ብ ሙሉጌታ

ውድብ ህወሓት፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ባይቶና፣ውድብ ናጽነት ትግራይን፣ኢሮብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን አቐዲመ ዝኸበረ ሰላምታይ የቅርብ።ብምቅፃል ዘለኒ ትምኒት ፖለቲካዊ ባህገይ፣እሞ ድማ ንመጻኢት ብርህቲን፣ምዕብልቲን ትግራይ ይጠቅም ዝብሎ ሓሳበይ ክገልጽ ስምዑኒ።

ብወገነይ ትግራይና ፫ ጥንኩራት ፖለቲካዊ ውድባት የድልያአ ዝብል እምነት አለኒ።

እቲ ቀዳማይ ፖለቲካዊ አረአእያ ወዲ ሰብ ዝውሰን በቲ ውልቀሰብ ወይድማ በቲ ናይ አባላትን ውዳበ ፖለቲካዊ ባህጊን ድሌትን ስለዝኾነ፣ ትግራዋይ ደስ ዝበሎን ዝአመነሉን “አይዲዮሎጂ” ንኸራምድ አሚንካ ምቕባል የድልይ ኢለ ይአምን።

እዙይ እንትኸውን ኩሉ አብ ዲሞክራሲያዊ እምነት ሕድሕድና ክዕምብብ ይኽእል።ንንሕድሕድ ውድባት ናይ ካልኦት መሰል እንትተኽብሩ፣ብተቃራኒኡ ድማ ካልኦት ውድባት ንዓኹም የኽብሩኹም።እዙይ ፖለቲካዊ እምነት ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ኻፍቶም ክብርታት መግለጺ ትግራዋይነት ዋና ባህልናውን እዩ።

እዙይ እንታብ በልኩ ትግራይና ዘድልዩዋ ፫ ጥንኩራት ውድባት እዬን ኢለ ድማ ይአምን።

     1)እቲ ቀዳማይ ከም ውድብ (ህ.ወ.ሓ.ት) ዝበለ ብኢትዮዺያዊነቱ ዝአምን።ሶሻሊስታዊ ፖለቲካል አይዲዮሎጂ ዝኽተል እንትኸውን፣አብዚ ሎሚ ዝንሄናሉ ዓለማዊ ዕቤትን፣ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለን እሞ ድማ ምስቲ ኢትዮዺያ ዘውረደትልና ናይ ዘርኢ ምጽናት ጆኖሳይዳል ዄናትን አዛሚድና ሕዝቢ ትግራይ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ኸ ይቕበሎ ዶ ? ወይስ ይነጽጎ ንቲ ውድብን አባላቱን ዝሕደግ ኮይኑ፣ቀሊል ዘይባሃል ብስምዒት ውድብና ማዓርና ዝብል ተጎታቲ፣ተረባሒን አባላትን ደገፍቲን ከምዘለዉዎ አብ ግምት ብምእታው፣ጉርሒን፣ጥበብን ዝተመልኦ ፖለቲካዊ አስተምህሮ እናሃብካ ብቐሊሉ ክምለሱ ዝኽእሉ ከምዝኾኑ ተረዲእኻ ምስራሕ ዘድልዮ ገዛ ዕዮ ንተናሓናሕቲ ውድባት ይክውን።

   2)እቲ ካልአይ ድማ (ብው.ና.ት) ዝካየድ ሓርነታዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ይኸውን።ብፍላይ ውናት ምስቲ ዘለዎ ሓፂር ዕድመ እንትራአይ ብጣዕሚ ዝድገፍን፣ባህጊ መንእሰይ ወለዶ ዝጠልቦ ፖለቲካዊ ቓልሲ ዝተሓንገጠ ውድብ ስለ ዝኾነ፣ ናይ ግዜ ጉዳይምበር ዕላምኡ ከምዘሳኽዕ ዝጣራጠር መንእሰይ የለን።ከምቲ ኩላህና እንሪኦ ዘለና ድማ ውናት ባይትኡን፣ተሰማዕነቱን እናጎልበተ ይኸይድ ስለዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ንኽሳተፍን፣ንኽውደብን፣ዝግብኦ ጉልበታዊን፣ ፋይናንሳዊን ሓገዝ ንኽንገብር ጠንኪርኩም ስርሑ እብል።

ብፍላይ ንዳያስፖራ ትግራይ ተበጻሒነትኩም ከምቲ ዝድለይ ስለዘይኮነ፣ ንኽንውደብ ኮነ ንኽንሕግዝ አንፈት ሓብሩና። 

  3)እቲ ሳልሳይ ብወገነይ ክኸውን አለዎ ዝብሎ ናይዞም ክልተ ውድባት ማዕኸል ዝገበረ፣ምስ ኢትዮዺያ “ብኮንፌደሬሽን” ዝብል ፖለቲካዊ መስመር ዝሓዘ ውዳበ እንተዝህልዉ፣ሕዝቢ ትግራይ ዝበለጸ መማረጺ ከምዘለዎ አሚኑ ብናጽነት ክነብር ይኽእል እዩ ኢለ ይአምን።ከምዙይ ዘብለኒ ዘሎ እቲ ማሕበረሰብና ዘለዎ ፖለቲካዊ ርድኢት ንምዕባይን፣ንረብሕኡን፣ ንጉድአቱን ብውሽጡ አሚንሉ ንኽውስን ስለዝጠቕሞ እዩ።እዙይ ንምግባር ድማ ውድባት ወይ ግምባር ክፈጥሩ አለዎም።ወይድ ክዋሃዱ አለዎም።ብዓይኒ ፖለቲካ ስልጣንን ሃፍትን ጥራሕ ብዝሓስቡ ገበጥቲ ተደፊእናን፣ተገዲድናን እንውስኖ ውሳነ ዘይሩ ዘይሩ ሳዕቤኑ ንሕዝብና እዩ።

ከም ጽቡቕ መርትኦ ሕዝቢ” ኤርትራ” ምውሳድን፣ምርአይን ይካአል። ሕዝቢ ኤርትራ ሎሚ ካብ ዘለዉ ደቂ ሰባት ንታሕቲ፣ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ ዝኾነ ናብራ ይነብር አሎ።ምኽንያቱ ድማ ናጽነት ኢሉ ደቁ ገቢሩ።ባርነት ጽዒኖምዎ። ነዙይ እዩ ውድባት ትግራይ ሎሚ አብ ኢድኩም ዝንሄ ዕድል ተጠቐሙሉ።ሕበሩ ስመሩ፣ተዛተዩ።እዚ ሎሚ መንግስትነቱ አረኪብ ዝመጸ ውድብ፣ ካፍቲ ንሱ ዝአምኖም ፈተውቲ ንላዕሊ፣ብሕዝቢ እተተፍዐን እተነጽገን ውድብ እዩ።ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ምሕዳሽ፣ ኮነ ለውጢ ናፍቲ ዝነበሮ ኽብሪን፣ተአማንነትን ከድይቦ፣ወይድማ ክመልሶ አይኽእልን። እዚ ውድብ እዙይ ሚዲያታት ትግራይን (ድምፂ ወያነን፣ቴሌቭዥን ትግራይን) መተንፈሲ ሳምብኡ። ሓደሓደ ናይ ዳያስፖራ ሚዲያታትን ተጠቒሙ ክዕፍንን፣ከታልልን ይኽእል እዩ።ኮይኑ ግን ንስኻትኩም ብትገብርዎ ምንቅስቓስን፣ዘይሕለል ቓልሲን ግን ሕዝቢ ትግራይ ክተዕስሉ ትኽእሉ ኢኹም። 

ንሶም ናብ ዘጻወድልኩም መጻወድያ አይትእተዉ።ዕላማኹም ብዝረኸብኹሞ ሚዲያ ግለጹ።ሕዝቢ ብኸመይ ክሕግዘኩም፣አባል ክኸውን ከምዝኽእል ሓብሩ።ሚዲያታት ትግራይ አቓልዕወን።ከየንቲ፣ሙሁራት፣ሲቪክ ማሕበራት ዋላ መስዋእቲ እናከፈልኩም አምህሩ። ካብ ፖለቲካዊ ሓሜትን፣ ክትዕ በለካን፡ለኽዐካን ውጹ።መሰል ውልቀሰባት አኽብሩ፣ብዝረኸብኩሞ ዕድል ሕዝብኩም አምህሩ። አጆኹም።አጆና !

ትግራይ ትስዕር ማለት ጭርሖ ጥራሕ አይኮነን፣ንኽትስዕር ኩላህና እጃምና ንግበር !!

ብቅልጽምና ዝብል ናይ ትግራይ ጭርሖ ንቐይሮ፣ብብልሕናን፣ብርእስናን፣ብጥበብናን ንበሎ !!

ሕድሪ ጀጋኑ ስውአትና አይነዕብርን ማለት ንፍትሒን፣ንርትዕን፣ንዲሞክራሲያዊት ትግራይ፣ንነብር ማለት እዩ !

መንእሰይ ወለዶ ትግራይ አያታትካ ዝተጋገይዎ አሪምካ፣ ንደቅኻ እትብህጋ ትግራይ ፍጠረሎም !!

የቐንየለይ

ሙሉጌታ በሪሁ

ካብ ካናዳ

[email protected]

By aiga