ከመይ ትዀኑታ ኣሎኹም፧ ይቕረታ ትማሊ ኣይጠዓመንን ዉዒሉ ኰይኑ እየ፣ንእለቱ ዘይመለስኩ። እተን ኣብ ድምፀት ተደራስ ስለ ወሮ ኣልማዝ ኣበራ ተድላ ዝብላ ሕቶታት ፅሙቕ መልሰን ክዝርዝር።

ብዝኰነ ኣነ ንግደ ሓቂ ስንፍና ኣሎኒ።ካልእ ድማ ኣይትቅረጸና ወይ ከይትዝርግሖ እንተ ኢሎሙኒ ከም ተራ ወግዒ እየ ዝሕዞ።ኣብ ልዕሊኡ ድማ ስልኺ ይጠፍኣኻ (ትስረቅ) ወይ ድማ ፎርማት ይዀነካ።ኰታ ብዙሕ መሰናኽል ይዀነካ እዩ።

ብዝኰነ ማማ ኣልማዝ ኣበራ ኣብ ህይወተን ብዝመፅሐን እንቅዓ መከራን ሽግርን ብዙሕ ክዛረባ ኣይደልያን እየን ነይረን።

ንዓይ ከማን ታሪኽ ኣሉላ ኣባ ነገ ብመጠኑ ክፈልጥ ኢለ ናብ ተምቤን ይመላለስ ስለ ዝነበርኹ ኰነ መፅሓፍ ኦሮማይ መንግስቲ ቶርጒማ ኢኻ ኢሉኒ ብምንባሩ፡ነታ መፅሓፍ ንክትርጉማ ዓሊመ ፍቓድ ክሓተን ደጋጊመ እድወለል ብምንባረይ ኣመና ተቐራረብና።ግን ወላ ፍቓደኛ ኣይንበራ፡ምሕዝነትናን ፍቕርናን ግን ደልደለ።

ብድሕርዚ ከይትዝርግሖን ከይትሓትሞን እናበላ ክሓማ ብዝጀመራ ከውግዓኒ ጀመራ፡ግን ኣነ ብመቕረጺ ዳርጋ ኣይሓዝኩወንን።ምኽንያቱ ድሌተን ኣይነበረን።

ወላ እኳ ላፕቶፕ፣ሃርድ ዲስክ፣ክልተ ጊዜ ሞባይላት ተጠፍኣኒ፡ንማማ ኣልማዝ ሓንቲ መዓልቲ እየ ቀሪፀየን ነይረ።

ብዝኰነ ብግልፅን ብቕንዕናን ንሰብ ከረድእ ስለ ዘሎኒ እየ፡ዝርዝር ገይረ ክፅሕፍ ዝፍትን ዘሎኹ።

ስለዚ፡ኣብ ሓንጎለይ ዝሓዝክዎ እዩ፡እቲ ዝበዝሕ ክበሃል ዝከኣል እዩ።እቲ ኣብ ሓንጎልካ ትሕዞ ድማ ምስ ዘሎ ናብራን ፀቕትታን ኰነ ምስ ብዝሒ ትእክቦን ትሰምዖን ኹሉ ኣይትዝክሮን ኢኻ።ወይ ድማ ኣብ ዝኰነ ጊዜ ብር ኣብ ዝበለኻ ይመፀኻ እዩ።

ስለዚ፡ናብ ዋና ሕመረት ጉዳይ ምስ ዝኣቱ፡እተን ቀንዲ ግን ክዝክረን ይክእል እየ።እምበኣር

እታ ቐዳመይቲ ዝምድና ወ/ሮ ኣልማዝ ምስ ጅግና ኣሉላ ኣባ ነጋ እያ።እወ፡ንራእሲ ሓጎስ ቀታሊ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝኰኑ ደጃዝማች ተድላ (ተላ እዮም) ንሶም ድማ ወድ ቆመና ሓፍቶም ንኣሉላ እዮም።

ደግያት ተድላ ንራእሲ ሓጎስ ኣብ ምቕታል ተራ ስለ ዝነበሮም፡ብሕነ ከይቕተሉ ቢሎም ናብ ራያ (ኮሮም) ከዱ።ኣብኡ ተዋሰቡ።

ብድሕር’ዚ ንደግያት ኣበራ ወለዱ።ደግያት ኣበራ ብወገኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓንቲ ጓል ወሎ ተዋሲቦም፡ንማማ ኣልማዝ ቕድሚ 86 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣብ የካ ሚካኤል ከባቢ ወለድወን።

ብሓጺሩ ነዚ ይመስል።

እዚ ግን ምንም ጥርጣረ የብሉን እዩ። እቲ ምንታይ ካላልኦት ኣዝማደን ኣዝማድ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝኰኑ ስለ ዝፈልጥ ኣብ’ቲ ሓዘንን ስነ  ስርዓት ቀብረን ንራኸብ ነይርና ኢና።ብተወሳኺ፡ ተመራማሪ ታሪኽ ዝኰኑ ዶ/ር ኪሮስ ሙሉ ዝፈልጥዎን ኣዝማድን እዮም።

ካልኣይቲ፡ እወ፡ ወ/ሮ ኣልማዝ ኣብ መጽሓፍቲ በአሉ ግርማ ዘሎዋ ቆንጆ ዝኰና ንብዙሓት ሃነን ዘብላ ዝነበራ፡ሮማን እየን ዝኰና ዘሎዋ ማለት እዩ።

ሳልሳይ፡ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ብግምተይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብእኒ ጀነራል ኢያሱ ተመሪሑ ናብ ኮንጎ ብዝዘመተ እየን፡ኣብ ተለቪዥን መደብ ዘቕርባ ነይረን።

ንሰን ከም ዘውግዓኒ ብቋንቋ እንግሊዝ ከይተረፈ ዜና የቕርባ ምንባረን ኣውሲኣናለይ እየን።ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ከም ዝነገሩኒ ድማ ኣብ መደብ ምርኻብ ሰራዊትን ስድራቤታቶም ኣተኲሩ ዝቐረብ ዝነበረ ንሰን የቕርባ ምንባረን።እዚ ማለት እቶም ዘሚቲሞም ዝነበሩ ኣባል ምክልኻል ሃገርን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤቶም ዘራኽብ ድልድል ዝነበረ ምኳኑ ኣብቲ ጊዜ ቴክንሻናት ዝነበሩ ይምስክሩ እዮም።ኣብነት ኣቶ ኪሮስ ወልደሚካኤል ዝተብሃሉ ትግራዋይ ን40 ዓመት ዝሰርሑን መሓዛ በኣሉ ግርማ ካብ ዝነበሩን ሓደ የደርዕዎ እዮም።

ንገለ ዓመታት ኣቢሉ ከም ዝሰርሓሉ እግምት።ግን ከነጻርዮን ከነጣልሎን ዝከኣል ይመስለኒ።

ኣብ ዉድድር ቁንጅና ድማ ተወዳዲረን እየ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንደይ ጊዜ ውድድር ቁንጅና ተኻይዱ እዩ።ዝርዝሩ ሰፊሕ እዩ።ግን ኣብ 1960ታት ሓንሳብ ተወዳዲረን ምምባረን ኣነ ባዕለይ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ የመልክት እዩ።

ማማ ስላስ ረዳ ከም ሓንቲ ፈታዊተይ መጠን ብዛዕብኣን ደሓን ዝኰነ ኣፍልጦ ኣሎኒ እብል።እዚ ድማ ማማ ስላስ ኣብ 1948 (1955 ዓ/ም/ፈ) እየን ወይዘሪት ኤርትራ ተባሂለን።ኣብ ሚስ ኢትዮጵያ (ወይዘሪት ኢትዮጵያ) ተዓሚጸን ከም ቀዳመይቲ ክወጻ ኣይከኣላን እየን።እቲ ምንታይ ሰበይ ሰብኻን ዉሽማይ ዉሽማኻን ብምንባሩ ንሰን ክዕወታ ኣይደለዩን።ሰፊሕ ታሪኽ እዩ።

ብድሕሪኡ ድማ ኣብ 1960ታት ኣብ ትግራይ ተወዳሪረን ቀዳመይቲ ወጺአን እየን።

ናብ ማማ ኣልማዝ ምስ እንምለስ ኣብቲ ዘውዲ ኣርኣያ (ኤርትራዊት) ቀዳመይቲ ዝወጸትሉ ኣብ 1962 ማማ ስላስ መምህራን ኣላይታን ኰይነን ሰሪሐን እየን።ግን ዘልዕሎ የለን።ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ስም ማማ ስላስ ረዳ ክለዓል ኣይድለይን እዩ።ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ስኒት ስለ ዘይብለን ኰነ ነዲኡ መሓዝኣን ብምንባረን ኰነ ኣብ 1984 ኣብ መቐለ ተራኺቦም ዘጋጠሞምን ወዘተ ስም ማማ ስላስ ወላ ብጌጋ ኣይዝክረን እዩ። ድርብ ወፅዓ እዩ!

ኣብዚ መቃን ጊዜ እዚ ድማ ማማ ኣልማዝ ኣበራ ተወዳዲረን ነይረን እየን።ማማ ፅዮን ሚካኤል ዓንዶም(ሓፍቲ ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም) በዲአን ተምቤን ስለ ዝኰና ኰነ በኣሉን ጀነራል ኣማንን ጽቡቕ ቕርበት ስለ ዝነበሮምን- ናይ ታሕጓስ ህያብ ሂበንኣን ምንባረን ካብ ወግዕታተን ሰሚዐ እፈልጥ እየ።

እቲ ፍሬው ሃይሉን ጥላሁን ገሰሰን ዝገጠሙለን ግጥምታትን ደርፍታትን ነጊረናኒ ነይረን እየን።ግን ኣነ እውን ድኹም ጎነይ ክዛረብ ረሲዐዮ እምበር ነጊረናኒ ነይረን እየን።ግን ድማ ቃለን ከኽብርን ቃንዝኣን ከየለዓዕለን ክብል ኣይቐርጸንን ነይረ እየ።

ምስ መንግስቱ ነዋይን ግርማሜ ነዋይን ኣፍልጥኦም ብዙሕ ጨንፈር ኣሎዎ።ንሱ ድማ ማማ ኣልማዝ ክዛረባሉ ዘይደልያ ዝነበራ ሓደ ጉዳይ ኣሎ።ኣነ ብመጽናዕቲ ዝበፃሕክዎ።ንሱ ኸኣ ሓደው ቕድሚ በኣሉ ግርማ ምስ ኣቶ ከበደ ሃይሉ ዝተብሃሉ (ማዕርጎም ርሲዐዮ) ሓዳር ነይርወን እዩ።

ውሉዳት ነይሮመን እዮም።ጭቆና ስለ ዝነበረን ተፋቲሐን እየን።ኣብ ክሲ ቤት ፍርዱ ድማ ሳላ ቁንጅንኣን ብስለትን ስዒረን እየን።እዚ ንባዕሉ ታሪኽ እዩ።

ብዙሓት መኳንንትን ሰበ ስልጣንን እፈትዉወን ነበሩ።ሓወን ድማ ሓላፊ ነይሩ ኣብ ማስታወቅያ ሚኒስተር (ሚኒስትሪ ዜና) ደሓር ፕሮፌሰር ዓምደማርያም ደሳለኝ እሙን ዓርኪ በኣሉ እዩ ነይሩ።ስለዚ ናብ ቤቶም ሒዚዎ ክመላለስ እዩ፡ንኣልማዝ ምስ ረኣያ ልቡ ዝተዘምተ።በኣሉ ግርማ ሓቀኛ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ፡ዝወለደትን ብዕድመ ትዓብዮን ክምርዓዋ ወሲኑ።እዚ ዝተወሰና ሰባት ኢና ንፈልጦ እብል።

ካልእ ድማ በኣሉን ማማ ኣልማዝን ጽሩይን ፅቡቕን ገዛ ንምድላይ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይቐያይሩ ብምንባሮም ብዙሕ ተዘኽሮታትን ምስ ሰብ ክፋለጡን ሓጊዝዎም እዩ።ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕንጻ ሻሎም-ሻሎም ብዝኣተዉ እንሆ ክሳዕ ሎሚ ይነብራ ነበራ።

ስለዚ፡ሳላ ፕሮፊሰር ዓምደማርያም ደሳለኝ (በዓል ስልጣን) ሓወንን ሳላ በኣሉ ግርማን  ኰነ ሳላ ቁንጅነኣንን ግኑናት እዮም ነይሮም።

በኣሉ ግርማ ንብዙነሽ በቀለ ይፍትዋ ምንባሩ ጭቡጣት ሓበሬታ ኣሎዉኒ እዮም።ሓደው እቶም ምስ በኣሉ ተረኛታት ኰይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ቴክንሻናት፡ካላኣይ ምስ በኣሉ ቕርበት ዝነበሮም ሰባትን ኣብ መወዳእታ ድማ ማማ ኣልማዝ ኣመና ምስ ሓመማ ናይ ልበን ኣውጺኣን የውግዓኒ ብምንባረን፡ሓደ መዓልቲ ነቲ ብሕሹክሹኽ ዝውረይ ከይተረፈ ክሓተን ጀመርኩ።

ስለዚ፡ንብዙነሽ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም።ንሰን ሓንሳእ ሓንሳእ “ኪድ ኣጆኻ ሸልማ!” ኢለን ይልእክኦ ምንባረን ብኣንደበትን ምስክርነት ሂበናኒ እየን።እቲ ሽልማት ሕጂ ኰይነ ክሓስቦ ከለኹ፡ንበኣሉ ክኸስረኦ ዝደለያ ኣይመስለንን።ካልእ ድማ ቕድሚ ምስ ማማ ኣልማዝ ምፍላጡ ንሓዳር ምስ ብዙነሽ ወዲኡ ምንባሩ ፈለጥቶም የውስኡ እዮም።ስለዚ ንሰን እቲ ሓቂ ይርደኣን ነይሩ ማለት እዩ።

ካልእ ድማ ማማ ኣልማዝ ዉልዳት ነይሮመን እዮም።ብዕድመ ድማ ብ4 ዓመት ይዓብይኦ ነይረን እየን።ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝሰርሑ መሳርሕቱ፡ከብሽቅዎ ከለዉ ከማን “…ኣንተ ብ4 ዓመት ትዓብየካ ሰበይቲ ትእቱ!፧” ክብልዎ ከለዉ።ንሱ ድማ ዘይደሃልን በዓል ፅኑዕ መትከልን ብምንባሩ፡ብሓውሲ ቀልዲ ኣዋዚዩ “እቴገ መነን ከማን ንጃንሆይ ብ4 ዓመት እየን ዝዓብየኦም እኮ ግን ካብ ፍቕሪ ኣይዓገቶምን እዩ!” እናበለ ይምልስ ምንባሩ መሳርሕቶም ፀውዮሙኒ እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ኣነ ንመታዕብይቶም፣መምሃርቶምን መሳርሕቶምን ዝኰኑ ሓቲተ እየ።እንተኰነ ጊዜ ከይወስድን ከይሰፍሕን ንሎሚ እዚአን ይመስላ።

ካልእ ጊዜ ንወዲ ፍሬው ሃይሉ፣ንኪሮስ ሃይለስላሴን ካልኦትን ሓቲተ እተን ዝተረፋ ሕቶታት ክምልስ ተስፋ እገብር።ወደሓንኻ!

By aiga