መዓርግ ታፈረ (ፒኤችዲ)

እዛ ፅሕፍቲ’ዚኣ ብሓምለ (July 5, 2022) ኣብ ዓይጋ ፎረም “ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካ ባይታን (poletical space) ሓደጋታቱን” ብዝብል ርእሲ ወጽያ ናይ ዝነበረት ፅሕፍቲ መቐፀልታ ጌርካ ምውሳድ ይካኣል እዩ። ናይ’ታ ቐዳመይቲ ፅሕፍቲ መሰረታዊ ትሕዝቶ ፣ ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓ ኣይፃባእ’በር ተጋሩ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ምይይጥን ክትዕን ክገሩ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል ነይሩ። ሓድነትና ከይዝረግ ኣፈላላይ ግደፉ ንዝብሉ ኣሕዋትን እሓትን መልሲ እንተኾነት ብዝብል ዝቐረበት። ዘይለመድናዮ ኰና’ምበር ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝበለፀ ሓሳብ ኣብዝደለየሉ እዋን ኢና እንርከከብ። ከምሎሚ ሓሳባት ናይ ሞትን ሕየትን ዝኾነሉ እዋን ኣይነበረን። ሓሳባት እንተድኣ ዓጊትና እንስእኖም ጥቕሚታት ክህሉውና ስለዝኽእሉ። እዛ ናይ ሎሚ ፅሕፍቲ ካዓ ን’ቶም ቀልጢፍና ናይ ሓሳብ ልውውጥ ክንገብረሎም ዝግበኣና ዛዕባታት እትምልከት እያ። ናይ ትግራይ መፃኢ እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ናበይ ንኺድ?
ካብ’ቶም ክሳብ ሎሚ ዳሓን ኣለና ኢልና ኣስተርሒና ኣብዝተቐመጥናሎም እዋናታ እናራሳስዑ ዝኽሰቱ መፅነቲትታ ብኸመይ ንናገፍ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልካ ምዝታይ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ገለ መድረኻት’ውን ብዕሊ ክንዛረበሎም ጀሚርና ኣለና። እናብሰልናዮ ክንከይድ ድማ ግድን እዩ።

ኣብ’ዚ ዘለናሉ ናይ ዕፅዋ ኩነታት ኰንካ ብዛዕባ ፍሉይን ታሪኻዊን ኣጋጣሚ ምዝራብ ይካኣል ዶ ኢልካ ምሕታት ባህርያዊ ይኹን’ምበር እናመረረና ክንቅበሎ ዘለና ሓቂ ይመስለኒ። እናመረረና ዝብሎ ዘለኹ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል እንተይኮነስ እዚ ዕድል ሒዙዎም ዝመፁ ግፍዒታት ስለዘለዉ እዩ። ፀላእቲ ንኽፋእ ዝሃቀኑዎ ይኹን’ምበር እንተ ለቢምና ከናሰሓና ዝፀንሐ ባህጊና ንምፍፃም ፍሉይ ዕድል ዝረኸብናሉ እዋን’ዩ። እቲ ዘለናዮ እዋን ፍሉይ ዘብሎም መሰረታዊ ምኽኒታት ኣለዉ።

1) ነገስታትን መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒታት ዝበፅሑሎም ዘበናት ይንበሩ’ምበር ከም ናይ ሎሚ ዓይነት ፅንተትን ናይ ፖለቲካ ሽርሒን ኣብ ታሪኽ ትግራይ ተራእዩ ስለ ዘይፈልጥ።

2) ዓርስናን ዓርሲ’ማትናን ኢትዮጵያ እትባሃል ሃገር እኽሊን ጉርዲን ሓዋዊሳ ዝሓዘት ዘይፅላልና ጥራሕ ዘይኮነንትስ ሃላዋትና ዘይትደሊ ምዃና ዝርኣናሉን ናፍቖት “ኢትዮጵያዊነት” (nostalgia) ከም ንፍዮ እተጋላገልናኡ እዋን’ውን እዩ።

3) ብኻልእ ወገን ካዓ ፀላእቲ ትግራይ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክማሃሩ እንተዘይካኣሉ’ውን ሎሚ ግና
ሓይሊን ዓቕሚን ትግራይ ዝፈለጡሉ እዋን’ዩ። ዓቕሚ ትግራይ ምፍላጦም ምስ ትግራይ ክህልዎም ዝደልይዎ ርክብ ኣፀቢቖም ክሓስቡሉ የገደዶም።

4) በቲ ዝበፅሖ ግፍዒን መከራን ምኽኒት ሕዝቢ ትግራይ ከም ሎሚ ዝሓበረሉን ፍሉይ ናህሪ ዝፈጠረሉን እዋን የለን። እዚ ናህሪ’ዚ (momentum) ከይዛሓለ ናብ ጥቕሚ ምቕያር የድሊ። ብዙሓት ከምዝብልዎ “ተጋሩ ኣብ ኲናት ኣይንሳዓርን ኣብ ሰላም ግና ንመክን” እናተባሃልና ክይንተርፍ እዛ ዕድል’ዚኣ ክተምልጠና የብላን ዝብል እምነት ኣለኒ። እዙይ ክንገብር እንተዘይኪኢልና ግና ካሊእ ይትረፍ ፀላእትና ባዕልቶም’ውን ብዕሽነትና ዝግረሙ ይመስለኒ።

ቅድሚ ሎሚ ከይገበርናዮ ኣምሊጡና እናበልና እንቑጨጨሉ ጉዳይ ትግራይ ሃገር ምግባር’ዩ። ዋላ እዚ ኹሉ ግፍዒ ምስበፅሐና’ውን እብዚ ጉዳይ’ዙይ ከይንፅሕፍን ከይንማያየጥን እናተሰከፍና ምፅናሕና ርዱእ ኮይኑ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ብዕሊ ምዝራብ ጀሚርና ኣለና። ክንቅፅልው’ን ይግበአና። ኣብ መውድእታ ኽታሙ ዘንብረሉ ሕዝቢ ትግራይ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ፣ ነቲ ሕዝቢ ዝቐርቡ መማረፂ ሓሳባትን ስኽፍታትን ምንፃር ግና ናይ’ቲ ሊሂቅ (elite) ብፅሒት’ዩ። ስለ’ዚ ጊዜ ምስ ኣርከበ ሃተምተም ካብምባል ካብ ሎሚ ጀሚርና እንተሓሰብናሉን እንተተዛተናሉን ይምረፅ። ፀላኢ ከይሰምዕ ምእንትን ሱኽ በሉ ዝብሉ ሰባትን ውድባትን ዘለዉ ምዃኖም ርዱእ ኮይኑ ፣ ናዓና ዘርበሐና ካብ ምግባር ክንቁጠብ የብልናን።

ኣነ ካብ’ቶም ሕዝቢ ትግራይ ሃገር ምውናን ይግበኦ እዩ ዝብሉ ሰባት ሓደ ስለዝኾንኩ እዛ ፅሕፍቲ’ዚኣ ኣብ ክሊ’ዚ ሓሳብ’ዚ ዘለው ዕድላት እትገልፅ ክትከውን ፍታወይ እዩ። ትግራይ ንምታይ ሃገርነት ይግባኣ? ሃገር ክትከውን ዘዲሊ

ቅድሚ ሎሚ ከይገበርናዮ ኣምሊጡና እናበልና እንቑጨጨሉ ጉዳይ ትግራይ ሃገር ምግባር’ዩ። ዋላ እዚ ኹሉ ግፍዒ ምስበፅሐና’ውን እብዚ ጉዳይ’ዙይ ከይንፅሕፍን ከይንማያየጥን እናተሰከፍና ምፅናሕና ርዱእ ኮይኑ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ብዕሊ ምዝራብ ጀሚርና ኣለና። ክንቅፅልው’ን ይግበአና። ኣብ መውድእታ ኽታሙ ዘንብረሉ ሕዝቢ ትግራይ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ፣ ነቲ ሕዝቢ ዝቐርቡ መማረፂ ሓሳባትን ስኽፍታትን ምንፃር ግና ናይ’ቲ ሊሂቅ (elite) ብፅሒት’ዩ። ስለ’ዚ ጊዜ ምስ ኣርከበ ሃተምተም ካብምባል ካብ ሎሚ ጀሚርና እንተሓሰብናሉን እንተተዛተናሉን ይምረፅ። ፀላኢ ከይሰምዕ ምእንትን ሱኽ በሉ ዝብሉ ሰባትን ውድባትን ዘለዉ ምዃኖም ርዱእ ኮይኑ ፣ ናዓና ዘርበሐና ካብ ምግባር ክንቁጠብ የብልናን።

ኣነ ካብ’ቶም ሕዝቢ ትግራይ ሃገር ምውናን ይግበኦ እዩ ዝብሉ ሰባት ሓደ ስለዝኾንኩ እዛ ፅሕፍቲ’ዚኣ ኣብ ክሊ’ዚ ሓሳብ’ዚ ዘለው ዕድላት እትገልፅ ክትከውን ፍታወይ እዩ። ትግራይ ንምታይ ሃገርነት ይግባኣ? ሃገር ክትከውን ዘዲሊ

ዘበለ ሕጋዊ ፣ ኢኮኖሚያዊ ፣ ማሕበራዊን ትሕዝቶታት ኣለዋ ዶ? እቲ ትግራይ ዘላቶ ዞባ ትግራይ ሃገር ኮይና ክትነብር ጥጡሕ ባይቶ ዶ ይፈጥረላ? ኢትዮጵያ ኸ ትፈቕደላ ዶ? ወዘተ ዝብሉ ብዙሓት ክምለሱ ዝግበኦምን ፣ ብናተይ

እምነት መልሲ ዘለዎምን ሕቶታት እዮም። ከም መርቶዖ ተገይሮም ክውሰዱ ዝኽእሉ ሓሳባት ቀፂለ ዝዘርዘርኩዎም እንትኾን ፣ ተወሰኺ ኣለና እትብሉ ወስኹሉ ፣ ብኣንፃሩ ‘ኣገብእ’ እትብሉ’ውን ሓሳባትኩም ግለፁ።

1) እታ ሃገርና እናበልናያ ዝፀናሕና ዓዲ ክትፅገን ኣይትኽእልን – መብዛሕተአን ሃገራት ዓለም ብዂናት ዝተመስረታ ይኹና’ምበር ብኸይዲ ናይ ህዝቢ ይኹንታ ረኺበን ፣ ህዝበን’ውን ሓቢሩ ናይምንባር ልምዲ እናማዕበለን ጥቕሙ እናተረድኦን ስለዝኸደ ኣብ ሓይሊ ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓድነት ዝተነፀገ ኣታሓሳባ ካብዝኸውን ፀኒሑ። ኢትዮጵያ ግና ክሳብ ሎሚ ሕዝብታታ ካብ ናይ ብረት (weapon) ጸግዕተኛነት ኣይተናገፈትን። ኢትዮጵያ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ወነንቲ እታ ሃገር ካልኦት ካዓ መዳመቕቲ ክኾኑ ዝደለዩላ ቤተሙከራ እያ። ወናኒን መዳመቕን ኣብ ዘለዎ ደንበ ዘላቕነት ዘለዎ ናይ ሃገራዊነት ስምዒት ኣይህሉን ሕዝቢታት’ውን ክቐስኑን ሓበራዊ ባህጊ ክህልዎምን ኣይኽእልን። ትግራይ ኣብዘይ ደንበኣ ዘበናት ከምዘባኸነት ሎሚ ካብዝበፅሓ መከራ ንላዕሊ ካሊእ መርቶዖ ምምዛዝ ኣይካኣልን። እቶም ዘረግቲ ደምበ ዘለዎም ህርፋንን ድልየትን ንኽትግብሩ ዘርእይዎ ጭካነ ንሕዝቢ ትግራይ እናፅነተ መፅዩ ፣

እንተፈቒድናሎም’ውን ክቕፅሉ እዩም። ንታዓገስ ተባሂሉ’ውን ዳርጋ ኩሎም መማረፂታት ተፈቲኖም። ኣሃዳዊ መንግስቲ ይኹን ፌደራላዊ ለውጢ ኣይምፅኡን። ትግራይ እቲ ዝቕፅል መማረፂ ክትወስድ ግድን እዩ። ዘየዳግም መማረፂ።

2) ተኽእሎ – እቲ ኻልእ ክላዓል ዝግበኦ ጉዳይ ትግራይ ሃገር ናይ ሙዀን ተኽእሎ ዘለዋ ምዃኑ እዩ። ሃገር ንምኽኳን የድልያ’የን ዝባሃላ ረቑሓታት ዘማልእ ሕዝቢ ኣብ’ቲ ዞባ ኣሎ እንተተባሂሉ ትግራይ ቀዳመይቲ እያ። ትግራይ ብውሑድ ንሰለስቲ ሺህ ኣማውቲ ናይ ባዕላ መንግስታዊ ምሕደራ ዝነበራ ፣ ሕዝባ’ውን ናይ ባዕሉ ባህሊ ፣ ስነፅሑፍ ፣ ታሪኽ ፣ እምነትን ፣ ስነልቦናንን ከምኡ’ውን ስጡም ሓድነትን ዘለዎ ሕዝቢ

እንትኾን ምስ’ዙይ ዝማጣጠር ሕዝቢ ኣብ’ቲ ዞባ ደሊኻ ምርካብ ኣይካኣልን። ይኹን ዳኣ’ምበር ተኽእሎ ጥራህ እኹል ኣይኮነን። ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ።

3)    ቅሉዕ ፅንተት (genocide) ዝተፈፀመሉ ሕዝቢ ስለዝኾነ – ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ፅንተት  (genocide) ዝተፈፀመሉ እንኮ እዋን ሎሚ ጥራሕ እንተዘይኮነ’ውን እቲ ሎሚ ዝበፅሐ ፅንተት ግና ፍልይ ዝበለ እዩ። ትግራይ ብናይ ባዕላ መንግስቲን ፣ በቲ መንግስቲ ዕድመ ዝተገበረሎም ናይ ወፃእ መንግስቲታን ብሓባር ዝተሳተፉሉ ፅንተት ምዃኑ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይን ተጋሩን ባዕዳውያን ከምዝመርፁ ብግብሪ ኣሪኦምና። ኣብ ዘይተደለኻሉ ደንበ ምርካብ ካዓ ንቐፃሊ ሓደጋ የቃልዕ። ክድገም ዝኽእለሉ ባይታ ስለዘሎን ፣ ፅላእቲ’ውን ኣታሓሳስበኦም ብቐሊሉ ክቕይሩ’ዮም ኢልካ ምሕሳብ ስለዘይካኣል። እቲ መንቀሊ ፅሊእቶም መንነትናን ናይ ባህሊ ፣ ታሪኽ ፣ ቁጠባ ፣ ሰነ ኣባላልዓ (culinary) ፣ ስነጥበብ (art) ፣ ፍልስፍና ፣ ታሪኻናን እሴታትና ዝለዝምነዩን እዩ። ንሓይሊታት ኢትዮጵያ ይህላወ ትግራይ ቀንዲ ሻቕለቶም እንተኾይኑ ሕዝቢ ትግራይ ዘለዎ ምርጫ ወይ ፍታዎም ምግባር ወይ ካዓ ምፍታሕ ይኸውን። መንነትና ክንቅይር ኣይንኽእል። ኢትዮጵያ ባዕላ ብዝጀመረቶ መንገዲ ንምኻድ ዓንቀፅ 39 ምጥቃስ ኣይድልየናን።

ገለ ለዋሓት ተጋሩ እቲ ሎሚ ዝተፈፀመ ፅንተት ብውሱናት ሊሂቃን (elites) ስለዝኾነ ነቲ ሓፋሽ ሕዝቦም ኣይውክሉን ይብሉ ይኾኑ። ይኹን ዳኣ’ምበር ዝኾነ ይኹን ማሕበረሰብ ብሊሂቃን’ዩ ዝምራሕ። ናይ ፖለቲካ ዓቕሚን ድልየትን ዘለዎም እቶም ሊሂቃን ስለዝኾኑ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 130ን ዓመታት ናብ ስልጣን

እተወጥሑ ሊሂቃን ሽዋ ካዓ ኣብ ትግራይ ዘለዎም መርገፂ ተቐይሩ ኣይፈልጥን። ሎሚ’ውን ኣይተቐየረን ፣

ፅባሕ’ውን ኣይቕየርን። መንቀሊ ፅሊእቶም ናይ ትግራይ ታሪኽን ተረኽን ምምንጣል ስለዝኾነ። ትግራይ ድሕሪ ሎሚ ናታ ኣይትህብን ንሳቶም’ውን ናታና ምምናይ ኣይገድፉን።እዙይ ካዓ እቲ ተፃብኦ ዘይዛሪ ይገብሮ።

4) ቁጠባዊ ኣቕሚ – ፀላእቲ ትግራይን ገለ ለዋሃት ተጋሩን ዓቕሚ ቁጠባ ብበዝሒ ሳዕሪን ቆፅሊን ዝዕቀን እናመሰሎም’ዩ ይመስለኒ ትግራይ ዓርሳ ከምዘይትኽእል ይሙጉቱ። ይኹን ዳኣ’ምበር ሳዕሪን ቆፅሊን’ውን እንተወሲድና ትግራይ ካብ ሃገራ ዝንኣሰት ኣይኮነትን። ዓርሞታት ደስኣን ቃፍታ ሸራሮን ብግቡእ

እንተሒዝናዮን እቶም ካልኦት ከባቢታት’ውን ከምዝጀርናዮ ክነሕውዩም ፃእሪ እንተጌርና ከምሀገርና ክንከውን ዘይንኽእለሉ ምኽኒት የለን። ብኣውርኡ ግና ዘድልየና ዘበለ እኽሊ ኹሉ ባዕልና ክነቡቁል ግዴታ ድዩ? ዓለም ናይ እንካን ሃባን ዶ ኣይኮነትን? ኽንፈልጦ ዘለና ጉዳይ ቁጠባ ትግራይ ከደንፉዑ ዝኽእሉ ብዙሓት ሃፍቲታት ኣለውና። ንቑሕን ውፉይን ሕዝቢና ፣ ብቴክኖሎጂ እንተታሓጊዞም ዞባና ብሙሉኡ ክምግቡ ዝኽእሉ ከም ጎላጉል ራያ ፣ ምዕራብ ትግራይን ፣ ሓፀቦን ዝበሉ ናይ ሕርሻ ቦታትታት ፣ ጓሕጒሕኻ ዘይውዳእ ናይ ህንፀት እታዎት (ስሚንቶ፣ እምነበረድ ፣ ጂፕሰም ፣ ብርጩቆ ፣ ቀለም ወዘተ መስርሒ) ፣ ማዕድናት (ወርቂን ካልኦት ዝኸበሩ ማዕድናትን) ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ናይ ቱሪዝም መስሕባት ፣ ካልእ ይትረፍ ነዳዲ ኣለዎም ካብ ዝባሃሉ ኣርባዕተ ከባቢታት ኢትዮጵያ ፣ መቐለን ከባቢኣን ሓንቲ ምዃና

እንተፈሊጥና ስክፍታና ክቐለል ይኽእል። ናይ ቴክኖሎጂ ዓቕሚና እንተዳኣ ኣማዕቢልና ካዓ ኣብ ጥቕሚ ክነውዕሎ እንኽእል ናይ እምኒ ፋሓም (oil sand) እንተይተረፈ ኣለና። ብመዳይ ኢነርጂ እኹል ናይ ንፋሳን ፀሓይን ሓይሊ ምጥቃም ይካኣል። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ናይ’ታ ዓዲ ሸርፊ ወፃእ ኣብ ናይ ትግራይ ወርቂን ሰሊጥን ዝተደረኸ ምንባሩ ርዱእ እዩ። ብሓፂሩ ተጋሩ ክፈልጥዎ ዘለዎም ትግራይ እቲ ናይ መሬት ስፋሓታ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ፀብፃብ እንተዝግበር ካብ ዝኾነ ይኾን ኣብቲ ዞባ ካብ ዘርከባ ኸባቢታት እታ ብሉፅ ሃፍቲ ዘለዋ ምዃና’ዩ። ፅላእትና ዓዲ እምኒ ፣ ዓዲ በለስ ወዘተ ዝብልዎ ሰሚዕና ክንዳሃል የብልናን። እዙይ ዝብል ዘለኹ ሙያይ ኮይኑ ዝፈልጦ ስለዘለኒ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትወለይ እደሊ።

5) ፖለቲካዊ ረብሓ – ምስ’ቲ ቁጠባዊ ዓቕሚ ጎኒ ንጎኒ ክርአ ዘለዎ ነገር ፣ ብናተይ ግምት ነቲ ቁጠባዊ ዓቕሚ ክፀሉ ዝኽእል ካዓ ፖለቲካዊ ዓቕሚና እዩ። በዝሒ ሕዝቢ ትግራይ 6% ይኹን’ምበር ገለ ገለ ኪኢላታት ቁጠባ ክዛረቡ ከምዝሰማዕኹዎም ተጋሩ ዘለዎም ብፅሂት ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ 30% እንትኾን ኣብ ፖለቲካን ወታሃደራዊን ካዓ ካብ’ዙይ ዝዛይድ ምዃኑ ምግማት ኣይኸብድን። ከምዙይ ዓይነት ልዑል ብፅሒት ዘለዎ ሕዝቢ ቁፅሪኻ ውሑድ ስለዝኾነ ኣብ ናይ’ታ ሃገር ፖለቲካ ብፅሒትካ 6% ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ናይ ፖለቲካ ባይታ (space) ንትግራይ ይምጥን ዶ? ትግራይ ብቑፅሪ ይኹን ብፅርየት ቀሊል ዘይባሃል ልሂቅ (elite) ኣለዋ ፣ ስለ’ዚ ናይ ፖለቲካ ብፅሂታ’ውን ዕዙዝ ክኸውን ኣለዎ። በቲ ሎሚ ዘለናሉ ጭቡጥ ኩነንታ ግና እዙይ ዘይካል’ዩ። ዋላ በቲ ሕወሓት ዝፈጠሮ ሰርዓተ መንግስቲ እንተኼድና 6% ድምፂ ሒዝካ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ፅዕንቶ ፈጢርካ ጥቕሚኻ እተውሕሰሉ ኩነታት የለን። ናይ ቁፅሪ ፖለቲካ ነቲ ፃዕራም ሕዝቢና ክድርቶ’ዩ ጥራሕ እንተይኮነስ ከም’ቲ እንሪኦ ዘለና ድንቁርነኦም’ውን ኣብ ልዕሌና ክፅዕኑ ዕድል

ዝህብ ኩነታት ክቕፅል እዩ። እቲ ዘለና ምርጫ ዳሃጣን (minority / periphery) ኰይና ምንባር ወይ ካዓ ናይ ባዕልና ዕድል ናብ ኢድና ምምላስ እዩ። ምርጫና ኻዕ ግልፂ እዩ።

6) መማረፂታትና ምግፋሕ ስለዝግብአና: እቲ ከም መማረፂ ኮይኑ ዝቕርብ ሓሳብ ምስ ኢትዮጵያ

ብኮንፌደሬሽን ሓቢርካ ምፅናሕ’ዩ። ኣብ’ዙይ ዝላዓሉ ናይ ሕጊ ማሕነቖታት ንጎኒ ገዲፍካ (ኣካል እታ ዓዲ ኮይንካ ኮንፈዴሬሽን ምሕታት ይካኣል ዶ?) ኢትዮጵያ ዓቕሚ ኣለኒ ኢላ ኣብዛመነትሉ እዋን መሊሳ ትግራይ ንምጉዕፃፅ ዘይትፍትነሉ ምኽንያት ኣሎ ዶ ኢልካ ምሕታት ጉቡእ እዩ። ኣብዙይ ንጉስ ሓይለስላሴ ብናይ

ሑቡራት መንግስታት ዓለም ይኹንታ ስተፈጠረ ናይ ኤርትራ ኮንፌደሬሽን ኣብ ባህ ዝበሎም እዋን ከምዘፍረስዎ ኣይነርስዕ። ባዕልና ሃኒፅና ዝሃብናዮም ሰርዓት’ኳ ካብ ክፈዖም ዘይሓለወናስ ኩሉምሉ ሂብና ፀግዕና ምስሓዝና ክምሕሩና’ዩም ኢልካ ምሕሳብ ፅላለ እንተዘይኮይኑ ካሊእ ክኸውን ኣይኽእልን። ብኣንፃሩ ትግራይ ናፃ ህገር እንተዀይና እንተደልያ ባዕላ ኺኢላ እንተዘይኮይኑ’ውን ባንካን ፣ ታንካን ፣ ስልካን ሒዛ ምስዝደለየቶ ሃገር እንተስ ብፍሉይ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ፣ እንተተኻኢሉ ካዓ ምስዝመረፀቶ ሓደ ዓዲ መስሪታ ምንባር ትኽእል። ምስ ኢትዮጵያ ንፅናሕ እንተተባሂሉ’ውን ዝሓዝናዮ ሒዝና ክንፀንሕ ምሉእ ናፅነትና ምእዋጅ ይጠቅም።

ባህጊ ኣይኽላእን’ሞ ናተይ ባህጊ ፣ እቲ ብሽርሒ ሽዋውያን ኣብ ክልተ ዝተመቐለ ሃገረ ኣኽሱማውያን ናብ ንቡር ንኽምለስ ትግራይ ወናኒት ባዕላ ምግባር ፍርቂ መንገዲ ምኻድ’ዩ እብል። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት

ካብ’ቲ ገዛእቲ ሽዋ ዝበደሉና ንላዕሊ እቶም ናህና እንብሎም መራሕቲ ዝበደሉና ይበዝሕ ኢለ ክካራኸር እደሊ። ፅላኢኻ ፀላኢ ስለዝኾነ ክሓዝነልካ ኣይትፅበን። ዕላሞኦም ትግራይ ዓቕሚ ረኺባ ንግስና ሽዋ ከይትፃባእ ምግባር ስለዝነበረ እዚኣ ንምትግባር ዝኽእልዎ ኹሉ ገይሮም። እቶም ናህና እንብሎም ግና

ጥልያን ተሳዒሩ እንትወፅእ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ዕድል ዝነበረ እንትኾን ከይተጠቐሙሉ ተሪፎም። ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ሓይሊታት ትግራይን ኤርትራን ንደርጊ ስዕሮም እንተብቁዑ ህርፈት ስልጣን ይኹን ካልእ እቲ ዕድል ኣምሊጡ። ብናተይ ግምት እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጋውና ዘለኣለማዊ ስለዘይኮነ እቲ ቀፃሊ ዕድል ከምልጥ የብሉን ኢለ እኣምን። ሰገር መረብን ነጀውን ዘለዉ መናእሰያት በላሕቲ ስለዝኾኑ ወለዶም

ዝሰርሕዎ ጌጋ ክእርሙ ይኽእሉ’ዩም ኢለ ስለዝሓስብ ትግራይ ናይ ባዕላ ዕዮ ገዛ ኣቐዲማ ክትውግን ኣለዋ እብል። እዙይ እንተድኣ ክኸውን ክኢሉ ኣብ’ቲ ዞባና ዘታኣማምን ሰላም ክዓስል እዩ። በቱይ ኣእራብ ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ካዓ ኢትዮጵያ ኢደንን እግረንን ክእርንባ የገድደን። ካልእ ይትረፍ ምዕራባውያን’ውን ዝጠልብዎ ፕሮጀክት ከምዝኸውን እኣምን። ምንቲምታይ ንኤሮጳ ዝስደድ መንእሰይ ኣይህሉን ፣ ናይ ምዕራባውያን መራኽብ’ውን ብዘይ ስክፍታ ብቐይሕ ባሕሪ ክሓልፋ ስለዝኽእላ።

7)     ኣብ ኢድና ዝተረኽበ ዕድል (a blessing in  disguise) ከምልጠና  ስለዘይብሉ  –  ደሊናዮ  እንተይኮነስ  ናይ ፀላእቲ ሽርሒ ዘዕተርና ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ። ትምክሕተኛታት ብዘብፁሑልና ግፍዒ ክንምክት ኣብዝገበርናዮ ምንቅስቓስ ተጋሩ ኣብ ታሪኽና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሓድነትን ሓልዮትን ወኒና ኣለና። እዚ ናህሪ (momentum) ከይዛሓለ እዚ ስጡም ሓድነት ናብ ጥቕምና ክንቅይሮ’ሞ መፃኢና ናብ

እነውሕሰሉ ብርኪ ክነዕብዮ ታሪኽ ሓደራ ሂቡና ኣሎ። እዛ ዕድል’ዚኣ ተመሳሳሊ ፅንተት ንኸይበፅሓና ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ እንወስደሉ ፥ መፃኢ ወለዶ’ውን ወይ ክምርቐና ወይ ካዓ ክዕዘበና እንገብረሉ እዋን ኮይኑ ኣሎ። እንወስዶ ስጉምቲ ወሳናይ ምዃኑ ጥርጥር የብሉን።

እዞም እተገለፁ ሓሳባት ሓደሽቲ ዋላ’ኳ እንተዘይኮኑ ብኸምዙይ መልክዕ ምቕራቦም ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክወስኹሉን ዝንቀፍ እንተሊእዎ’ውን ክእረም ይረድእ። ኣንፃር ሃገራዊነት ዝፅርሑ ገለ ነጥቢታት ምርኣይ’ውን ኣገዳሲ እዩ። ካብ’ቶም ዝላዓሉ መርተዖኦታት ገሊኦም ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ተጠቀምቲ ክንኽውን ኣይንኽእልን፣ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ኣይህልወናን ፣ ኢትዮጵያ ኣይትሰደናን ፣ መንግስቲነት ንኤርትራን ደቡብ ሱዳን’ውን ኣይጠቐመን ፣ ወዘተ

ዝብሉ ይርከቡዎም። መብዛሕተኦም ፍርሒታት’ምበር ብመርተዖ ዝተደገፉ ኣይኮኑን። ካብ ናይ’ቲ ዞባ ኢኮኖሚ ተጠቀምቲ ንምዃን ናይ ሓደ ሃገር ኣካል ምዃን ግድን ኣይኮነን። ንጊዚኡ ዝፍጠር ምዝሕታል ርክብ ክህሉ ይኽእል ይኸውን’ምበር ንሓዋሩ ከምኡ ኮይኑ ኣይተርፍን። ቁምነገሩ ፅርየት ዘለዎ ኣቓሓ ብተመጣጣኒ ዋጋ ምቕራብ እዩ። የግዳስ ትግራይ ናብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝቐረበት ስለዝኾነት ንኢንዱስትሪ ተመራፂት ከም’ትኸውን ጥርጥር የብሉን። ኢትዮጵያ ንባዕላ ኣፍደግ ባሕሪ ዘይብላ እናሃለወት ኣሕዋትና እናመርሑዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብልምዓት

እትሕምበብ ሃገር ከምዝነበረት እንዝክሮ ሓቂ እዩ። ኢትዮጵያ በቲ ዝፈፀመቶ ፅንተት ምኽኒት ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ’ያ ክትብል እትኽእለሉ ሞራላዊ ቁመና የብላን። ናይ ትግራይ ኩነታት ምስ ናይ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ምውድዳር’ውን ግቡእ ኣይኮነን። ናይ’ዘን ሃገራት እዚአን ውድቀትን ስንፈተ ኣመራራሓን ትግራይ ከምኣተን ከይትኸውን መምሃሪ ኮይነናና ስለዘለዋ።

ካልኦት ወገናት ካዓ ድህረ ፅንተት ከመይ ጌርካ ሓቢርካ ከምዝንበር ካብ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ክንማሃር ይግባእ ይብሉ። ከማና ብዙሕ ግፍዒ ዝበፅሖም ርዋንዳውያንን ደቡብ ኣፍሪቃንን ዕርቂ ገይሮም ሓቢሮም ይነብሩ ኣለው። ንሕና’ውን እቶም ወንጀል ዝፈፀሙ ገበነኛታት ብፍርዲ ታሓተትቲ ጌርና ምስ ኢትዮጵያ ምቕፃል ዝበለፀ ረብሓ ኣለዎ ይብሉ። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕረባይታን ናይ ሎሚ ናይ ትግራይ ጉዳይን ዘማሳስል ነገር ኣይብሉን። ናይ ኣፓርታይድ ዘበን ብፍሉይ ክርኣይ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ናይ መልካኣምድራዊ ኣሳፋፍራ’ውን ፍልልይ ኣለዎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ፃዓዱን

ፀለምቲን ታሓናፊፆም ዝነብሩላ ዓዲ እያ። ኣብ ርዋንዳ’ውን እቶም ፅንተት ዝፈፀሙን ተጎዳእቲን ክንፋላለ ኣለና እንተዝብሉ’ውን ኣይኽእሉን። ሁቱን (Hutu) ቱትሲን (Tutsi) ኣብ ሓደ ሃገር ክነብሩ ዝግደዱሉ ምኽኒት እቲ ናይ ህዝቢ ኣሰፋፍራ ስለዘገደዶም’ዩ ፣ ታሓናፊፁ ዝነብር ሕዝቢ ምስምዃኑ። ከምኡ’ውን እቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ምሕደራ ስርዓት ከም ፅቡቕ ተሞክሮ ጌርካ ክውሰድ ዝኽእል ኣይኮነን። ናይ ርዋንዳ ኣብዛሓ ናይ መንግስቲን ወታሃደራዊ ኣማራርሓን በቶም ፅንተት እተፈፀመሎም ውሑዳት ዓልየት (ቱትሲ) ተታሒዙ ይርከብ። በዚ ምኽኒት’ውን እቶም 85% ዝኾኑ ሁቱ (Hutu tribe) ብሓይሊ ብ’ቶም ዉሑዳት ታዓብሊሎም ዘለው ብምዃኖም ብዘላቒነት ዘዋፅእ ስርዓት እዩ ኢለ ኣይኣምንን። የግዳስ ርዋንዳ ሎሚ ዘላቶ ኩነት ወጥሪ ዝበዝሖን ብዙሕ ሻቕሎት ዝፈጥርን ስርዓት

እዩ። 85% ሕዝቢ ዓፊንካ ብዙሕ ክኽየድ ኣይካኣልን። እቲ ድሕሪ ፅንተት ቱትሲ ዝተወለደ ሓዱሽ ወለዶ ሕቶ ምላዓሉ ኣይተርፍን። እቲ ኹነታት ንዓለም ለኸ ድርጅታት ከይተረፈ ሻቕሎት ዝፈጠረ ጉዳይ እዩ። ንትግራይ ኣይንታያን።

ሎሚ ትግራይ ኣብ ቀራና መንገዲ ትርከብ። እትመርፆ መንገዲ ነቶም ብግፍዒ ዝተቐተሉ ፣ ነተን ማእለያ ዘብሉ ፆታዊ ግህሰት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ፣ ነቲ ዝዓነወ ሃፍቲ ትግራይን ብዋንኡ ካዓ ናይ’ቶም ኣሽሓት መናእሰያት ተጋሩ ሕልሚን ባህጊን ዝጨወየ ኲናት ናሓንሳእን ናሓዋሩን ክተርፍ ዝኽእለሉ ዕድል ዝፈጥር ክኸውን ይግባእ። ሕዝቢ ትግራይ እዙይ ይውሕዶ’ምበር ኣይበዝሖን። ኣይንባራበርን ኢልና ኣብ ዘይናትና ደንበ ጥሒልና ካብ ዝፀናሕናሉ

ድቃስ ኣባራቢሮምና ኣለው። እዚ ኣጋጣሚ ንረብሓና ክንጥቀመሉ ኣለና። ዝሓለፈ ፅንተትን ዓፀቦን ያኣክል ኢልና ሓዱሽ ጉዖዞ እንጅምረሉ ፣ ኩሉሻዕ ዘይርከብ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ። ታሪኽ ዕድል እንትህብ ምስ ሓላፍነቱ እዩ። ዝተዋህበና ከቢድ ሓላፍነት ብግቡእ ምጥቃም ግድን እዩ። እዚ ዕድል ብምንም መልክዑ ምኹላፍ ነቲ መፃኢ ወለዶ ዘይዛሪ ዕዳ ገዲፍካ ምኻድ ፣ ወይ ካዓ ብድሕረይ ደንዴር ይብቆል ኣይብቆል ኣይንታየን ከምባል ገይረ እወስዶ።

ኣነ እዚአን እንተይለ ዝጎደለ መልኡ ፣ ካልእ መማረፂ ይሓይሽ እትብሉውዎ እንተሊኡ’ውን ክንሰምዕኩም ሓሳብኩም ደርብዩ።

By aiga