ ሕድሕድ ውግዕ ኣብሞንጎ ኣዛዥ ሃይለሥላሴ ባርያው: ክንፉ ኣዳም ብቃቱ/Boqatu (ሓው ወንድወሰን) ክካየድ ጀመሩ::

ሃይለ ዮስቅያስን: ሃይለ ኣደራን: ተክለ ገርግሥ 1ይ ዶ ስሎመን 2ይ ይንገሥ ብምባል  ፍኽክር

ብቃቱ/Boqatu: ክንፉ ኣዳም እንትእሰር  ስሎመን ንጉሥ ኾይኑ ክቅፅል ይግበር::

ተክለገርግስ ናብ ኣቦ ስበይቱ/Teshen ዝቆፃፀርዎ ቦታ ይሃድም::

ገብረ ተስፋ ወልቃይት ፀገዴ ኣዲ ኣርቃይ ኣብደል ራፍዕ ኣበርገለ  መሬት ትግራይብተደጋጋሚ ክም ወዶምን ወዲወዶም: ሃይለማርያም ገብረን: ውቤ ሃይለማርያም ንኽወሩ ብተደጋጋሚ ንብረትን: ህዝብን: ተቃፃሉ: እንትቀትሉን ታሪኽ  ዝመዝገቦ ሓቂ እዩ::

ደጃች ገብረ ሃይማኖቶም ካቶሊክ ነይሩ። 60 ኣንስቲ ኣእትዮም ዝነበሩ ዓርሓ ኩኩናይ ሹደናይ ዳርጋ ደንበ ናይ ኣንስቲ  (ካብ ሓሪም ዝገደደ) ክበሃል ብዝካኣል ዝነበሮም  ሹደናይ ነበሩ:: ካብ ሓንቲ ናብ ሓንቲ እናተጋለበጡ ዝሓድሩ ዝነበሩ ባለባት እንትኾኑ::

ቀንዲ ውሩያት ደቆም ካብ ወይዘሮ ሳህሊቱ ክፍለ ኢየሱስ/ Sahlitu Kefle Iyesusዝተወለዱ:

Gebre Tefa ገብረ ተስፋ ኣቦ ናይ

ሃይለማርያም ገብረ

ትሕሽን/Teshen ገብረ

በትረ ገብረ እንትወልዱ

ትሕሸን ጋሎም ንንጉሥ ተክለገርግስ ኣብ ጥቃ እርጋኑ ብ1783 ካልአይቲ ሰበይቱ ነይራ::

በዙይ ዝኣክል ኣሊጋዝ ካብ ሥልጣን ተክለገርግስ ምስደርበዮ ዕቁባ ኾይኖም ኣብቤጌምድር ዝሓብዎእ ራስ ገብረ ተስፋ እዮም::

በዙይ ዝመፀ ምኽንያት ብ18/5/1795 ደጃት ወልደገብርኤል ኣዛዚን ተወላዳይ ላስታ ብናይ ንጉሥ ባእደ ማርያም ትእዛዝ  ራስ ገብረ ተስፋ ኣብ እምባ ሞሰዋቢት/Mount Mosabit ጥቃ ሳዋዳ/Sawada ኣሸኒፎም ተክለገርግስ መዕተዊ መውፂኢ ኣስኣንዎ::

ኣብ ሰሜን መእተዊ መውፅኢ ዝሰኣነ ተክለገርግስ ሕዚ ገፁ ንዓዲ ጓሉ ኣመተ-ሥላሴ ንትግራይ ክዕቁብ ገፁ ገበረ::

 ናይ ብእደማርያም ካልዓይ ደጋፊ ዝነበሩ ራእሲ ወልደሥላሴ  ስሜን ክሳብ ሴጎነት/Segonet ባጌለ /Bagele Hay/ሄይ ታሳን/Tassan ውግዕምስገጠሙ ምስ ገብረ ተስፋ እርቂ ወሪዱ ኣብ እንጩትካብ/Inchetkaub ሃይለገርግስ ክነግሥ ተስማሚኦም ብ12/1795 ፍፃሜ ተመሓላለፈ::

ብ2/2/1813 ወልደሥላሴ  ናይ ትግራይ መሬት ተወረረ ወልቃይት እንተምልስ ሃይለማርያም ገብረ ካልኣይ ወረራ  እንተካይድ 19/2/1813 ብ20/3/1813  ወልደሥላሴ ኣሸኒፉ: በትረ ገብረ  ሓው ሃይለ ማርያም ገብረ Asgas Sedit the chief of Arbarcholo, his women, servants, and a great number of horses were captured. The battle left four hundred dead.

ብ 5/1817 ሃይለማርያም  ገብረ ተከዘ ተሳጊሩ ኣበርገለ እንትቆፃፀር  ካብ ራእሲ  ወልደሚካኤል (ወዲ ወዶምን ሱሑል) ሹም ተምቤን ብምምንጣል ሙሉዕ ብሙሉዕ ኣበርገለ ብሓዊ ኣባሪዕዋ::  ቅድም ኢሉ ንኣቦ ወልደሥላሴ  ደጃት ክፍለእየሱስ፣ ሚካኤል ሱሑል እንትቀትሎም በዚ ዝነበሮ ስግኣት ወልደስላሴ ኣብ ጎጃምን ወሎ ይቅመጥ ነበረ::

 ድሕሪ ግዜ  ንጨሎቀት  ምስተመልስ ክልተ ብሱሑል ዝተላኣኹ ኣቤልንካኤልን/Abel and Cail ዝባሃሉ ብገዛ ኢዱ ማሪኹ እንትቀትሎም:: ወዲ ወዱ ንሱሑል ራስ ወልደገብርኤል ካዓ ውግእ ኣብ ወገራ  እንትኸፍተሉ: ወልደሚካል  ምዃን ምስኣበዮ እርቂ ብምባል ንወልደስላሴ  ባዓል ጋዳ ኢሉ ሾሞ::

ኣሊጋዝ ንተክለገርግስ ካብ ንግሥነት ምስኣለዮ ተክለገርስ ንወለስላሴ ሓገዝ እንትጥይቅ: ወልደስላሴ እንትኣብዮ: ንኣኽሱም ብሰላም ንኽቅመጥ ግና ፈቂድሉ::

ተክለገርግስ ኣብዙ እዋን ሥራሕ ኣልቦ ስለዝኾነ ንጉሥ ብምንባሩ  ገንዘብ ንዝህብዎ መኻንንቲ ናይ ኽብሪ ሹመትን መዓርግን እናሃበ ናብርኡ  መተሓዳደሪ ገንዝብ እናኣከበ ኣብ ኽሱም ክመሓዳደር ክሳብ ግዜ ሞቱ መሰዮ::

ወልደገብርኤል: ዓሊን ኣሊጋዝን ምስቀተልዎ ወልደስላሴ  ንኣሊጋዝ ሹም ትግራይ/እንደርታ ግበረኒ ኢሉ ኣመልከተ ንህልካ ዓፍራ ከምዝባሃል ንሊእ ወዲ ወዱ ሱሑል: ገብረ መስቀል ሹም ትግራይ ገይሩ ሸሞ::

በዙይ ዝተቆጠዔ ወልደስላሴ ንግብረመስቀል ከቢቡ ምስሓዞ እስረኛ ገበሮ:: ተቆጢዑ ገፁ ንቤገምድር ኣምረሔ::

ቀፂሉ ሠራዊቱ ንጎንደር ኣምረሔ: በዙይ ተደናገፁ ክልተ ነገሥታት ተክለሃይማኖትን ተክለገግስን ብ1790 ራእሲን ቢተወደ ድን of Abyssinia ጣምራ ሹመት  ንወልደስሴ  ሽለግዎ::

1825 ሃይለማርያም ገብረ ምስ ማሩ ወዲ ደንብያ (Maru of Dembiya) እናተባሃለ  ዝፅዋዕ ካብ ቤቴ ፍንጃ/House of Fenja ዋዕላ ኣተወ::

ሃይለማርያም ገብረን ማሩን ኽልተ ሓፍትታት ናይ ደቂ ጉግሣ መርሱ ባረንቱ ዝተመርዔው እንትኾኑ ዝፍለጥ ኾይኑ:

ይመር ንጎጃም ወሪዱ ምስ ጎሹ ዘውዴ እንትዋጋእ ሃይለማርያም  ንሰሜን ዘሊቁ ጎንደር ብምቁፅፃር ንጉሥ ጊጋር/Gigar ኣውሪዱ ባእደ ማርያም ብምንጋሥ ይመር  (oldest son of Gugsa, brother of Marye, Dori and Hirut, wife of Hailemariam Gebre) ማሩ ዝኣተዎ ዋዕላ ጠሊሙ ምስ ይመር ጉግሣ ወጊኑ ንሃይለ ማርያም ኣብ ዋልድባ ውግእ ገጢሞም:

ብ25/12/1825 ሃይለማርያም ተወጊኡ ድሕሪ ቁርብተይ  ማዓልቲ ሞተ:: ሃይለማርያም ገብሩ ቅድሚ ውግዕ ንጉሥ ጊጋር ኣውሪዱ ባእደማርያም 3ይ ኣንጊሱ ነይሩ:: ድሕሪ ሽንፈት ሃይለማርያም ይመር  ባእደማርያም ኣውሪዱ ጊጋር ናብ ንግሥነቱ መለሶ::

 ውቤ ሃይለማርያም እውን ተማረኸ ግን ከ ቆልዓ ሰለዝነበረ ማሩ ንይመር ነፃ ኽሰዶ መዓደ: ፀኒሑ ክጠቅመና ይኽእል ብምባል::  ሙቅ  ማይ ከይዛሓለ ከምዝበሃል: ውቤ ምስ ይመር ወጊኑ ንደጃት ጎሹ ዘውዴን: ንማሩ ደንብያ ኣብ ኮሶበር/Kossober ብ1827 እንትወግእ ጎሹ ንጎጃም እንትሃድም ማሩ ተቀተለ::

ድሕሪ ዓመት  ይመር እውን ብህውከት ኣብ ደብረታወር ይመውት:: ውቤ  ሃይለማርያም (1799-1867) ኣዲዑ ምንታየ (ውሽማ ሃይለማርያም) ተወላዲትጃን ሞራ እንትትኸውን ብ1827 ኣቡኡ ሃይለማርያም ምስሞተ ሥልጣን ንሃይለማርያም ንሕጋዊ ወዱ መርሶ/Merso (ወዲ ሂሩት ጉግሳ) ክንዲ ምውራስ ኣምሓራ መኳንንቲ ከም Manet Wolde Kidan/ማጀት ወልደኪዳን ዘኣምሰሉ ንውቤ ክወሃብ ናይ ኣምሓራ ልዕልነት ንምርግጋጽ  political stand/ ፓለቲካዊ ቅዋም ብምውሳድ ናብ ሥልጣን ኣደየብዎ  እዚ  ኣሻሻም ዓልየታዊ ንምኻኑ ዘየጣራጥር ነይሩ::

ውቤ ሙሉእ ኣምሓራይ እንትኸውን መርሶ ቡጡል ሃይለማርያም በኣዲኦም ኦሮሞን ተጋሩ ብምንባሮም እዩ:: 

ናይ ሂሩት(granddaughter of Itege Taytu Betul)  ኣዶ ኣመተ ሥላሴ ኣቦኣ ንጉሥ ተክለገርግስ የሃንስ 2ይ  እንትኸውን ናይ ኣመተ ስላሴ ኣዶ ትግራወይቲ ብምኻና ኣምሓራ  ፀሓፍቲ ስማ ኣብታሪክ መዝገብ ከስፍርዎ ኣይደለዪን:  እኳ ዳኣ ኣብጥቃ ስልጣን ውድቐቱ ተክለገርግስ ተመርዔዋ ትሻን/Teshen ጋል ገብረ ተስፋ ሓፍቲ  ሃይለማርያም ገብረ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ስማን: መንነታን እናተጋነነ ተመዝጊቡ ይርከብ::

 ዘይግበኦ ስልጣን ምስጨበጠ ውቤ ደቀ ኣቡኡ መርሶ: ቡጡልን: ሂሩት ኣደናጊፀሞ ጎንደር ለቂቆም ንትግራይ ኽሃድሙ ዕቁባ ስባጋድስ ኽሓቱ ተገዲዶም እንትቅመጡ:: 2/1831 ውቤ ምስ ማርየ ጉግሣ  ወጊኑ ትግራይ እናተዋጉኡ ማርየ እንትቅተል: ኣብ ደብረ ኣባይ ስባጋድስ ተማሪኹ ብ ጥይት ኸምዝድብደብ ተገበረ: ሓጎስ ስባጋድስ ውዱ እውን ኣብ ውግእ ሞተ::

ካሕሳይ ስባጋድስ 1838 ውግዕ ብውቤ ተማሪኹ ን15 ዓመት እንትእሰር ሃፄ ተድሮስ 2ይ ወቤ ምሰሰዓረ ፈትሖ:: ብ1841 ጋንጉል ስባጋድስ ውቤ ገጢሙ ምኻን ምስኣበዮ ንበራሕለ ሃዲሙ ነብሱ ኣትረፈ::

 ኣብዙ እዋን መርሶን ቡጡልን ብወቤ ተማሪኾም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውቤ ምስኣተው ብዘይ ፍትወቶም ኣብ ሠራዊቱ ክገልግሉ ተገደዱ:: ምስ ካሣን ጋንጉል ስባጋድስ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ዘይድልየቶም ክስለፍን ክዋጉኡ ተገደዱ::

በዝይ ቁጣዐ 1842 ዓሊ፣ ኣሉላ 2ይ (DOB 1816-1866)  ብ1841 ምስ ውቤ ዘካየዶ ውግእ መርሶ: ቡጡል ሂሩትን ምስ ዓሊ 2ይ ወጊኖም ንውቤ እንትወግዕዎ መጀመርያ ውቤ ኣብቲ ውግእ ብ1841 ካብ ዓሊ 2ይ ጎንደር እንትነጥቅ ራስ  ኣሊ ካብጎንደር እንትሃድም:: ኣብ ካልኣይ ውግእ እቲ ዓመት 1841 ኣብ ውግዕ ደብረ ታቦር ዓሊ 2ይ መርሶ  ቡጡልን ሂሩት ክማረኹ::

ካብ ታሕጓስ ንላዕሊ ወቤ ስኺሩ እናጨፈረ ብሩ ኣሊጋዝ/Birru Aligaz Gaguwel second cousin of Ali II ፈጥኖ ደራሽ ኣርኪቡ ንወቤ ብስጏሩ ጨቢጡ ማረኾ :: ብምሩኻት ልውውጥ ስምምዕ ወቤ ነፃ ክስደድ ከምኡውን ዓሊ 2ይ መርሶን ቡጡልን ናብ ግዝኣምቶም በጌምድርን ጎጃምን ክምለሱ ተገበረ።

ዓሊ 2ይ ንግሥንኡ ንዳግማይ ግዜ ኣደላደለ: መርሶን ቡጡልን ዓሊ 2ይ  ናይ ጎጃም መማሓዳደርቲ ገይሩ ሸሞም:: ንቅድሚት እንትንጏዓዝ ብ6/1853 ምስ ካሣ ዳሕራይ ሃፄ ተድሮስ (ስብኣይ ጓሉ) ዝተባሃለ ዓሊ 2ይ ውግእ ተከፊቱ ዓሊ 2ይ ህላውኡ እንትጠፍእ ቡጡል ተቀተለ::

 ዓሊ 2ይ ጓል ዉቤ (ሂሩት ውቤ) ተመርዕዩ ተዋበች እንትወልድ ካሣ/ሃፄ ተድሮስ ተዋበች  ቀዳመቲ ሰበይቱ ነበረት:: ብ1854 ሃፄ ተድሮስ እዚ ህዉከተኛ ዝነበረ መዕገርገሪ ውቤ  ማሪኹ ክሳብ ሕልፈተሞቱ እሳቅዩ ኣብ ወኺኒ ኣጀሎ: ዋላካ ጥሩወርቅ ጓሉ ተመርዕዪ ዝወለደላ እንተነበረ::

ዞም እንዳ ጉግሣ መርሱ በርሰባን ዓሊ 2ይ (ወዲ ኣሉላ ዓሊ) ዋላካ ምስ ኣምሓራይ ገብረ ተስፉ ይዋለዱ እምበር ፈፂሞም ፀረ ኣምሓራ ሥርዓት ዝነበሩ እዮም::

ዘይወግሕ ወጋሕታ!

 መዘከርታ:-

ውቤ ባዓል ቡዝሓት ኣንስቲ ነይሩ።

ወይዘሮ ሊኪያ ወልደስላሴ ጥሩወርቅ ወለደት።
ጥሩወርቅ ውቤ ሃፄ ቴድሮስ ተመርዕያ ኣለማዮህ ወለደት።

ካልአይቲ ጓል ትግራይ ውቤ ተመርዔወት: ድንቅነሽ ስባጋድስ ምናልባት ሂሩት ውቤ ዝወለደት::  ሂሩት ውቤ ራስ ዓሊ 2ይ ዝተመርዐወት: ሂሩት ውቤ ተዋበች ዓሊ ዝወለደት:: ተዋበች ዓሊ ናይ ሃፄ ተድሮስ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ዝነበረት::

የውብዳር ሃይለማርያም (ሓፍቲ ቡጡል) ስባጋድስ ዝተመርዐወት: ጋ

ጓል የሽመቤት ስባጋድስ Ras Weelde Giyorgis Aboye  ወዲ ውዱ ንንጉሥ ሸዋ ሳህለሥላሴ ተመርዐወት::

ያሬድ ሑልፍ

By aiga

2 thoughts on “ዘይወግሕ ወጋሕታ!”
  1. Help TDF members who have been referred by the medical board to seek medical assistance abroad says:

    ብሜዲካል ቦርድ ናብ ወፃኢ ከይዶም ንክኽከሙ ወረቀት ዝተፅሓፈሎም ተጋደልቲ አባል ሠራዊት ትግራይ(ቲዲኤፍ)አብከቢድ ፀገም ከመዘለው ይግለፅ አሎ፤፤ዝምልከቶ አካል ክረባረብን አብ ደገን ወፃኢን ዘለዉ ተጋሩ ንክህግዙ ፃዊት ነቅርብ፤፤ሰዓን ቀረብ መድሃኒትን ሕክምናን መዓልታዊ ዝሞቱ ተጋሩ ተረከብትቲ ዓዲን ብደሞም ብመሥዋዕቶም ሀገራ ስድራናን ዘረከቡና ንዥልዉና ዘለዉ ተጋሩ ብዘለና ሙያን አቅምን ነሀግዝ የቅንየለና We have no knowledge as to what TPLF leaders are doing to solve this kind of problems and others-ውፈር ተበገስ ነኧ ምሳይ ኮንካ ሀልወኒ ጥራይ እያ ካብ አፎም ትወፅ ሊቀ ባንዳታት ከዳኣት ጠላማት ሰረቅቲ!!The lives of freedom fighters(TDF), who saved the priceless lives of all Tegaru and handed our country to us, depend on our collective efforts, and your intervention can make a tremendous difference. Help TDF members who have been referred by the medical board to seek medical assistance abroad

  2. Help TDF members who have been referred by the medical board to seek medical assistance abroad says:

    ብሜዲካል ቦርድ ናብ ወፃኢ ከይዶም ንክኽከሙ ወረቀት ዝተፅሓፈሎም ተጋደልቲ አባል ሠራዊት ትግራይ(ቲዲኤፍ)አብከቢድ ፀገም ከመዘለው ይግለፅ አሎ፤፤ዝምልከቶ አካል ክረባረብን አብ ደገን ወፃኢን ዘለዉ ተጋሩ ንክህግዙ ፃዊት ነቅርብ፤፤ሰዓን ቀረብ መድሃኒትን ሕክምናን መዓልታዊ ዝሞቱ ተጋሩ ተረከብትቲ ዓዲን ብደሞም ብመሥዋዕቶም ሀገራ ስድራናን ዘረከቡና ንዥልዉና ዘለዉ ተጋሩ ብዘለና ሙያን አቅምን ነሀግዝ የቅንየለና We have no knowledge as to what TPLF leaders are doing to solve this kind of problems and others-ውፈር ተበገስ ነኧ ምሳይ ኮንካ ሀልወኒ ጥራይ እያ ካብ አፎም ትወፅ ሊቀ ባንዳታት ከዳኣት ጠላማት ሰረቅቲ ሥርናይን ብሽኩቲ!!The lives of freedom fighters(TDF), who saved the priceless lives of all Tegaru and handed our country to us, depend on our collective efforts, and your intervention can make a tremendous difference. Help TDF members who have been referred by the medical board to seek medical assistance abroad

    You are deleting many of comments posted here as you are fan of few Adowa mafia TPLF and their riffraff
    please delete and donot show to your masters and respect order of your masters who were threating to kill our family for nothing now they are working with PP hoping to get their money back which they stole from Tigray and made it private asset! Why don’t they expel Fanno and ERitrean cannibal army from Tigray instead of waiting Fanno get organize and dreaming to capture Aksum???

Comments are closed.