ብ ዲያስፖራ ዓይኒ

ዋላኳ ጥልቀት ሳዕቤን እቲ ኲናት ኣብ ደገ ኮይነ እውን ይርዳኣኒ እዪ ኢለ ይሓስብ እንተንበርኩ እቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ዝኮነ ኣካል ካብ ደገ ክግምቶ ካብ ዝክእል ዝከፍአ እዩ፡፡ ኣሸንካይ ዶ ሰብስ ኣራዊት ይኣትዎ እዩ ተባሂሎ ዘይሕሰብ በረኻታት ትግራይ ብ ዱፋዓት ዓይኒ ዓራት ኮይኑ እዩ፡፡ ካብ መቀለ ጀሚሩ ክሳዕ ነበለት ኣብ ዝነበረኒ ጉዕዞ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብ ዝግበርክዎ ወግዒን ባዕለይ ነቲ ቦታታት ብምዕዛብን እዚ ክብል:

1. ሞት ሰብ፡ ሕድሕድ ስድራ ትግራይ ብ መስዋእቲ፣ መርሸንቲ፣ ጥምየት ወይካዓ ሕማም እንተዋሓደ ሓደ ሰብ እንትበዝሕ ኻዓ ሙሉእ ቤተሰብ (ካብ ሓደ ስድራ 19 ሰብ) ሲኢኑ እዩ፡፡ ዝበዝሕ ካዓ ክቅበር እውን ዕድል ኣይረከበን፡፡ ብዝብኢ ተበሊዑ::

2. ዘረፋ ንብረት፡ ብዋናነት ብ ሻዓብያ ዘይተፈተሸት ገዛ ትግራይ የላን፡፡ ዘይተወሰደ ንብረት ዓይነት እውን የለን፡፡ እቶም ናይ ኤርትራ ወታደራት «ጫማ ስለዘይፎትዩ» ካብ እግሪ ሰብ ካልሲ ጥራሕ ኣውፂኦም ወሲዶም. ኣቦይ ካልስታቱ ይቀብር ነይሩ፡፡ ኣብ ነበለት ኣቦይ ሓደ መዓልቲ ካብ ነብሰይ ኣውፂኦምስ ኣይወስድዎን ብዝብል ክልተ ፓንቲ፣ ክልተ ካልሲ፣ ክልተ ሸሚዝ፥ 2 ስረን 2 ኮትን ተከዲኑ፡፡ ኣደይ ስልካ ብ ፌስታል ብምዕሻግ ን 3 ወርሒ ኣብ ትሕቲ መሬት እናቀበረት እናውፀአት ሓሊፋቶ፡፡ ናይ ወዲ ሓፍተይ ስልኪ ዝተቀበረሉ ቦታ ረሲዖሞ ድሕሪ ዓመት ማይ ወቂዕዎ ተበላሽዩ ተገኒዩ፡፡ ኣብ መቀለ መካይን ኣብ ዙርየአን በሪ ዘይብሉ ገዛ ተሰሪሑለን እየን ዝሕባኣ ነይረን፡፡ ዘይተወሰደ ኣቅሓ እውን ንኡ ንምትራፍ ዘይተገበረ ነገር እውን የለን፡፡

3. ሳዕቤን ስእነት ሕክምና፡ መብዛሕቲኡ medication dependent chronic medical condition ዝነበሮ ሰብ ብሂዎት የለን፡፡ እቲ ዕርቂ ምስመፀ እውን ብዙሕ ለውጢ ስለዘየለ መንገዲ ምስተከፈተ ኣብ ጥቁር ኣንብሳ ሆስፒታል ዘሎ ዳርጋ ፍርቂ ሕሙም ትግራዋይ እዩ፡፡

4. ሳዕቤን ምቁራፅ ትምህርቲ፡ ብዘሕዝን መልክዑ ኣረኣእያ ህፃውንቲ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ተቀዪሩ እዩ፡፡ ካብቲ ዘደንግፅ ሳዕቤን ናይዚ ኲናት ሓደ ምብልሻው ዕድል ናይዞም ህፃውንቲ ትውልዲ እዩ፡፡ ብዙሕ ፃዕሪ እውን ከድልየና እዩ፡፡

5. ሪኢቶ ህዝቢን TDFን ኣብ ምቁራፅ ኲናትን «ዕርቂን»፡ ብመንፅር ህዝቢን ተጋዳላይን እተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ሲኦል እየን ነይረን፡፡ ፀላኢ ኣብ ዝኣተዎ ከባቢታት ዝነበረ ህዝቢ ዳርጋ ብምሉኡ ኣብ በረካ ምስ ኣራዊት እዩ ዝሓድር ነይሩ፡፡ ተጋዳላይ እውን እቲ ዝከፍ አ መስዋእቲ ዝከፈለሉ ግዘ እዩ፡፡ ኣብ ድሮ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ነበለት ንፀላኢ ከይተሕልፍዎ ዝለዝተብሃሉ ጥይት ወዲኦም ብ ጥሉል ብ እምኒ ተዋጊኦም 500 ጥይት ማሪኮም ተታኲሶም ጠጠው ኣቢሎሞ እዩም፡፡ በዚን ካሊእን ምክንያት ህዝቢ እውን ተጋዳላይ እውን ነቲ ጠጠው ምብል ኲናት ብ ምስግና እዩ ተቀቢልዎ፡፡ «ስምምዕ ተዘይመፅእ ህዝቢ ተወዲኡ እዩ ነይሩ» እዩ ዝብለካ፡፡ እቲ ስምምዕ ብመስዋእትናን ደባይ ውግእ ከምዝቅፅል ኣብይ ስለዝፈልጥን መፅዩ ግን ይብለካ፡፡

6. ህልው ኩነታት፡ መቐለ ብ ኣንፃራዊ ካብተን ዳርጋ ዘይተነክኣ ዝባሃላ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ምስምኳና ኣብዚ ሀዚ እዋን ምናዳ ብምንቅሳቃስ መካይን ኣንፃር ዳርጋ ናብ ቀደማ ተመሊሳ እያ ምባል ይካኣል፡፡ ዋጋ ዕዳጋ እውን ረኪሱ እዩ፡፡ ነዳዲ እውን ኣሎ፡፡ ነፃ ንግዲ ኣብ መንጎ እትዮጵያን ትግራይን ስለዘይተጀመረ ግን ብዙሕ ነገራት ኣይትረክብን፡፡ ኩሉ ነገር ብ ኮንትሮባንድ እዩ ዝኣቱ :: በዚ ዘትርፉ ተጋሩ ሰብ ሃፍትን ሰበስልጣንን እውን መሊኦም፡፡ እዚ ኣብቲ እውብ ክባን ዕፅዋን እውን ነይሩ እዩ፡፡ ክባቲ ዘሕፍር ታሪክ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ኣብቲ ዝራእክዎ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ግን ብዙሕ ለውጢ የለን:: ሰብ ጠምዩ ኣሎ፡፡ሕክምና የለን፡፡ መዓት ብ ኣምሓሩን ሻዕብያን ዝተትሓዙ ከባቢታት እውን ኣለዉ፡፡ ሰራዊት PP ግን ዝሓሸ እዩ፡፡ብዙሕ ሰብ ንብረቱ ብሻዕብያ ክውሰድ እንትብል ናብኦም ብምጥራዕ ኣድሒኑ እዩ፡፡

7. ርክብ መንግስቲ ትግራይ/TDFን መንግስቲ ኢትዮጵያ/ENDFን፡ ተገደደ ኣብቶም መራሕቲ ሰራዊት ምትእምማን ይፍጠር ኣሎ ግዲ እዩ ዘብሉ ነገራት ኣለዉ:: መንግስቲ ፊደራል ናይ TDF ቀለብን መድሓኒት ይክእል ኣሎ ዝበሃል ወረ ኣሎ:: ኣብቲ ምፍታሕ ዕጥቂ እውን ብዙሕ ምህፃፅ የለን:: ርክብ ፖለቲከኛታት ኢ/ያን ትግራይን ኣበይ ደረጃ ኣሎ ምፍላጥ ግን ከቢድ እዩ:: ብወገን ትግራይ ዕዙዝ ስራሕ ዝስራሕ ዘሎ ኣይመስለንን:: ትግራይ ን ኣብይ መሓዛ ብምኳን ካብ ኢሳያስን ኣምሓሩን ንምፍላይ ክትሰርሕ ኣለዋ::

8. ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ፡ ህዝቢ እቲ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ዘጋጠመ ከይድገም ስግኣት ኣለዎ:: እቲ ንእሽተይ ዝተምሃረ ንህወሓት ኮነ ነቶም ካልኦት ውድባት ትግራይ ዝኣምኖም ኣይመስልን:: ኣብ መራሕቲ TDF ዝሓሸ እምነት ኣለዎ:: ሓረስታይ ትግራይ ግን ሀዚ እውን እንተኮነ ብ ኣብዛሓ እምነቱ ኣብ ህወሓት እዩ (እዚ ጥረ ትዕዝብቲ እዩ):: ኣብ መንጎ ሓረስታይ ሓፍቲን ሲቪል እንጂነር ሓውን ካብ ዝሰማዕክዎ ሞገት፤ እታ ሓፍቲ «ደብረፅዪን ዳኣ ይምራሕ:: በይዛእዋ ክሽየምን ውግእ ክመፅእን ሓንቲ፡፡ ምንም ተይበልዐ፡፡ ህወሓት እንዶ ንዝተረፍና እውን ዘትረፈና» ክትብሎ ሰሚዐያ፡፡ ከምናተይ ትዕዝብቲ ኣብ ህወሓት እውን ኣብ ካልኦት ውድባት እውን all or none ናይ ምኳንን ስልጣን ምስ ሂወት ናይ ምትሓዝን ፀገም ኣሎ፡፡ ኩሉ ብዘይ ኣነ ትግራይ ኣይትህሉን ናይ ምባል ፀገም ኣሎ፡፡እቲ ፖለቲካ toxic ይከውን ኣሎ፡፡ ብሰንኪ እዚ ኣብይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ካልኦትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ውልቀ መራሕቲ ህወሓት ከምዝኣቱ ግልፂ እዩ፡፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ውድባት ዘሎ ኣብ መንጎ ውልቀ መራሕቲ ህወሓት ዘሎ ሽርሒ የፍርሕ:: እዚ ንትግራይ ድክምቲ እዩ ክገብራ. ቅልጥፍ ኢልካ ተዘይተፈቲሑ ሓደገኛ እዩ. እቲ ፖለቲካ ከም ባህሊ ተዘይተቀዪሩ ሓዱሽ መራሒ ኮነ ሓዱሽ ውድብ ምንም ኣይቅይርን:: እቲ ሓደ ሰይጣን እቲ ሓደ መልኣክ ኣይኮኑን፡፡

ኣብ መወዳእታ ፎተና ፀላእና ሕድሕድ ህዝቢ ዝግበኦ መንግስቲ እዩ ዝረክብ ኢለ ይኣምን፡፡ ኢርትራውያን ዝገበኦም ኢሳያስ እዩ ተዘየለ ምቀየርዎ፡፡ ኢ/ያውያን እውን ኣብይ፡፡ ተጋሩ ካዓ ዝግበኣና መንግስቲ ክህልወና እዩ ተዘይኮይኑ ንቅይሮ ኣለና::

By aiga