ብ ኣብርሃም ብርሃነ

ሰላም ክቡራት ኣንበብቲ፡መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ-ፎረም ከመይ ትዀኑ ኣሎኹም፧ ኣኣብ ዘሎኩምዎ ሰላምን ቕሳነትን እምነየልኩም።

ፈጣሪ ድማ ነዚ ዘሎ ዋግዋጎ ሰላም፡ብምሕረት ዓይኑ ብምርኣይ፡ንሱ መስፍን ሰላም ካብ ኰነ፡ምሉእ ዝኰነ ሰላም ከስፍነልና፡ራህዋ ከውርደልና ተስፋ ንገብር።

በሉ እምበኣር፡ከም’ቲ ኣብ ርእሲ ፅሑፈይ ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ጉዳዩ ንዉዕል “ሂወት” ወይ ድማ ዉዕል “ዓድዋ” ዝምልከት፡ብዕምቆት ዝድህስስ ዛዕባ’ኳ ኣይኰነን እዩ።

እቲ ምንታይ-ሲ፡ነዚ ጉዳይ እዚ፡ዳርጋ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦ ታሪኽ ስለ ዝኰነ እዩ ዝብል እምንቶ ብምሕዳረይ’ዩ።

እንተኰነ እዙይ ዉዑል እዚ ብዉዕል “ፈረስ-ማይ” እውን ከም ዝፍለጥ-ናብ ፈረስ-ማይን መጋርያ ፀምርን ይመላለሰሉ ኣብ ዝነበርኩ መቃን ጊዜ፡ኣብ ወግዕታት ኣበዋት ደጋጊመ ሰሚዐ እፈልጥ እየ።

መምህር ገብረኺዳን ደስታ ድማ ከም ሓደ ካብ’ቶም ስመ-ግኑናት ወከፋት መጓጅምተይን ወኻዕ መባህልተይን መጠን፡”ዉዕሊ ፈረስ-ማይ!” ቢሎም ክጠቕሱ እሰምዕ ምንባረይ እዝክር’የ።

እቲ ዉዕል ሂወት (Hiwett Treaty) ዝብል ንሪል ኣድሚራል ሰር ዊልያም ሂወት ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ጀነራል ዝወከለ መጸውዒ ስም ምኳኑ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ዉዕል ግብፂ ሓርቢትዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንድሕነታን ትንፋስ መሰኲዒዓን ክኸውን ተሓሲቡ ዝተገብረ ምኳኑ ብዙሓት ፀሓፍቲ ዝትንትንዎ ጉዳይ እዩ።

መሸም፡ንኢትዮጵያ ኣርቢሕዋ ድዩ ሃስይዋ ታሪኽ ሕርሕራይ ገይሩ የረዳእና እዩ።ካብ’ዚ ዉዕል እዚ ብዙሕ ዝቕሰም ከም ዘሎዎ፡ብዙሓት ይኣምኑ እዮም።

ንሓደ ሰብ ግን ክጠቅስ እፍቱ።ንሶም ድማ ንኣቦናን ኣያኣንን ግራዝማች ፀጋይ ሓጎስ (ወዲ 110 ዓመት ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ዝሕለፈ ክልተ ዓመት ካብ’ዛ ዓለም ብሞት-ኣብ ከተማ መቐለ ዝሞቱ) ከም ፈላጥ ታሪኽን በዓል ዕድመ ፀጋን መጠን ይኹን ከም ሕንን ዝብልሉ ዉዕል ኸኣ ንዖዖም ምዝካር ሕልናዊ ግዴታይ እዩ።

እወ፡ኣብ’ቲ ጊዜ እቱይ፡ግብፂ  በዝን በትን ኣብ ዓንኬል መጻብቦ ኣትያ ብምንባራ ድማ እዩ’ቲ ህሞት’ቲ ክግበር ዝከኣለ።

እዚ’ታት ከም’ቲ ልዕል ቢለ ዝገለፅኽዎ ማንም ሰብ ዝፈልጦን ኣብ ዕዳጋ ረኺቡ ይኹን ኣብ ጉጉል ጎላጊሉ ብቐሊሉ ዘንበቦን ስለ ዝኰነ ብዙሕ ጊዜ መጥየ ከቶ ኣይከጥፋኣሉን’የ።

ነቶም ኣንቢቦሞ ንዘይፈልጡ ግን መባእታዊ ሓበሬታ ንምሃብ ዝኣክል፡እቱይ ዉዕል’ቲ፡ኣብ ትግራይ ኣብ ኣውራጃ ዓድዋ ብፍላይ ድማ ኣብ ፈረስ-ማይ ዝተኻየደ ዉዕል እዩ።

እቱይ ዉዕል ኸኣ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢንግሊዝ፣ግብፅን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ፡ብዕለት 25 ግንቦት 1876  ሰሉስ መዓልቲ (ወይ ድማ 3 ሰነ 1984 ዓ/ም/ፈ) ዝተኻየደ ዉዕል እዩ።

እሞ ደኣ እቲ ቀንዲ ሕመረት ጉዳየይ ዝኰነኒ ነገር ተሃልዩ፡ ኣብ’ዚ ዉዕል እዚ መን እዩ ቶርጓማይ ኰይኑ ዉዒሉ ዝብል ዛዕባ ዘተኰረ እዩ።

እወ፡ብዙሓት ሰባት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ተዀልኪሎም ንዝተፈላለዩ ሰባት ከልዕሉ ወይ ክጠቕሱ ይስማዕ ስለ ዘሎ-እቲ ሓቂ ብኸፊሉ ከምቲ “ካብ ባሕሪ ብጭልፋ!” ዝብልዎ፡ኣንፈት ሪዒመ ብጭልፋ ተኰነ ንምልዓል ዝዓለመ እዩ።

ትማሊ ኣጋጣሚ ኰይኑ ምስ ኣዴና ማማ ዉህበት ተወልደብርሃን (ጓል 90) ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝኰና ኣደ፡ኣብ ከባቢ ሾላ ተራኺብና ከም ልምድና ኢሂን ምሂን ክንበሃሃል ዕድል ገይር ነይረ’የ።

 ኣብ መኣዲ ወግዕና ከኣ፡ነዚ ሓሳብ ኣልዒልናዮ ዘሎና ተናኺፍናዮ ነይርና ኢና።

ንማማ ዉግበት ከምዚ ክብል ሕቶ ሓተትክወን፡

 “…ኣብ ዉዕል ፈረስ-ማይ ቶርጓማይ መን ድዩ ነይሩ፧” በልኽወን።

ንሰን ድማ “ሚካኤል ብሩ እዩ።” በላኒ።

ኣነ ድማ “ኣይፋሉን፣ኣይፋሉን።” በልክወን።

ማማ ዉህብት ብስልትን መስተውዓሊትን ኣደ ምኳነን ኣይስሕቶን እኳ ተኰንኩ።

ኣስተንቲነን ብምሓሳብ፡ናብ ገደ ገፀን እናወፃ።ኣብ ዝባነን ቦርሳ ሓንጊጠን።እናሳገማ ብትሑት ላዛ ገይረን ከምዚ በላኒ።

“እሞ ደኣ፡መን ደኣ’ሉ ትብል፧” 

ኣነ ኸኣ “ማማ ዉህበት፡ሚካኤል ብሩ እኮ ቆልዓ እዩ ነይሩ ኣብ’ቲ ጊዜ እቲ፧ ናብ በይሩት ኸይዱ ንክመሃር ኣብ ዝሸባሸበሉ እዋን፡ንሱ ንዉዕል ዓድዋ ክትርጉሞ ኣይክእልን’ዩ።

ካልኣይ ድማ ሚካኤል ብሩ እኮ ቶርጓሚ ሃጸይ ሚኒሊክ እዩ ነይሩ።እምበር ምስ ሓፀይ ዮሓንስ ኣይተራኸበን’ዩ” ብዝበልክወን።

“እሞ መን ደኣሉ፧” ክብላ ብምቕሉል ሳውያ ገይረን፡ዓይነን ናብ ዓይነይ እናጠመታ ደጊመን ሓተታኒ።

ኣነ ኸኣ፡ፍሽኽ እናበልኩ፡

“ማማ ዉህበት፡ኣባሓጎክን እዩ።” በልኽወን።

ንሰን ኸኣ “መንገሻና! ዓቢይ መንገሻ ማለት ድዩ፧” በላኒ።

“ኣይፋሉን።ብሩ ወልቃይቴ እዩ።” በልክወን።

ንሰን በዓልቲ ተመኽሮ ብምኳነን፡ከቶ ኣይተቋወማንን።እቲ ምንታይ ህድእ ኢለን ስለ ዝሰምዓን ዝዛረባን ተሃንዲደን መልሲ ኣይህባን እየን።

ማማ ዉህበት፡ብሃበ ተረኽበ ኣይዛረባን እየን።ኣብ ዘይኣመናሉ ኣይምጉታን እየን። ኣብ ዝፈልጥኦ ጉዳይ ግን እታ ትመስለን ነግ-ፈረግ ከይበላ ከም ዝዛረባ ብዙሕ ሳዕ ተዓዚበየን እየ።

ብዝኰነ፡ንዉዕል ፈረስ-ማይ ወይ ዉዕል ዓድዋ ከም ቶርጓማይ ኰይኖም ዝወዓሉ፡ኣቶ ብሩ ወልቃይቴ እዮም።

እዞ’ም ወድ 9 ዓመት ብዝኰኑ ማዕርግ ዲቁና ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት-ወልቃይት ዝተቀበሉ።

ብንኡሶም ኸኣ ናብ እስራኤል ናብ ‘ሓወብኦም’ ብምኻድ ዘመናዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ታሪኸኛ ኣቦ እዮም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣርመናውያን ኰነ ኣብ በይሩት ኣብ ዝመሃርሉ እዋን፡ሓወብኦም መፅሓፍ ቅዱስ ካብ ግእዝ ናብ ኣምሓርኛ ዝተርጎሙ እዮም።እዛ ስድራ ካብ ርእሳ ክሳዕ ኣጻዕብዕቲ እግራ እንቅዓ ታሪኽ ዝወረሳ ኣብነታዊት ስድራ ምኳና ትንግርቲ እዩ ዝኰነኻ።

ብዝኰነ ኣብ ዉዕል ፈረስ-ማይ ከም ኣዛታያይን ከም ተርጎማይን ኰይኖም እጃሞም ዝገበሩ ንሶም እዮም።

ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዘስዓቦ ጒጒይ ቕማረ ዘስዓቦ፡ብጌጋ ግን ተረኽን ፀሓፍትን ታሪኽ ወይ ንካልእ ሰብ ይህብዎ ኰታ የማዛብዕዎ እዮም።

ዶ/ር ተኽለሃይማኖት ገብረስላሴ፡በዓል ሞያ ዓውደ ታሪኽ ብምኳኖም፡ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ዝክእልዎ ዘበለ ክሕግዙኒ ዓሚ ኣብ መጋርያ ወግዕና ኣውሲኣሎም ምንባረይ እዝክር።

ዶ/ር ተኽለሃይማኖት፡ስርሓውቲ ግዲ ይበዝሖም ኰይኑ ወላ ኣብ’ዚ ቕነ’ዚ ኣብ ቐፅሪ ስድስት ኪሎ ተኰነ ተራኺብና ኢና።

ኣብ ዝተራኸብናሉ እዋን (ብካልእ ዛዕባ ኢና ተራኺብና) እንተኰነ ደጊመ ኣዘካኺረዮም ኣሎኹ፤እሞ ገለ እትዋት ክገብርሉ ተስፋ ኣሎኒ።

ብሓፂሩ፡ዉዕል ፈረስ-ማይ ካብ ዘከርኩ-ሲ፡ንፕሮፌሰር ኣለምሰገድ ገብረኣምላኽ ክዝክር ወይ ከልዕል ግድን ይዀነኒ’ዩ።ወላ እኳ ንክረኽቦም ብዙሕ ፃዕሪ ተገበርኩ፤ክሻዕ እዛ ጊዜ እዚኣ ፍፁም ክሰምረለይ ኣይከኣለን ኣሎ።

እወ፡ኣባሓጉኦም ደጃዝማች ለማ ተዘይተጋግየ ካብ ዝሰምዖ ልዕሊ 10 ዓመት ስለ ዝገበረ እዩ።ኣብ ዘመነ ሃፀይ ዮሃንስ ካብ’ቶም ኣመሓደርቲ ሓደ ምንባሮም ብዛንታ ወግዓታት እሰምዕ እየ።

ሓንቲ ዛንታ ንእግረ-መገደይ ወስ ከብል ይፈቐደለይ።

ብዛዕባ ሓርበኛ ዘርኣይ ደረስ፡ኣድሂበ ታሪኽ ኣብ ዝምእርረሉ እዋን (ናብ ዓድዋ ይመላለስ ነይሩ’ዩ ዝብል ታሪኽ እሰምዕ ብምንባረይ) ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብ ኣስመራ ዝነብሩ ዝነበሩ ተወልድቲ ዓዲ ይዕቆሮን ዓዲ ወርን፡(ፈረስ-ማይ) ዝኰኑ፡ኣብ እንዳ ገብሪኤል ዓድዋ፡ኣብ ዝርከብ እንዳ ደግያት ገብረኣምላኽ ለማ ወሰዱኒ።

ዕላም’ኦም ፀበል ክጥዕም እዩ ነይሩ።”ከም’ቲ ንዘረባ ዘረባ የምፅኦ፣ንሓምድ ዱግሪ የውፅኦ!” ከም-ዝበሃል ኰይኑና፡ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ብዙሕ ታሪኽ ድማ ቐስምኩ።ኣብኡ ምዓለይ ድማ ብልቢ ተሓጐስኩ።

ካብ’ቲ ዝሰማዕክዎ ብዙሕ ዝሕላገቱ ወግዕታት ድማ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ (ምስ ኣቦ ጌታቸው ግርማይ ኪሮስ ኣለማየሁ ‘ዘይተፀግበ ፍቕሪ’ ኢሉ ዝደረፈሉ) ዝነበሮም ቕርበት ኰነ ኣብ ዓድዋን ማይጨውን ዘርኣይ ደርስ ዝገብሮ ዝነበረ፡ካብ ሕያው ምስክራትን ዉልዳቶምን ብምርካበይ ዕጋበተይ ንሮራ ክሕምበብ ገበረ።…

ናብ’ታ ምስ ፈረስ-ማይ ትተሓሓዝ ከብለኹም በሉ።

“…መዓር ዘይ-ተገብሩ ንሜስ መመየሲ ክኰነኩም!” ተባሂሎም ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ደግያት ለማ።ከም’ዚ ክብሉ መለሹ።

“…ማይ ዛታ፡ፈረስ-ማይ እናሃለወኒ፡መዓር ምግባር እንታይ ኣድልዩኒ!”-በሉ።እቲ ሓሳብ እየ ኣስፊረዮ ዘሎኹ፡እምበር እቲ ምሉእ ሓሳብ ቃል-ብቃሉ ዝሰፈረ ኣይኰነን እዩ-ክቡራት ኣንበብቲ።

በዛ ዘረባ ተመሲጠ ንፈረስ-ማይ ደጋጊመ ክኸይድ ተቐሰብኩ።ወላ እኳ ታሪኽ ሰብ ጭራ-ዋጣ ከፅንዕ ቢለ ዘመላላስ ጉዳይ ተነበረኒ፡እዙይ ድማ ብራኸ ፈጠረለይ።

ፈረስ-ማይ ኰነ መጋርያ-ፀምሪ ሰብ ኣዝመርቲ (ሰብ ጭራ-ዋጣ) እየን።ኣብ ኲናት ዓድዋ ብዙሓት ሰብ ጭራዋጣ ኣበርኽቶ ገይሮም እዮም።

ኣብ መዋእል ዘመነ ሃይለስላሴ ካብ ዝነበሩ ኣለው ዝበሃሉ ሰብ ጭራ ዋጣ ካብዚ ከባቢ ዝፈረዩ ሰብ ጭራ ዋጣ እዮም።

ኣብ ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ጊዜ ሃይለስላሴን ደርግን ዝነበሩ ሰብ ጭራ-ዋጣ ወይ ኣዝመርቲ፡ ብብዝሒ ካብ’ዚ ከባቢ ዝፈለቑ እዮም።

ናብ ጎንደር፣ኣዲስ ኣበባን ካልእን ተኰነ ንሶም ይዕብልልዎ ዝነበሩ እዮም።

ኣብነት፡ጃንሆይ ካብ ዝሸለምዎም፣ራእሲ ስዩምን ራእሲ መንገሻ ካብ ዝሸለምዎም ኰነ ሪል ኣድሚራል እስክንደር ደስታ ኰነ ካልኦት ብክእለቶም ተመሲጦም ካብ ዝሸለምዎም፡ብብዝሒ ካብዚ ከባቢ ዝመጹ እዮም።

ብዝኰነ ብዛዕባ ሙዚቃን ባህልን ኰነ ፈረስ-ማይን መጋርያ ፀምርን ጊዜ ኣብ ዝፈቐዶ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣንበብቲ ከብሎ ክፍትን እየ።ግን ድማ ፈረስ-ማይ ኣልዕልካሲ ነዚታት ጎሲኻዮ ምሕላፉ ስለ ዝኸበደኒ እየ ክተናኽፎ ዝፍትን ዘሎኹ።

ንእግረ-መገደይ ድማ ንሰብ ፈረስ-ማይን መጋርያ ፀምርን ነቲ ኹሉ ዝገብርኩምለይ ምትሕብባር ብልቢ የመስግን እናበልኹ፡ናብ መጠቓለሊ ሓሳበይ ቕድሚ ምእታወይ ገለ ሓሳብ ፈይ ከብል ይፈቐደለይ።

እወ፡ብዛዕባ ፈረስ-ማይ ጥልቅ ዝበለ ኣፍልጦ የበለይን።ግን ድማ ጉዳይ ታሪኽ ኰይኑ፡ዉዑል ዓድዋ ወይ ዉዕል ሂወት፡ኣብ’ዚ ቦታ እዚ ምውዕዓሉ፡ብዘለኒ ላህመታዊ ኣፍልጦን ሓበሬታን፡ ክንተናኽፎ ግድን ኰይኑኒ ኣሎ።

ፈረስ ማይ ዓዲ ስዋ፡ዓዲ ጌሶ፣ዓዲ ሽጉርቲ ወዘተ እናበልኻ ክትዝርዝ ይከኣል እዩ።ዓዲ ታሪኽን ጅግንነትን ምኳኑ ድማ ኣይትስሕቶን ኢኻ።

እሞ ደኣ ታሪኽ ኣልዒልኻ ኣይትውድኦን ኢኻ።ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘመነ ዉቤ “ንእንትጮ ዘመሓደረ ጀርመናዊ!” ኢለ ክጽዝሕፍ ገለ-ገለ ሙሁራትን ተመራመርትን ኣተባቢዖሙኒ ስለ ዘሎዉ-ሻቡ ንፈረስ-ማይን መጋርያ ፀምርን ክተናክፈን ሒለት ክብል እየ።

ነዛ ዘልዓልክዋ ዛዕባ ኸኣ ብከም’ዚ ኣገባብ ክዛዝማ እየ።እወ፡ታሪኽ ብሩ ወልቃይቴ ሓያልን ዓሚዩቕን እዩ ግን ከምቲ ዝድለ ኣይተፃሕፈን ዝብል እምንቶ ኣሎኒ።

እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ካብ ሃጸይ ቴዎድሮስ-ሃፀይ ዮሓንስ፡ቀጺሉ ሃጸይ ሚኒሊክ፣ካብኡ ስዒቡ ድማ ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴ ታሪኽ ዘሎዋ እያ።

ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ድማ እኒ ኣቶ ንዋየ-ክርስቶስ ገብረኣብ ቢያርግልኝ ዘፍረየት ስድራ እያ።እወ፡መምህር ኢለኒ ኣዲኦም፡ሓንቲ ካብ’ቶም 12 ዉልዳቶም እያ።እሞ  መምህር ኢለኒ መንገሻ ብሩ ወልቃይቴ ማለት’ዩ።

እሞ ደኣ እቲ ዉዕል ዓድዋ ወይ ዉዕል ፈረስ-ማይ ክበሃል ከሎ ንሕመቑን ንፅባቐኡን ኣብ መስርሕ ምትርጓማን መዛትይትን ግደ ዝነበሮም ዉልቀ-ሰባት ነይሮም እዮም።ካብኦም ድማ ብሩ ወልቃይቴ እዮም።

ደቆም ከኣ ኣብ ትርጉም ከም ቶርጓምቲ ብምኳን፡ኣብ ቤተ መንግስቲ፣ኣብ ምምስራት ኣብየተ ትምህርትን ምትእትታው ኣብያተ ማሕተምን ሰፍ ዘይብል ታሪኽ ሰሪሖም ሓሊፎም እዮም።

እዙይ ዝመስል ረዚን ታሪኽ ተሓዙ’ኳ፡ዘካሪ ዳርጋ ተዘይብሎም እዃ፤ግን ወላ’ኳ ዘካሪ ኣይሃልዎም፡እቲ ረዚን ከም ሃረም ዝኰነ ታሪዀም ግን ከም መዓር ፅጌናይ ተበርቢሩ፡ካብ ዘመን ናብ ዘመን ክሓልፍ ዕማም ማንም ግዱስ እዩ ምኳኑ ክስመረሉ ይግባእ እብል።

ካብ ጓል ዘንደር (ሃጸይ ቴድሮስ ጅሆ ካብ ዝሓዝዎም ጸዓዱ-ጀርመናዊ ዝኰነ) ንጓሉ ዝወሰዱ (ብምወስቦ ማለተይ’የ) እዮም።

ዘንደር

ንዶ/ር ዳኒኤል ተፈራ፣

ንማማ ሶፍያ ዘካርያስ፣

ንማማ ሂወት ዘካርያስ፣

ንማማ ዉህበት ተወልደመድህን፣

ንማማ ርብቓ ተወልደመድህን፣

ንስድራ ሞታለቃ ግርማይ ብፍላይ ንማማ ማናለሽ

ንቤተ መዛግብቲ ጀርመን፣

ንቤተ መዛግብቲ ኣዲስ ኣበባ፣

ንዝተፈላለዩ ጋዜጣታትን መጽሓፍትን፣

ንስድራ ቤት እንዳ ፕሮፌሰር ኣለምሰገድ ገብረላኽ፣

ንእንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት፣

ንዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ፣

ንዶ/ር ኪሮስ ሙሉ መኰነነን 

ካልኦትን ብልቢ ኤመስግን።

ወደሓንኩም!

By aiga

One thought on “ውዕል ፈረስ-ማይ”
  1. Ras Media propagating its expansionist propaganda entitled ” ታጠቅ ፋኖ!” ordering eotc to arm its followers to go against others who they label “foreigners, aliens “, because they don’t accept amharanized ideology and amharanised ethiopia. (24:05, 1:05:57, 38:41 )
    one said “አዋ እንደዚይህ ቆፍጠን ማለት ነው አኛ ደሞ በገንዘብ እንረዳለን” US should hold accountable those who ignite civil war and sponsor it .Amhara intellos and fake refugees in US who are reigniting civil war should be brought to justice.
    An intello from fano genocidal group described lingua franca in a derogatory manner (same above video between 42:02-42:29 -“የቋንቋ ሳይንስ ሊንጓ ፍራንኳ -Lingua franca-ማለት ናይ ፍራንክ ፤ናይ ሸቀጥ ቋንቋ ክብል ይገልፆ፥”፥ሊንጓ ፍራንኳ ማለት ታይ ማለት ምዃኑ ዊክፒዲያ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፆ: Lingua franca-A world language – a language spoken internationally and by many people – is a language that may function as a global lingua franca. A language used by people who do not share a native language or dialect, particularly when it is a third language that is distinct from both of the speakers’ native languages.
    Stop killing innocent civilians of all ethnic background.

Comments are closed.