ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

ዓላማ ናይዚ ፅሑፍ፥ ከምቲ መፅሓፍ (ዮሐ 12፥24) “ፍረ ስርናይ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር፥ እንተ ሞይታ ግና ብዙሕ ፍረ ከም እተፍሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ከም ዝብሎ ፍትሒ ኾነ ሓርነት ልምዓት ኮነ ራህዋ ፍረ መስዋእነት ‘ዮም እሞ ብኣውርኡ ኣማራፂ ውድባት ትግራይ ንምብርትታዕ ዘተኮረ ንባብ እንትኸውን ብሓፈሻ ግን ትግራዋይ ዋጋ ንዝኸፈለሉ መድረኽ/ንመሰሉ ንኽቃለስ ዓሊሙ ዝተዳለወ ሓፂር ፅሑፍ ‘ዩ።   

መእተዊ፥ ናይ ርሑቕ ይኹን ናይ ቀረባ፥ እትፈልጦ ሰብ እንትጠፍእ እገለ ወይ ድማ እገሊት ኣበይ ኣተወ/ወት ኢልካ ምጥያቕን ምእላሽን ንቡር ‘ዩ። እቲ ቐደም ቐደም ዓብዪ ይኹን ንእሽተይ ብዝጠፍኣን ብዝተሰወረን ቁፅሪ ስድራ ቤት ናይቲ ዝጠፍኣ ሰብ ድሃይ ንምፍላጥን ንምርካብን “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” እናተብሃለ ብድምፂ ወያነ ሬድዮ ክንገርን ክጋዋሕን ከሎ እዝክረኒ። እምበኣርከስ ኣነ ‘ውን ብወገነይ፥ መዘራረቢ ዛዕባ ካብ ምብዝሑ ዝተልዓለ ኣብ ዝተረፈላ ትግራይ ብቕንያቱ ድምፆም ዘጥፍኡ አማራፂ ውድባት ትግራይ ኣመልኪተ፥ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ! ኢለ ንኽፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ። ብርግፅ፥ ስቕታ ኣማራፂ ውድባት ትግራይ ንዓይ ብውልቀይ ግልፂ ኣይኮነን። ካብ ተመክሮይ ክህልዎ ዝኽእል ኣንድምታ ከቕምጥ ተኾይነ ግን፤ 1ይ፥ እዘን ኣማራፂ ፖለቲካዊ ውድበታት ኣማራፂ ሓሳብ ሃልይወን ግን ድማ ሓሳበን ንኸይገልፃ ኣብ ትሕቲ ፀቕጢ ዓፋኒ መንፍስናዊ ስርዓት መራሕቲ ህወሓት እየን ማለት ‘ዩ። እዚ ማለት፥ ንምፍርራሕ መሪሕነት ህወሓት ፀማም ህዝኒ ሂቡ ኣለኒ ዝብሎ መማረፂ ሓሳብ ንህዝቢ ንኸቕርብ ድልዊ ዝኾነ መሪሕነት (ኣማራፂ ውድብ) የለን ማለት ‘ዩ። እቲ 2ይ፥ እቲ ሕዚ ካብ ኣራት ኪሎ መምርሒ እናተቐበለ ዝሰርሕ ዘሎ ብጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ዝምራሕ መሪሕነት ህወሓት ዝሰርሖም ዘለዉ ህዝቢ ናይ ምትላልን ትግራዋይ ማንነት ናይ ምምካንን ስራሕቲ ተሰማሚዕዎም ኣሎ ማለት ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ምኽንያት ተሃልይዎም ድማ ንዘቕርብዎ ምኽንያት ናይ ምስማዕ ፀገም ዘለዎ ሰብ ኣይክህሉን ‘ዩ። “መጥፍኢና ምኽንያት ኣብ ቀረባ ብዕሊ እንገልፆ ሓደ ሓደ ነገራት ኣናመዓራረና ስለ ዝኾና ‘ዩ” ዝብል ዝተለመደ ዕባራ ምኽንያት ሒዞም ንኸይቐርቡ ግን በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ክብል ኣፈትው።

ካሊእ ይትረፍ ግን፥ ዕለታዊ ብዝፍፀሙ ስራሕቲ እናገመገመ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ? ናብራ ማሕበረሰብ ትግራይ እንታይ ይመስል? ግቡእ ኣገልግሎት ይረክብዶ ‘ሎ? ይረክብ ተዘይሃልዩ እቲ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብዚ ኣመልኪቱ ህዝቢ እንታይ ይብል ‘ሎ? እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነትከ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣልዉ ዶ? መዓልታዊ ኣብ ሚድያ ዝፀመደ ምሕደራ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ቃሉ ምስ ተግባር ይዛመዶ? መዘራረቢ ዛዕባ ናይቲ መፍረያይ ሓይሊ እንታይ ይመስል? መዓልታት ሰሙናትን ኣዋርሕን ተቖፂሮም ኣለዉ እሞኸ ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎን ዝግባእን እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ? ረብሓ ህዝቢ ይኽበር ዶ ‘ሎ ወይስ ይሽርሸር? ንምንታይ? ንሕናኸ እንታይ ንግበር? “ፀገምና ብመሰረት ሕገ መነግስቲ ኢትዮጵያ” ክንፈትሕ ኢና ካብ ተብሃለ ዛገድ ዝተፈትሓ ፀገም ኣሎ ዶ? ወዘተ ዝብሉ ዕለታዊ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ጠለባት ዝድህስሱን ዝግምግሙን ሕቶታት እናልዓለ ጥልቀት ዘለዎም ኣማራፂ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ናይ ምቕራብ፣ ብቐፃልነት ብሉፅን ጭቡጥን ሓበሬታ ብምሃብን ብምቕራብን ህዝቢ ናይ ምንቃሕን ተቓሊስካ ናይ ምቅላስን ግደ ክፃወት ዘለዎን ዝግብኦን ብቐንዱ እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ኣማራፂ ፖለቲካዊ ውድባት እየን። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ግን ህዝቢ ትግራይ እዚኣ ‘ውን ዝሓረመቶ ትመስል ኣላ።    

እምበኣርከስ ንመእተዊ ዝኣክል እዚ ካብ በልኩ ብምቕፃል፥ ሓድሽ ሓሳብ ኮይኑ ዘይኮነ የግዳስ ደው ዝበለናሉ ባይታ (ቅድሚ ሕዚ እንፈልጦ ፍልጠት ‘ውን ተኾነ) ምፍታሽ ኩል-ጊዜ ኣድላዪ ብምኻኑ ኣማራፂ ውድባት ትግራይ ብኸመይ ይነጥፋ፣ ብተመሳሳሊ፥ ዕማማተን ብኸመይ መልክዑ ከሳልጣ ይግባእ ማለት ጥራሕ ዘይኮነ ኣማራፂ ውድባት ህልውነኣን ቀፃልነት ንኽህልዎ ብኸመይ መልክዑ ምስ ዝጣየሻን እንታይ ምስ ዝገብራን ‘ዩ? ዝብል ሓፈሻዊ ሓሳብ መሰረት ጌርና ኣርባዕተ መሰረታዊ ነጥብታት ኣልዒልና ሕፅር ብዝበል መልክዑ ክንመያየጥ ኢና።

  1. ንፁር ስነ-ሓሳብ፥

መፅሓፍ፥ “ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ ‘ዮም? ብዛዕብኡ እንተይሰምዑኸ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ዮም? ብዘይ ሰባኺ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ‘ዮም?” (ሮሜ 10፡ 14) ከም ዝብሎ፤ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ክኣምንን ከዓስልን እንተድኣ ኾይኑ ስለ እቲ ክኣምኖ፣ ክኽተሎን ክዓስሎን ዝደለ ዘሎ ነገር ክሰምዕ ክኸእል ኣለዎ። ክሰምዕ ተኾይኑ ድማ ዝዛረብን ዝፅሕፍን ሰብ ክህልው ግድ ‘ዩ። እቲ ዝዛረብን ዝፅሕፍን ሰብ ድማ ድምፂ እትፈጥር መልሓስ ስለ ዘላቶ ወይ ድማ ኣፉ ዘምፀኣሉ ዝዛረብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ካብ ኣፉ ኾነ ካብ ብርዑ ዝወፅእን ዝርከብን ቃል ንፁርን ስሙር ሓሳብ ክኸውን ኣለዎ። ብኻሊእ ኣባህላ፥ ማሕበረሰብ ናይ ምልዋጥን ናይ ምዕሳልን ድሌት ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኮነ ውዳበ ዓላምኡ ከሳኽዕ ዝኽእል ብኻሊእ መንገዲ ዘይኮነስ ናይ ሰብ ልቢ ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ ዘለዎ ማለት ‘ውን ሓይሊ ዘለዎን ሓይሊ ዘውርድን፣ ናብ ሰማዒ ሰብ ልቢ ዘንበል ዘብልን ዝፀልውን ቃል/ሃሳብ ገንዘቡ ዝገበረ ሰብ/ውዳበ ክኸውን ግድን ‘ዩ። እዚኣ ሸውዓተ ቢልዮን ዝግመት ማህበረሰብ ዓለም ሰላማዊ ሰልፊ ወፂኡ ክልውጣ ዘይኽእል መሰረታዊ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ‘ያ። ሰብ ይረደኣዮ ኣይረደኣዮ፥ ዝኾኖ ንዝኸውን ዝገብሮ ካሊእ ዘይኮነ ብዝሰምዖ ነገር ዝቕረፅ ፍጥረት ስለ ዝኾነ ጥራሕ ‘ዩ። ኣማራፂ ውድባት ትግራይ እዚ ብምርዳእ፥ ትግራይን ትግራዋይነትን ጥራሕ ማእኸል ገይረን (ኣምሓራይ፣ ሻዕቢያ፣ ኢትዮጵያ ወዘተ ዝብል ንጊዚኡ ንጎኒ ሓዲገን ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካ ትግራይ ጥራሕ አድሂበን) ቀፃልነት ኣብ ዘለዎ ናይ ሓሳብ ዕዳጋ ክነጥፋ በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዕተይ የቕርብ።

መሪሕነት ኣማራፂ ውድባት ትግራይ፥ እቲ ብሽም ሰማእታት ትግራይ እናመሓለን እናጠሓለን ሕቖ ህዝቢ ትግራይ ዘጉበጠ ጉሒላ መሪሕነት ህወሓት ስዒሩ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ክልውጥ ተኾይኑ፥ መሪሕነት ናይዘን ውዳበታት ብተናፀል ኮነ ብዝፈጥሮ ሓበራዊ መድረኽ ክልወጥ ኣለዎ! ኢሉ ዝኣመነሉ (ዒላማ ዝገበሮ) እዚ ብምግባር ድማ ከምፅኦ እየ ዝብሎ ሽቶታቱ ኣነፂሩ ብልጫ ዘለዎ ንፁር ስነ-ሓሳብ ሒዝካ ምቕራብ ግድን ክኾኖ ‘ዩ። ንምንታይ? ካብ መስተዋት ኣብ ዝተሰርሓ ገዛ ዝነብር ሰብ እምኒ ኣይድርብን ከም ዝብልዎ፥ መሳሪያ ምትኳስ ዝተዓለመ ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑፀር ሓድሽ ወለዶ ትግራይ ዝፈረየላ ዓዲ መፃኢኣ ዘተሓሳስቦ ዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ኣብ ናይ ሓሳብ ብልጫ ካብ ምእማን ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ክህልዎ ስለ ዘይኽእል ‘ዩ። ብምኻኑ ድማ፥ ኣማራፂ ውዳባት ትግራይ ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ ብምኻን ዓርሰን፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራመንን ፖሊሲታተንን ከፋልጣን ኣዚ ብምግባር ድማ ሕሱር ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ክቕይራ ደጊመ ፃዊዕተይ የቕርብ።    

  • ፅኑዕን ቡቕዕን መሪሕነት፥

መፅሓፍ “ኣብ እዋኑን ኣብዘይ እዋኑን ድልው ኹን፤ ኣረድእ፣ ምኸር፣ ገስፅ፣ ብዓቢዪ ትዕግስቲ ብምምሃር ትጋህ” (2ይ ጢሞ 4፥2) ከም ዝብሎ፤ መሪሕነት፥ ኣብ እዋን ጭንቅን ፀበባን መሕቢኡ ዝጠፍኦ – ኣብ እዋን ራህዋ ድማ ንዓይ ዝመስል የለን! እናበለ ዝምድር ዘይኮነ መሪሕነት መስዋእትነት ‘ዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ አድላዪነት ፅኑዕን ቡቕዕን መሪሒነት ዘተሓትት ኣይኮነን። ብቕዓት ክበሃል ከሎ ከምቲ ኣብ ቁፅሪ 1 ዝረኣናዩ ገለጻ፥ መእተዊኡን መውፅኢኡን ዝፈልጥ፣ ዓላማን ራእይን ዘለዎ፣ ሸኽሚ ህዝቡን ዓዱን ዝተሸከመ፣ ካብ ግላዊ/ቡድናዊ ጥቕምን ፓርትን ህዝብን ዓድን ዘቐድም፣ ሓድሽ ሓሳብ ናይ ምፍጣር ናይ ምሻጥን ምልዋጥን ዓቕምን ተኽእሎን ዘለዎ ማለት እንትኸውን፤ ፅንዓት ብተመሳሳሊ፥ ሰባትን ወቕትን እናረኣየ ሸብረኽ ዘይብል፣ ብቓልን ብስራሕን ዘይሕመ (ኣብ ቓሉ ዝፀንዕ)፣ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ዝንኣመነሉ ዓላማን ራእይን ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ንምኽፋል ዘወትር ድልዊ ዝኾነ ዝገልፅ ‘ዩ። ኣድላዪነት ከምዚ ዝበለ መሪሒነት ብቐንዱ እቲ ኽመፅእ ዝድለ ሀገራዊን ማሕበረሰባዊን ለውጥን ምዕባለን፥ ዓላማን ራዕይን ጥራሕ ካብ ምጥላብ ሓልፎም እቲ ዝተሓንፀፀ ዓላማን ራእይን ኣብ ሽትኡ ንኽወቕዕ ፅኑዕ መሪሕነት ስለ ዝሓትት ‘ዩ። ብዓይኒ ፖለቲካዊ ውዳበ ‘ውን ተርኢናዮ፥ ሓደ ውዳበ ሓሳቡ ብዝግባእ ከስርፅ፣ ምስ ሰዓብቱን ተኸተልቱን ተመያይጡ ፍረ ኽፍርን ለውጢ ከምፅእን ዝኽእል ብቑዕ ጥራሕ ዘይኾነ ብነገራት ዘይደናገፅ ፅኑዕ መሪሕነት ተሃልይዎ ጥራሕ ‘ዩ። ንምንታይ? ህዝብን ዓድን ኣብ ፀበባ ኣብ ዝኣትወሉ ጊዜ ውሳነ ሓደ ፖለቲካ ውዳበ ብተመሳሳሊ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ ሰዓት መሪሕነት ንድሕሪት ዝብል ተኾኑ ዳርጋ ዘየለን ዝሞተን ‘ዩ ዝቑፀር።   

አማራፂ ወድባት ትግራይ፥ ታሪኽ ትግራይን ናብራ ማሕበረሰብ ትግራይን ናይ ምልዋጥ ዓላማን ራእይን ተሃልይወን ቅድም ቀዳድም እዚ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ትግራይ ዝዕንድር ዘሎ መምሰልን መታለልን ጉሒላ መሪሕነት ህወሓት መንነቱ ኣፅፊፈን ክፈልጣ ግድን ‘ዩ። ገጢመን ክስዕርኡ ተኾይነን ‘ውን ምስ መን ከም ዝገጠማ ክፈልጣ ክኸኣላ ኣለወን። ንምንታይ? መሪሕነት ህወሓት አይኮነንዶ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሩ ይትረፍ፥ ብረታዊ ቓልሲ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ ዘመን ‘ውን ተኾነ ብሰብ ኣስባቡ መቓልስቱ እናስመጠ ዝመፀ አረመኔ ውድብ ብምኻኑ ‘ዩ። እዚ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ፖለቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ተቖፃፂሩ ዝነበረ ሓይሊ ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝኸረመሉ ምሽጥር ‘ውን ተኾነ ካሊእ ዘይኮነ ካብ ምፍርራሕ ሓሊፉ ቀትርን ፀልማትን ከይበለ ዓቕሚ ዘለዎ ዜጋ ከም ጠለ አባጊዕ እናመረፀ ብዝወፆ ንኽተርፍ ኣብ ምግባር ስለ ዘይሓመቐ ‘ዩ። ፖለቲካ ትግራይ ናይ ምልዋጥ ባህጊ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ/ውዳበ ብተመሳሳሊ እዚኣ ፈሊጡ ‘ዩ ንቓልሲ ክሰለፍ ዝግበኦ። እቲ ሓቂ፥ ዓመፅን ወፅዓን ንቡር ዝገበረ፣ ሕሰምን ድኽነትን ዝተደለማመደ፣ ንሕሱም መግዛእቲ መሪሕነት ህወሓት ምዕጋስ ስልጣነ ዝመስሎ፣ ኣይጠዓመንን ኢልካ ተቓውሞ ምግባር ከም ሓጥያት ዝቖፅር፣ ካብ ደርፍን ድራማን ዘይወፀ ማህበረሰብ ትግራይ ክገላግል ዝኽእል ዝጨከነ ብቑዕን ፅኑዕን መሪሕነት ጥራሕ ‘ዩ።

መሪሕነት ኣማራፂ ውድባት ትግራይ፥ ፀገም ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ መፍትሒ ‘ውን ተረዲእካ ሰለማዊ ሰልፊ ፀዊዕኻ ክተብቕዕ፥ እዚኣ ዝሰምዓን ዝረኣየን መራሕነት ህወሓት ድማ ናይ ብሕተይ ብዝብሎ ስልጣንን ጥቕምን ስለ ዝመፀኻዮ ብቐትሪ ይኹን ብፀልማት ረኺቦም (እዚ ኣብነት ‘ዩ) እዛ ፀዊዕኻያ ዘለኻ ሰልፊ ተዘይሰሪዝካያ “ከም ስጋ ብዕራይ ክንጎዛዝየካ ኢና፣ ደቕካን ሰበይትኻን ብዘይ መግነዝ ኣብ እንዳ ጎሓፍ ተደርብዮም ክተረኽቦም እኻ፣ ገዛኻ ክነፍርሶ ኢና፣ ካብ ስራሕኻ ክነባርረካ ኢና ወዘተ” ኢሉ ስለ ዘፈራረካ ጥራሕ ሓዲገጆ ኣለኹ ሓዲገጆ! ትብል ተኾይንካ ትግራዋይ ዝሓለፈ ታሪኽ ተነፂፉ ንኽነብር ምፍራድ ከም ዝኾነ ንኹልና ግልፂ ክኸውን ይግባእ። መራሕቲ ህወሓት ናብ ጓዳ እናሰሓቡ ብዘፈራርሕኹምን ትንዕ ብዝበልኹምን ቁፅሪ፥ አፍ አፍ ልጓም! ዝበሃል ተኾኑ ትግራይ ከምታ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝነበረታ ከምኣ ኢላ ክትቅፅል ‘ያ። እቲ ሓቂ፥ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት እትጠልቦ መሪሕነት ካሊእ ዘይኮነ ብጭካነ ካብ ዝፍለጡ መራሕቲ ህወሓት ንላዕሊ ንዓላማ ዝጨከነ ፅኑዕን ቡቕዕን መሪሕነት ‘ዩ።

  • ስጡም ውድባዊ መዋቕር (Organizational structure)፥  

ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ውፅኢታዊ ካብ ዝገብርዎ ነገራት፥ ንፁር ስነ ሓሳብ፣ ስጡም ውድባዊ መዋቕርን ናይ ሰብ ሓይሉን ‘ዩ ተባሂሉ ክጥቀስ ይከኣል ‘ዩ። ዕድሚኡ ብዘየገድስ ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ፥ ነዊሕ መንገዲ ክጎዓዝ፣ ክዛረብ ከሎ ክስማዕ – ደው ክብል ከሎ ‘ውን ክረኣ ተኾይኑ፥ እዚ ንኽገብር ዘኽእሎ ስጡም ዝኾነ ውድባዊ መዋቕር ተሃልይዎ ጥራሕ ‘ዩ። ፅፉፍን ስሉጥን ስራሕ ንምስራሕ ዘኽእል፣ ናይ ስራሕ ምሽማይ ዘወግድ፣ ናይ ሕድሕድ መሪሕነት ኣባላት ናይ ስራሕ ድርሻን ሓላፍነትን ብንፁር ዝገልፅ፣ እቲ ውዳበ ምስ ሰዓብቱን ተኸተልቱን ዝራኸበሉን ዝመያየጠሉን ኣሰራርሓ ዝነፀረ፣ ኣብ ውሽጡ ንዝፍጠሩ ዓንቀፍቀፋት ንምእላይ ዘኽእሎ ማለት ‘ውን ተሓታትነት ዘረጋግፀሉ መስርሕ ክህልዎ ግድን ‘ዩ። ብተወሳኺ፥ ህልውንኡ ኣብ ናይ ካልኦት ሕመቕ መሰረት ዝገበረ መሪሕነት ህወሓት ኢድ ኣእታውነት ንምክልኻል ‘ውን ተኾነ ስጡም ውድባዊ መዋቕር ምፍጣር ምኽኣል መተካእታ የብሉን።

ከም ዝብኢ ስግኡ እናበልዐ ሽም ጥራሕ ሒዙ ዝተረፈ፣ ሎሚ ‘ውን ተኾነ ኣብ ትሕቲ ፅላል ዝሞተ ሰብ ዝነበር ዘሎ፣ ኣብ ሓሳብ ዘይኮነ ብጉሕለት ኣብ ዝረኸቦ ሀብቲ ሀገርን ህዝብን (ኣብ ጥቕሚ) መሰረት ገይሩ ዝናበር ዘሎ መሪሕነት ህወሓት ንምእላይ ዝሓስብ ዝነቕሓ ፖለቲካዊ ውዳበ፥ ውዳባዊ መዋቕሩ ከጠናኽር ‘ዩ ዝምከር። ኣብ ስልጣንን ጥቕምን ተንጠላጢሉ ዝተረፈ፣ ሓልዮት ህዝቢ ዝይብሉ፣ ብሽም ህዝብን ሰማእታትን ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ምትላልን ምውቓዕን ዝኸኣለሉ፣ ኣብ ልዕሌኻ ዘርኣዊ ምፅናት ዝፈፀሙ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያን መንግስታዊ ልሳናት ኢትዮጵያን ብኸበሮ ንኽትቅበሎም ዝገብር ዘሎ ናይ ሙርኸኛ ሓይሊ መሪሕነት ህወሓት ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዝግባእ ካብ ዝመለኾም ሰይጣናዊ መስርሓት እቲ ሓደ፥ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ውዳበታት እናኣተወ መሪሕነት ምትሕንፋሽን ምህዋኽን፣ ውዳበታት ምምቃልን ከም ዘይነበራ ምብትታንን ብውሕዱ ዝጥቀስ ‘ዩ። ሎሚ ‘ውን ተኾነ ኣብ ተመሳሳሊ ዝኾነ ሰይጣናዊ ሃልኪ ፀሚዱ ዝርከብ መሪሕነት ህወሓት ዓቕሚ ንምስኣን እቲ ፍቱን መድሓኒት ውድባዊ መዋቕርካ ምጥንኻር ‘ዩ። ብዝተረፈ፥ ሽም ጥራሕ ሒዝካ ትልሂት ፋይዳ ዘይብሉ ድኻም ንምኻኑ ድማ ክስወረና ኣይግባእን።

  • ውፅኢታዊ መሳለጥቲ ህዝባዊ ርክብ (Effective communication)፥

ከም ምስላ ደቂ ዓዲ፥ “ካብ ዓይኒ ዝረሓቐ ካብ ልቢ ረሓቐ” ከም ዝበሃል፥ ከም ዒፍ መስቀል ኔርካ ኔርካ እናመፃኻ (ብልጭ ድርግም እናበልካ) ዝሳለጥ ፖለቲካዊ ዕማም ከም ዘየለ፣ ክህሉ ከም ዘይኽእልን ፖለቲከኛታት ዝስሕትዎ ሐቂ ኣይኮነን። ዘሳልጦ ዕማም፣ ዘፈፅሞ ዓላማን ራእይን ኣለኒ ኢሉ ኣሚኑ ዝተወደበ ሓይሊ ምስ ህዝቢ ብቐፃልነት ክራኸብን ገዛኢ ዝኾነ ሃሳቡ ከካፍልን ግድን ‘ዩ። ብኣንፃሩ እዚኣ ክከግብር ዘይኽእል ውዳበ ተሃልዩ ድማ ኣብ ውስጢ ዒትሮ ዝተዓፀወ መብራህቲ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ማለት፥ ኣቲ ኣብ ፀልማት ዝነበር ዘሎ ብርሃን ዘድልዮ ማሕበረሰብ ኣብ ፀልማት ከም ዘለዎ ይነብር፥ እቲ መብራህቲ ድማ ኸምኡ ዝፍይዶ ዘይብሉ ነዲዱ ይውዳእ። ተኾነ፥ ኣይኮነንዶ ኣማራፂ ውድባት ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ! እናበልና ኣለሻ ክንወፅእ ይትረፍ ዘለናዮ ዘመን ናይ ሓበሬታ ዘመን ምኻኑ ተፈሊጡ ኣማራፂ ውድባት ትግራይ ሓበሬታ ከመይን ብኸመይን ምስ ንጥቀመሉ ‘ዩ ተረባሕቲ ክገበረና ዝኽእል ኢለን ብምሕሳብ፤ ማዕረ ማዕረ ‘ውን ሓሳባትን ዘፋልጣሉ፣ ዝሸጣሉን ዘቃልሓሉን መሳለጢ መንገድታት ኣነፂረን ብንቕሓት ብምቅላስ ሕሰም ትግራይ ንኽሓፅር ምሰርሓ ምተገበኣ።

ብመሰረቱ፥ ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ሽቶታቱ ንኽወቅዕ ብወሳንነት ካብ ዘድልይዎ ነገራት ህዝባዊ ድጋፍን ፋይናንሳዊ ዓቕምን ክረክብን ክህልዎን ተኽኢሉ ‘ዩ። እዚ ንኽገብር ዘኽእሎ ድማ ካሊእ ዘይኮነ ቀፃነት ኣብ ዘለዎ ህዝባዊ ረኽብታት ምስ ዝገብርን ዝነጥፍን ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ተኾነ ግን፥ ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ልቢ ሰዓብቱን ተኸተልቱን ጥራሕ ዘይኮነ ቀልቢ ኣንፃራዊ ቅዋም ዘለዎምን ዘሰጉሙን ዜጋታት ከይተረፈ ክስሕብን ክማርኽን ዘኽእል ነይሩ ነይሩ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ዘይኮነ ብቀፃልነት ብዝገብሮም ንጥፈታትን ጭቡጥ ሃለዋት ክህልዎ ኸሎ ጥራሕ ‘ዩ። ካሊእ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፥ ሓበሬታ ብግቡእ ምጥቃም ምኽኣል መንገዲ ዓወት ምፅራግ ከም ዝኾነ ኹሉ፥ ክትገብሮ ዘለካን ዝግበኣካን ዘይምግባር በተቓራኒ ድኻምን ስዕረት ምኻኑ ተፈሊጡ ኣማራፂ ውድባት ምስ ህዝበን ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥ ዘርእይኡ ዘለዋ ድኽመት ቀሪፈን ኣድማዔ ዝኾነ ሓቤሬታ ናይ ምልውዋጥ ስራሕ ንኽነጥፋ እመክር።   

ብዝኾነ፥ እቲ እምነት ዘሕደረልኩም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ እንታይ ትሰርሑ ከም ዘለኹም ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ትርከቡ ሃለዋትኩም ክፈልጥ ስለ ዘለዎን ስለ ዝግባእን ሃየ ተደሃይዎ። ብዝተረፈ ግን፥ ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ፀገማት ሓደ ህዝቢ “ካባይ ርሓቕ!” ተባሂሉ ዝእለ ዘይኮነ የግዳስ ሓደ ማሕበረሰብ ፀገማቱ ክፈትሕ ተኾይኑ ክሰርሕ፣ ንኽሰርሕ ድማ ክውደብ ግድን ‘ዩ። ዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ፀገም ከም ዘለዎ ዝኣምን ተኾይኑ፣ ፀገም ከም ዘለዎ ካብ ምእማን ሓሊፉ ድማ ፀጋማቱ ናይ ምፍታሕ ድሌት ተሃልይዎ ከም ማሕበረሰብ ንዝገጠሞ ፀገም ንኽፈትሕ ክውደብ ተኽኢሉ ጥራሕ ምኻኑ ፈሊጡ ብወዳበ ቃልሱ ከነሃህር ይግባእ እናበልኩ ንሎሚ ኣብዚ ከብቅዕ።

ሞትን መስዋእትነትን መንእሰይ ትግራይ ካብ ወፅዓን መግዛእትን ንኽንናገፍ ድ’ምበር ዘልኣለም ኣብ ደልሃመት ንኽነብር ኣይኮነን!   

By aiga