ምንጪ ድ/ወያነ

ተደፊእና ዘጣየሽናዮ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ሕዚ እውን ዝጀመርናዮ ምንቅስቓስ ንቕድሚት ኣጠናኺርና ክንቕፅል ኢና ክብሉ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ገሊፆም።

እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዝገለፁ ብዛዕባ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንሃገረ ስብከታት ትግራይ ዝተልኣኸ ደብዳቤ ኣመልኪቶም ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዩ።

ከምገለፃ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ብሰማይን ብምድርን ብኸቢድ መሳርሕታትን ዘራያት ውሽጢ ዓዲን ወፃእን እናተጨፍጨፈን ግፍዒ እናተፈፀመሉን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ እቲ ተግባር ጠጠው ክተብሎን ክተወግዞን ኣይኸኣለትን።

ንሕና ድማ ተገዲድና ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርተዶክስ ትግራይ ክነጣየሽ ክኢልና ኣለና ክብሉ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም።

ስለዝኾነ ኣብቲ እዋን ኲናትን ፅንተትን ክተወግዝ ዘይኸኣለት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሕዚ ደብዳቤ ምፅሓፍን ምውጋዝን እዋኑ ስለዘይኾነ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ከምዘይቕበሎ ንገልፅ ንፈቱ ክብሉ እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልኪቶም።

ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ንቕድሚት ክቕፅል ከምዝኾነን ኣብ ወሽጢን ደገን ትርከቡ ተጋሩ ነቲ ቤተ ክህነት ክትሕግዙ ብትሕትና ነሓትት ክብሉ እውን ፀዊዖም።

ካብቲ ዝቕፅል 13 ለካቲት 2015ዓ/ም ዝጅምር ዓብዪ ፆም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ህዝብና ብዝግባእ ክፆምን ፀሎት ክገብርን ይግባእ ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

By aiga