ተቀበለኒ ዝናረይ
ኹላይ ሰናዲረይ
ሓወይ ወዲ ኣደይ
ኣይደኸምኩን ኣይበልኩን ረይረይ
ጥይት መንዚዕዋ
ተቓላሲት ኢደይ
ደመይ ይፍሰስ
ይስተዮ መሬት ዓዲ ኣቦይ
ኾላይ ወላዲተይ
የብቑል ፍዮሪታት ዝብል ለይለይ::
ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ
ኣብ ሩሑቅ ይኹን ቀረባ
ይመችው ወይ ይኽፋእኻ
ተቀበለኒ ዝናረይ
ታዓጠቅ ብረተይ
ኹን ፈዳይ ሕነይ:
ሕድሪ ኣለካ
ናይ ስውኣት ኣሕዋትካ/ኣሓትካ
ከይኣክል ናይ ባዕዳውያን መፅቐጥቲ
ዝበኣሰ ናይ ውሽጢ ፀላእቲ
ኹላይ ላንጋ ላንጋ መንጨብጨብቲ
ብደም ስውኣት ነገድቲ
ሃገር ንኽሸጡ
ዝብሉ ላዕሊ ታሕቲ::
ደምስሶም ተለዓል ደምስሶም
ካብቶ ሃፄያውያን
ዝገደዱ ንሶም::
ኣብ ዘለኻዮ ዓርድ
ሎንደን በሎ ሲያትል:
ስዊድን በሎ ጊስን:
ቶሮንቶ ኾላይ ዓዲ ሃሎ
ቦሎ: ቦሎ: ቦሎ
ክሳዕ ዝኣኽሎ::
ክንደሻዕ ኣሎ
ኽትፃወሮ
እዚ ስቃይ ሃገር መንሽሮ::
ወላዲት ክትርገም
ትሸዓተ ወርሒዶ ኢሳያስ ክትሽከም!
ጠንቂ ሃገር
ዘይሓስብ ቁምነገር
እንፃር ሕዝቢ-ነበር
ሞትን ዕንወትን
ዝምሳሕ ዝድረር::
ይኣኽሎ
ኽንደሻዕ ኣሎ!
ኣብ ዘኣተዎ ኣቲኻ
ቦሎ ቦሎ
ክሳዕ ዝኣኽሎ
ብረት ተዓጢቁ
ደም ንፁሃን ፀሚቁ
ኣዕፅምቶም ጨፍሊቁ
ኣካሎም ቦጣሊቁ
ኣብ ፀላም ዓሚቑ
ክንደሳዕ ኽነብር
ሲሕቑ:
ወዲ ስብ ኒዒቑ::
ቦሎ ቦሎ
ክሳዕ ዝኣኽሎ
በቱ ዝፈልጦ ናይ ዓመፅ ቋንቋ
ኣዛርቦ ኽሳዕ ይኣኽለኒ ዝብል በቃ::
ብ በላይ ኣምበላይ