ብ ኣብርሃም ብርሃነ

#ዕረፍቲ መጋቢ-ሓዲስ ኣስመላሽ ድንገት ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽቦ ጓሎም እየ ፈሊጠ።

ምስ’ዞም ክቡር ኣቦ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድንገት ኣብ ዓዲ ሓቂ-ዓድዋ ፊት-ንፊት ተራኸብና።ኣብ ካምፖፖሎ ከባቢ ይርእዮም ብምንባረይ፡ብቐሊሉ ንእለቱ ከየየኻበዱ፡”መን ኢኻ ወዲ መን ኢኻ!”፣እንኸይበሉ፡ኣብ መገዲ ንሰዓታት ጒጅም በልና።

#ኣብ ማሕበረ ሃዋርያ ከም ምንባሮም መጠን ብዛዕባ እታ ማሕበርን ኣመሰራርትኣን ኣድሂቦም ክነግሩኒ ብዝተወከስኽዎም ብዘይቐልዓለም ደው ኢሎም ተገዲሶም ኣውጒዑኒ።

ካልእ ድማ ካብ ኣቦታት ቋንቋ ትግርኛ ዝኰኑ ንገሊኦም ኣልዒልና ዝፈልጥዎ ክነግሩኒ ብዝሓተትኽዎም፡ካብ ኣባ ጋስፓሪኒ፣ዶ/ር ሃይሉ (ኣባ ገብረየሱስ)፣ኣባ ዶ/ር ያዕቆብ፣ጋዜጠኛ ኣርኣያ በላይ፣መምህር ኣስረስ ተሰማ፡ደራሲ ተኽላይ ዘወልዲ ወዘተ ብዙሕ ሓቲተዮም፡ደስ ኢልዎም ከምዛ ትርእይዎም ብደውታ ኣዕለሉኒ።

ኣነ ንልዕሊ 3 ሰዓት፡እሞ ድማ ኣብ መገዲ ደው ኢልና ነዕልል ብምንባርና ተሰኺፈ ግን እቲ ምቑር ዕላሎምን ትሕትንኦምን ከምልጠኒ ኸኣ ኣይረደኹን።ግን ደሓር ስኽፍታ ግዲ ሓይሊኒ “ኣቦይ ኣስመላሽ ይቕረታ ዘይግበር እየ ገይረ ግን ዕላል ጥዒሙኒ ኰይኑ እዩ!’ በልኽዎም።

ንሶም ተኰነ ታሪኽ ዘመነ ሃይለስላሴን ምምስራት ማሕበራትን ጋንታታትን መስርሕ ምሕታም መጽሓፍትን መጽሔታትን እጃም ስለ ዝነበሮም-ታሪኽ ክፀውዩኒ ንድሕሪት ኣይበሉን።

ንመጋቢ-ሓዲስ ንመዘከርታ ክትኰኒ ኢለ ተመሲጦም እናዕለሉኒ-ካብ ዝሰኣልኽዎም ቕላዓት ኣሳእል ድማ እዛ ለጢፈያ ዘሎኹ ሓንቲ እያ።ተመሊሸ ክሓስቦ ከለኹ ንመጋቢ-ሓዲስ እንቋዕ ረኸብክዎም።

እንሆ ወዲ 89 ዓመት ኰይኖም ካብዛ ዓለም ብሞት ሥጋ ተፈልዮም ኣሎዉ።ንምሉእ ስድራቤት ኣምላኽ ምጽንናዕ ይሃቦም እብል።ጠሊ ይሕደጉ!

By aiga