ዋእ አንታ እዚ ወዲስ እንታ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ? ብኸመይ ከ እዩ ምስ አርሜንያ, ሃገርና ኤርትራ አራኺብወን ? እትብሉ እሕዋትን፣አሓትን ድማ አይክትሳአኑን ።

እወ አነ ሓደ ትግራዋይ እዬ።ከምቲ ሓደሓደ ኤርትራዊያን ዝጽውዑና ብሓፈሻ ንተጋሩ ጭው ዝበልኩ ዓጋመ እዬ። ከሕልፎ ዝደለኹዎ መልእኽተይ ድማ “ንለባምያ አምተሉ፣እንተ ንዓሻኸ ደርጓሓሉ”እዩ። መብዛሕትኡ መልእኽተይን ሓሳበይን፣አብ ዝሓለፈ እንተይኮነስ፣አብ መፃኢ ውሕስና ቋንቋ ትግርኛ ተዛረብቲ ዝተፈጸመ ሸርሒን፣ክፍአትን ካብ ታሪኽን፣ካብዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ አስካሕካሓይ ግፍዒን እዚ ሕዝቢ እዙይ ተደሪኸ እሞ ድማ ብፍላይ መናእሰይን፣ዋዕሮታት ትግራይን፣ ምስ ጀጋኑ አያታቶምን፣አዴታቶምን ጀነራላትን፣ ኮነሬላትን ዝሰርሕዎ ዘለው ብቓላት ክግለጽ ዘይኽእል ታሪኽ ጀግንነት፣ብምርአይ መንእሰይ ወለዶ ሃገረ ኤርትራ አነኸ እንታይ እገብር አለኹ ? ንምንታይ መስዋእቲ አያታተይን አዴታተይ ዕሸል ንእስነቶም ዝሰዉኡሉ ቓልሲን ዓወት ሕዝቢ ኤርትራ መጫደሪን ስልጣን ውሑዳት ኮይኑ ? መጨረሽኡ ኸ ብኸመይ እዩ ክዛዘም ? አነኸ ግደይ እንታይ እዩ ኢሉ፣ ማንነቱን መስዋእቲ አያታቱን ንኽዕቅብ ከባራብሮ ስለ ዝደለኹ እዩ።

እዙይ ንምርዳእን ብመርትዖ ንምቕራብን ድማ ዝተፈላለዩ ሃገራት ነይረን ዝበረሳ ሃገራት ምቕራብ ዋላኳ እንተተኻእለ፣ አርሜንያዊያን ግን እቶም ብታሪኽን ብግፍዒ ወረርቲን፣ብኽሕደት ናይ ባዕሎም መራሕቲን ቀስ እናበሉ ዝበረሱ አህዛብ እዮም።ሎሚ አርሜንያ ደቂባት ዘይብላ፣ሕዝባ ተሰዲዱ አርሜኒያዊነቱ ብቓላትን፣ ባህልን፣ ታሪክን አብ መሬት እንዳማቱ ዝነብር ዘሎ ምስኪን ሕዝቢ እዩ። ትሕዝቶን አካይዳ ኤርትራዊያን እሕዋተይን አሓተይን ድማ ሎሚ ብእዋኑ ክገብርዎ ዝግቦኦም ዕማምን ስራሕቲን አነፂሮምን አርሒቖም ተሊሞምን እቲ ናይ ትማሊ ናይ ወለዶም መስዋእትነት ብኽብሪ ዓቒቦም ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ታሪኩን፣ባህሉን፣መሬት አቦታቱን አዴታቱን ከረክብዎ እንድሕር ዘይክኢሎም መጻኢ ታሪኮምን ዕጭኦምን ካብ አርሜናዊያን ዝፍለይ አይኸውንን ዝብል ስግአተይ ንምግላጽ እዩ።

ከም ታሪኽ አርሜናዊያን፣ እዞም አህዛብ እዚኦም አብ ሃይላንድ ምዕራብ ኤሲያ ዝርከቡ እንትኾኑ፣ ህላውነኦም ድማ ልዕሊ ፬ሺሕ ዓመታት ከምዝኾነ ታሪኮም ይሕብር።እዞም አህዛብ እዚኦም ቕድሚ ልደተ ክርስቶስ ፬፻፭ ብናይ ባዕሎም ቋንቋን ፊደላትን ዝጥቀሙ ዝነበሩ፣ድሕሪ ውልደተ ክርስቶስ ድማ ናይ “አርሜንያን ኪንግደም” እቶም ፈላሞት ዘይ ቻልሲደንያን(a non-Chalcedonian Christian church )ክርስትና ዝተቐበሉ አህዛብ እዮም።

እዞም አህዛብ እዚኦም መብዛሕትኡ ባህሎምን መንነቶምን ምስ ግሪካዊያንን፣ምስ ማኪዶንያዊያንን ዝወራረስ እንትኸውን፣ብፍላይ ብ1894 ዓ/ም ክሳብ 1896 ዓ/ም ብመሪሕነት ኦቶማን ቱርኪ ዝተፈጸሞም ምጽናት ዘርኢን፣ ብተወሳኺ ብ1915 ዓ/ም ክሳብ 1916 ዓ/ም ቐዳማይ ዄናት ዓለም ዝነበሮም ሃገራዊ ሓድንት ሃደሽደሽ ኢሉ ‘ብሶቬት ሶሻሊስት ሪፓብሊክ’ ስለ ዝተዋሕጠ ዝነበሮም ሃገራዊ መንነት ፈራሪሱ ሎሚ ልዕሊ 5 ሚሊዮን አርሜናዊያን ብዘይ ሃገር ተባታቲኖም ይርከቡ። እዞም አህዛብ እዚኦም ሎሚ አብ ቱርኪ ኢሳታምቡል፣አብ ራሻ፣ፈረንሳይ፣ጣልያን፣ጀርመን፣አሜሪካን ኢትዮዺያን፣ ሱዳንን ተባታቲኖም ናሃትና ዝብልዋ ሃገር ሓሪማቶም ይርከቡ።እዞም አህዛብ እዚኦም ዓለም አለኒ እትብሎ ስልጣነ፣ፍልስፍና፣ሕጊ፣ስነጥበብ ምስኒ ባዓል ግሪክ ዝወዳደሩ ዝነበሩ ስልጡናት አህዛብ ምኳኖም አይንረስዕ። ይኹንምበር ጊዜ እናተቐያየረ ብዝኸደ ቑጽሪ አብ መግዛእቲ ቱርኪን፣ራሻን፣ኢራንን እናወደቑ ማንነቶም ገዛእቲ ሃገራት እናተቐያየሩ ብዝኸድዎ መልክዕ፣ እቲ

ጹሩይ አርመናዊ መንነት እናተበረዘን እናሃሰሰን ስለ ዝኸደ፣ታሪኽን ማንነት አርመናዊያን አብ ቤት ክርስትና እምነቶም ጥራሕ ተዓቂቡን ተወሲኑን ይርከብ አሎ።

ኽቡራት መንበብተይን ኤርትራዊያን አሓተይን፣እሕዋተይን ሕጽር ብዝበለ አገላልፃ ክቕርቦ ዝፈተንኩ መረዳእታ፣ ሃገረ ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ መግዛእቲ እንግሊዝን፣ጣልያንን እቲ ናይ አሻሓት ዓመታት ስልጣነን ታሪክ ትግራዋይነትን ብኸመይን ማዓዝን ክሽርሸርን ክሃስስን ከምዝተጀመረ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ ዋላኳ እንተኾነ፣ አካይድኡን መጨረሽትኡን ዕድል ኤርትራን፣ኤርትራዊነትን ድማ ብሓያል ናህሪ ይብርዕንን ይጠፍእን ስለዘሎ ከም ሓደ ብማንነተይን፣ ብባህለይን፣ ታሪኸይን፣ ዝኾርዕ ትግራዋይ (ዘርዐይን፣ሕዝበይን) ኸድሕን ስለ ዝብህግ እዩ።

አብ ዓለምና ትማሊ እኒ ግሪኽ፣ጣልያን፣እኒ እንግሊዝ፣እኒ ፖርቹጋል ሓያላን ሃገራት አብ ዝነበርሉ እዋን፣ ንረብሓና ጠንቂ እዮም ኢሎም ዝፈርህዎም ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ ሜላ ጌሮም አጥፊኦሞም፣በታቲኖሞም፣ መቓቒሎም ናብ ዝወረደን ናብ ዘይጻብእዎምን ብርኪ አውሪዶሞም

እዮም “ትግራይን፣ እቲ ትግርኛ ተዛራቢ ሕዝቢን” ድማ ብድሌት ሚኒሊክ ናይ ኢትዮዺያን፣ብባህጊ

ምውናን “ባሕረ ነጋሽ” ድማ ጣልያን ኮነ ኢሎም ኤርትራ ዝብል ሹም ብምሃብ ካብ ሓዉ ሕዝቢ ትግራይ ፈላልየሞ ፣አብ ክልተ ገሚዖሞ።ገሚዖሙና።

ድሕሪ ፪ይ ዄናት ዓለም ድማ እቶም ሓያላት ዝነበሩ ንባዕሎም እናተዳኸሙ ብምኻድ፣እንግሊዝን፣አሜሪካን፣ራሻን ዝውንንዋ ዓለም ብምፍጣር፣ ከምቶም ፈላሞት ጌሮም ዘስግእዎም ሃገራት ከምኒ ጀርመን፣የመን፣ኮርያ፣ አብ ክልተ ብምፍንጻሕ ክዳኸሙ ጌሮሞም እዮም። ይኹንምበር ድሕሪ ምብትታን ናይ ሩሲያ ፌደሬሽን፣ካፍቶም እቲ ሸርሒ ጸላእቶም ዝተረደኦም ጀርመንን፣ የመንን እንትሓብሩ ትግራዎትን፣ኮርያን ግን ምስተፈላለዩን ምስተናቆሩን እንሄው። እቶም ሓያላት ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ድማ ከምኒ ጣልያንን፣ግሪኽን ወሪዶም። ሎሚ አሜሪካን እንግሊዝን ምስ አውሮፓ ሕብረት ሓቢሮም ኔቶ(NTO)ብዝብል ወታደራዊ ሕብረት።

በቲ ካሊእ ወገን ድማ ዋርሶ( WRSO) ብዝብል ራሻን ቻይናን ይታፋነኑ አለዉ።ኩሉ ጊዜ ሓያላን

ሃገራት ዘባእሶም ረብሕኦም እንትኸውን፣ንቲ ባህጎም ዘፍጽመሎም መራሒ ሓንቲ ሃገር እንትረኽቡ ድማ፣ ገመድ አብ ክሳዱ ከም ዝአተወሉ ከልቢ፣ ከም ድሌቶም እና አዘዝዎ ብተዘዋዋሪ ሃፍቲን ተፈጥሮአዊ ጸጋን እታ ሃገር ይጉሕጉሑዎ። እቲ ብአፎም ዝዛረብዎ መሰል ወዲሰብ ኮነ ዲሞክራሲ፣ ወይ ድማ ናጽነት ንፖለቲካዊ ተቐባልነት፣ ዝዝምርዎ ካብ አፍ ዘይሓልፍ መወጽዕን፣ መርገፂን መሰል ማሕበረሰብ፣መርገጺ ዲሞክራሲያዊ መሰል ሕዝብታት እዩ።

ንሕና ቋንቋ ትግርኛ ተዛረብቲ ሕዝቢ ትግራይን፣ሕዝቢ ባሕረ ነጋሽን ድማ፣ ሓደ ዓልየትን ናይ ባዕልና ዝኾነ ታሪክ፣መረዳድኢ ቋንቋን፣ናይ ባዕልና ብወለድና ዝተቐረጹ ፊደላት፣ ስነ ጥበብ፣ስልጣነ አኽሱም፣አዱሊስን፣ ይሓን ዝወነና እንትንከውን፣ቕድሚ ስልጣነ ሕዝቢ ዓለም፣ ዝሰልጠነ ማሕበረሰብ እውን ኢና። አስትሮኖሚን፣ፊዚክስን ስነምርምርን፣ሳይንሳዊ ምህዞ አብ ዘይነበረሉ ግዜ፣ተጋሩ አያታትና ናይ ባዕልና ዝኾነ ስልጣነን ምርምርን ፣ብምክያድ ከምኒ ሓወልቲ አኽሱም ሰሪሖም፣ቀሪፆምን ዝተኸሉ።መፍለይ ማዓልቲን፣ ወርሒን፣ዓመታትን እንቖጽረሉ (ካላንደር) ምሒዞም ዘረከቡ። ከምኡውን እዋናት ፈሊና ንመጻኢ እንዳለወሉ ከምኒ(ሓጋይ፣ ክረምቲ፣ ጽድያን ፣ ቀውዒን) ዝማሃዙን ክሳብ ዛ እዋን እዚአ እንሪኦምን፣እንጥቀመሎምን ዘለና ታሪካዊ ሓድግታትና መግለፂ ትግራዋይነት እዮም።እዞም ታሪካዊያን ሓድግታትናን፣ክብርታትናን እዚኦም ውጽኢት ስልጡናት ህያብ ወለድና እዮም። እዚ ስልጣነና እዙይ ድማ ቐንዲ ምኽንያት ንኽንጠፍእ ከም ወንጀል

ተቖጺሩ እዚ ሎሚ ኾነ፣ትማሊ አብ ልዕሊ ትግርኛ ተዛረብቲ ዝወርድ ዘሎ መከራ ንቕበል አለና።ዋላኳ ብባዕዳዊያን ጸላእቲ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለየ ሜላ ንአሻሓት ዘመናት እናፈተኑ ይምጽኡምበር እቲ ኻብ ትማሊ ዝኸፍዐ ዝገብሮ ሎሚ ካብ ውሽጥናን፣ ብዝአመናዮምን ጠላማትን፣ንኸብዶምን ንውልቆምን ጥራሕ ብዝሓስቡ ካሕዳማት የዋድኡና አለዉ።

ሕብረት ትግራይን ኤርትራን ምስቲ ናዓና አምበርኪኾምን፣ ቀጥቒጦምን ንኽገዝኡና ዝነበሮም ባህጊ ስለ ዝጋጨው። ናይ ግድን ክፈላልዩናን፣ ከባእሱና ነይርዎም።ጌሮሞ ድማ። እንሄ ሎሚ ብዝኸፍዐ መልክዑ ንዋዳእ አለና። እቲ ሕቶ ንንቓሕሞ ባህጎም ዶ ነፍሽሎ ? ወይስ ዘርእና ባዕልና ብዝሓቀዱልናን ብዘቕርቡልናን ታንክታትን፣ ሚሳይላትን፣ ሮኬታትን፣ድሽቃታትን፣ ድሮውናትን ንዋዳእ ? ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ተጋሩ ከምንማሃሮ ዝኾነ ይኹን ወራሪ ጸላኢ መፂኡ ንተጋሩ ብዄናት ስዒሩ ገዚእዎም ዝብል ታሪኽ የለን።አዳኺሞምን ፈላልዮምን ግን ገዚኦሙና።ጣልያን ንባሕረ ነጋሲ (ኤርትራ) ብዝብል ሹም ፈጢርዋ።ሚኒሊክ ንትግራይ ብኢኮኖሚን፣ ብዄናትን፣ ግዝአት መሬታ ብምቑርራስን አድክዩ ገዚእዋ። ኮይኑ ግን ትግራዋይነት ማለት ሳዓራይነትን። እምቢ አይግዛእን መለለይ ባህሪያትና ስለዝኾነ፣ እዚ ኽልቲኡ ሕዝቢ ናብ ሓደ ዕላማ ብምዕሳል፣ ታሪኽ ወለዱ ብምድጋም

ንደርጊ ንምስዓር ክልቲኡ ብዘካየዶ መሪር ብረታዊ ቓልሲ፣ ንቲ ካብ አፍሪቃ ብበዝሒ ሰራዊትን፣ ዕጥቂ ዘመናዊ አጽዋርን ዝተዓጠቐ ሰራዊት ደርጊ(ምክልኻል ሓይሊ ኢትዮዺያ) ሓቢሮም ሃንደሽደሽ አቢሎም አፍሪሶሞ እዮም።

ይኹንምበር ብፍላይ ሻዕብያ እታ ዝምነያን ዝተቓለሰላን ሃገር “ሃገረ ኤርትራ” ነፃነታ ምስ አውሓሰ አብ ውሽጡ ዓፊንዎ ዝነበረ ትምኒት ጎብለል አፍሪቃ ንምግሃድ ምስ ዝተፈላለያ ጎራብቲ ሃገራት እናተጋጨወ፣ ኤርትራ እቲ ሕዝባ ዝምነዮን፣ዝተሰዋአሉን ናጽነት፣ራህዋ፣ሰላምን ፍቕሪን እንተይፈጠረሉ፣ብግልባጡ ንመንእሰይ ኤርትራ ብሹም ሃገራዊ ግልጋሎት መወዳእታ ዘይብሉ ንተኸታታሊ ፴፭ዙር ወታደራዊ ስልጠና ብምሃብ፣ መንእሰይ ወለዶ አንጸርጺሩ ወላዲት ሃገሩን ስድርኡን እናራሕርሐ አደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ አሎ።

እዚ ወራር እዙይ አንፈቱ ናበይ ይመስል ?አነ ብውልቀይ ብኸምዙይ እርድኦ። እቲ ፈላማይ ብውገን ኢሳያስ፣ ምስ መራሕቲ ህወሓት ብዝነበሮ ቂም ተላዒሉ ወያነ ሓሳበይ ኮሊፎሙኒ ዝብል ሙሉእ እምነት አለዎ።አነ ብዛዕባ ወያነ ወይድማ ብዛዕባ ህግደፍ መን እንታይበለ ? እገለ እዙይ ገበረ። እናበልኩ ጊዜይ ከጥፍእ አይደልይን።ከም ሓደ ሕዝቢ ዝነበረና ሓድነት ኮነ ተባሂሉ ብተንኮልን፣ብሜላን ፈላልዮም ንኽገዝኡና ስለ ዝኾነ ዳአምበር ከም መቓልስቲ፣ከም ተጋሩ፣ከም እሕዋትን አሓትን እሂን ምሂን ተባሃሂሎም እቲ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ይኹን  ማሕበራዊን፣ጂኦግራፊያዊ አፈላላዮም ክፈትሕዎ ንኻአሉ ኢለ ይአምን። እሞ ድማ እዚ ሕዝቢ ትግርኛ ተዛራቢ ብታሪኹ ጅግና በእንተ ኽብሩን መንነቱን ሂወቱ ዝስውእ ሕዝቢ ስለዝኾነ ሎሚ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ዘርኢ ምጽናት ዄናት፣አብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ብሜላ ቀስ ብቀስ እቲ ሕዝቢ ካብ ንቡር እምነት መንነቱን ክብሩን፣ባህሉን ሸርሺሮምን ድሂሎምን ስነልቦንኡ ናብ ለማስ ተአዛዛይን፣ፈራሕ ተገዛአይን ስለ ዝቐየሮ ፣እቲ እንኮ ዕንቅፋት ንሕልሚ ኢሳያስ አፈወርቒ ሕዝቢ ትግራይ እዩ ኢሉ ስለዝአመነ ብሹም ወያነ ንሕዝቢ ትግራይ ብምጥፋእን፣ዝነበሮ ማሕበራዊን፣ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ትሕዝትኡ አጥፊእኻ ብድኽነትን፣ ብድንቁርናን ንድሕሪት መሊስኻ ምግዛእ ዝብል ሕልሙ ክትግብሮ ጀመረ። እዚ ሕልሚ እዙይ ማንነትን ታሪኽ

ትግራይን፣ትግራዋይነትን ብህልኽን ብበዝሒ አጽዋርን ከምዘይስኮን እንሄ አብ መሬት ገጢሙ ከም ቆሎ እናገላበጠ ትግራዋይ ይቖልዎ አሎ።ሓንሳብ ብበርሓለ፣ሓንሳብ ብዓዲርቃይ፣ሓንሳብ ብጸሊሞይን አድያቦን ሓንሳብ ብራማ፣ሓንሳብ ብዛላምበሳን ብኢሮብን ኤርትራዊ አብቕድሚ ዓለም ይረግፍ አሎ።ትግራዋይ ብዝመጽዎ አብዝምችዎን አብዝደለዮን እዋን የገላብጦምን ይማርኾም አሎ።ሻዕብያ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮዺያን ዓለም አፋ ኸፊታ ጉድ ክሳብ እትብል ይቐትሎምን ይማርኾምን አሎ።ትማሊ ቖማል ዓጋመእናበለ ተሃንዲዱ ዝመጸ ወራሪ ሻዕብያ ሎሚ ብዘስካሕክሕ ኩነታት እናተደምሰሰ ተማሪኹ ኢዱ ዝሃበ ድማ ወዲ ፷ዓመትን ወዲ ፲፭ዓመትን አቦን ወድን አንስቲን አረግቶትን ኢዶም እናሃቡ ተገዲድና፣ተጨዊና፣ካብ ዕዳጋ ተሓፊስና እናበሉ ከም አብ ማይ ዝአተወት አንጭዋ፣ ሞራሎም ሓደሽደሽ ኢሉ ተሴሩ፣ ተማሪኾም ካብ ምርአይ ንላዕሊ ዘሕፍር ታሪኽ ኤርትራዊነት የለን።

ልኽዕ እዩ ብ፼፱፻፺፰ ዓ/ም ሻዕብያ ብዝወለዖ ዄናት ባድመ፣ኢትዮዺያ (ብአይ ሰላም-አይ ዄናት) ንልዕሊ ፳ዓመትብኢኮኖሚን ብዲፕሎማሲን ዶዃዕዃዕ አቢላቶ እያ።እዚ ውሳነ እዙይ ድማ ዋላ ንመንግስቲ ሻዕብያ ይወሰንምበር”ተረካባይ ይዓድዮ” ኾይኑ እቲ ዋጋ ሕዝቢ ኤርትራ እዩ ኸፊልዎ።እዚ ዄናት እዙይ አብ ቤት ፍርዲ ዓለም ቀሪቡ ብውዕል አልጀርስ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ገበነኛ መንግስቲ  ኤርትራ ምዃኑ ስለ ዝተረጋገጸ። ኤርትራ ንኢትዮዺያ ክትክሕስ ተፈሪድዋ እዩ።ብተመሳሳሊ ኹነታት እቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮዺያን ንኽሕንጸጽ ኮላይ ተወሲኑ ነይሩ።ግን እንተይተተግበረ አብይ  አሕመድ መጺኡ።ንሱ ድማ እዛ አጋጣሚ እዚአ ተጠቒሙ ንባህጊ አሜሪካን፣ሃገራት አዕራብን  ከፍጽም ዝተሓረየ ስለዝነበረ ቀስ እናበለ እናተጋህደ ክመጽእ ጀሚሩ።

ክቡራትን፣ኽቡራንን ርግእ ኢልና ንድሕሪት ብምምላስ መደረታትን ከይዲ ፍጻመታት ኢሳያስን፣አብይ አሕመድን እስኪ ንፈትሾ። ኢሳያስ አብይ አሕመድ ንዘቕረበሉ ጻውዒት እንትምልስ እቲ ጻውዒት ስለ ዝተቐበሎ፣ወከልቱ ንአዲስ አበባ ከምዝሰዽ ብምግላጽ “ወያነ ጌም ኦቨር”(woyane game over) ዝብል መደረ አስሚዑ። ብምቕጻል ንአዲስ አበባ ምስ ከደ አብ ምሌኔም አዳራሽ አብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ሕዝቢ ኤርትራን ሕዝቢ ኢትዮዺያን ክልተ ሕዝቢ እዩ ዝብል እንተሃሊኡ፣ነቲ ሕዝቢ ዘይፈልጥ ሰብ ጥራሕ እዩ። ንሕና ሓደ ሕዝቢ ኢና።ዘባእሰናን ዝፈላልየናን ነገር የለን።ብዶብ አይተባአስናን።ተደሚርና ኢና። ኢሉ ዓንቀሩን፣ ኩለን አስናኑን ክሳብ ዝራአያ፣አፍ ልቡ እናወቕዐ ኢዱ እናሳዓመ ብታሕጓስ ተፈንጺሑ ርኢና።

ብምቕፃል ንአዋሳ አብ ዝገበሮ ጉዕዞ፣ ዶክተር አብይ ንስኻ ወኪልና ኢኻ። ምርሓና ኢሉ፣ መራሒ ሓንቲ ሃገር ብዕሊ ስልጣኑ ንኻሊእ መራሒ ሃገር እንትህብ ርኢና።እቲ ዝነበረ ሸበድበድ አብ መሬት ድማ አውሪዶሞ። ዶባት ኤርትራን ኢትዮዺያን ብምኽፋት ፍቕሪ ስዒሩ ተባሂሉ።ብኒ ካሕሳይ በርሀን፣ሰለሙን ባይረን ተደሪፋ።እቲ ትኽክለኛ ፍቕሪ ሕዝቢ ትግራይን፣ሕዝቢ ኤርትራን ድማ ካፍቲ ፍጥረት ወዲ ሰብ ክግምቶ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ተራእዬ። ሕዝቢ ብታሕጓስን፣ ብናፍቖትን፣ ብንብዓትን፣ ብሳሓቕን ተሓዋወሰ።እዙይ ካብ ትጽቢት ኢሳያስን፣አብይ አሕመድን ንላዕሊ ብምዃኑ ነዊሕ እንተይከደ፣ወያነ ዶብ ሰሪጋ አትያ “ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም” ኽቐትልዎ ፈቲኖም ብዝብል ዝተሃቀደን፣ብዝተጸንዐን ብሜላ እቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት መሊሶም ዓጽየሞ።

ድሕሪ እዙይ ረኽቢ ብአየር ጥራሕ ክኸውን ተወሰነ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ግን ሕዝቢ ትግራይን፣ፖለቲካዊ መርሕነት ትግራይን ቀስ እናበሉ ካብ ዝኾነይኹን ዝርርብን፣ስምምዕን እናደፍእዎ ምኻድ ጀመሩ።እዚኹሉ ብኢሳያስን አብይ አሕመድን ዝተገብረ ስምምዕ ኾነ ውዕል፣

አይኮነን መንግስቲ ትግራይ፣ አይኮነንዶ ሕዝቢ ትግራይን፣ሕዝቢ ኢትዮዺያን፣ ፓርላማ ኢትዮዺያን ብሹም ኢትዮዺያ ዝግበር ስምምዕ ኮነ ዝፍረሙ ሰነዳት ንኸይፈልጡ፣ውሳነታትን ስምምዓትን ብኢሳያስን አብይን ጥራሕ ክፍጸሙ ጀመሩ።እቲ ዋና ውዕል ድማ አብ ሱዕዲን አብ ዓረብ ኤምሬትን በሞንጎኛ ሕቡራት መንግስታትን ብዓረብ ኤምሬትን ብዘይኻ ሕብረት አፍሪቓ ዝተገብረ ስምምዕ ዋላኳ እንታይ ከምዝተፈራረሙ እንተዘይተፈልጠ፣አሜሪካን መራሒ ሕቡራት መንግስታትን”አንቶንዮ ጉተረዝ” አብዚ ናይ ትግራይ ጀኖሳይድ ተሪር ውሳነ ዘይምውሳዶም ቐንዲ ምኽንያት እቲ ብሕቡእ ዘፈራሙዎም ውዕል ስለ ዝአሰሮም እዩ ኢለ ብግለይ ይአምን።

እዚኹሉ ጥሕሰት ሕግን፣ምጽናት ዘርኢ ሓደ ሕዝብን እንትፍጸም፣ ዓለም ከምዘይርአየት ሱቕ እትብለሉ ምኽንያት ዋላኳ ብግልጺ እንተዘይተዛረቡ ብተዘዋዋሪ አብ ጎኒ ኢሳያስን፣አብ ጎኒ አብይ አሕመድን ከምዝተሰለፉ መርአያ እዩ።ሎሚ አብዛ ሳዓት እዚአ ኢትዮዺያ ብሐምለ ፲፰

፪፼፲፬ዓምብዕሊ ብአንፈት ቆቦ ዝጀመሮ ዄናት ብዘሕፍር መልክዕ ድሕሪ ምድምሳሶም፣ብአንፈት ምዕራብ ብዓዲርቃይን፣ብአንፈት ደደቢትን አድያቦን፣ሶቆጣን አበርገለን ዄናት ከፊቱ ንሳልሳይ እዋን ብሕፍረት ምስተሳዓሩ፣ኢሳያስ ኩነታት ዄናት ተረዲኡ ስራዊት ኢትዮዺያ ምስ ስራዊት ኤርትራ ብሓባር ትግራይ ንኽወሩ ሓቒዶም፣ካብ ጫፍ ባድመ ክሳብ ጫፍ ኢሮብ አብ ፩ሺሕ ኪሎሜትሮ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዄናት ወሊዑ አሎ።

እዙይ እንታይ ማለት እዩ ኢሳያስ አብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኹሉ ሰራዊቱ አኽቲቱ፣ዕቋር ስራዊቱ ትሕቲ

፶፭ዓመት ዝኾነ ነባር አባል ሰራዊት ኤርትራ ናይ ባዕሉ ስንቒ ሒዙ ክኸትት ጸዊዑ አሎ።ኢሳያስ በዙይ ጠጠው አየበለን አብ ሑመራ ዝነበረ ናይ ምስራቅ እዚን፣ልዕሊ ፻፶ ዝመልአ አውቶቡሳት ሓይሊ አምሓራን ፫ተ ናይ ኮማንዶ ብርጌዳትን ንኤርትራ አእቲዉ እቲ ውግእ ይቅጽለሉ አሎ። ኮይኑ ግን ዘእተወ የእቱ ከም ቖጽሊ ይረግፉ አለዉ።

አሞኸ እዚ ኹነታት ከምዙይ እንታብ ኮነ፣ኤርትራዊያን ከም ኤርትራዊያን ክሳብ ማዓዝ እዮም ብኸምዙይ ክቅጽሉ? ሎሚ ወለዶ ኤርትራ ብስደትን ብዄናትን ዝጸንት ዘሎ መንእሰይ ማዓንጥኡ  ሸጥ አቢሉ ሕድሪ ወለዱ ብምውሓስ እታ ጀጋኑ ኤርትራዊያን ሂወቶም ዝገበሩላ ነጻ ሃገር ካብ ምጥፋእን፣ካብ ወራር ኢትዮዺያን እንድሕር ዘየድሒነሙዋ፣ሎሚ አብ መሬት ኤርትራ ዝራገፉ ዘለው ወታደራት ኢትዮዺያን፣ሚሊሻታት አምሓራን፣ጽባሕ ንሕና ተዋጊእና ዘድሓናያ ሃገር ሃገርና እያ ዘይብልሉ ምኽንያት የለን።ኢሳያስ አፈወርቒ ብሕቡእ ይኹን ብግልፂ ኤርትራ ናብ ኢትዮዺያ ይሓውሳ ከምዘሎ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ወይድማ ተኸፊልዎም ንሕናኮ ተደሚርና ኢና ዝብሉ ኤርትራዊያን ዘሕፍር ታሪኽ ንመፃኢ ወለዶ ኤርትራ ይሓድግሉ ከምዘለው ምርዳእ የድልይ።

ሃገርን ክብሪ ሃገርን ብቃላትን፣ብጭርሖን፣ብደርፍን ዝጋሃድ አይኮነን፣ብመስዋእቲ አሻሓት መናእስይ ዝዕተር ሓያል ቓልሲ ዝጥይቕ ውጽኢት መስዋእቲ እዩ።ሎሚ ኤርትራዊያን ኻፍቲ ፍንጻሕ መሰንገሎም ዓብይ ሓዎምን፣ሓፍቶምን ዕሸላትን፣ዋዕሮታት ትግራይን ክማሃሩ ይግባእ፣ሎሚ መንእሰይ ትግራይ ናብርኡን ሞዩኡን ራሕሪሑ ብእንተ ኽብሪ አዲኡን፣አቡኡን፣ክብሪ ንዒሽተይ ሓፍቱን ብሓፈሻ ንኽብሪ ሃገሩ ሃገረ ትግራይ ይዋደቕ አሎ።መንእሰይ ኤርትራኸ ካብዙይ እንታይ ትማሃር እሞ ድማ ዝሕግዘኻን አጆኻ ዝብለካን ሓውኻ ሕዝቢ ትግራይ እናሃለወ አፍካን ኢድኻን ሎጔምካ ሃገርካ እናፈረሰት፣ዘርእኻ እናጸነተ ግዴኻ እንታይ እዩ ግዜ ይነጉድ አሎ።ሻዕብያ ኾነ ኢሳያስ አፈወርቒ ብሕጊ ኾነ ብሓይሊ ሕዝቢ ትግራይ ከውግዶ እዩ።በዙይ ዝጣራጠር ሰብ እንተሃሊኡ፣ሕኒኡ ዘይፈድይ ወዲዓሻ ይባሃል።እቲ አፈላላይ ሎሚ ጥምረት ፈጢርካ አካል ምግርሳስ ስርዓት ሻዕብያ ድዩ

ዝሓሸ ወይስ ጽባሕ ካልኦት ተሰዊኦም ምስገርሰስዎ አነኮ ኤሪትሪያዊ እዬ ኢልካ ብዛዕባ ኤርትራ ምፍካር መን ምስ ሞተልካ ክትፍክር ወይ ተቓሊስካ ገበነኛታት ኢዶም ሒዝካ ባዕልኻ አርክብ ወይ አብዘለኻዮ ትም በል።

ትግራይ ትስዕር!

ሙሉጌታ በሪሁ 09/20/2022

[email protected]

By aiga