ሙሉጌታ ኣየነው

ትግራይን ሕዝቢ ትግራይን ሎሚ ዝወርዶ ዘሎ መከራን ግፍዒን ከም ሙሁራት፣ ከም መናእሰይ፣ ከም ፖለቲከኛታት፣ ከም መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዜጋታት አፍና ሎጔምና ሱቅ ኢልና ምርአይና፣ጽባሕ ሕዝብና ሕዝቢ ትግራይ ከም “አርሜናዊያን” ህልውንዑ በሪሱ። ካብ መረበቱ ተሓኺኩ እንተይጸነተ ? ብግዜ የለን መንፈስ አብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ጥህሰት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምቅላዕ ድምጺ ንኹኖ።ሓሳበይ ናይ ዝሓለፉ ፴ ዓመታት ፖለቲካዊ፣ስነልቦናዊን፡ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ጸቅጢን ከይአክል, ሎሚ ሕዝቢ ትግራይ አብ ልዕሊ ጸገሙ ብቶም ክኾኑኒ ኢሉ ዝወከሎም መራሕቱ፣ንምግላጹ ዘጽግም ግዕዝይናን፡ ስርቂን፡ ብቀትሪ ማዓልቲ ገንዘቡ፣ስልኩ፡ሃፍቱ ብሌያቡ ይንጠቅ ይውዕል አሎ። ድሕሪ ፍጻመ ጀኖሳይድ ትግራይ፡ካብ ዝሓለፈ ስሕተቱ ክምሃር ድሌት ዘይብሉ ዝመስል ውድብ ህወሓትን፣መንግስቲ ትግራይን ዝሓለፈ ይአክል ንምባል ዘቅርቦ ዘለኹ ጽሑፍ እዩ።

ሓቂ እንታይ ማለት እዩ ?ሓቂ ማለት ብርድኢተይ፣ ሰባት ብናይ ባዕሎም ርኢቶን መረዳእታን ዘቅርብዎ ሓሳብ፡ወይድማ ጭቡጥ ነገር እንትከዉን, መብዛሕትኡ ጊዜ ብዓይኒ ዝርአይን ብኢድካ ነኺእኻ/ኺ ዝረጋገጽ ግሁድ ዝኾነ መረዳእታ ወይድማ መርትዖ ማለት እዩ።እቲ ዝተባህለን፣እትሪኦን፣እትድህስሶን ግሁድ ትሕዝቶ ኮነ መርትዖ በቲ ንስኻ ኮነ, ንስኺ እትአምኑሉ እምነት ዝረጋገጽ ሓቂ እዩ።ነዚ ሓቅነት እዙይ ዝጻረር ወይድማ ዘይቃዶ ዝኾነ ይኹን ዛንታ፡ከም መርትዖ ዝቀርብ ሓሳብ ”ሓሶት”ይኸዉን። ወይድማ  ብወረነት ጥራሕ ይግለጽ።ተአማንነት ይስእን ንስኻ፡ንስኺ ኮነ ንሕና ደቂ ሰባት ብሓፈሻ፡ብናይ ውልቀ ርድኢትናን እምነትናን መዚና ምስቲ ዝርአይናዮን ዝአመናሉን፣ ብሓፈሻ ምስቲ ዝተዘርበና ፈላማይ ተረኽ ይኹን ዛንታ ዘይቃዶን  ዘይሳማማዕ ኮይኑ ክንረኽቦ እንተለና ? ተረኹ ኩሉ ድማ ሓሶት እዩ ንብል።ብሓፂሩ ሓቂ ማለት ውልቃዊ እምነትን ርድኢትን ደቂ ሰባት ማለት እዩ ኢለ ይአምን።

ንምሳሊኡ አብ ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጲያን ብዝገበርዎ ስምምዕ መሰረት ግዚያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኽጣየሽ ተወሲኑ።ወኪላት መንግስቲ ምስ አዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብዝገበርዎ ዘተን ስምምዕን፣ንኹሉ ዝሓቆፈ ግልፂ ዲሞክራሲያዊን ተአማኝ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ኮሚቴ ተመስሪቱ። “እንተይጸመደ አንጎደ” ከምዝባሃል።እቲ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ብመንግስቲ ትግራይ ማለት በመራሕቲ ህወሓት ዝተሸሙ ጥራሕ እዮም።ካብዞም ፱ ዝተወከሉ ብሕዝቢ ተቀባልነት ዝህልዎም እቶም ናይ ሰራዊት ወከልቲ ጥራሕ እዮም።ሙሁራት አይዘተይሉን አይወከሉን።ስቪክ ማሕበራት አይዘተይሉን የለውን። ተናሓናሕቲ ውድባት አይዘተይሉን የለዉን። ይኹንምበር እቲ አቦ ወምበር እታ ኮሚቴ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ንኽቅበሉ ድልዋት ከምዘይኮኑእዩ ዝመስል አገላልጽኡ እሞ ሙሁራት ትግራይ አብ ውሽጢን አብ ደገን ዘለኩም ትኽክል ዶ ትብልዋቶ ? እቲ ተጣይሹ ዝንሄ ኮሚቲ ግልጺ ዲሞክራት አሳታፊን ሕዝባዊ ድጋፍ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊጹ።እዙይ ካፍቲ ልሙድ ዝመፃእናዮ መንገዲ ጥፍአት ዝፍለይ አይኮነን ኢለ ይአምን።ሓቅነት ግልጽነት ዝጎደሎ ዓፋናይ ከይዲ እዩ።

እሞዳአኸ እዚ ኸይዲ እዙይ እታ ንብህጋ ትግራይ ንኽንሃንጽ ዝሕግዝ ውሳነ ደኸእዩ >? መንግስቲ ትግራይከ እዚ ከይዲ ንሕዝቢ ትግራይ፣ንሙሁራት፡ንውድባትን፣ውልቀሰባትን መሰሎም  ይሕልው ዶ ኢሉ ይአምን ?  

ከም ተጋሩ ጠመተ ሂብና እዚ አርእስቲ ንረዳአዮ።

ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ከም ተጋሩ ንማሃር መላእ ታሪኽና ብምእማንን፣ብስንፍናና ዝፍጠሩ ጸጋታትን፣ዕድላትናን ካብ አእዳውና አምሊጦሙና እዮም።ታሪኽና ንፈትሾ፡ጠጠው ኢልና ንሕሰብ።ብፍላይ እዛ ሎሚ አብ ቅድሜናን፣ አብ ኢድናን ዝንሄት ዕድል እንተምሊጣትና ? ነገር ተወዲኡ ካልዐይቲ ኤርትራ ንፈጥር ከምዘለና ንእመን።

እሞ ድማ ተጋሩ ከም ተጋሩ እንሓፍረሉን፣ እንጣዓሰሉን ብዝመጽእ ወለዶ እንውቀሰሉን ታሪኽ ስለ ዝሓድገልና።  ልኽዕ እዩ ሕዝቢ ትግራይ ታሪኻዊያን ጸላእቲ አለዉዎ።ሕማምና አብ ውሽጢ ፬ዓመት ወይድማ አብ ዝሓለፉ ፶ዓመታት፣ወይድማ አብ ዝሓለፉ ፻ዓመታት ዝተፈጥረ አይኮነን። እንታይዳአ ? ብናተይ ርድኢት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ውድቀት ናይ አኽሱም ስልጣነ ኾነ፣ድሕሪ ንግስና “ንጉስ ዘርአያቆብ” ስልጣነ ትግራይና ኾነ ሃይማኖታዊ ስርዓተ ኽብርታትና፣ ቋንቋናን ፊደላትናን እናተበረዙን፣እናተወርሱን እንትኸዱ፣ በቲ እዋን እቱይ ዝነበሩ መራሕቲን፣ መሳፍንትን፣ ጳጳሳትን፣ ቀሻዉሽቲን ትግራይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብዝካየድዎ ስርዓታዊ ናይ መሪሕነት ግደን፣ዉሽጣዊ ርድኢትን፡ታሪካዊነት አመጻጽአ ትግራይ “መሪሕነት ትግራይ” አብ ክንዲ ናብ ዝነበረቶ ብራኸ፣ንምምላስ ዝነበሮም ባህጊ ብግዚኡ ብዝገጠምዎም ጸገማት ወይድማ ዓቅሚ፣ብልሕነት ትግራይና ካብ ዝነበረቶ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ እናቀጸለት ብምኻዳ፣ ናብዚ ሎሚ ዝንሄናሉ ብርኪ ባይታ ዘቢጥና እንሄና። 

ንትግራይ ንመርሕ ኢና ኢሎም ናይ ሕዝቢ ሓላፍነት ዝወሰዱ መራሕቲ፣ ጸገም ሕዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ካብ ዘጥፍእዎ ግዜ ንላዕሊ፣ንስልጣኖምን ንረብሕኦምን ዘጥፍእዎ ግዜ ይበዝሕ ነይሩ ኢለ ይአምን።እዙይ ድማ ብዘመነ መሳፍንቲ፣ ብዘበነ ንጉሳዊያን ኮነ ሎሚ ብዘበነ ዲሞክራሲያዊያን መልክዑ እናተቀያየረ እንትትግበር ዳአምበር፣አብ መሬት ግን ንቲ ማሕበረሰብ ዘዕግብ ወይድማ ሕገመንግስቲዊ መሰል ሕዝቢ ኮነ ፍትሓዊ ስርዓተ ምሕደራ አይርአይናን።

ጸላእትና ሎሚ እቲ ሽርሖም ብዝሓየለን፣ብቅሉዕ ናይ “ዘርኢ ምጽናትን ዄናት” አብ ቕድሚ ዓለም ይፍጽሙልና አለው።እሞኸ አፍና ሎጔምና ዶ ንጽነት ? ወይስ ንሕዝብናን ንሃገርናን ዓው ኢልና ድምጽና ነስምዕ ?

      ሎሚ ሳአን ምዝራብና አብ ልዕሊ ሕዝብና ንዝወርድ ዘሎ መከራን ግፍዒን ጠጠው ንኽብል እጃምና እንተይገበርና፣ ከም ተጋሩ ግዴታና ንሕዝብና እንተየበርከትና ? ጽባሕ ዋይ ዋይ ማለት ትርፉ ጓሂን ሓዘንን ጥራሕ እዩ ክኸውን። ትግራዋይ እዬ እትብል፣እትብሊ ካብ ሕሉፍ ናይ ፴ዓመት ተሞኩሮና ተላዒልና፡እቲ ትማሊ ከም ተጋሩ ንመሰልናን ንመሰል ሕዝብናን ሳአን ምዝራብና፡ አብ ልዕሊ ሕዝብና ክወርድ ዘይግብኦ ግፍዒን መከራን ንኽወርድ አፍና ሎጔምና ዓይንትና ከምዘይ ርአዩ ብምሽፋን ዝገበርናዮ ጌጋ ንኸይድገም ንሕዝብና ድምፂ ንኹኖ።

     ሕዝቢ ትግራይ ከም ሕዝቢ፡መራሕቲ ትግራይ ድማ ከም መራሕቲ፣ተናሓናሕቲ ውድባት ከም ተናሓናሕቲ ንዓና ብቐሊሉ ከምህሩና ዝኽእሉ አብነታት አብ ዓለምና መሊኦምስ ፈሲሶም እዮም። ብቐሊሉኳ ካብ ጎረቤትናን ካፍቲ ፍንጻሕ መሰንገልና ዝኾነ “ሕዝቢ ኤርትራን” መንእሰይ ኤርትራን ተማሂርና ህልውና ሃገርናን፣ርስቲ ዓዲ አቦታትናን፣ አዴታትናን ክነውሕስ እንተዘይክኢልና ? አይኑኡ ሕድሪ ስውአትና አይነዕብርን ጭርሖ ዳኢና ንዛረብ ዘለና ? ሕድሪ ስዉአት ማለትኮ እቶም ብናይ ፲፯ ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ዝተሰዉኡ ልዕሊ ፷፭ሺሕ ስዉአት።

እቶም በእንተ ናጽነት ትግራይ አካሎም  ዝጎደሉ ፻፳፭ ሺሕ፣ሕድሮም ማለትና ዶ አይኮነን ? ዋላኳ ድሕሪ ዓወት ዝግቦኦም ሓገዝን ክብሪን አይርከቡ እምበር ንሕዝቦም አካሎም ዝጎደሉሉ ምኽንያት አለዎምኮ።

ኮላይ እቶም ብናይ “ትግራይ ጀኖሳይድ” ብስንፍና መሪሕነት ህወሓትን፡ብድኽመት መንግስቲ ትግራይን ብአብይ አሕመድን ኢሳያስ አፈወርቒን ዝጸነቱ ልዕሊ ፰፻ሺሕ ተጋሩ ሕድሮም ማለት ዶ አይኮነን ? እሞ ዳአ ሕድሪ ስውአትና አይነዕብርን እንትንብል እንተለና፡ፍትሒ, ርትዒ, ቅንዕነት, ተሓታትነት, ናጽነት, ሰላም, ዘለዎ ሂወትአብ ትግራይና ንኽነግስ ዶ አይኮነን እዚ ኹሉ መስዋእትነት ተኸፊሉን ዝኽፈል ዘሎን ማለት ዶ አይኮነን ?

ትግራይናኸ እዘን ኩለን ዝገለጽኩወን ብቐሊሉ ምስ ሕዝቢ እሂን ምሂን ተባሃሂልካ ክትግበራ ዝኽእላ ማሕበራዊን፣ፖለቲካዊን፡ስርዓታዊን ለውጢ ብምግባር እዬን ክትግበራ ዝኽእላ እሞኸዳአ ትግራይና ምትግባርስ ይቕረሞ፡ናብ መሬት ወሪዱ እዚ ሕቶ እዙይ ብዕሊ ሕዝቢ ትግራይ፡ሙሁራት ትግራይ፡መናእሰይ ትግራይን፡ ዝተፈለየ ሓሳብ እንሄልናሞ ስምዑና እናበሉ ሰማዒ ዝሳአኑ ውድባት ዘሳትፍ ምይይጥኳ ዘየለ።አይኑኡ ሕድሪ ስዉአት አይነዕብርን ጭርሖ ኢና ከም ሕብረተሰብ ንጭርሕ ዘለና ?

ዶስ ከም አመልና ብኻድረታትን፡ናይቲ ስርዓት መገልገልቲ ብሹም ሙሁራት ዲግሪ ጽዒኖም፡ብተን ንሶም ዝውንንወን ቶግ ቲቪ፡ድምፂ ወያነ ቲቪን፡ መጽሄት ወይንን ዝውሃበና፡ናይ ውድብ ህወሓት ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ እናሰማዕናን፡እናጣቓዕናን ከም አመልና እናተጎተትና ዘይትግበር ጭርሖ ውድብን፡መራሕቲ መንግስቲን ከም ገደል ማሚቶ ሕድሪ ስውአትና አይነዕብርን እናበልና ክንጭርሕ ኢና ?

ቓልሲን መስዋእቲን ሕዝቢ ትግራይ ሓደ ውድብ ንምድሓን አይኮነን።መራሕቲ መንግስቲ ሰበስልጣን ንምድሓን አይኮነን።ካድረታት ህወሓትን፡ንኸብዶም ዝሓደሩ ሙሁራትን፡ግዕዙያት ሰብሃፍቲ ንምድሓን አይኮነን።ውሑዳትን ስሱዓትን ነጋዶ፣ጣፍን ሓመድን ሓዋዊሶም ዝሸጡ ርካሻት ነጋዶ ንምድሓን አይኮነን።መንእሰይ ትግራይ ዝኸፈሎ መስዋእቲ አብ ትግራይ ሕገ መንግስታዊ መሰል ተጋሩ ክሕሎ።ስርዓታዊ ምሕደራ ትግራይ ባዕሉ ብዝመረጾም ደቁ ክማሓዳደር።ሕጊ ዝጥሕሱ ገበነኛታት ሰበስልጣን ብሕጊ ክሕተቱ።ግዕዙያት ነጋዶን፡ስርዓተ አልበኛታት ብሕጊ ክምርሑን፣ ፍትሓዊትን ተጋሩ ብፖለቲካዊ ስልጣኖም ዝዕንድሩላ ትግራይ ተጸይፉ፡ብትግራዋይነቱ ዝሕበነላ ትግራይ ንምፍጣር እዩ እዚኩሉ መስዋእቲ ተከፊሉ።

እዚኹሉ አብላዕሊ ዝገለጽኩዎ ናብ ባይታ ወሪዱ ሕዝባዊ ድጋፍ እንትረክብ ትግራይና ሕድሪ ስዉአት ደቓ አኽቢራ ማለት እዩ።እንተዘየለ እዚ ብዘን ተለጠፍቲ ሳምባ ናይ ሓደ ውድብ ዝኮና ሚዲያታት ተጠቒምካ ሕዝቢ ትግራይ ብዘየለ ዕቤት፡ብዘየለ ሰላም፡ብዘየለ ምሕደራ፡ብዘየለ ፍትሓዊነት፡ብዘየለ ዲሞክራሲ ክተታልል እንተፈተንካ ሎሚ ከም ቀደም አይኮነን “ከምቀደም ይመስለክን ውሑጅ ይወስደክን” ዶ በሉ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ዝኸውን። ናብ ፩ሚሊዮን ዝጽጋእ መስዋእቲ ሕዝቢ ትግራይ ዝተኸፍለ ውሑዳት አምባገነናት ስልጣኖም ንምድሓን ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ።

አነ ከም ሓደ ትግራዋይ ዝድንጽወኒ፡ንምእማኑ ዝኸብደኒ ዘሎ ትግራዋይነትና እንርዳአሉን ርድኢት ሕድሕድ ትግራዋይ ?  ንባዕልና ኢና ኢልና እንመዝነሉን ሚዛና ምናልባሽ ካብ ዝግባአና ንላዕሊ ዋጋ እንህብ ዘለና መሲሉ ይስማዓኒሎ። እዙይ ማለት ድማ ተጋሩ(we may give a wrong self image, to our self)  ምናልባት ከም ደቒ ሰባት ርግእ ኢልና ውሽጥና እንሪኤሉ እዋን በፂሕና አለና ኢለ ይአምን።አነ ከም ሓደ ትግራዋይ ርድኢተይ ምስቲ ኢና እናበልና ንነብስና እንዛረቦን፡ውሽጥና ክነእምኖ ንፍትኖን ናይ ብሓቒ ዲናኸ ? አብ መሬት ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ክጣዓዓም አይካአለን።ክንዛረብ እንተለና ተጋሩ አብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ፬ ሓያላን ነገስታት ሓደ ኢና ብዘበነ አኽሱም ንብል፡ሓቒ እዩ ሓወልቲ አኽሱም ታሪካዊ ዝራአይን ዘሎን መርትዖ እዩ።ሎሚ ድሕሪ ፫ሺሕ ዘበን ግን መርፍኳ ክንሰርሕ አይንኽእልን።ቅድሚ ፫ሺሕ ዘበን ሓረስቶትና ብብዕራይ ይሓርሱ ነይም፣ድሕሪ ፫ሺሕ ዘመን ሎሚ ኾላይ ብብዕራይ እዮም ዝሓርሱ ዘለው።

እኒ አሜሪካ ጃፓን አውሮፓ አብ ውሽጢ ፪ሚኢቲ ዓመት ንማርስን ናብ ወርሒን ይውንጨፉ አለዉ።አውሮፓዊያን አሜሪካዊያንን ብምርምር፡ብምህዞ ሕዝቦም የዕብዩ፡ይሕግዙ ናብራ ሕዝቦም ይቕይሩ፣ንሕና ቅድሚኦም ዝሰልጠና ሕዝቢ እናበልና እንጃሃር ተጃሃርቲ ሕብረተሰብ ግን አፈላላይናኳ ኮፍ ኢልና አብ ክንዲ እሂን ምሂን ምባሃሃል አብ ልዕሊ ሓዉና፡ሓፍትና፡ወገና ክፍአትን ተንኮልን ሽርሒን ክንምህዝ እንውዕ ሕዝቢ ኢና።አነ ከም ሕዝቢ እዬ ዝዛረብ ዘለኹ። ቑጽሮም ውሑዳት ዝኾኑ ጀጋኑ፣ፈላጣት፣ርሕሩሃት ቤዛ ሕዝቦ ዝኾኑ ከምዘለዉ እናተረዳእኹ፡ከስምዑ ብዘይምኽአሎም፣ ሰማዒ ስለ ዝሳአኑ ግን ብኽፉአት ተዋሒጦም ይነብሩ ንርእይ አለና።

  ነዙይውንዬ ከም ሕዝቢ ርግእ ኢልና ንሕሰብ ዝብል ዘለኹ። መራሕቲ ዝኾነ ይኹን ሃገር ውጽኢት እቲ ዝውክልዎ ማሕበረሰብ እዮም።ዋላኳ መንግስቲ ማለት ሕዝቢ እዩ ዝብል ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይሃሉው እምበር፣ከከም ሃገሩ እቲ ስርዓተ ምሕደራ ስለዝፈላለ አተገባብርኡ ድማ በቲ ማሕበረሰብዊ ርድኢትን ብርኪ ንቅሓተ ሕሊናን ይውሰን። ንአብነት አውሮፓ፡አሜሪካን ብስልጣነ፡ብቴክኖለጂ፡ብስርዓተ ምሕደራን፡ብአተሓሳስባን ዝበረኸ ብርኪ ስለ ዘለዎም ሓይሊ ኩሉ ግዜ አብ ዒድ ሕዝቢ እዩ።ነፃ ዝኾኑ ትካላትን፣ፈጸምቲ ሕግን፣መውጻእቲ ሕጊን፣ተርጎምቲ ሕግን አለዉዎም። ሓንቲ ሃገር ፍትሓዊትን ዴሞክራሲያዊትን እያ ዘብላ ስርዓተ ምሕደራአ እዩ።እዘን ፫ ትካላትን ከም ፬ይ ድማ ሚዲያ ሕዝባዊነት ዘለዎም እንትኾኑ መሪሕቲ ይመጹ።መራሕቲ ይኸዱ ዝቕየር ኮነ ዝማሓየሽ ሕጊ ወይድማ ሓዱሽ ሓሳብ እንትህሉ ድማ ብተን ትካላት ተዘትይሉ ተኻቲዖሙሉ ብሕጊ ይቕየርን ይጸድቕን።

ናባና ናብ ትግራይ እንትንመጽእ ድማ ናይዚ ስነምሕደራ እዙይ ተቓራኒ ብሹም አብ ወረቐት ጥራሕ ዝተጻሕፈ ፈጺሙ አብ ባይታ ኾነ ብግብሪ ዘይትግበር ስርዓተ ምሕደራን ሕገ መንግስቲን ዘለና ማሕበረሰብ ኢና።

   ንምሳሊኡ ቅድሚ እዚ ናይ ፪ሺሕን ፲፫ዄናት ትግራይን ኢትዮዺያን፣መንግስቲ ትግራይ ምስ ሕዝቡ ኮይኑ መረጻ አካይዱ።ብወገን ኢትዮዺያ እቲ መረጻ አይሕጋዊን ተባሂሉ።መራሕቲ ህወሓት መሰልና ስለዝኾነ መረጻ ክነካይድ ኢና፣ሕገመንግስታዊ መሰልና ይከበር ወይድማ ክኽበር እዩ።ብምባል ሕዝቢ ጎስጔሶም ናብ ዄናት አእትዮሞ። ምስኪን ሕዝቢ ትግራይ ግን ብመሪሕነት ህወሓትን፣ብመንግስቲ ትግራይን ንልዕሊ ፳፭ዓመት አብ በገዛ ሃገሩ ከም ፪ይ ዜጋ ተገሊሉ፣ሕገመንግስታዊ መሰሉ ተገፊፉ ብውሑዳት ሰበስልጣንን ካድረታት እቲ ስርዓትን ንአደዳ ስደትን ሕሱም መነባብሮን  ተዳሪጉ እዩ ነይሩ።ኮይኑ ግን መራሕቲ እቲ ውድብን መንግስቲን ብራዕድን በመጹኻን ዝዓይነቱ ፕሮፓጋንዳ ጎቲቶም ናብ ዄናት እንተእትዉዎ ሕገ መንግስታዊ መሰሉዃ ዝፈልጥ ሕዝቢ አይነበረን ።ንነዊሕ እዋን ኩሉ ማሓውር ብአባላቶምን ቤተሰባዊ ምትእስሳርን ተወዲቡን ተጠርኒፉን ዝካየድ ዝነበረ ስርዓተ ምሕደራ አምባገነናዊ ስርዓት ስለዝነበረ ንመሰሉ ዝጣበቐሉ ሓይሊ አይነበረን።መራሕቱ ግን ብሹም ሕገመንግስቲ ይንግድሉ ከምዝነበሩ ዋላኳ እንተፈለጠ፡ንምንባር ካብ ዝነበሮ ባህጊ ክዛረብ ኮነ ክቃወም ዕድል አይነበሮን።እዙይ እዩ እቲ ንቡር ሓቒ መነባብሮ ሕዝቢ ትግራይ።

 ንሕና ደቑ ድማ ከምቲ ማሕበረሰብ ትግራይ ብፍላይ እቲ መሰረትና ዝኾነ ‘ሓረስታይ” አቦታትናን አዴታትናን እንተይተማህሩ ንዓና አምሂሮም፣ንሕና ከም ውላድ፣ ንወለድና ብቲ ክንበጽሓሎም ዝግብአና እዋን ስለ ዘይበጻሕናሎም ከም ተጋሩ ካብ ተራ ማሕበረሰብ ክሳብ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲን፣ መራሕቲ ፖለቲካን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን፣ሰብ ዋና ሚዲያታት ትግራይን፣ንዚ ኹሉ አብልዕሊ ሕዝብናን ሃገርና ትግራይን ዝወረደ ግፍዕን መከራን ፈላሞት ተሓተቲ ኢና።ምናልባት ከም ኢሊት ሙሁራት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብስርዓተ ሕጊ ዘይክንጥየቕ ንኽእል ንኸውን፣ብስርዓተ ሕሊናን፡ውሽጣዊ መንፈስን ተሓተቲ ኢና።ውጽኢቱ ይኹን ፍርዱ ድማ እንህቦ ባዕልትና ብስነ ልቦናዊ ጣዕሳ፣ብሕሊናዊ ቕንዕና እንምልሶ ኽፍሊት እዩ።ካብናይ ትማሊ ጌጋና እንማሃረሉ ውጽኢት ፍርድና፣ናይ ትማሊ ጌጋታትና ብዘይምድጋም እዩ።ትማሊ ጊዜ ምሳና እናሃለወ፣ጊዜና ክንጥቀመሉ አይካአልናን። ሎሚኸ ?

ንምንታይ ወዲቕና ? ካብ ታሪክ ከምንማሃሮን ናይቀረባ እዋን ውድቀትናን ንፈትሽ ብዮዲት ጉዲት፣ብእዋን ራእሲ ስሑል ሚካኤል፣ብሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ፣ብእዋን ቀዳማይ ወያነ፣ሎሚ ድማ ብእዋን መሪሕነት ውድብ ህወሓት ዝወደቕናሉ ምኽንያት ዋላኳ ብብጊዜኦም ነናይ ባዕሎም ብርኪ አተሓሳስባን ምዕባለ ቴክኖሎጂን ዝተፈላለዩ ጊዜ ዝጠልቦ ኹነታት ይወሰኮ እምበር ኩሉ ግዜ ከም ቀንዲ ምኽንያት እዮም ኢለ ብውልቀይ ዝአምነሉ ምኽንያት፣ ጸላእትና ካባና ሓይሎም እንተይኮነስ ? ድሕሪ ውግእ ወይድማ ድሕሪ ዄናት ብዝፍጠሩ ሓድነታዊ ድኽመትናን፣እቲ ዄናት ብዝፈጥሮ ማሕበራዊን ምሕደራዊ ድሌት መራሕቲን፣ድሌት ሃይማኖታዊያን ቤተእምነት ዘሕድርዎ ጸቕጥን እዩ ኢለ ይአምን።

እዙይ ኢለ ግን ውልቀሰባት ድማ ዘይናዓቕ ናይ መሪሕነት ግደ አለዎም።ንምሳሊኡ ክቡር ጠ/ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንውድብ ህወሓት ብመሪሕነት ምስተረከቦ ንዑኡ ዝመስልዎ ናይ ፖለቲካ ማሓዙት አኻኺቡ “ማሌሊት” ብምፍጣር ናይ ባዕሉ ርእዮተ ዓለማዊ እምነት ብምምሃዝ “ልምዓታዊ ዲሞክራሲ” ዝሹሙ መምርሒ ብምቕራጽ ዕላምኡ መሪሑ፣ትግራይ ነጻ ምስአውጽኡ ድማ “ኢ.ሕ.አ.ዴ.ግ” ብምባል ካሊእ ግምባር ፈጢሩ ብዝአመነሉ ፖለፒካዊ መስመር ንኢትዮዺያ መሪሑ አብ ዓለም ዝተመስከረሉ ኢኮኖሚን፡ ሃገርን ብግብሪ አርኢዩና ሓሊፉ።ድኽመታት አይነበሮን ግን ክብል አይክእልን።ካፍቲ ዝዓበዬ ድኽመቱ እቲ ሓደ ዕላምኡ ከምኡ ኮይኖም ዝርድእዎ ብጾቱን፣ ምስ ሓለፈ ከምኡ ኮይኖም ዕላምኡ ክቕጽልሉ ዝኽእሉ መራሕቲ አይፈጠረን።ናይዙይ ውጽኢቱ ድማ መለስ ምስ ተሰወዐ፣ኢሕአዴግ ኮነ ህወሓት ምስኡ ሞይቶም። ድሕሪኡ ዝመጹ መራሕቲ ፈለማ ዕላማን፣ፖሊሲታት ኢሕአዴግ ከም መለስ አይተረድእዎን፣ብምቅጻል ብፖለቲካዊ መሪሕነቶም እንተይኮነ ናብ መንግስታዊ መሪሕነት መፂኦምስ፣ ብዘለዎም ፖለቲካዊን፡ድርጅታዊ ተአማናይነቶምን እዩ ነይሩ።ውጽኢቱ ድማ አብ ውሽጢ ፮ዓመት ኢሕአዴግ ፍርክስክስ ኢሉ ክኸትምን ብብልጽግና ክዋሓጥን ዝኻአለ።

ብወገን ህወሓት ኮላይ ካድረታት ብዝነበሮም ወገናዊነትን፣ውድባዊ ተአማኒነትን ናብ ሓላፍነትን መንግስታዊ ስልጣንን ስለዝመጹ፣ንቲዕላማ እቲ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ዘይፈልጥዎስ ንቲ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሕዝባዊ ሓላፍነትን ኮላይ አጋይሽ እዮም።ንምሳሊኡ እዚ ሎሚ ንውድብ ህወሓት ዝመርሕ ዘሎ ዶ/ር ደብረጼን ገሚካኤል፣ብሞይኡ ናይ ቴክኒክ ሙሁር እንትኸውን ፖለቲካዊ ብቕዓት መሪሕነቱ ግን ንትግራይን ሕዝባን ዝምጥን እዩ ኢለ አይአምንን፣ብሞይኡ ንትግራይ ኮነ ንዓለም ከግልግል ይኽእል እዩ።ብቕዓት ፖለቲካዊ መሪሕነት ግን አይናቱን። ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፖለቲካዊ መህዞ ምሂዙ። ብናይ ባዕሉ ብልሒን ጥበብን መሪሑ ሕዝቡ ከድሕን አይካአለን። ዋላቶም ምስኡ ዘንሄዉ መራሕቲ አመፃጽኦኦም ተመሳሳሊ ስለዝኾነ ትግራይና ሎሚ አብ ድንግርግር አትያ ብትካቦት ናይ አብይ አሕመድ ትትንፍስ አላ።

ከመይ ጌርናኸ ንአርሞ ?ከም ውልቀሰብ ነዚ ሎሚ ወሪዱና ዝንሄ ውድቀትና ክንእርመሉ እንኽእል ብሓደን፣ሓደን ናይ ገዛ ዕዮ ጥራሕ እዩ። ከም ተጋሩ ካብ ውሽጥና ፈለማ ማንነትና፡ብርኪ ንቅሓተ ሕሊናና ብፖለቲካን ብእምነትን ማሕበራዊ ሓላፍነትናን ንጹር ውልቓዊን፣ማሕበራዊ ርድኢትና ምፍላጥን ምእማንን የድልየና። ከም ደቒ ሰብ ተፈጥሮዋዊን ሕጋዊን ከም ደቒ ሰብ ናይ ምንባር መሰልና ንፍለጥ።እዘን ፪ መሰላት ማንም ዝህበናን፣ዘሕድገናን ውልቀሰብ፡ውድብ፡ኮነ መንግስቲ ከምዘየለ ብውነ ተረዲእና ንመሰልና ጠጠው ንበል።

ተፈጥሮ ኮነት፣መንግስታዊ ሕገመንግስታዊ መሰልና እንትንጥይቅ፣ምስቲ መሰል ዝመጽእ ግዴታ ኮላይ ስለዘሎ ከም ውልቀሰብ ይኹን ከም ማሕበረሰብ ሃገራዊንብሕታዊን ግዴታና ንወፃእ።ሐደ መሰሉ ዝፈልጥ ማሕበረሰብ ንዕቤት ሃገር እንኮ ድልዱል ሓይሊ እዩ።

ብዘይ ፍላጥ ዝተተኽለ ስርዓተ ምሕደራ የለን ከም ተጋሩ ካብዚ አቲናዮ ዝንሄና ውድቀት ክንወጽእ እንተደሊና ርግእ ኢልና ብምሕሳብ አብ ልዕሌና ዝተፈጸመ ደጋዊ ን፣ውሽጣዊን ኢልና ፈሊና፣ሎሚ ናብ ውሽጣዊ ሕመቅና፣ ወጽዓን ግፍዕን አምባገነናዊ ስርዓተ ምሕደራ ብውነ ንርአይ፡ንፈትሽ፡ንረዳእ፡ንፍረድ፡ንወስን።አብ ዘለናዮ ጠጠው ኢልና ንምንታይ ? ንበል ንአብነት ትግራይ ብሕገመንግስታዊ ስርዓተ ምሕደራ እትምራሕ ሃገር እያ። ንኹሎም ስርዓተ ምሕደራ ሕጋዊ አሰራርሓ አለዎም።ካብ ሕጊ ንዝወጹ መማሓደርቲ ኮነ ተራ ማሕበረሰብ ዘማሓዳድር ሕጊ እናሃለወ፣ መራሕቲ ኮኑ ሰበስልጣናት ዘይሕተቱላን፡ዘይጥየቑላን ሃገር ከምዘላትና ድማ ኩላህና ንፈልጥ። ንምንታይ ሕጊ ከምዘይኽበር ? ንምርዳእ ድማ እቶም አብ ሓላፍነት ዝንሄዉ ኾነ እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ወገናት ንቲ ሒዞሞ ዝንሄዉ ሓላፍነት ኮነ ስልጣን ብከመይ ከ ረኪቦሞ ? ከምቲ አብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ብብቕዓቶም እንተይኮነ ረኺቦሞ ? ብዘለዎም ውድባዊ ወይድማ ቤተሰባዊ ምትእስሳርን ተአማንነቶምን ስለዝኾነ ተጸዋዒነቶም ንቲ ሕገመንግስቲ እንተይኮነስ ነቲ አፍቲ ሓላፍነት ዘቀመጦም ውድብ ወይድማ ኔትዎርክ እዩ ዝኸውን።እምባአርከስ ጸገም ምሕደራዊ ስርዓት ትግራይ ለውጢ ውይ ምምሕያሽ ዘይርእየሉ ሕጊ ዘይኽበረሉ ዋና ምኽንያት ግልፂ እዩ።

ንምሳሊኡ አብ ትግራይና ብቕሉዕ አሰራርሓ ዝትግበር መርትዖ ከቅርብ።ሓደ ባዓል ስልጣን መንግስቲ ትግራይ አብ ሓደ ከተማ ብሓላፍነት እንትሰርሕ ብሕዝቢ ቅሬታ፣ወይድማ ብጥሕሰት ሕጊ እንተተወንጂሉ? ብመስርዕ ፍትሕን ርትዒን ብዝተወንጀለሉ ገበን ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክጻረ እዩ ዘለዎ።ይኹንምበር አብ ትግራይና ሓደ ባዓል ስልጣን ቅሬታ እንትቐርቦ ናብ ሕጊ እንተይኮነ ዝቀርብ፣ቦታን ከተማን እዩ ዝቅይር።አብ አኽሱም ዝተኸሰ ባዓል ስልጣን ንአላማጣ ከተማ ይዛወር ማለት እዩ።

እዞም ብገበንን ብግዕዝይናን ዘጨቀዩ ካድረታት መማሓደርቲ፡ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ሓንሳብ አብ ጥሕሰት ሕጊ ምስጣሓሉ፡ ብዘይካ ናብ ዝኸፍዐ ወንጀልን ክራይ አካብነትን እናጣሓሉ ምኻድ ? ካብ ገበኖም ክእረሙ አይራአዩን። ብመራሕቲ መንግስቲ ኾነ መራሕቲ ውድብ ኮላይ ግምገማን ተሃድሶን እናተባሃሃሉ እቲ ዝተኸልዎ ስርዓት አብምቅጻል ዳአምበር ንኽማሓየሹ ባህጊ የብሎምን።ምኽንያቱ ድማ ቀዳማይ ብግዕዝይና ዝጨቀዩ ፈጸም ቲን፣ ተግበርቲን እቲ ስርዓት ስለ ዝኾኑ። ከምኡውን ዘውግዶም ሓይሊ ከምዘየለ ስለ ዝአምኑ እዩ።

እቲ ካልአይ ድማ ዋላ ክማሓየሹን ካብ ስሕተቶም ክእረሙ እንተደለዩ፣ ቅድም ብዝገበርዎ ጥሕሰት ሕጊ ብሓለፍቶምን ብቲ ዝሾሞም ውድብን ኮነ መንግስቲ ገበኖም ስኑድ ስለዝኾነ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መማረጺ መገልገልቲ እቲ ስርዓት ንክኾኑ ይግደዱ።ኢለ ይአምን ብወገነይ። እምባርከስ ጸገም ትግራይና እዙይ እዩ።መንግስቲ ትግራይ ኮነ ውድብ ህወሓት ንዝሓለፉ ፴ዓመታት ዝተኸተሎ አንፈትን፣ዝዘርገሖ ስርዓተ ምሕደራን እዙይ ይመስል። ከምቲ ኩላህና እንፈልጦ ውድብ ህወሓት ክንደይ ግዜ ዘይተሓደሸ ? ክንደይ ግዜ ኸ አብ ዕጽው አኼባ ዘይተገማገመ ? ወዮ ዳአ “ውኃ ቅዳ ውኃ መልስ” እናኾነናምበር ምሕዳሽ ምንዛዝ፡ምእራም ብወረን ብግብሪን ይፈላለዩ እዮም።

እዙይ ድማ ብሓፈሻ አብ ኢትዮዺያ፡ብፍላይ ድማ አብ ትግራይና ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሕገመንግስቲ እዩ።ናይ እዙይ ተማሳሳሊ ጌርና ኽነነጻጽሮ እንኽእል ካሊእ አብነት ሃይማኖታት ኢትዮዺያ ንውሰድ ጳጳሳት፡ካህናት፡ዲያቆናት ኢትዮዺያ ብሓደ ኢዶም “መስቀል” ብካሊእ ኢዶም “ክላሽ” ሒዞም አብ ዄናት እንትሰብኩ ርኢና።መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ሰላም ሓድነትን ምትሕልላይን ይቕሬታን እንተምህር፣ቀሻውሽቲን መማህራን ሃይማኖታዊ ትካላትን ድማ ብሃይማኖት ዘይፍቀድ አስተምህሮ ንምንታይ የምህሩ እንተኢልና ? እዞም ቀሻውሽቲ እዚኦም እቲ ሃይማኖት “ይሰብክዎ ዳአምበር ብግብሪ አይነብርዎን”ብግብሪ ክትግብርዎ አይኽእሉን።ብፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ ኢትዮዺያ ኮነ፣ትግራይ ኮላይ ተመሳሳሊ ስሕተታት እዩ ዝፍጸም ዘሎ።

 ተጋሩ ውሽጥና ንርአይ ምኽንያቱ ድማ፣ለውጢ ካባይ፡ካባኺ፡ካባኻ ክመጽእ አለዎ።እዚ ናይ ሎሚ ውድቀትና ናይ ሓደ ውድብ፡ወይ ናይ መንግስቲ፡ወይ ናይ መራሕቲ ጥራሕ አይኮነን።ከም ማሕበረሰብ ኩላህና ዝወደቅናሉ እዋን እዩ። ካብዙይ ንምውጻእ ድማ ማሕበራሰባዊ ናይ አተሓሳስባን፡ማሕበረሰባዊ ናይ ስነልቦናዊ ለውጢን የድልየና አሎ ኢለ ይአምን።

ብኸመይ ?ንዝብል ሕቶ ቀሊል እዩ።እቲ ቀዳማይ ክንገብሮ ዝግባአና ምንቅስቃስና፣ ሰነምግባራትና፣ ቃላትናን፣ ውሳነታትናን ቅድሚ ምትግባርና ሳዕቤናቶም ንውልቅናን ንካልኦትን ብዘስዕብዎ ውጽኢት ክንመዝኖም ንፈትን። ጥንቃቀ ንግበር። ብእንግሊዘኛ ቋንቋ (Awareness)አዌርነስ ነሕድር።ኩሉ ምንቅስቃስናን ተጋብርናን ምስ ስድራና፣ምስ ጎራብትና፣ምስ ቁሸትናን፣ ምስ ሃገርናን ከምዝተሓሓዝ ብምርዳእ አነ፡ንስኻ፡ንስኺ ኩላህና ብንሕድሮ አዌርነስ አብ ውሽጢ ሕድሕድና ብርሃን ምርአይ ክንጅምር ኢና።ናይ ውልቀሰባት ለውጢ፣ናብ ናይ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ክዓብይ ክምዝኽእል ንእመን።በቢ ዘለናዮን፡በዝረኸብናዮ አጋጣሚ ብዛዕባ ለውጢን፣ብዛዕባ ዕቤት ትግራይና ንዛረብ፣ንጨርሕ፣ንሕለም።ዝኾነ ይኹን ሕማቅ ቃላትን፣ሕማቅ ስነምግባርን ንጸየፍ።ሕማቅ ንዝገብሩ፣ መሰሎም እንተይነኻእና ንኽእረሙ ንምከር፡ንሓብር።

ንምሳሊኡ

፩)ታክሲ ወይ ባጃጅ እንትንሳፈር እቶም ገናሕቲ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኽፍሊት እንትሓቱ ንምንታይ ? ኢልና ንመሰልና ጠጠው ንበል።

፪)መኽበርቲ ሕጊ ፖላዊስ ኮነ፣ፌደራል ፖሊስ መሰልና ብዝትንክፍ እንተተአናጊዶሙና ጌግኦም ነንገሮም፣መሰልና ንኸይጋሃስ ንባዕልና ንጣበቅ።ከምኡውን ንመሰል ካልኦት ብረብሓ ትግራይ አሚትና ንቃለስ።ብኸምዙይ እዩ ሕድሪ ስውአት ዝድበስ።

፫) ሕዝባዊ ትካላት ከም ቤት ፍርዲ፣መዘጋጃ፣ሕክምና፣ቤት ትምህርቲ፣መብራህቲ፣ስልኪ ዝመሳሰሉ ናይ ሕዝቢ መገልገልቲ ንዝፈጥሩልና ዘይሕጋዊ ውጻእ ውረድ፣አብ ክንዲ ብዝምድናን፣ብጉቦን ብሕጋዊ አሰራርሓ ንኽፍጸመልና፣ ሕገመንግስታዊ መሰልና ብምዃኑ ብቅንዕና ንሕተት።መሰልና ብጉቦ አይንግዛእ።ናይ ምሕታት ሕገመንግስታዊ መሰልና ንጠቀመሉ።ልዕሊ ፰ሚኢቲ ሽሕ ሕዝብና ንምንታይ ድዩ ተሰዊኡ ? ንመሰል ሕዝቦም ዝተኸፍለ መስዋእቲ እዩ።ነኽብሮ፡ብአግባቡ ድማ ንጠቀመሉ።

፬)አብ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ሓላፍነት ዘለው ሰበስልጣን፣ዋና ስርሖም ንሕዝቦም ምግልጋል ስለዝኾነ፣ ብአግባቡን ብሕጋዊነትን ንሕዝቦም ከገልግሉ እዮም አፍቲ ሓላፍነት ዝንሄዉ።ከምኡውን ንቲ ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ማሃያ ዝኽፈሎም፡ሕዝቢ ትግራይ ብዝኸፍሎ ግብሪ እዩ።እዙይ ማለት ድማ አነ፡ንስኻ፡ንስኺ ብንኸፍሎ ቀረጽ መንግስቲ እዩ።ስለዝኾነ ሕዝቢ ዝኸፍሎም መገልገልቲ ሕዝቢ ምዃኖም ተረዲእና፣ ንዝገብርዎ ስራሕ አኽቢርና፣ ንዝጋገይዎ ጥሕሰት ሕጊ ድማ ከም ሕዝቢ ክንጻወሮም የብልናን ነቃልዓዮም።ብእዋኑ ክእረሙ እንተዘይክኢሎም ናብ ዝምልከቶ አካል አሕሊፍና ንሃቦም።ለውጢ እንተዘይተጌሩ ሚዲያታት ብምዕዳም ናብ ሚዲያ ነቃልዓዮም። ሚዲያታት ትግራይ ከቃልዕዎ እንተዘይክኢሎም፣ሎሚ ሚዲያታትና እናዓበያ ይመጻ ስለዘለዋ ከምኒ አኽሱማዊያን(Axumawian) ቲፒም(TPM) ደደቢት(Dedebit) ያበለ(Yabele) ዩምዲ(UMD) ዝመሳሰላ ሚዲያታት ሰለዘለዋና ናብዘን ሚዲያታት ብመርትዖ ዝተደገፈ ሓበሬታ እናሃብና ኩላህና ትግራይና አብ ዳግመ ህንጸታ እጃምና ክነብርክት ይግባአና ኢለ ይአምን።

ናብ ዝኸበርኩም ውድባት ትግራይ ብሓፈሻ፡ትግራይና ብናይ ደገ ጸላእቲ ተደፊራ አይትፈልጥን።ዘይምዕዳል ኮይኑ ግን ካብ ውሽጣ ዝፈረዩ ጀጋኑን በላሕቲን መራሕቲ ክተፍርይ አይካአለትን።እንተፍረየት ውን አብ ፻ዓመት ፩ መራሒ ይውጻአልኪ ተባሂሊ ዝተረገመት እያ ትመስል። ሕሉፍ ታሪኽና ዝነግረና እዙይ እዩ።ዝተፈልየ ሓሳብ ማለት ንዝርድኦን ንጥበበኛን ተወሳኺ ሓይሊ እዩ። አብ ትግራይ ግን ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ውልቀሰብ ይኹን ውድብ፣ከም ጸላኢ ዝርአየላ ሃገር እያ።ብዕሊ ጉርዲ ዝለግቦምን፣ዘይለግቦምን እናተባህለ ዝድረፈላ ሃገር እያ።መራሒ ውድብ ዕሉል አምባገነን፣ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ተፃረፍቲን ቆዘምቲን ዘፍረየት ሃገር እያ።ሚዲያታት ትግራይ ናይ ሞያ ብቅዓት ዝጎደሎም ግበሩ ዝተባሃልዎ ኩሉ እሺ ጎይታይ እናበሉ ዘጣቅዑ፣በቲ ኻሊእ ድማ ሕድሪ ስዉአትና አይነዕብርን እናበሉ እዝኒ ሕዝቢ ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ተጸሚዶም ዝውዕሉ ትንፋስ ሓደ ውድብ እሞዳአ ብኸመይ እያ ትግራይና ካብዚ ወዲቃቶ ዝንህት ሓሳረ መከራ ክትወጽእ ? ትግራይና ካብዚ አቲያቶ ዝንሄት ውድቀትን፣ውርደትን እትወጽእ፡ ኩላህና እዚውርደት ናይ ሕድሕድና ድኽመትን ውድቀትን ምዃኑ አሚና ካብ ውድቀተይ ክትስእ አለኒ።አነ ናይ ግብሪ ትግራዋይ እምበር ናይ ጃህራን፡ሓሶትን ትግራዋይ አይኮንኩን ኢልና ብዉነ ምሕሳብ እንትንጅምር እዩ።   

የቐንየለይ ከም ሓደ ፈታዊ ዓዱ ትግራዋይ ድምጺ ሕዝበይ የስምዕ አለኹ።

ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር መንእሰይ ትግራይ ሕልሙ ከሳኽዕ እዩ።

ትግራይ ትስዕር

02/13/2023

[email protected]

By aiga