ብ ኣብርሃም

ኣብ’ዚ ቕነ እዚ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣዳዲ ማርያም ዓመታዊ ንግስና ክበፅሑን ክሳለሙን ዝኸዱ ዜጋታት ብኦነግ ሽኔ ከም ዝተጨወዩ መሰኻኽር ዓይኒ ኣረዲኦም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት 21 ዓመት ዓመት ብድሙቕ መንፈስን ሕለፍ ተመሓላለፍን ዝኻየድ ኣመታዊ ንግስና፡ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብጸጥታዊ ሽግርን ማሕለኻታትን ቊጽሪ በጻሕትን ነጋድያንን ክቕንስ ብርኡይ ተራእዩ እዩ።

እዛ ኣብ መበል 12 ክፍለዘመን ዝተሃንጸት ሓንቲ ካብ ጥንታዊ ኣብያተ ክርስትያን ዝኰነት ኣዳዲ ማርያም፡ካብ ኣዲስ ኣበባ 66 ኪሎሜተር ንኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን እያ።

እዛ ቤተ ክርስትያን ካብ መንግስቲ ስዊዝ ብዝተረኽበ ሓገዝ ቕድሚ ገለ ዓመታት ጽገና ተኻይዱላ-ዓመትዊ ብኣሽሓት ዝግመቱ በጻሕትን ነጋድያንን ክስተኣናገዱ ምጽንሖም እፍለጥ።

ቕድሚ 5 መዓልታት ግን 4 ዝኰና መኻይ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝከድሉ፡ብዕጡቓት ተታሒዞም እዮም።ዝጭወዩ ድማ ተጨውዮም እዮም።

ምሉእ ደገፍ ህዝቢ ከም ዘሎዎም እቶም መሰኻኽር ይሕብሩ እዮም።ንመንግስታዊ ንብርትን ዕጥቕታን ከም ልቦም ከም ዝምዝምዝዎን ዝግልገልሉን ድማ እቶም ተዓዘብቲ ወሲኾም የረድኡ።

ካብቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ብዓሰርተታት ዝግመቱ ነጋድያንን በጻሕትን 3 ተጋሩ ብምንባሮም ተለቂቖም እዮም።

እቶም ኣባላት ኦነግ ሸኔ ነቶም ሓንቲ ጓል ትርኸቦም 3 ተጋሩ፡”ንምንታይ ተጋሩ ምዃንኩም ዘይነገርኩምና፡ምስቶም ዝሰደድናዮም ተወልድቲ ኦሮሞ ምሳና ከይሓደርኩም ምስ ከድኩም ነይርኩም እንዲኩም ደኣ፧!” በልዎም።

ምስኦም ክሓድሩ ከለዉ ድማ ከም ልቦም ኣብሊዖም መስተ ዝሰትዩ ተኰይኖም ሓቲቶም ጋቢዞሞም እዮም።እቲ ዝጋበዝዎም ግብጃ ዝተመርጸ ሥጋን ዝተፈላለዩ ዓይነታት መስተ ነበረ።እቶም ተጋሩ ግን ፈሪሖም ብዙሕ ኣይሰተዩን።ዝብላዕ ግን ግርም ገይሮም በሊዖም እዮም።

እቶም ኣባላት ኦነግ ሸኔ ነቶም ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኰኑ  ካብ መኻይኖም እናውረዱ ናብ ጫካ ክወስድዎም ከም ዝተርኣዩን ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኣምሓሩ ንብረቶም ተዘሪፉ ካብቲ ቦታ ክጠፍኡን ክሃድሙን ከም ዝገብርዎም ትዕዝብቶም ወሲኾም የረድኡ።

“ንሕና ትግራዋይ (ትግሬ) ጸላኢና ኣይኰነን።ጌታቸው ረዳ ጅግና ኢዩ።ብሓዊ ዝተፈተነ ህዝብን መሪሕነትን ኣሎኹም።ንምንታይ ከይተገናታዕኩም ከለኹም ተጋሩ (ትግሬ) ምኳንኩም ዘይምነገርኩምና ነይርኩም።” በልዎም።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ትግራወይቲ ብፍርሒ ንሓደ ካብቶም ተጋሩ ዝተትሓዙ፡ “ንሱ፡ኣቦይ እዩ።” ኢላቶም።ንሶም ድማ “ኣብ ትግራይ ኣበይ እዩ ዓድኺ፧” በልዋ።ንሳ ድማ “ዉቕሮ ኢዩ ዓድና!” በለቶም።እቲ ኣብኡ ዝተብሃለ ድማ ፈለማ ንዓዲ ኣዲኡ ዝኰነት ዓዲ ጠቂሱ “ጎጃም እዩ ዓድና!” በሎም።

እታ ኣምሓራ ትብል መዘዝ ከም ተምፅእ ዝተረድኣ እቲ ተረገምን ደፋርን ትግራዋይ ድማ “ይቕረታ ብትግራውነትና ብዙሕ መከራን ሽግርን ስለ ዝበጽሓና።ሕጂ ከኣ ተመሳሳሊ ሽግርን መከራን ከይበጽሓንዝ ኢልና ኢና እምበይ ንሕና ተጋሩ ኢና።ንዓይ ግን ኣደይ ኣምሓረይቲ ኣብ ጎጃም ዝተብሃለ እዩ ዓዳ።” በሎም ብድፍረት።

ንሶ ኸኣ “ንምንታይ ትግሬ (ተጋሩ) ኢና ዘይትብሉና።ንሕን ምስ ተጋሩ ምንም ሽግር የብልናን።በሉ ብልዑ ኢኹም።ስተይ እውን ከም ድላይኩም” ኢሎም ዝብላዕን ዝስተይን ቀረብሎም።

እቶም ኦነግ ሸኔ ምንም ፍርሕን ጣጣን የብሎምን።ደገፍ ህዝብን ሸፈነ መንግስቲ ዘሎም እውን ይመስሉ ይብሉ እቶም ተዓዘብቲ።

ብድሕርዚ ነቲ ደፋር ትግራዋይ “ኣበይ እዩ ትክክለኛ ዓድኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።ንሱ ድማ “ዓዲ ግራት እዩ ዓድና።ግን መበቆልና ኣጽቢ ወምበርታ እዩ።” በሎም።ትግርኛ ክዛረቡ ዝፍትኑ ኣባላት ኣሎዉ እዮም።ትግርኛ ክዛረቡ ደስ ዝብሎም ነይሮም እዮም።

ደሓር እንታይ ደኣ “እዛ ጓልኻ ዉቕሮ ኢዩ ዓድና!” ኢላትና በልዎ።ሓውሲ ትግርኛ ወሲኾም እናተዛረቡ።ንሱ ኸኣ “እ እ እ ማለት ሲ ኣነ ስለ ዘየዕበክብዋ፡ምስ ኣዲኣ እያ ዓብያ።ኣዲኣ ጓል ዉቕሮ እያ።ግን ዉቕሮን ዓዲ ግራትን ዳርጋ ሓደ እዩ።ዓጋመ እዩ።መቸም ይርደኣኩም ይኸውን እዩ-ደቂ ዓበይቲ!” ኢሉ ናብ ቀልድን ወግዕን ቀየሮ።

ንሶም ተኰነ “ንሕና ኦነግ ንበሃል።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባና እንታይ ከም ዝውረይ ንፈልጥ ኢና።ንስኹም ግን ኣብዚ ከባቢ ከም ዘለና ኣይትፈልጡን ነይርኩም ማለት ድዩ፧” በልዎም።

እቲ ደፋር ትግራዋይ ድማ ” ኣቡነ ኣረጋዊ ኣቦይ፡ንስኩም ከም ዘለኩም ተንፈልጥ ኣይምስ መፃእናን፡ብጌጋ እዩ።ዓመት ዓመት ኣስተርዮ ማርያም ክነኽብር ኢና ንመጽእ፡እምበር ካልእ ድሌትን ዓላማን የብላንን እዩ።” በሎም።

ገለ ገለ ኣባላት ኦነግ ሸኔ በሊዖም ሰትዮም ምስ ጸገቡ፡ነታ ከም ዕምባባ መሮር ትጽብቕ ትግራወይቲ መንእሰይ ክብህግዋን ክሕድርዋን ፈታቲኖም እዮም።እንተኰነ ገሊኦም ኣባላት “እዚኦም ኣሕዋትና እዮም።ትግራዋይ ብዙሕ ሽግርን ፀበባን ኣሕሊፉ እዩ።ገና እውን ይሕልፍ ኣሎ።ሓሞት ትግርዋይ ንፈልጦ ኢና።ንብህጎ ድማ ኢና።ተደሊኩም ምሳና ቀንዩ ኢኹም፧” በልዎም።

እቶም ተጋሩ ግን ፍርሒ ስለ ዝሓደሮም ሓንቲ ለይቲ ምስኦም ሓዲሮም።ንጽባሒቱ ብመኪና ኣሳፊሮም ገንዘብ ከየኽፈሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰነይዎም።

By aiga