ግዳያት

Byaiga

Apr 5, 2023

ብ ኣብርሃም ብ.

ማንም ኤርትራዊ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ስደተኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቓን ዝኰኑ ግዳያት ነቲ ዘይተኣደነ ግፍዕታትን ዘይሕጋዊ ስርሓውትን ህግደፍ ዘሳስዮን መሓውራቱን መርበባቱን ኣዋፊሮም ከም ዝዓሙ ይፈልጡ እዮም።ኣይስሕትዎን ድማ እዮም።

ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ብመገዲ ሑመራ፣ብዓፋርን ብጁብትን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።ድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ኬንያን ዝተገብረ ዉዕል ፕሪቶርያን ናይሮብን ዝፍለጥ ዘተ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ኲናት ደው ምባልን ስዒቡ ድማ ብመገዲ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ጋዶ ዘብል እዩ።

እንተኰነ ኤርትራዊ መንእሰይን ትሕቲ ዕድመን ጥራሕ ብዋሕዝን ብናህርን ይተሙ ምህላዎም ዝውረይን ዝጋዋሕን ጌጋ ምኳኑ ክስመረሉ ይግባእ’ዩ።

ምኽንያቱ ትግራዋይ መንእሰይን ትሕቲ ዕድመን ተኰነ ብተመሳሳሊ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከተማታት ኢትዮጵያን ማእለየ ዘይብሉ ገንዘብ ኣብ ፈቐዶ ኬላታት እናኸፈለ ከም ማይ ነሓሰ ዝፈስስ ዘሎ ኣዲኡ ትቁጸሮ ዘበል እዩ።

ነቲ ናይ ትግራይን ተጋሩን ዝዛረበሉን ዝእውየሉን ሰብ ዳርጋ ኣይትርእይን ኢኻ።ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዝጋዋሕን ዝቃላሕን እኳ ተሃለወ ግን ንዝርዝር ፍጽመታቱን ብዕምቆት ዝርእይን ዝትንትንን ኰይኑ ኣይትረኽቦን ኢኻ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንብርክት ዝበሉ መራሕቲ መኪናን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ኤርትራውያንን ተጋሩን ንጉዳይ ኣመጻጽኦምን ዘጋጠሞም ነገራትን ኣመልኪትና ክንሓቶም ዕድል ገይርና ነይርና ኢና።

ንሳቶም ኣብ ፈቐዶ ኬላታት ብዙሕ ገንዘብ እናኸፈሉን እናገብሩን ከም ዝመጹ ሓቢሮምና እዮም።ኣረዲኦሙና እዮም።

ኤርትራዊ ጥራሕ ዘይኰነ ዝሳቐይን ዝጓነይን ዘሎ ትግራዋይ እውን ዕጭኡ ልክዕ ከምቲ ኤርትራዊ እያ ተጋጥሞ ዘላ።እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣብ ባይታ ወሪድካ ወይ ድማ ንግዳያት ረኺብካ ምርግጋጽ ምምርማርን ምሕታትን ይከኣል’ዩ።

ብዝርዝር ክንደይ ይኸፍሉ፧ ኣብ ኬላታት መን ይተሓባበሮም፧ ኣብ ናይ ትግራይ ዝርከብ ኬላ እንታይ ይብልዎምን ይሓትዎምን፧ ፋኖን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን እንታይ ፍሉይ ባህርን ተግባራትን ኣሎዎም፧ መሓውራት ህግደፍን ሃሱሳቶምን እንታይ እንታይ ይገብሩን ብመርበባቶም ይጻውዱን፧ ዝብሉ ክትምልስ ንግዳያት ምርካብን ምሕታትን እኩል መበገሲ ይኸውን እዩ።

ነዚ ኩሉ ግፍዕታትን ዓመጻትን ኰነ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ከም ልሙዕ ባይታ ኰይንዎ ዘሎ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካውን ፀጥታውን ሃጓፍ ይኹን ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝግበር ሃርጎፍ-ጎፍን ከም ምኽንያት ይግለጽ እዩ።

ገና እውን ርጉእ መንግስትን ዉሑስ ጸጥታን ዋልታ ዝኸውን ሓይሊ ድሕነትን ፖሊስን ብዘይምህላዉ ነዚ ዘይሓጋዊ ተግባራትን ዓመጻትን እጃም ይገብር ከም ዘሎ ምሁራትን ነዚ ጉዳይ ዝከታተሉ ሰባትን ይገልጹ እዮም።

By aiga