ብ ሙሉጌታ

አንታ ጨኒቑና ኮ ?

ትግራይን ሕዝቢ ትግራይን ሎሚ ዝወርዶ ዘሎ መከራን ግፍዒን፣ከም ሙሁራት፣ከም መናእሰይ፣ከም ዜጋታት አፍና ሎጔምና፣ጽባሕ ሕዝብና ከም “አርሜናዊያን” ህልውናና ካብ መረበቱ ተሓኺኹ፣በቢ ሃገሩ ተሰዲድና ቋንቋናን፣ ባህልናን ብደረጃ ኮሚኒቲን፣ቤተእምነትን ጥራሕ እንገልጸሉ ዕድል ምስ ሓዝና ዋይ ዋይ ማለት፣ትርፉ ጓሂን ሓዘንን ጥራሕ እዩ ክኸውን።ትግራዋይ እዬ እትብል እትብሊ ንበርስ አለና።

ሎሚ ካብ ጎረቤትናን ካፍቲ ፍንጻሕ መሰንገልና ዝኾነ “ሕዝቢ ኤርትራን” መንእሰይ ኤርትራን ተማሂርና ህልውና ሃገርናን፣ርስቲ ዓዲ አቦታትናን፣አዴታትናን ክነውሕስ እንተዘይክኢልና፣አይኑኡ ሕድሪ ስውአትና አይነዕብርን ጭርሖ ከምንዛረብ ዘለና ኾላይ ደንፂውናን፣ይድንጽወናን አሎ።ሕዝቢ ትግራይ ክተት ንሕዝባዊ መኸተ ተባሂሉ ዘሎ ሃፍቱን፣ጉልበቱን፣ደቑን እንተይበቐቐ ለጊሱስ፣ሰላም ኮይኑ ብዝብል ሸፈጥ ንዝፍጸሞ ዘሎ ግፍዒን መከራን፣ ሳአን ዝዛረበሉ ናብ ዝኸፍዐ ስነልቦናዊን፣ኢኮኖሚያዊን፣ዘርአዊ ጽንተትን፣ስደትን ክአቱ ?

ንሕና ከም ተጋሩ ካብ ተራ ማሕበረሰብ ክሳብ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲን፣ መራሕቲ ፖለቲካን፣መራሕቲ ሃይማኖትን፣ ሰብ ዋና ሚዲያታት ትግራይን፣ ጊዜ ምሳና እናሃለወ፣ጊዜና ክንጥቀመሉ አይካአልናን። ጊዜዐን ዝጥቀማ ዘለዋ ሚዲያታት ከምኒ ቲፒም፣ያበለ ሚዲያን፣ አኽሱማዊያን ሚዲያንውን እንተኾነ  እቲ ክወሃበን ዝግባእ ጠመተን ድጋፍን ክረኽባ አይንርእይን ዘለና። እዚ ሎሚ ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ‘ፕሪቶርያን፣ናይሮቢን’ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ንጸላእትና ጊዜ መግዝእን፣ሰራዊትን አጽዋር መዐደጊንምበር፣ናይ ባሓቒ ደለይቲ ሰላም ከምዘይኮኑ ንሪኦ አለና።

   ናብ ዝኸበርካ ሕዝቢ ትግራይ ! ሎሚ ጸላእትኻ ሳላ ሕቡርን ስሙርን ሓድነትካ፣ ዋላኳ መሊእኻ እንተዘይ ሳዓርካዮም፣ሓንሳብ አሸባሪ፣ሓንሳብ ከም ዱቄት በቲናዮም፣ሓንሳብ ጁንታ፣ ሓንሳብ ባንዳ፣ እናበሉ ከምዘይ ተጃህሩ፣ ብጎሮሮኦም ሃኒቕካ ናብ ጠረጴዛ ሰላም አምፂእኻዮም ኢካ።ንዙይ ድማ ዋላ ከምቲ ዓለማዊ ሕጊ ዝፈቕዶ ሙሉእ ዘይጎደለ ሰብአዊ ሓገዝን፣ማሕበራዊ ግልጋሎትን ክትረክብ እንተዘይካአልካ።ብቕልጽምካን ብዳያስፖራ ደቅኻ፣ ብሓይሊ ምክልኻል ትግራይን፣ ብደጀን ህዝቢ ትግራይን ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ።ኮይኑ ግን ንሓደ ሕዝቢ መራሕቲ የድልይዎ፣እዞም ሕዝቢ ዝውክሎም መራሕቲ ድማ ድምፂ ህዝቦምን፣ ከለላ ህዝቦምን ኮይኖም መሰል ህዝቦም ናይ ምኽባር ሓላፍነት አለዎም።ሎሚ አብ ትግራይና ዝራአይ ዘሎ መሰከፊ “ውድቀት መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ” ግን ንምእማኑ ጸጊሙና እንሄ።ሕዝቢ ትግራይ ቅድሚ መሊእኻ ምብራስካ መሰልካ ተጠቐመሉ።ባዕልኻ ወስን።ዓበይቲ ዓዲ ዓገብ በሉ።ሕዝቢ ትግራይ አሻሓት ደቅኻ ገቢርካ፣ሎሚውን እናገበርካ፣ንሕና ጥራሕ ንፈልጠልካ እናበሉ ብሜላ ትበርስ አለኻ።

ንምሳሊኡ እቲ ሰላም ኩሉህና ትግራዎት ዋላኳ እንተዘይ አመናሉ፣ከም ሕዝቢ ግን እታ ዝተረኽበትን እናቖንጠሩ ዝህቡና ትካቦትን፣ረድኤትን ኮላይ ጥቕሚ ስለ ዘለዋ ተረባሕቲ ኢና ኢልና ከም ሕዝቢ ተቐቢልናዮ።ይኹንምበር ቅድም ቀዳድም ሰብአዊ ሓገዝን፣ማሕበራዊ ግልጋሎትን፣ ናብ ቅድመ ኹነት ክአቱ አይነበሮን።ኮይኑ ግን ብህብ ዕግት ግን ፈጺሙ ክኸውን አይነበሮን።እዙይ ድማ ብቲ ንሕዝቢ ትግራይ እውክልየ ዝብል መንግስቲ ሓያል ናይ ምቅዋም ድምጺ ክስማዕ ነይርዎ፣ምኽንያቱ እቲ ረድኤት ብአብይ አሕመድ ዝተዋህበ ውህብቶ እንተይኮነስ ብገበርቲ ሰናይ ዝልገስ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ስለዝኾነ።

ካልአይ ሕዝቢ ትግራይ ሎሚ ኢትዮዺያ እትኽልክለና ዘላ መብራህቲ፣ስልኪ፣ባንኪ፣መጓዓዝያ አየር ንዝሓለፉ ፳ዓመታትብመሪሕነትን፣ ርእሲን፣ ጉልበትን ተጋሩ ዝተሃንጹ ውጽኢት ፍረ ቓልሲን፣መስዋእቲ ዕሸላት መናእሰይ ትግራይን ብሙዃኑ ክንክልከል አይምተገበዐን።ይኹን እሺ ተኸልኪልና፣ ከምቲ ብቲ ውዕል ሰላም ዝተፈረሞ ሙሉእ ግልጋሎት ክንረክብ እናተገበአና፣ገንዘብ ሕዝብና ተሃጊሩ፣እናሃለዎ ብጥሜትን ብሕማምን እናሃለቀ፣ከም ሕዝቢ ኤርትራ መገዛ ገንዘቡ “ሕዝቢ ትግራይ” ካብ ፪ሺሕ ንላዕሊ ከውጽእ አይኽእልን።እሞ ዳአ አነ ወኪል ሕዝቢ እዬ ዝብል መንግስቲ ትግራይ አበይ አሎ ? ማዓዝከ እዩ ድምጺ ሕዝቡ ክኸውን ?

ሳልሳይ አየር ንመቐለን ንሽረን ተኸፊቱ ተባሂሉ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ድማ ገደብ ዕድመ ተጌርዎ።መን ጌርዎ ብዘየግድሽ መንግስቲ ትግራይ ብዕሊ ወፂኡ ዶ? ከውግዞን ክቃወሞን  አይንተገቦኦን ? ቤዛ ሕዝቡ ክኸውን የብሉን ፖለቲከኛታትን ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይን ብትዊተር እናወጹ ርሑስ ዓመት ባዓል ይኹነልና፣ካብ ሽረ አራዊት ሰራዊት ኤርትራ አእዱግን አግማልን እናሰረቐ ይወስድ አሎ። እናበሉ ካብ ምቑዛምስ ? ነቲ ማሕበራዊ ፍዳ ዝርእይ ዘሎ ሕዝቢ ትግራይ ዶ ንዓለም ድምጾም ብዕሊ ከስምዑሉ አይንተገበዐን ? መቸም መራሒን ወኪል ልዕሊ 8ሚልየን ሕዝቢ እዬ እናበልካስ አብ ትዊተር ከም ተራሰብ ምጥቓዕ የተዓዛዝብ።

መንግስቲ ትግራይ አፉ ለጔሙ አብ መቐለ እንተተዄይጡስ መን እዩ ዳአ  ንሻዕብያ ካብ ስርቒ ጠጠው ከብሎ ?

ብጀግንነቱ ዓለም ዘገረመ ወዲ “አያታቱን፣አዴታቱን” ነብሪ ተዋጋአይ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይን፣አንቱታን ብምትራፍ ወታደራዊ ላዕለዋይ ጠርዚ ዝዓተሩ “ጀነራላትን ኮነሬላትን” ሒዝካስ ሕዝብኻ እንትባሳበስ፣ሕዝብኻ እንትዋረድ፣ተጋሩ ወለድቲ ጅግና ሰራዊት እንትድፈራስ ብሹም ሰላም አፍካ ሎጔምካ፣ሰራዊትካ ሃጊርካ ዕጥክኻ ኽትፈትሕ።እሞ ድማ ብዝፈረምካዮ ፌርማ ቀሰ ብቀስ ሕዝብኻ እናጸነተስ መራሕቲን ወከልቲ ኢና ባሃልቲ ከመይ አኽኢልኩም ? ንሙዃኑ ሕዝቢ ትግራይ ሳንሳን አቢሎምከ ንዓኹምን፣ንስድራኹምን ከምዝምሕርኹምስ እንታይ መረጋገፂ እንሄልኩም ? ከመይ ጌርኩም ኢኹም ካብ መንእሰይን ውድባት ትግራይን፣ዳያስፖራ ትግራይን ንላዕሊ ንኒ ሬድዋን ሑሴንን፣ ብርሃኑ ጁላን፣ አብይ አሕመድን አሚንኩም ? እረ ንሙዃኑ አሜሪካ ብትህበና ናይ ረድኤት ስርናይ ዲኹም ትግራይ ክተማሓዳድርዋ ? አብ ክንዲ ሕዝቢን መናእሰይን እናማኸርካን፣እናተላዘብካን አብ ረብሓ ሕዝቢ እሂንምሂን እናተባሃልና መፍትሒ ምፍጣር ወከልቲ ሕዝቢ ኢና ባሃልቲ ጠገለ ዘይብሉ ወፍሪ ትዊተር እንታይ ይባሃል መቸም ሓለፍቲን ሰብ ዋናን ትዊተር መፂኦም ንሕዝቢ ትግራይ አየድሕንዎን። ሚዲያ ቴሌቭዥን ትግራይን፣ድምጺ ወያነ ትግራይን፣ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ከም መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ፣ ብደረጅኦም ዝሕተቱሉ እዋን ክመጽእ እዩ።እንተ ከምኒ ትግራይ ኦን ላይን(Tigrayonline)፣ቲምችን(TMH) ሓደሓደ ናይ ዩቱብ ሚዲያታትን ግን፣ ዋላኳ ዝአመንኩሙሉ ሓሳብ ንኽተተሓላልፉ መሰልኩም ዝተሓለወ እንተኾነ፣ ካብዚ ዝወረደ ናይ ፖለቲካዊ አፍ ውሑዳትን፣መሐለውቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ሓደ ውድብን ወፂእኹም፣ አብ ረብሓ ሕዝቢ ትግራይ ብምዕሳል፣ እቲ ሳአን ውሕሉልን ብቕዓት መሪሕነትን፣ሳአን ጉርሒን ጥበብ መራሕቲ ትግራይ፣ ካብ ኢድና ዝወጽእ ዘሎ ዕድላት ንኽእረም ነቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ከም “መስቲያት”ኮይንኩም ሃናጻይ ሓሳብ አብ ረብሓ መጻኢት ትግራይ ዓሲልኩም ዝተፈላለዩ ድምጺ ሙሁራት ተጋሩ ሚዛናዊነቱ ዝሓለወ አስተምህሮ እንተትህቡ፣ ብሕዝብኹም ክብሪ፣ብሞያኹም ዲግሪ፣ብተኸታተልትኹም ፍቕሪ ነትረፍኩም።ዘይምዕዳል ኮይኑ ግን ንኒ ኢቲቪ፣ዋልታ፣ፋናን ሚዲያታት አምሓራን ሳምባ ናይ አብይ፣ዘይሚዛናዊያን፣ተለጠፍቲ እናበልኩም ክተናአእሱ እንትትውዕሉ፣ ንስኻትኩም ካብዘን ሚዲያታት ኢትዮዺያ ዘይትሕሹ ተለጠፍቲን፣መጣቓዕትን ምዃንኩም ዘይምእማንኩምን ዘይምርዳእኹምን ድማ የሕዝን።

 ፍሉይ ጠመተ ክዋሃቦ ዝግባእ አርእስቲ መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ሃገሩ እናራሕርሐ ከሃድም ዝጅምር ዘሎ ንምንታይ ኢልና ንጠይቅ ? ፖለቲካዊ ትዝሕቶ ትግራይ ንርአይ። ጸገም ሕዝቡ መፍትሒ ከምዘይረኸበ መንእሰይ ወለዶ ይርእይ አሎእሞ፣አብ ክንዲ ናብ መንእሰይ ምኹናንን ኢድና ምውጥዋጥ፣እቶም ዝምልከቶም፣ሓላፍነት ዝተዋህቦም መራሕቲ ንውቀስ።ቅድሚ ሕዝብና ምብራሱን ምጽናቱን ዓገብ ንበል።ትግራይና ድምፂ ደቓ ትጠልበሉ እዋን በጺሕና አለና።

ሃናጻይን ብመርትኦ ዝተደገፈ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት መሰል ሕዝብና ይአክል ንበል። ካፍቲ ልሙድ ሕዱር ሕማም አንፈት መቐየርን፣ምሽቑራርርን “ዝተፈልየ ሓሳብ ንዘለዎም ተጋሩ” ንውጻእ ንመንግስትና መስቲያት ንኹኖ። እንተዘይተማሓይሹ ብቕሉዕ ንኾንኖ።ከም ተጋሩ ለኽበጥበጥ ስለ ንፈቱ ኢና ናብዚ ዝንሄናዮ ብርኪ ወዲቕና እንሄና። ደጊም “ከም ተጋሩ ንሓቒ” ጠጠው ብምባል አብ ረብሓ ሕዝብና ጠጠው ኢልና፣ እቲ ብሕዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ አድላይ ዝኾነ እርምቲ ወሲዱ ክቅየር ዝግብኦ ቀይሩ፣ክሕተት ዝግብኦ ብሕጊ ተሓታቲ ጌሩ፣ኩሉ አብ ዓድን አብ ደገን ዘሎ ትግራዋይ ብዝውክል ሕጋዊ አሰራርሓ ነገራት ከስተኻኽል እንተዘይጀሚሩ ? ከምልሙድ “ዒፎዬ አብ ዘለኽዮ አጽቕጢ” ዝዓይነቱ ድኹም መሪሕነት።ካብ ውድቀት ትግራይ አይከድሕነናን።

ከም ውድብ ህወሓት ኮነ ከም መንግስቲ ትግራይ ድማ ፈለማ ብሕዝቢ፣ ቀፂሉ ብታሪክ ተጠየቕቲ ኢኩም። መንእሰይ ትግራይ፣ውድባት ትግራይ ህወሓት፣ባይቶና፣፫ይ ወያነ ኮነ ውናት፣ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት አይክትድሕኑን። አፈላላይ ሓይልን ጸጋንምበር “ወይ ንሶም፣ወይ ንሕና” ዝብል ቅኖናዊ ፖለቲካዊ አንፈት ይአክል። ትግራይ ንኹሉ ትግራዋይ፣ንኹለን ፖለቲካዊ ውድባት፣ንኹሉ ንትግራይ ዝጠቅም ሓሳብ ዘትአናግድ ባይታን፣ ስነልቦናን ዘሓዘለት ብርኽቲ መሬትን ሕዝብን ዘለዋ እያ። ኮይኑ ግን አሰራርሓናን ጠመተናን ካብ ሕሉፍ ተማሂርና አብ መጻኢት ትግራይ እንተድሃብና፣እንተዘተናን ኢሂን ምሂን እንተተባሃሃልናን እምበር፣አብ ሕሉፍ በሰላን ቃንዛን፣ እገለ እዩ ጸላኢና፣እኒ እገለ መጹና፣ እኒ ኹስቶ ከምዙይ ጌሮሙና፣ እናበልና እቲ አብ ኢድና ዝንሄ ዕድልና አይነባኽን  ሚዲያታት ትግራይ ካብ ጣቕዒትን ቁዘማን፣ ብሩህ ሕልሚ ስነልቦናዊ ሕውየት አድሂብን እንተዝዋፈራ፣ቴሌቭዥን ከም ካምሽኦም እናቐያየሩ ናይ ምዝራብ ዕድል ዝረኽቡ ሙሁራት፣ ጠመተኦም አብ ሕሉፍ ጌሮም ቁስሊ ሕዝቢ ካብ ምሽንቋር፣ እቲ በቢ ከተምኡ ዝርአይ ዘሎ ማሕበራዊ ጸገምን፣ድኽመት ምሕደራን፣ስእነት ደሕንነትን ጠመተ ጌሮም ሕዝቦምን መንግስቲን ብሳይንሳዊ ርክብ ከጣመሩ እንተዝሰርሑ ይምረጽ። 

ሙሁራት ትግራይ፣ዳያስፖራ ትግራይ፣ሚዲያታት ትግራይ ሎሚ አፍና ሎጔምና አብ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ በሰላ ሱር እንተይሰደደ ብዓይኒን ረብሓ ሕዝብና መዚና ድምጺ ሕዝብና እንተዘይኮይና፣ እቲ ዝላዓለን ዝኸፍዐን በደል ንፍጽም ከምዘለና ንረዳእ።ንሕና አብ ዓዲ ሰላምን ዲሞክራሲን ኮይና፣ ናይ ናጽነት ትርጉም እናጣዓዓምና፣ ሕዝብና ሳአን ድምፂ ብጥሜትን፣ሕማምን፣ሙሉዕ ዕጽዋን ክባን አእቲዮም እንተጽንትዎ፣ ብፍርሒ ድዩ ወይስ ብኸይብሉኒ፣ ወይስ ፻ካሬ መሬት አብ ትግራይ ከይንኽልከል እናርአይና ዘይምዝራብ፣ ዓገብ ዘይምባል፣ እቲ ብጸላእቲን፣ብናይ ባዕልትና ተወከልቲን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ዕሽሽ ምባል ዳርጋ ምድጋፍ እዩ።

ዓገብ ሳአን ምባልና፣ድምጽና ዓው ኢልና ሳአን ምዝራብ፣ እታ አብ መሬት ዝንሄቶ ሓቒ ሳአን ምዝራብ ክንጸንትን፣ አደዳ ስደትን ክንኸውን ኢና። ከምቲ ንኤርትራዊያን፣ ሻዕብያ አራጢጡ ከም ባህ ዝበሎ ኩላሊቶምን ልቦምን ሂወት ዕሸላት መናእሰያቶምን ብጽንተትን፣ስደትን ይሸጦምን፣ምንጪ እቶቱን ይገብሮምን ዘሎ።አምላክ ይሓሉምበር!  መጻኢና ከም ተጋሩ ካብዙይ ዝሓሸ ከምዝኾነ መንዩ መረጋገጺ ሂቡና ? ስለዝኾነ  “ሕውነት ጠፊኡ ሓሶት ካብ መለኸ, ሓውካ እንትላጸ፣ንስኻም ጭሕምኻ ማይ ልኸ”  አይቐርየካን ከም ማለት እዩ።

ትማሊ ከም የመንን, ከም ሶርያን ከይንኸውን ንጠንቀቕ እንትባሃል ይባጮው ነይሩ። ሎሚ ካብ የመንን ሶርያን አብ ዝኸፍዐ ውድቀት እንሄና። ንሕሰብ ጌጋና ንርአይ?

አነ ብወገነይ ብ88ዓ/ም ንስደት እንትወጽእ።ማለት ድማ ድሕሪ ሰሙን “ጥቂት ጀነራሎች” የመፈንቅለ መንግስት ሙከራ አደረጉ።አብ ዝተባሃለሉ እዋን እዩ።አፍቲ እዋን እቱይ አብ ጨርቃጨርቅ ዋና ቤት ጽሕፈት(Head quartor office of Akaki Textail)ብጽቡቕ ደሞዝን፣ አብ ማእኸላይ ናብራ፣ እዬ ነይረ።ኮይኑ ግን አፍታ ሰሙን ንሳ አብ ከተማ አዲስ አበባ ዝነበረ ፍርሒን፣ዘይምርግጋእን ጥሕሰት መሰል ውልቀ ሰባትን፣ኢ ፍትሓዊነትን እናኸፍዐን፣ፍርሒ እናሓየለን ምስከደ, ከም ዜጋ ቅሳነት ምስ ስአንኩ ? ሃገር ናይ ውሑዳት አምባገነናት፣ምዃና ምስ ተረዳእኹ,አምባገነናት ንሞትን፣ ስቓይ ሕዝብን ስኽፍታ ዘይብሎም ምዃኖም ምስ አረጋገጽኩን።ኩሉ ዝብልዎ ጃህራን ፈኸራን፣ናይ ሓሶት ተስፋን ከም ዝኾነ ምስ አመንኩን። ተስፋ ዘይብሉ ሂወት ካብ ምንባር ተሰዲደ ዝሓሸ ናብራ ክመርሕ ወሲነ።

ፍቕሪ ሃገር፣ዝኽፈል መስዋእቲ ንረብሓ ሃገርን፣ንዕቤትን ንልዕልና ፍትሒን ርትዕን ሕጊን፣ሙዃኑ መንእሰይ እንትአምን ጥራሕ እዩ።ሃገሩን ሕዝቡን ዝፈቱ፣ብድሌቱ ንቓልሲ ዝስለፍ፣ደስ እናበሎ “ትግራይ ትስዕር” እናበለ ዝስዋእ። አብ ጊዜ ጸበባን ጭንቒን ሕዝባዊ መኸተዬ።ትኩስ ሓይሊ መንእሰዬ፣ሕድሪ አያታቱ ዘየዕብርዬ። እናበልካ ናብ ቃልሲ አውሒዝካስ ? ጸላእትኻ ሰባቢሩ ናብ መንበርካ ምስ መለሰካ፣ ካብ በረኻ ንኸተማ ምስተመለስካን፣ ቤሮን ጠረጴዛን ምስ ሓዝካ፣እተንጓጥጠሉ መንእሰይ፣ሕንቁቓት እናበልካ ዝተፈልዬ ሓሳብ እትዓግት እንተዄይንካ ? መንእሰይ ትግራይ ራሕሪሑካ ከምዝኸይድ እንተጠፊኡካ፣ “አውቆ የተኛ ሰው ቢቀሰቅሱት አይሰማም” እዩ። ጸገም ናትካ ናይ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ እዩ።

ፍርሕኻ እዚ ወለዶ እዙይ ንስልጣነይ ሓደገኛ ስለ ዝኸውን ? ብሚላ ንኽወጸለይ  ተባሂሉ ዝግበር ጥሕሰት ሕገ መንግስታዊ መሰል መንእሰይ ትግራይ እዩ ዝመስል።ወከልትኻ ብትዊተር እናወጹ ሻዕብያ ሎሚ አእዱግ ትግራይ ሰሪቑ። እናበሉ ከም ተራ አክቲቪስት ይልጥፉ ይውዕሉ አለዉ።ሕዝቢ ትግራይ በቢ ደቓይቕ ሳአን ዝብላዕ ምግቢ፣ሳአን መድሓኒት፣ሳአን ገንዘብ ይረግፍ አሎ። “አናብስ ደቁ” ከም ከፍቲ አብ በረቶም ተዓጺውም ይውዕሉ አለዉ።መንዳአዩ ሕዝብና ከድሕኖ ? ማዓዝ ከ እዩ ክድሕን ? ወይስ ባዓል ዋና ትዊተር ድዩ ከድሕነና ?

እረ ንሙዃኑ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ አሸባሪ ኢሉ ብፓርላማ ዝስየሞ፣መንግስቲ ኢትዮዺያ  ንሰላምን፣ ንዘተን ዝተቐበሉ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ፣ብከመይ እዮም ምስ ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ንኸይዛተዩ ዝፈርሑ ? እዙይኮ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎም ተጋሩ ሓሳቦም ይዕበይ፣ይንአስ።ተናሓናሕቲ ውድባት ሓሳብ ይሃልዎም፣አይሃልዎም ከምቲ አብ እዋን ቃልሲን መስዋእቲን፣ ተአሚኑሎም ብትግራዋይነቶም ንሃገሮምን ንሕዝቦምን ዝተዃሽሑ፣ ሎሚውን ካብ ዝኾነ ይኹን ባዓል ስልጣንን፣ካድረን፣ጽግዕተኛ ብኸብዱ ዝሓስብ ሙሁር ትግራዋይን፣ ዘይንእስ ከም ውልቐን፣ከም ውድባትን ትግራይ መሰል አለዎም።

መሰል አለና።

ዳያስፖራ ትግራይ መሰል አለዎ።ትግራዋይ አስተውዕል።

መራሕቲ ፖለቲካ ትግራይ እንትትደልይዎ ጥራሕ ድዩ ከገልግለኩም ? ነጋዳይ መንእሰይ ብሓፈሻ ንስኹም ብእትብልዎ ጥራሕ ድዩ ኽተምም ? ንስኹም ብዝፈጠርኩሞ ጌጋታትኮ እዩ ልዕሊ ፰ሚኢቲ ሽሕ ሕዝቢ ሃሊቁ ዝንሄ።ንስኹም ብዝፈጠርኩሞ ጌጋእኮ እዩ ትግራይ ናብዚ ዝንሄቶ ብርኪ ዘጭ ኢላ ዝንሄት።ግደፉባ “ከም ኮንዶም” ተጠቒምኩም አይትደርቡዩና ? ዓገብ።

ከም ዜጋታት ናይ ምቅዋም፣ናይ ምጽሓፍ፣ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምግባር መሰል ሕ ገመንግስቲ ዝሃቦም ዝሃበና መሰል አለና።ይኹንምበር መንእሰይ ትግራይ ወረጃ፣መስተውዓሊ፣አብ ልዕሊኡ ዝፍጸምዎ ጥሕሰት መሰሉን፣ ኢ ፍትሓዊነት ምሕደራ ካድረታትን ሪኡ ከምዘይራአዬ።ጽባሕ ክሓልፍ እዩ።ሕድሪ አቦታተይን፣አዴታተይን አየዕብርን  አሻኒ እናተደፍረት ጠጠው ኢለ አይርእይን።

እታ እርንብቲ ሓፍተይ ብጠጠወይ አይትድፈርን ኢሉ። ብሕራነ ዝወጸ መንእሰይ ትግራይ ሎሚ ሱቕ እንተበለ ከይዲ ፖለቲካ ዓለምን ኢትዮዺያን፣ ትግራይን ዘይርዳእ ጌርና አይንውሰዶ። እዚ እዋን እዙይ ናይ ደቅና እዩ። ብኽብሪ ነርክቦም። እንተዘየለ ብግትርናና ዝመጽእ ሓያል ባርዕ፣ ሕሉፍ ታሪኽ “ብጸሊም ቀለም” ቀይሩ ናይ ባዕሉ ናይ መበል ፳፩ኽፍለ ዘመን ሓዱሽ ታሪኽ፣ ብዄናት ዘርአዮ ብስለትን ተዋጋአይነትን፣ ብፖለቲካ ከምዝደግሞ ዝጠራጠር መንእሰይን፣ሙሁርን ትግራይ የለን።

አይግዚኡን።

አይሳዓቱን።

እዚ ኩነታት ምስሓለፈ። ዝባሃል፣ናይ ድኹማት ዒባራ ምኽንያት ቀጥ አቢሉ ናብ ዘይንውጾ ኢኮኖሚያዊ፣ስነልቦናዊ፣ፖለቲካዊን መግዛእቲ ምስ አወደቕና ድዩ እቲ ግዚኡ ???

ትግራዋይ ሕሰብ፣ ጠይቕ ? እንተዘየለ ከም ዝሓለፉ ፳፭ ዓምታት ንዝኸፍዐ አምባገነናዊ ላዕለዋይነት ሓደ ውድብን፣ ኔትወርክን፣ቤተሰባዊ ተጠቀምቲን ክንወድቕ ኢና። ፋሽስቱ አብይ አሕመድ እናበሉ ዘውግዝዎ ስርዓት፣ ናይ ሰላም ውዕልን፣ፖለቲካዊ ልዝብን ንኽገብሩ ብሹም ሕዝቢ ትግራይ እንትሳማምዑስ በይንኡ ሕጋዊ ስልጣንን፣መሰልን እዩ ውድብ ህወሓት ንሕዝቢ ትግራይ ወኪሉ ክዳራደር ስልጣን ዝተዋህቦ ?

ተጋሩ ትግራይ በዚ ትኸዶ ዘላ መንገዲ ከይድናስ ፍትሒ፣ዲሞክራሲ፣ዕቤትን፣ ስላም ክንረክብ ኢና ኢልኩም ስለ ትሓስቡ ድዩ ? አይግዚኡንዬ፣ከይንፋላለዬ፣ጸላእትና አብ ሞንጎ ከይአትዉናዬ፣ እናበልና ወጽዓን፣ አምባገነንነትን ፣ባርነትን ንለማመዶ ዘለና ዶ አይመስልን ?

ዝምልከተኩም አካላት ብፍላይ መራሕቲ ውድብ ህወሓት ድርጅትኩም ክልተ መማረጽቲ አብ ቅድሜኹም እንሄ፣እታ ቀዳመይቲ ካብ ውድብኩም ንላዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ይዓብይ ትማሊ ብፍላጥ ኮነ፣ ብዘይፍላጥ ጌጋታት ተጌሮም እዮም ሕዝቢ ከም ሕዝቢ ኮላይ ጌጋ አለዎ። ውድብ ከም ውድብ ጌጋ አለዎ። ውልቀ ሰባት ከም ተጋሩ ናይ ሓባር ጌጋታት እዩ።ከም ማሕበረሰብ ተሓተቲ ኢና።እዙይ ከም ባይታ ወሲድና እዚ ግዜ እዙይ ናይ ደቅና እዩ። ይውደቁ ይተስኡ እቲ ዕድል ንሃቦም ከም ወለዲ፣ከም አያታትን አዴታትን መሪቕና ነርክቦም።ታሪክ ሕሉፍ ቓልሲ ብኽብሪ ይማሓላለፍ።

እንተዘይኮይኑ ግን ብዝመጻእናዮ አንፈቱ ዘይፍለጥ”ብአፍ ጨለ ብግብሪ ዘየለ” ዝዓይነቱ አምባገነናዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ወዳቓይ እዩ።እዚ አነ ጥራሕ ፈላጥ ዝብል ሕዱር ሕማም፣ መራሕቲ ውድብ ህወሓት፣መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ ውጽኢቱ ዘየድልይ መስዋእቲን፣ዕጽዋን ክባን፣ትግራይ ናብ ልመና ረድኤት ስርናይ ዳሪጉና እምበር ጥር ትብል ናጽነት አይርአይናን።እቲ ዝገርም ድማ ባንክን ታንክን አረኪብካ፣ልዕሊ ፰ሚኢቲ ሽሕ ሕዝብኻ አጨፍጪፍካ፣ሕዝብኻመገዛ ገንዘቡ ንኸይጥቀም አሃጊርካ፣መድሓኒት፣ቀረብ ኩሉ ከም ለማኒ ብፍቓድ ጸላእትኻ እናተቶኾብካ፣ሳላ ቓልስና ሰላም ረኺብና እናበልካ ንስኻ ጥራሕ ብትውንነን ሚዲያታት ዓገግ ዋላ እንተበልካ እቲ አብ መሬት ዘሎ ሓቒ ግን ብግልባጡ እቲ ሚዲያታትካ ዝብልኦ እዩ።ዓገብ

መንእሰይ ክዛተን፣ንቶም መናእሰይን፣ኩሎም ተናሓናሕቲ ውድባትን ድምጾም ክስማዕ ከም ተጋሩ እንተትሰርሑ እንተዘየለ ከምዘን ናይ ውሽጢ ዓዲ ሚዲያታት ነገር እናኾምሳዕኹም፣ሰላም ወሪዱልና እናበልኩም፣ወድቀት መራሕቲ ትግራይ ናብ ካልኦት እናለጠፍኩም፣ብዛዕባ ፋሽስታዊነት አብይን፣ጭካነ ሻዕብያን ክተብኩዑ ምውዓል፣ ካፍቲ ዝመጸና ዘሎ ርኡይ ናይ ብሜላ ምጽናትን፣ ብሜላ ሃገርና ራሕሪሕና ምስዳድን ንሕዝብና ከድሕኖ አይኽእልን።

የቐንየለይ ከም ሓደ ፈታዊ ዓዱ ትግራዋይ ድምጺ ሕዝበይ የስምዕ አለኹ።

ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር መንእሰይ ትግራይ ሕልሙ ከሳኽዕ እዩ።

ትግራይ ትስዕር!

By aiga