ፀጋይ ገረመድህን እቶም ብዙሓት ኣብ ፌስቡክ ዝፈልጥዎ ‘ፀ’ 😊 ይብልዎ። “ፅሓፊ ተውኔት ሎሬት ፀጋይ ገብረመድህን” ወይ  ናይ እዚ ዘመን “ገብረህይወት ባይከዳኝ” እየ ከምዘይብለና እንታይ መረጋገፂ ኣለና? እንታይ መተኣማመኒ ሒዝና ንታኸስ? ከመይ ኢልና ንደቅስ?


‘ከመይ ኢልና ንደቅስ?’ እትብል መፅሓፍ እፅሕፍ ኣለኹ ክብል ን መሬት ዳሉል ተጎዝጒዙ ኣብ ዓፋር፣ ኣላማጣ ተቐልቂሉስ ይኹን፣ ወይ ብ ኣገው ንስቖጣ እናማዕደወ ወይ እውን ኣብ ዓዲ ኣርቃይ ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተደሃየና ተሃንጢዮም ዝፅበዩ ካብ ዝነበሩ መሓዙት ሓደ ኣነ እየ። ደሓር እማ በዚ መፅያ እንተይበልናያ ኣብ ኢድ ፍትሓዊ ሕሩይ ዝብሃል ሓው ብዝበፅሐት ኣብዛ ደገኣፌት ገዛይ ጥብ ኣበለለይ።

እዝጊሄር ይሃቦ!


ሽዑ ‘ከመይ ኢልና ንደቅስ?’ እንተይኣንበብኩ ከመይ ኢለ ይድቅስ? ኢለ መቐመጥየይ መድሚደ ተተሓሓዝክዋ። ደሓር ግን ሓሳበይ ቀይረ እዚ ዝመስል ፅሑፍ እማ ከይትውድአኒ ብህርፍርፎት እናቖንጠርኩ እናደቀስኩ እናተሳእኩ ዳርጋ ኣብ ክልተ ቕነ ፈፂመያ። ኣብ መንጎ ከንብብ ከለኹ ስምዒተይ ዝተንከፈኒ ታሪኽ፣ ኩነት እቲ ቓልሲ ኣብቲ ፅንኩር እዋን ከምኡ እውን ተቓላሳይ ወለዶይ እንታይ ይሓስብ እንታይ እናበለ ኸ ይቃለስ ኣሎ ዝብል ታሪኽ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣዕርኽትኹምን ኣብኡ ክተግንይዎ ኢኹም።

እታ መፅሓፍ ረኺብኩም ኣንብብዋ! “ከመይ ኢልና ንደቅስ?!”

ክተንብቡ ከለኹም ከም ወለዶ፥ ወቓሲ፣ ተወቃሲ፣ ተማጓቲ፣ ፈራዲ፣ ተቓላሲ፣ በዓል ሞያ ዝኾነ ዓውዲ፣ መምህር፣ ምናምን ዕውናንያ – ዒዋላ፣ መራሒ ኩሉ ኮይንክም ነብስኹም ከም እትርእይዋ እግንዘብ። መዓት ተጋራጨውቲ ሓሳባት ተላዒሉ፣ ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ ኣብ ምንታይ ነይርና ከም መናእሰይ እንታይ ንሓስብ ነይርና? ብ ድሕሪኡ እንታይ ኣጋጢሙ እዩ መሬት ዕንቊ ዝኾነተና? መራሕትና እንታይ ገይሮም? እንታይ ክገብሩ ከ መማረፂ ነይርዎም? በታ ግዘ እቲኣ ኣብ ትግራይ ዝነበረን ዘሎን ህዝብና ከ እንታይ ይሓስብ ነይሩ ግልህ ኢሉ ክርኣየኩም እንተደሊኹም እታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ “ቆፀራን ስንብትን” ጎልጒላ ኣውፂኣትልኩም ኣላ።

ትግራይ ኩሉ እዩ ተጋዲሉላ። እንኮላይ እቲ ኣብ ትግራይ ዘይዓበየ ትግራዋይ-ብ-ልቢ፣ ካብ ወፃኢ ዓዲ፣ ካብ ክልላት ኢትዮጵያ፣ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ሕድሕድ ኣጉዶ ትግራይ ገሊኡ ከዓ ከም መላእ ስድራ ገዛ ዓፅዮም እውን ዝተጋደሉ ኣእላፍ እዮም። ብ ሞያ መዳይ ከዓ ሓኻይም፣ መማህራን፣ ሌክቸረራት ዩንቨርስቲ፣ መሃንድሳት፣ ገባራት፣ ካድረታት ውድባት፣ ደቂ ዕስራ ደቂ ሓምሳ ደቂ ሰብዓ ኮታስ ኣንስታይን ተባዕታይን ትግራዋይ ዘበለ ብዘይ ሓንቲ ትእዛዝ ትግራይ ኢሉ ተደላልዩ ባዕሉ ዓሊሙ ኣብ ሳልስቲ ናብ ሃልሃልታ ኲናት ትግራይ ኢሉ ጠጒጉ ኣትዩ እዩ ይብለና ፅሓፋይ ከመይ ኢልና ንደቅስ። እወ!? ከመይ ኢልና ንደቅስ? ብዙሕ ዕዳ ኣለና!

‘ውረዱ ሜዳ’ ምስተባህለ ጀጋኑ ተጋደልትና ኣብቲ ፀልማት እዋን እንታይ ይሰርሑ እንታይ ይሓስቡ ነይሮም እውን ባዕሉ ዝከኣለ ርእሲ ኣለዎ ክተግንይዎ ኢኩም። ሜዳ ወሪዶም ክላሽንኮቭ ተጠምጢሞም ጨና ባሩድ እናሸተቱ ስቕ ኣይበሉን። ስለ ርህው መፃኢ ትግራይ ኣብ ዝተሰማምዕሉ ዘትዮም ኣብ ዘይኣመንሉ ተኸራኺሮም፣ ድሕሩ ባህሊ ዝበልዎ ነቒፎም፣ ትግራይ ኩርንኩሪት ኣሲርዋ ዘሎ ድሕሩ ኣተሓሳስባን ስርዓትን ከከም ምልከተኦም ተቓዊሞም ሓሳብ ኣልዒሎም ደሓር ግን ኣብ ስለ ትግራይ መስርዕ መሊኦም ኣብ ግዘ ዓወት ግን እቶም ደቂ ትግራይ ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ተቐቢሮም፣ ድርዕቶ ፅዕነት ሃገር ትግራይ ከቕልሉ። በይዛ ድፍእ የብለኒ!! ሓደ ትግራዋይ ሓዎም፣ ተግባሮም ተኣምር ኮይንዎ ከድንቖም ከሎ “ዝድህሰሱ መላእኽቲ!” ክብሎም ሰሚዐ ነይረ ኣብ ዝኾነ ሚድያ።

መቸም  ፀጋይ ኣብ እግሪ እንዳባፃሕማ ዓብዩ ን ኣባ ዘወንጀል ከምዚ ክብል፣ ኣባ ገረንቻኣል ዝበሃሉ ሓላዊ ገዳም እንዳባፃሕማ እንኳዕ መፅሓፉ ዘየንበብዋ ሞቱ እንበር ንኹለና እዩ ብ ፃውና ፈላሲ ከሻቑጠና ነይሩ። 😊 ን ነገር ነገር የምፅኦ እንድዩ ብ 1994 ዓም ሓደ ባሕታዊ ዓለም ክትግልበጥ እያ ኢሉ ኣዊጁ ቐዳም መዓልቲ ምሳሕ ከይበላዕና ጤል መእእእእ ብዝበለት ቑፅሪ መሬት ተገምጠለት እናበልና ናባህረርና ዝወዓልናዮ መዓልቲ እውን ኣዘኪሩኒ።

 ክፉእ ሰብኣይ!

ክሳብ ሽዑ ብ ግለይ ስምዒተይ ካብ ዝተንከፋኒ ትሕዝቶታት እቲ መፅሓፍ እተን ኣዝየን ሕዲት ተለላታት ኣልዒለ ከዋዝየኩም።

ታሪኽ ብዙሓት ተጋሩ ተጋደልቲ እቲ ሓዱሽ ወለዶ እኳ ተመሳሳሊ እንተኾነ ከም ኣብነት ኢሉ “እቲ ወደይ” ኣብ እትብል ኣርእስቲ ዘስፈራ ሓቃዊት ታሪኽ ካብ ከተማ ዓዲ ግራት ናብ ታዕሊም ከይዳ ወዳ እትእልሽ ዝነበረት ኣደ ኣዝዩ ዘስደምም እዩ። ስለ እታ ኣደ ካብ“መፅሓፍ ከመይ ኢልና ንደቅስ ካብ ገፅ 89 ዝተቐንጨበ ከም ዘሎ ከካፍለኩም።

“ፀላእትና ናብ ታዕሊም ቦታ ቤተ-ሰብ መሲሎም ከይኣትውና ታረኛ ዋርድያ ኾይነ ይሕሉ ነይረ። ዓሰርተ ዝኾኑ ወለዲ “እከለ” ዝበሃል እንተሃልዩ እባ ፀውዐለይ ኽዳን ክህቦ፣ ጨርቂ ክህባ ይብሉኒ። ይመሃሩ ስለዘለው ድሕቲ ትምህርቲ ክሓተሎም ከምዝኽእል ይነግሮም። ሓንቲ ኣዶ ግን ‘በይዛኻ ካብ ዓዲ-ግራት እየ መፂአ ተመሊሰ ንምኻድ ክመሽየኒ እዩ፥ ክልተ ኣሕዋቱ ብናይ ሻዕብያ ወታደራት ስለዝተቐተሉ ንዕዑ እውን ምስኦም ቀቲለምዎ ከይኾኑ ምስ ሬስኦም ስለዘይተረኽበ እየ ኣብዙይ ከጣልል መፂአ። ኣብዙይ እንተሃሊኡ ደስትኡ ኣይኽእሎን፣ ዝወደይ ናይ ጀጋኑ ስራሕ እንተሰሪሑ …ዶ’ ትብለኒ ብስምዒት።

‘መን ይበሃል?’ ኢለያ፣ ሽሙ ነጊራትኒ ኢንጅነሪንግ ተማሂሩ ኣብ ዩንቨርስቲ ሰቓላይ እዩ፣ ቀይሕ እዩ ፀጉሩ ልስልስ ዝበለ በለትኒ። ብ ሓደ ኣፉ ናይ ኹሎም ሽም ዝደልይዎም መዝጊበ ናብቶም ኣብ እግሪ ሞሞና ዝመሃሩ ዘለው ተዓለምቲ ኸይደ ሽም ፀዊዐ። ካብቶም ዘመስገቡኒ ሰለስተ ኣብታ ናይና ቦጦለኒ ነይሮም። ካብዚኣቶም ሓደ እቲ ኣብ ዩንቨርስቲ ሰቓላይ ዝነበረ ቀይሕ ተምሃራይ እዩ ነይሩ። ምስ ኣዲኡ ተራኺቡ ተሓቛቊፎም ተሰዓዓሙ።

‘ክትመፅእ ከለኻ ደኣ ዘይምነገርካና ዝወደይ? ኣድኪምካኒ እቶም ርኹሳት ቀቲለምዎ ከይኾኑ ኢለ ተሻቒለ ቀንየ’ በለቶ። ንሱ ግን ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ ስቕ በለ። ብዙሕ ኣይዛረብን።

‘በል በርትዕ ጀግና ኹን፣ ፅኑዕ የርግፅካ ዝወደይ’ ኢላ ካብ ጓጓኣ ክልተ፣ በዓል ክልተ ምኢቲ ቕርሺ ሂባ ሰነየቶ። ኣዕይንታ ንብዓት ቋፂሩ ነይሩ ናብ ስልጠንኡ ምልስ ምስበለ ንብዓት ኣዕንታ ተኸቲሩ ከምዝነበረ ዝፈገረ ውሕጅ ዷሕሕ ኢሉ ክሳብ መንከሳ ወረደ። ንብዓታ ብጫፍ ነፀለኣ እናሓሰሰት፣ “የቐንየለይ ዝሓወይ ካብ ሕማቕ ይሓልኹም! ዓወት ምሳኹም ትኹን።”’ ኢላ ተሰናቢታትኒ ኸደት።
ድሕሪ እዚ እቲ ለግለግ መንእሰይ፣ ኣብ ከይዲ ስልጠና ኣብ ትኹረተይ ኣተወ። ተቐራረብና። ብጣዕሚ ዕጉስ፣ ትሑት፣ ዝተኣዘዞ ኩሉ ከይተለገመ ዝፍፅም ለባም እዩ። ንብዙሓት መሓዙትና ጎበዝን ለባምን መንእሰይ ምዃኑ እንትነግሮም ካብ ጎነይ ከይተፈለየን እንትርእይዎ ፣ “እቲ ወድኻ!…” ይብሉኒ ነይሮም። (ኣነ እውን እቲ ወደይ ይብሎም ነይረ።) 

……….

(ገፅ 93)
እቲ ወደይን ብፆቱን መጋቢት መጀመርያ ስልጠና ወዲኦም ናብ ምዕራብ ግንባር ተመዲቦም ከዱ። ንሕና ኣፅቢ እናሃለና ኣብ ደቡብ ትግራይ ውግእ ነይሩ። ሰራዊትናን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ክባ ፀላኢ ኣትዮም ስለዝነበሩ፣ ኣብ ኣፅቢ ዝነበራ ናይ ምዕራብን ምብራቕን ግንባር ኣሃዱታት ክባ ኽሰብራ ናይ ደቡብ ተጉዓዛ።

ንሕና ኣይተጉዓዝናን ነይርና። ድሕሪ ናይቲ ኣብ ከባቢ ደንጎላት ዕውት ስርሒት እተን ኣሃዱታትና ናብ ፅገሬዳን በዓቲ ዓኾርን ተመለሳ። ንሕና እውን ካብ ኣፅቢ ናብ ገረዓልታ ወረድና። ናብ ገረዓልታ ምስወረድና ምስቶም ኣብ ውግእ ድንጎላት ዝተሳተፉ ተራኺብና ከመይ ከምዝነበረ እንትነውግዕ ሓዲኡ
“ወደይ እቲ ትፈትዎ ዝነበርካ ወድኻ እኮ … “በለኒ። ☹

እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ መምሀሪ መፅሓፍ ቀዳማይ ብርኪ ዝነበሩ ከም በዓል “ሓፂን ዝበልዖ ሓፂን ተቓላሳይ!” ተጋደላይ መስፍን። ይመሳሰል። እዚ ተምሃራይ ናይ መካኒካል እንጅነሪንግ ተምሃራይ እዩ ነይሩ። ተኽሊ ሰውነቱ እውን ከምኡ። ታሪኽ እታ ኣደ ከኣ ታሪኽ ኣደ ብርሃነ መስቀል የዘኻኽር። “ረጊፅክዮ ዘኒሀኺ መሬት!”

ረጊፅክዮ ዘኒሀኺ መሬት እንተትፈልጥስ እንታይ ምበልኪ? በለ ሓዱሽ (ተጋደላይ ሓየሎም) ን ሓፍቱ (ኣደ ብርሃነመስቀል ኣብ መቓብር ወዳ ኮይና ደሃይ ወዳ እንትትሓቶ)።

ካሊእ ዝመሰጠኒ ኣቀራርባ ስእላዊ መልክዕ መልከኣ ምድራዊ ኣገላልፃ ይበል ዘብል እዩ። ገና ካብ መቐለ ወፂኡ ናብ ሃገረሰላም ተንቤን ሰመማ ዓዴት፣ ናዕዴር ዳዕሮ ሓፋሽ፣ ማይቅነጣል ጎልጎሎ፣ ዕደጋ-ዓርቢ እንዳባፃሕማ፣ ፀድያ ፃኢ ዓረና፣ ነበለት ጎኖቕ፣ ኣዘባ ሓውዜን፣ ገረዓልታ ናሕሶ፣ ኣፅቢ ፅገሬዳ፣ ውቕሮ – መቐለ። ብ ፍላይ ኣብ ዝባን ናሕሶ ኮይኑ ዝቐረበ ኣገላልፃ ጎቦታት ትግራይ ካብ ሕልና ዘይጠፍእ ዝኽርታት ይሓድግ።

ገድሊ ብዙሕ እዩ። ተፈጥሮ እውን ኣካል ገድሊ እዩ። ጎና ጎኒ ብ ዓረር ፀላኢ እትሓልፍ እስትንፋስ ብፃይ ጎቦታት ዓድና እውን ኣሰንኳይ ንፀላኢ ን በዓል ናይ እውን ፈታኒ እዩ። ትትረፍ ዝበላ ነብሲ ኣብ ማእገርካ ዝተሓንገጥካያ ከላሽን ካብ ሃው ዝበለ ገደል ኣብ ጉንዲ ሓንቲ ቖጥቋጥ ሰራው ተቀርቂራ ገቲራ ተትርፈካ። ፅንሒ ዝተብሃለት ነብሲ!

ብፃይነት ተፈጥሮኣዊ ስምዒት እውን ተተንኪፉ እዩ። መግለፂ እቲ ቁንጅና ካብ ዝበሰሉ ኣራንሺ ዝመስሉ ኣጥቧታ ናብ ክፍንጀሩ ዝቐረቡ ቁንቡላታት ዝመስሉ፣ ኣብ ከንፈር ዘሎ ቻፕስቲክ ብ ን ዒላማ ዝጥቀመሉ ቀይሕ ዒላም ክምሰል እንከሎ  ክንደይ ብዙሕ ኣፋላላይ ከምዝተጓዓዝና የርእይ። ብ ሓፈሻ እዚ መፅሓፍ ብዙሕ ኣንፈት ጉዕዞና የርእይ። ኩሉ ትግርኛ ዘንብብ፣ ስምዒት ሓዱሽ ወለዶ ትግራዋይ እንታይ ከምዝመስል ክርእይ ዝደሊ፣ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት መናእሰያት ትግራይ ክርዳእ ዝደሊ፣ ጉዳይ ሕገ-እንዳባ ይኹን ፍትሕ ኣብ እግሪ ዳዕሮ ቐርያ ዝበሃለሉ ዝነበረ ዘመን፣ ክፍተት ሕገ-መንግስትን ብ ሕገ-መንግስቲ ኢና ጉዳይና ንፈትሕ ዝብሉ ተገራጨውቲ ሓሳባትን። ሰብ-ሽርጥ ዝተብሃሉ መንቀዓረርቲን መደብቲ ስልጣንን! ኮታስ ትግራይን ትግራዋይን ይምልከተኒ እዩ ዝብል ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዝነብር ትግራዋይን መንበቢ ትግርኛን ፀጋይ ውዕለታ ውዒልልኩም ኣሎ ኣንብቡ።

ወደሓንኩም!