ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ፡ብምኽንያት በዓል ፋሲጋ እሱራት ክፍትሑ ገይሩ ኣሎ።እዙይ ድማ ክበራታዕ ዝግብኦ ስጉምቲ እዩ እብል።

ወላ እኳ ኣብ ሳልሳይ ዓለም እሞ ድማ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገር ምእሳርን ምንግልታዕን ልሙድ ተርእዮ ተኰነ።ኣብዚ ጊዜ እዚ፡እሞ ድማ ኣብ ውሑስ ፀጥታን ድሕነትን ዘይብሉ ሃዋሁን ኲነታትን እሱራት ምልቃቕ ወይ ምፍታሕ ዝነኣድ ፍጻመ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ቕነ ናፅነት ዝእሰር ህዝቢ ስለ ንፈልጦን ንርድኦን ምስኡ ከቶ ኣይወዳደርን እዩ።ትግራይ ኣብ ምንታይ ኲነታት ኣላ ርዱእ እዩ።እዙይ ኰይኑ’ውን እዋኑ ተሃዋሲ ኣብ ዝኰነሉ እዋን እሱራት ምፍትሑ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

ገለ ገለ ምሁራት፣ተንተንቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ እሱራት ኣድሂበ ሓሳበይ ክህቦም ሓቲቶሙኒ እዮም።ግን ለይቲ ብምንባሩ ምድ ዋዜማ በዓል ከምቲ ዝድለ ርእይቶይ ክህቦም ኣይከኣልኩን ኣሎኹ።

ግን ንሕጂ ቕድሚ ሓደ ዘመን ኣቢሉ፡ኣብ ትግራይ ኣብ ዓድዋ ብሰንኪ እምነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ እኒ ሃለቃ ተወልደመድህን፣እኒ ሃለቃ ገዘሀይ ኣፍለይ፣እኒ ኣቦይ ጎበዜ ጎሹን መሰልቶምን ካብ እሱርቤትን ካብ ፍርዲ ሞትን ናጻ ዝወጽሉ ጊዜ ምዝካር እኹል እዩ እብል።

እዛ ሓንቲ ስእሊ ኣብ 1923 ዓ/ም/ፈ ዝተሳእለት ስእሊ ኣቦይ ጎበዜ ጎሹን ስድርኦምን ተርእይ እያ።ድሕሪ ማእሰርቶም ንመዘከርታ ዝተሳእልዎ ምኳኑ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝርከቡ ሓደ ፕሮፊሰር ኣብ ዝለኣኹለይ ሓበሬታ የረድእ’ዩ።

ኣብ ዘመነ ሃጸይ ቴድሮስ ይኹን ኣብ መቃን ዘመነ ሃጸይ ዮሃንስ ተኰነ እሱራት ናጻ ይስደዱ ምንባሮም ኣብ ኢደይ መረዳእታታት ኣሎዉ እዮም።

ራእሲ ስዩም መንገሻ ተኰኑ ነቶም ኣብ ዓድዋን ተምቤንን ዝተትሓዙን ዝተማረኹን እሱራት ፈቲሖም እዮም።ኣብዚ ከም ኣብነት ዝለዓል ጉዳይ ተሃልዩ-ኮ/ል ኣልበርቶ ፖለራ ዝተብሃለ ኣብ ስለያን ዲፕሎማስን ዝነጥፍ ዝነበረ ጣልያናዊ በዓል መዚ፡ኣብ ራማ ከባቢ ሃዲሙ ከምልጥ ብዝተትሓዘ፡ብምሕረት እኒ ርእሲ ስዩም ተለቂቑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጳጉሜን፡2014 ዓ/ም፡ ካብዛ ዓለም ኣብ መበል 99 ዓመተን፡ብሞት ዝተፈለያ ወ/ሮ ኣኸዛ ገዘሐኝ ሓንቲ ካብቶም መሰካኽር ዓይኒ ምኳነን ኣይዝንጋዕን’ዩ።

ደግያት ኣባይ ካሕሳይ ኰኑ ደግያት ገብረሕይወት ባይሩ (ወዲ ሓዞ) ተኰኑ እሱራት ይፈትሑን ምሕረትን ይህቡ ምንባሮም ታሪኽ የረድኣና’ዩ።

ካልኦትን ኣብ ካልእ ቦታታን ድማ ተመሳሳሊ ተገይሩ ክኸውን እምነተይ ልዑል እዩ።ሕፅረት ሓበሬታን ኣፍልጦን ምኳኑ ክሕብር እፈቱ።

እሞ ደኣ እዙይ መስርሕ እሱራት ምፍታሕን ምሕረት ምሃብን ትማሊ ዝነበረን ክብርታት ስልጡን ባህልን ያታን ዝተኰልኰለ’ዩ።

 ኣብ ታሪኽ ዓለም ወላ እኳ ኣብ ኩሉ ዝግበር ኣይኩን።ኣብዚ ስልጡን ዘመን ብተደጋጋሚ ዝግበር ጽቡቕ ተርእዮን።ግሩም ዝኰነ ኣብነት እዩ እብል።

ኣብ መወዳእታ፡ጅግና ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ ዘመኖም ክንዮ ጅግንነትን ታሪኽ ምስራሕን ሕድገትን ይቕረታ ወሃቢ ምንባሮም ታሪኾም የረድኣና እዩ።ሓንቲ ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ክቡር ዶ/ር ኣቡነ ያዕቆብ ገብረእየሱስ ምርኣይ እኩል’ዩ ክብል እፈቱ።

እሞ ደኣ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ነዚ ሰናይ ተበግሶ እሞ ድማ ኣብ ዋዜማ ዓውደ ዓመት ምግባሩ ንብዙሓት ስድራታት ተስፋ ዝህብን ሓጎስ ዝፈጥርን ብምኳኑ ክቅፅለሉን ኣበርቲዑ ክሰርሓሉን ተስፋ ብምግባር’ዩ።

ንድምጻዊ ሰሎሞን ተስፋይ (ኣይሰምዕን’የ) ኰነ ነቶም ካልኦት ካብ እሱር ዝተፈትሑን ምሕረት ዝተገብረሎምን እንቋዕ ናብ ቤትኩም ኣብቐዓኩም ክብል እፈቱ።

By aiga