©ብፍጹም ተኽላይ

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝፈልጦም ዶክተር ሓሰን ኣደም ዝተባህሉ ዕድመን ቀለምን ጽግብ ዘበሉ ነበሩ። ዶክተር ሓሰን  ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ንልዕሊ 36 ዓመታት ዝነበሩን ኣብ ዝተፈለለዩ ስቴታት ‘ታ ሃገር  ኣብ ዝርከቡ ብሉጻት ዩኒቨርስትታት ዝመሃሩን ኣዝዮም ዝተኸበሩ ሰብ እዮም። ዶክተር ሓሰን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበርሉ እዋናት፣ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢህወዴግ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮምን፣ ቀንዲ ደጋፊ ‘ቲ ብኢህወዴግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲን’ዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ከኣ፣ ጠቕሊሎም ናብ ሃገሮም ብምምፃእ ኣባል ዝተፈላለዩ ኣድቫይዘሪ ኮሚቴ ኮይኖም  ዓዶም እናገልገሉ፣ ጎና ጎኒ ድማ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ እናመሃሩ ምንባር ጀመሩ።

ምስ ዶክተር ሓሰን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ተራኽብና ንልዕሊ ሓደ ሰሙን  ዝኸውን እዋን ብሓደ  ቀኒና፣ ካብቲ ዕሙቕ ዝበለ ናይ ህይወት ልምዶም እውን ክመሃር ዕድል ረኺበ’የ። ሓቂ ንምዝራብ ዶክተር ሓሰን ምሁርን ሓቀኛ ፍቕሪ ህዝብን ዓድን ዝነበሮም’ዮም። ንኹለንተናዊ ባህሪ ዶክተር ሓሰን ድሕሪ ምዕዛብ፣ ንምንታይ ኣባል ኢህወዴግ ከምዘይኮኑ ሓተትኩዎም። ንዘቕረብኩሎም ሽኩል ሕቶ ተረድኦም፣” ኣንቺ ወጣት ነሽ፣ብዙ መማር ኣለብሽ!” ኢሎም  ፍሊይ ኣቢሎም ብኢደይ ሒዞም ናብ ሓደ ካፌ ወሰዱኒ እሞ፣ ንምንታይ ኣባል ከምዘይኮኑ እንትነግሩኒ፣ ” ኣነ ዕላማ ኢህወዴግ ሚኢቲ ብሚኢቲ’የ ዝኣምነሉ፣ ግን ምእማን ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን። ኣባል ሓደ ፓርቲ ክትከውን ከለኻ፣ ህይወትካ ንሓደ ትኣምነሉ ዕላማ ኣሕሊፍካ ትህብ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ኸዓ ወነን ቆራጽነትን ዝሓትት ውሳነ’ዩ። ኣብዚ ውሳነ’ዚ እንተበፂሕኻ ድማ ኣብ ቃልካ ክትርከብ ኣለካ። በቓ ኣብዚ ውሳነ’ዚ እንተበጽሕኻ ኦሮማይ ሰበይተይ፣ ቆልዕተይ ዝበሃል ነገር ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝምደብ። ኣነ ድማ ኣብዚ ዕድመ’ዚ፣  እዚ ክገብር ይጽገም’የ።ትሕቲ ህይወት ኣብ ዝሓቱ ጉዳያት እየ ክሳተፍ ዝደሊ፣  ቅድሚ ኹሉ ገዛይን ስድራ ቤተይን እየ ዘቐድም።”በሉኒ ዶክተር ሓሰን ኣደም። ብሓቂ ድማ ብዝሃቡኒ ሓሳብ መሰረት ንኣመራርሓን ኣባላትን ‘ቲ ውድብ ንድሕሪት ምልስ ኢለ  እንትፍትሽ ፣ ኢህወዴግ ኣብ ገዚፍ ጸገም ምንባሩ ወለል ኢሉ ይረኣየካ።

ካብ ሓሳብ ዶክተር ሓሰን ምርዳእ ዝከኣል፣ ኣባልን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ውድብ ምስዝኽወን፣ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ንመትከላትን ዕላማን ውድብካ ህይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳብ ምህብ ዝበጽሕ ቆራጽነት ዝሓትት፣እቲ እውክሎ እየ እትብሎ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ከዓ፣ ኣነ የለኹላን ይፍትሐላ፣  ሓዳረይ ሰበይተይን ዝብሉ ሓሳባት ፍጹም ዝሕሰቡ ከምዘይኮኑ ምርኣይ ይከኣል። ዶክተር ሓሰን ንቶም ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝምስረታ ዝነበራ ውድባት፣ንዕላማ ዝቆማ ውድባት እንከይኮናስ፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ  ብሓንሳብ  ጭፍር ብዘምሰዩ ሰባት፣  ወይኸዓ ኣብ ዝኮነ ናይ ድግስ ፕሮግራም ብዝተራኸቡ ኣካላት ይምስረታ ምንባረን ይምስክሩ። “የወጥ ማህበር” ዝብል ስም እውን ይህብወን ምንባሮም ይዛረቡ ዶክተር ሓሰን ኣደም።

እዚ ልዕል ክብል ዝጠቐስኩዎ ተመኩሮ ህይወት ዶክተር ሓሰን ኣደም፣ ህልው ምንቅስቃስ ተቃወምቲ ውድባት ትግራይን ሓደ ሓደ ብስም ኣክትቭስት ዝንቀሳቀሱ ኣካላትን፣ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓትን መሪሕነቱን ዝጀመርዎ ሓዱሽ ወፍሪ ጸለመን ንምርኣይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል እምነት’ዩ። ኩሉ ከም ዝፈልጦ፣ ኣብ ትግራይ መሰረት ገይረን ዝቆማ ውድባት ኣለዋ፣ ኣብ ሽዋ ዝተመስረታን መቑነን ብቅሉዕ ዝስፈረለን ውድባት ምህላወን እውን ግልፂ እዩ። ስለዚ እዘን በብናይ ባዕለን መወልተንን መበገሲ ብስም ተቃወምቲ ዝቆማ ውድባት ኣብ ክልተ ዝኽፈላ እየን። ኣብ ደንበ ሓደ ዝሕቆፋ ውድባት፣ ውናት፣ ሳወት፣ ባይቶናን እንትኾና፣ እዘን ውድባት’ዚአን ብሓዱሽ ወለዶ መናእሰይ  ዝቖማ ኮይነን፣ ፖለቲካ ትግራይ  ኣብ  ምንቅቃሕን ኣብ 2012 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ታሪኻዊ መረፃ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣወንታዊ ግደ ዝተፃወታን እየን። 

ኣሃዳዊን ጨፍላቕን ስርዓት ንምምላስ ዝቃለስ ብፒፒ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዓለማዊ ሓገዛት ብምውዳብ ብልፍንቲ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ወራር ምስወልዑ፣ ንውድብ ህወሓት ሓዊሱ ኩለን ፖለቲካውያን ውድባት ትግራይ ዝተፈላለየ ውሳነታትን ቅዋማትን እየን ሒዘንን ኣሕሊፈንን። ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይን ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ምክያድ ውሳነ እንትውስኑ፣ በአንፃሩ ስለስትአን ብሄራዊያን ውድባት ውናት፣ ባይቶናን ሳወት ግን ኣብ ከተማ ኮይነን ሰላማዊ ቃልሲ ከካይዳ’የን ወሲነን። እተን ብመቑነን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሽዋ ዝቖማ ውድባት ድማ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳን ጀኖሳይድን ኮይነን ከገልግላ ቃል ኪዳነን ኣፅኒዐን ቀፀላ።

በዚ መሰረት እዘን ብስም ህዝቢ ትግራይ ቆይምና ዝብላ ኩለን ውድባት፣ ኣየን ውድብ እንታይ ፈፀመት፣ ኣየን ውድብ ከ ክሻብ መጠረሽታ ኣብ ጎኒ ህዝባ ሰጎመት፣ መን ከ መሳርሒት ፀላእቲ ኮነት፣ ብጠቕላላ ነብሲ ወከፍ ውድብ’የ በሃሊት፣ ኣብ መኸተ እንታይ እጃም ነይርዋ ዝብል ነጥቢ ዝርዝር ኣቢልካ ምርኣይ ትኽክለኛ ቅዋም ክንሕዝ ዝጠቅም ይመስለኒ። ስለዙይ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምንቅስቃስ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ምርኣይ ንስገር።

  • ብስርዓት ብልጽግና መቑነን ዝስፈረለንን ክልተ እግረን ኣብ ሽዋ ዝተኸላን ውድባት ዝምልከት:

ብመሰረት ዕለታዊ ምንቅስቃሰን ዝቖማሉ ልኡኽን እንትምዘና፣ኣብዚ ደንበ’ዚ ዝሕቆፋ ውድባት። ብኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ)፣ ብኣብርሃም በላይ ዝምራሕ ትግራይ ብልፅግና ፓርቲ(ትብፓ)፣ ብሊላይ ሃይለማርያም ዝምራሕ ራያ እንድርታ ፓርቲ(ራእይ ፓርቲ)  ብኽፋል ድማ ብኣብርሃ ደስታ ዝምራሕ ዓረናን እየን። ኣውራ ልኡኽ እዘን ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝተጣየሻ ፓርቲታት፣ ብቐዳምነት ስርዓት ብልጽግና ብስም እዘን ባንዳታት ውድባት ድፕሎማስያዊ ሸቐጥ ክሰርሐለን፣ ብምዃኑ ድማ ኣሻንጉሊት መንግስቲ ብምምስራት ነቲ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ዕላማ ከዐውት ጠፍጢፉ ዝሰርሐን ፓርቲታት እየን። እዚአን ኣብ ቀፀልቲ ወለዶታት ትግራይ ይቕረ ዘይብሃል በደል ዝፈፀማ፣ ናይ ፀላእቲ ደረጃ ይሰራዕ እንተተባሂሉ፣ ምናልባት ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ዝስረዓ ውድባት እየን። ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ኢሉ መቸም ናብዘን ፓርቲታት ዝኣተወ ይህሉ እዩ ዝብል ዕሽነት ክህልወኒ ኣይኽእልን። ስለዚ  ተግባር’ዚ ደንበ ተቃወምቲ’ዚ ሕድሕድ ትግራዋይ ኣብ ሕልንኡ ወቂጡ ከቐምጦ ዝግባእ ይመስለኒ።

  • ብሄራዊያን ውድባት ውናት፣ ሳወትን ባይቶናን ብዝምልከት:-

ኣብ ላዕሊ ንምግላፅ ከምዝፈተንክዎ እዘን ብሄራዊያን ውድባት’ዚአን  ብሓደስቲ ወለዶ መናእሰይ ዝቆማ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፣ ብስርዓት ብልጽግናን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክካየድ ዝፀንሐ ስነ ኣእምራዊ ዂናት፣ ኣብ ምምካት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶ ገይሮም’ዮም። ብጥቕልሉ ኣብ ፖለቲካዊን ድፕሎማስያዊን መዳያት ዘይናዓቕ ተራ ተፃዊቶም እዮም ኢልካ ምቕማጥ ዝከኣል ይመስለኒ።

ይኹን እምበር፣ ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፣’ ሕዚ ዕድል ረኺብና ኣለና ‘ኢሎም ብምእማን፣ ካብ ቀረባን ርሑቕን መሻርኽትን ኣጆኹም በሃልትን ኣተኣኻኺቦም፣ ናይ መወዳእታን ዛዛምን ዝበልዎ ጀኖሳይዳል ዂናት  ብመልክዕ ልፍንቲ ምስወልዑ፣ እዘን ውድባት ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ዝተጣየሽና እምበር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣይነካይድን፣ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣይፋልናን፣ ስለዚ ይፍተሐላ የለናላን፣ ብኣፈሙዝ ዝተሰነየ ቃልሲ ብርሑቑ እዩ ዝሓይሽ ኢለን ብዕሊ ፖለቲካዊ እምነተን ገሊፀን እየን። እዚ ምሽጢር ኣይኮነን፣ ኣብ ኣደባባይ ዝተገልፀ ሓቂ’ዩ።  ቅዋም ‘ዘን ውድባት ብመንፅር እቲ ዶክተር ሓሰን ኣደም ዝገልፅዎ መትከል እንትምዘን፣ እዘን ውድባት ንዝቖማሉ ዕላማ ዋጋ ክኸፍላ ከምዘይኽእላ፣ ዕጫ እቲ ንውክሎ ኢና ዝብለኦ ህዝቢ እውን ዝሐሸሉ ይኹን ዝብል እምነት ከምዘሰጎማ ብግልፂ ዘርኢ፣ ዝበረቐት ፀሓየይ፣ ዝነገሰ ኸዓ ንጉሰይ ካብ ዝብል ብሂል ወለዲ ክፍለ ዘይኽእል’ዩ። እዚ ትርጉሙ፣ “ንሕና ንፖኦለቲካዊ ስልጣን ‘ምበር፣ኣፈሙዝ ኣልዒልና ህዝቢ ትግራይ ካብ ጽንተት ክንገላግሎ ኣይንኽእልን!” ካብ ማለት ብምንታይ ክፍለ ይኽእል?

 ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ጨፍጫፍን በደል በፂሕዎ፣ ዘድሕኖ ሓይልን ፀግዕን እንከይኣለሽ፣ ኣብ ጎኒ መንግስቱን ሰራዊቱን ተሰሊፉ እንትኳሻሕ፣ ኣነ የለኹላን ይፍተሐላ ኢልካ ምኻድ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣዝዩ ፈታኒ እዋን እጃምና ክነበርክት እንከይበላ ጭጭ ኢለን ዝነበራ ውድባትና፣ ሕዚ ከመይ ሞራል ረኸባ ንኻለኦት ዘረባታት? ብወገነይ ክሻብ ሕዚ እውን ዝገርመኒ ናይ ሸፈጥ ጎደና እየን መሪፀን። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ከም በዓል መሓሪ ዮሃንስ ብውልቂ ዝተጋደሉ እኳ እንተሃለዉ፣  ሰለስትአን ውድባት ኣብ ነናይ ባዕለን ኣብ ዘካየድኦ ስሩዕ ኣኼባ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዘየካይዳ ዕላዊ ገይረን እየን።

ስለዚ እዘን ውድባት፣ ኣብ መኸተ ዝመረፅኦ ጎደናን ድሕረን ከሰጉመኦ ዝፀንሓ ቅዋምን፣ ንኽብረን ዘይምጥን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ንቲ ወረጃ ህዝብና ዘይምጥን  እዩ።  እዚ ጭብጢ’ዚ ከም መበገሲ ወሲድና፣ ሕዚ ዘካየድኦ ዘለዋ ምንቅስቃስ ዝርዝር ኣቢልና ኣብ መወዳእታ ክንምለሶ ኢና።

  • ውሳነን ጭቡጥ ምንቅስቃስን ውድብ ህወሓት ዝምልከት:–

ርግፅ’ዩ ውድብ ህወሓት ን17 ዓመታት ሓርነታዊ ተጋድሎ መሪሓ፣ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ኣብ ጎና ኣሰሊፋ፣ ንምእማኖም ዝኸብዱ ብድሆታት ብዝገርም ብቕዓት ሰጊራ፣ ስርዓት ደርጊ ፀሪጋ፣ ሓዱሽ ስርዓት ዝተኸለት፣ ወናኒት ብሉፃት ክብሪታት ምዃና ምሽጥር ኣይኮነን። ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ  ከዓ ብዙሓት ዓቕሚታት ዝፈጠረት ውድብ ምዃና ይፍለጥ። ስለዝኾነ ውድብ ህወሓት ምስዘን ሓደስቲ ውድባት ምንፅፃር ናይ ገዛእ ርእሱ ፀገም ዘለዎ ጉዳይ ዘለዎ’ዩ።

እንተኾነ ሕዚ ኣብዚ እዋን’ዚ  ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ፈተና እንትገጥሞ፣  ሕሉፍ ድሕረ ባይታኻ ብዘይገድሽ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ኣብ ዝግበር መኸተ፣ እንታይ ቅዋም ትወስድ ዝብል ነጥቢ መሰረታዊ ይመስለኒ። ብምዃኑ ውድብ ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ መንግስትን፣ ዓይነትን መጠንን ፀላኢን ዝሓንፀፆ ትልሚን ብዝርዝር ብምግምጋም፣ ናይ ውግእ ኣግባብ ብምቕያር ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕፅል ዕላዊ ገይሩ’ዩ። ክንዲዝኾነ ንቲ ኩነታት ዝምጥን ኣወፋፍራን ስራሕ መቐሎን ብምግባር፣  ወታደራዊ ዓቕምታት ንምሕያል ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ቀፀሉ። ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊኡ ብዝተፈፀምዎ ንምፅብፃቡን ንምግላፁን ዝእግም፣ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጨፍጫፍን በድል ክቕበል ግድን ኮነ።  በዚ ንምግላፅ ዝኸብድ ጨፍጫፍ ዝሓረነ መንእሰይ ትግራይ ኸዓ፣ ብእኩብን ብውልቀን ናብ ህዝባዊ መኸተና ከም ማዕበል ክፅንበር ጀመረ።  

ኣብ በቢግንባሩን ንኡስ ግንባሩን ዝጣየሹ መዕለሚ ቦታታት ፣ ኣብ ሓፂር ግዘ ተቐቢለን ዝግባእ ትምህርቲ እናስነቓ ኣመረቓ፣ ከም ውፅኢቱ ከዓ ስራዊት ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ዓቕሙ እናዓበየ ኸደ፣ ምስ ዕብየቱን ህልው ኩነታትን ተዛሚዱ ድማ፣ ኣወፋፍርኡን ኣወዳድብኡን እናዕበየ ቀፀለ። ኣብ መወዳእታ ቅልፅም ህዝባዊ መኸተ ትግራይና ብቐሊሉ ክጭፍለቕ ናብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ተሰጋገረ። ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ከዓ፣ ንብዙሓት ክባታት እናፈንፀሐ፣ ኣብ ፀላእቲ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት እናብፀሐ ጉዕዝኡ ቀፀለ። ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ /2013 ዓ/ም ድማ ብስም ሓርበኛ ኣቦና ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝተሰመየ ወፍሪ ብምክያድ፣ኩሎም ፀላእቲ ብምድምሳስን ብምፅራግን ካብ ዝበዝሕ መሬት ትግራይ ተፀረጉ። ስለዚ  ህዝባዊ መከተ ትግራይ ከውሒ ኾይኑ እንትግስግስ፣ ብንፃሩ ኩሎም ፀላእቲ ምስ ኮውሒ ከምዝተራፀመ ብርጭቆ  ክሕምሸሹ ግድን ኮነ።

ከምውጽኢት ‘ዚ ዕዉት መከተ ድማ፣ ጻዊት ሰላም ህዝብን መንግስቲን ትግራይ፣ ሰማዒ ረኺቡ፣ መንግስታት ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ውድብ ሕብራት መንግስታትን ወዘተ ተሓስዎ፣ እቲ ኲናት ብዘተን ድርድርን ክፍታሕ ኣብ ፒሪቶርያ  ውዕል ሰላም ተኸቲሙ ኣሎ። እዚ ውዕል ሰላም፣ ብብቕዓትን ብጥበብን ኣብ ረብሓ እንተውዒልናዮ ድማ፣ ህዝቢ ትግራይ ናብ መሰረታዊን ዘይኽበስን ብርኪ ክነሰጋግሮ ንኽእል ኢና። ስለዚ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣጋጣሚ፣ ብልዑል ውሕልና፣ ጥበብን ስምረትን ኣቢልና፣ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ንሓንሳብን ንመወዳእታን ካብ ሓደጋ ጽንተት ክነናግፎን፣ ብርፈረንደም ኣቢልና ዘልኣልማዊ ፍታሕ ክነረጋግጸሉን ይግባእ። እዚ ናይ ሕድሕድ ትግራዋይ ሕብረትን ምስትውዓልን ምዃኑ ንሓደ ደቂቃ እውን ክርሳዕ የብሉን።ልዕሊ ኹሉ ድማ፣ ውድብ ህወሓት ካብ ዘይመትከላዊ ምትእስሳራትን ምጥልላፍን ወጺኡ፣ ሓቀኛ ሪፎርም ብምክያድ፣ እዚ መድረኻዊ ልኡኽ ብብቅዓትን ብልዑል ጥበብን ክመርሖን ይግባእ።

ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ነጥቢ፣ ውድብ ህወሓት ዝወሰደቶ መርገፅን ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ዝተወለዐ ህዝባዊ ዂናት ዝተፃወተቶ ኣበርክቶን ብምንምን ተኣምር ክሸፋፍን ዘይኽእልን ከምጸሓይ ተኾሊዑ ዝረአን ቅያ እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ነጥቢ፣ ህወሓት እውን ከምተን ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት፣ ኣነ እውን ኩነታት እንተፍቂዱለይ ሰላማዊ ቃልሲ እየ ክፍትን፣ እምበር ዕጥቂ ቃልሲ የለኹላን ይፍተሐላ ኢላ እንተትቕመጥ ውፅኢቱ እንታይ እዩ ክኸውን ነይሩ? ዝብል ጉዳይ’ዩ።  እዚ ሕቶ’ዚ ኩሉ ፈታዊ ሓቂ ካብ ስምዒትን ሽኩልነትን ወፂኡ ክምዝኖ ዝግባእ ቁምነገር ይመስለኒ።

  • ምስጢር እዚ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ወፍሪ ጸለመ ድኣ እንታይ ክኸውን ይኽእል?፣

ኩለን እተን ብስም ህዝቢ ትግራይ ቆይምና ዝብላ ፖለቲካዊያን ውድባት፣ ባህሪአንን ኣብ መኸተ ትግራይ ዝነበረን ተራን ንምርኣይ ተፈቲኑ እዩ። ናይተን ኣብ ደንበ ፀላኢ ዝተንፀንበራ ውድባት ብዝምልከት ሓደን ክልተን ዘየድልዮ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ኣብ ዝተኻየደ ወራር መሪሕ እጃም ዝተፃወታ፣ ስለዝኾነ ድማ ኮነ ተባሂሉ ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝተጣየሻ፣  ብግብሪ ግን ፈፀምቲ ጀኖሳይድ እየን ኢልካ ብቕሊሉ ምቕማጥ ዝከኣል’ዩ።

እተን ዝተረፋ ሰለስተ ከዓ፣ ብሄራዊያንን ብትግራዋይነት ስምዒትን እኳ ዝቖማ እንተኾና፣ ኣብ መኸተ ትግራይ ዝነበረን እጃም ግን ፣እንካብ ፖለቲካዊን ድፕሎማስያውን  ስራሕቲ ወፃእ ዝርቋሕ ስራሕ የብለንን።  ብንፃሩ ውድብ ህወሓት ፣ ህዝቢ ትግራይ ሕዝካ ዘይስገር ፀገም የለን ኢላ፣  ኣበደን ንባርነትን ጉምብሕ ጥልዕን ብምባል፣ ሙሉእ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ክስለፍ ብምግባር፣ ብቃላት ንምግላፅ ዝኸብዱ መስገደላት ሰጊራ ብየማነ ፀገም ተሰሊፎም ዝነበሩ ፀላእቲ ብምፅራግ ናብዚ ብርኪ’ዚ ክንሰጋገር መሪሕ ተራኣ ተፃዊታ’ያ። ሕዚ እውን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን መሊእኻ ሓራ ንምውፃእን፣ ህላውኡን ድሕንነቱን ብዘተኣማምን መገዲ ንምውሓስ ኣብዝካየድ ዘሎ ኩለመድያዊ ቃልሲ፣ መሪሕ ተራ እናተፃወተት ትርከብ።

ከምዚ ብግልፂ እናረኣናዮ ዝመፃና፣ ኣየነይቲ ውድብ፣ኣብ መኸተ ትግራይ እንታይ እጃም ነይርዋ ዝብል ነጥቢ ናብ ክርክር ዝቐርብ ኣይኮነን። እሞ ትርጉምን መበገስን  እዚ ኹሉ መደራጒሕን ወፍሪ ጸለመን ደኣ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ጠቓሚ ይመስለኒ።ታሪኻዊያን ፀላእቲ፣ “ኮነ ተረፈ ህዝቢ ትግራይ መሊእና እንጥፈኣሉ እዋን ሕዚ እዩ” ኢሎም እንትብገሱ፣ “ንሕና ሰለማዊያን ኢና፣ብሰላማዊ መገዲ ኢና ንቃለስ፣ ካብዚ ወፃእ የለናሉን ይፍታሓላ” ዝበላ ውድባት፣ ሕዚ በፂሐን፣ ሓንሻብ እቲ ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ረብሓን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፉ ዝሃበ’ዩ፣ ብካልእ ገጽ ከዓ እቲ ውዕል ሰላም ረብሓ ትግራይ ዘረጋግጽ እንተኾይኑ ኣብ ምዕዛብ ኣለና ክብሉ ንሰምዕ ኣለና። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፣ እቲ ውዕል ሰላም ብፍጥነት ተግባራዊ ክኸውን እንትጽውዑ ንዕዘብ ኣለና። ብተወሳኺ ህወሓት ብፍቃዱ መንግስትነቱ ሰሪዙ ስለዘሎ፣ ህዝቢ መንግስቲ ከምዘየለ ፈሊጡ ባዕሉ ሰላሙ ክሕሉ ከምዘለዎ እንተተሓሳስቡ ንሰምዕ ኣለና። ሓቂ ዘረባ ኩነታት እዘን ብሄራዊያን ውድባት መትሓዚ ዝተሰኣኖ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓትን መሪሕነቱን ዘካይድዎ ዘለው ወፍሪ ጸለመ ብምንም መገዲ ዝርደኣካ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ንኽኣቱን ሃናጻይ ኣበርክቶ ንኽግብሩ ንዝቐረበሎም ጻዊት እውን ብዕሊ ነጺጎሞ ኣለው።   እዚ ስልጣን እንትኾን ክንኣቱ ይግባእ፣የእትውና፣ ኲናት እንትኸውን ከዓ የለናሉን ዘብል ሕማም እንታይ ክከውን ይኽእል? ሞራል ዝበሃል ሕጊ ሕልና ኸ ናበይ ሃደመ? ዘብል እውን’ዩ።

ጆርጅ ሳንታያና ዝተበሃለ ተመራማሪ ታሪኽ “እቶም ሕሉፍ ፍፃመታት ዘይዝክሩ ሰባት፣ ንሕሉፍ ክደግሙ  ክኑናት እዮም” ብምባል የቐመጥ። ካብዚ እንወስዶ ትምህርቲ ኸዓ ትማሊ ዝተፈፀሙ ጌጋታት እንደገና ንምድጋም ምፍታን ፀገም ብልህነት ጥራሕ እንከይኮነስ፣ መግለፂ ዕሽነት እውን ምዃኑ ብግልፂ የርኤና። ምኽንያቱ ታሪኽ  ሕሉፍ ጌጋታት ከይትደግም ትምህርቲ ዘቕስም ዓውዲ ስለዝኾነ እዩ።  መሲልካ እንታይ ኣምፃኻ እንድዩ፣ ገለ ካብቶም ብ1993 ዓ/ም ካብ ውድብ ህወሓት ዝወፁ ኣካላት፣ እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከም ሓደ ሒሳብ መወራረዲ ዕድል ብምጥቃም፣ ብቆረፃ ስልጣን ክሕዙን ዝነበሮም ቂም ከወራርዱን እንትፍትኑ ክትርኢ እንከለኻ ልቢኻ ዘድሚ ዝገርም ነገር እዩ።

እዚ ብዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ናይዚ መድረኽ መሪሕነት እውን እንተኾነ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝነበረ ሕቱኽቱኽ ኣይነበረን። የግዳስ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝከኣሎ ዝገብር ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ፣ ንዞም ነባራት ተጋደልቲ’ዚኦም ብልዑል ትግሃት፣ ኣብ ኩለመዳይ ክሳተፉን ኣካል ማእኸላይ ኮማንድን ኮይኖም ክሰርሑን ማዕፅኡ ዘርሓወ።

እንተኾነ፣ ከምቲ ፕረዚደንት ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓበሮ፣ ገለ ገለ ኣካላት ኣብቲ መፃብብ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ስልጣን ክከፋፈሉ ብስሩዕ ሕቶ ኣቕሪቦም እዮም። ደሓር መቐለ ሓራ ምስ ወፀት እውን ብተዛማዲ ፣” ህወሓት ፈሪሳ እያ፣ ስለዚ ስግግር መንግስቲ ይገበር!” ኢሎም  ስሩዕ ሕቶ ኣቕሪቦም’ዮም። ኣብቲ ዘቕረብዎ ስሩዕ ሕቶ፣ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዱ ኸዓ፣ ሓሳቦም ቅቡል እንከይኮነ ተሪፉ’ዩ። ብኸምዚ መስርሕ፣ ሕቶ ስግግር መንግስቲ ውድቂ ምስኮኖም ድማ፣ ዘይሮም ናብተን ውድባት ክሊሕኽ ከምዝገበርዎ ይፍለጥ። እንተኾነ እተን ውድባት እውን እዚ ጉዳይ’ዚ ተቐቢለን ዋጋ ክረኽባሉ ከርተት ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓላን። በዚ ምኽንያት’ዚ እውን እተን ውድባት ካብ ህዝቢ ክትፈኣን፣ ርእሰ ቕትለት ክፍፅማን ደሪኽዎን’ዩ።

እቲ ዝገርም ጉዳይ ከኣ፣ ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ከብቅዕ፣ እዚ ብቃልስን መስዋእትን ዝተረኸበ ልኡላዊ ስልጣን ህዝቢ ንጎኒ ብምግዳፍ፣ መንግስቲ ትግራይ ስልጣን ከከፋፍሎም ክሻብ ምሕታት’ዮም በፂሖም። ብምዃኑ እዩ ድማ ፕረዚደንት ዶክተር ደብረፅዮን፣”ኣነ ከመሓድር እምበር ስልጣን ክሽንሽን ኣይኽእልን፣ እዚ ናይ ህዝቢ ስልጣን እዩ!” ብምባል መልሲ ክህቡ ዝተገደዱ። ምስጢር ‘ቲ  ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ጸለመ እምበኣር፣ ስልጣን ብቆረፃ ንምሓዝ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን።! ስለዚ እዘን ተቃወምቲ ውድባት’ዚአን ንጭቡጥ ኩነታትን ገምጊመን ባህጊን ጠለባትን ህዝቢ ትግራይ ተረድአን ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ክመፃ እንተዘይኽእለን ብዘምንም ጥርጥር፣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ካብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ክጉሓፋ እየን። ስለዚ  ጨው ንባዕሊኻ ክትብል… ከምዝበሃል፣ ኣብ ሕቱኽቱኽ ዝጠሓልኩም ወገናትና፣ ክትበራበሩን ኣብዚ መኸተ ታሪኻዊ ኣበርክቶኹም ክተወፍዩን ካብ ናይ ታሪኽ ተወቃስነት ነብስኹም ክተድሕኑን ወገናዊ ምኽረይ ክልግሰልኩም እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ገለ ተሓለቕቲ ህዝቢ ንምምሳል ዝመጻደቁ ዘለዉ ኣካላት ብዝምልከት እውን ውስን ነጥብታት ከልዕል እደሊ። ከምቲ ልዕል ኢለ ክገልጾ ዝፈትንኩ፣  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንባርን ዘይምንባርን፣ ከም ህዝቢ ኣብ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ሕቶ እንትወድቕ፣ ኣብ ክንዲ ምስቲ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፎም ንኽብሪ ህዝቦምን ዓዶምን ዝዋደቁ፣ ነብሶም ከድሕኑ ጉምብሕጥልዕ ኢሎም፣ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጽዮም እንተብቅዑ፣ ሕዚ በጺሖም ተሓለቕቲ ንምምሳል እንትፍትኑ ብሓቂ የሕዝን። ነብሲኻ ካብ መልኣከ ሞት ንምትራፍ  ምፍታን ዘሎን ዝነበረን’ዩ። እቲ ልቢ ዘድሚ ተግባር፣ ህዝብን ዓድን ራሕርሕኻ ወጽኻ ክተብቅዕ፣ ኣብ ክንዲ ብዝኸኣልካዮ ሃናጺ ፖለቲካዊን ድፕሎማሲያዊን ሓገዝ ምግባር፣” ነቲ ምስ ህዝበይ ይቃለስ፣ ህዝበይ ዝኾኖ ይኸውን፣ ኣብ መጠረሻ ከዓ ምስ ህዝበይ  ይዕወት!” ኢሉ ዝኳሻሕ ዘሎ ውድብ መሪሕነት ጸለሎ ንምልካይ ለይትን ቀትርን ምስራሕ ግን ናይ ሓሳዳት ተግባር’ዩ። ግዜ ክነውሕን ክሓጽርን ይኽእል ‘ምበር፣  ካብ እዝንን ዓይንን ህዝቢ ትግራይ ዝከወል ክንዲ ፍረ ጣፍ ክህሉ ኣይኽእልን። ስለዚ ኣንቱም ዘይግበኣኩም ክብርን ቦታን ሕዝኩም ዝጸናሕኹም፣ ኣብታ ወሳኒት እዋን ድማ ንህዝቢ ራሕርሕኹም ዝሃደምኩም፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ተሓለቅቲ ንምምሳል ትመጻደቁ ዘለኩም፣ ብኽብሪኹም ካብ ካልእ ጌጋታት ተኣሊኹም፣ ካብ ዘየድሊ ወፍሪ ጸለመ ተዓቅብኩም፣ ኣብ ጎኒ ትግራይ ጠጠው ክትብሉ  ናይ ታሪኽ ተወቃስነት ነብስኹም ክተድሕኑን ወገናዊ ምኽረይ ክልግሰልኩም እፈቱ።

By aiga

3 thoughts on “ምስጢር እቲ  ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ጸለመ እንትቅላዕ፣!”
  1. አይተ ፍጹም፡ ህዝቢ ትግራይ ናብ’ዚ ሐዚ ዘለዎ ኩነታት በኸመይ በጺሁ?
    አይትዛረቡ ፣ አይትጽሐፉ ፣ አይትሕተቱ ፣ ንህውሓት አይትንቀፉዋ ድዩ ዝባሐለለይ ዘሎ! እቲ ሕቶታት ትክክል ኢዩ ። እሞ ንህወሃት እንበይተይ እምበይተይ በሉዋ ዲኩም ትብሉ ደለኩም? ሕዝቢ ትግራይ ንህወህት አሚኑ እንታይ ረኪቡ? ብዘይካ ሞትን ፣ ጥፍአትን ፣ ህልቀትን። ሐዚ ትግራይ ካብ እቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝነበረቶ ኩነታት ንታሕቲ ወሪዳ አላ። እዚ ኩሉ ንደርጊ ንምስዓር ዝተከፈለ መስዋእቲ ከንቱ ተሪፉ። በሰንኪ ህወሓት አብላሊነትን ካብ አፍንጫአ ዘይርህቅ አተሐሳስባ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጥፍአትን ዕንወትን ሞትን አዋጅ ተአዊጅዎ አብ ንምዝራቡ ዘጸግምን ዘህዝንን ኩነታት ኢዩ ዘሎ። ንደርጊ ንምስዓር ካብ 66 ሽህ ዝበዝህ መናእሰይ ትግራዎት ህይወት ዝተከፈለሉ ዓወት ብከንቱ ተሪፉ ብሰንኪ ህውሓት ፡ ትግራይ ረሲዖም ኢትዮጵያ ከማዕብሉ። እዛ ውድብ ንህዝቢ ትግራይ ሞትን ጥፍአትን ዝተፈጥረት ውድብ ኮይና ይስመዓኒ።
    ካብ ፖለቲካ አመራርሐ ጉድለት ዝተልዓለ ፣ እቲ ብTDF ዝተረከበ ወታደራዊ ዓወት ከም ዝፈሰሰ ማይ ክከውን ኮይኑ።

  2. ኣብዚ ሐዚ እዋን፣ እዚ ሐዚ ዘሎ ናይ ሕወሓት ኣማራርሓ ኣዚዩ ዓቅሚ ዝሓፀሮ፣ ብናይ ግዳም ኣይዲዮሎጂ ዝደንዘዘ፣ ብሄራዊ ዓላማን ራእይን ዘይብሉ፣ ንዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ግዜኡ ብዝሓለፎ ብቡሉይ እስትራተጂ ዝምራሕ፣ ብጥቅሚ ዝተኣሳሰረ፣ ካብ ጌጉኡ ክምሃር ዘይኽእል ድሑር ጉጅለ እዩ። እዚ ክርኣየና እንተዘይ ክኢሉ ናይ ብሓቂ ፀገም ኣለና። ናይ ወያነ ድኽመት the hardest way ኢና ተማሂርናዮ። ብተግባር ኣብ ህዝብና ብዝበፅሐ ሰፍ ዘይብል ጉድአት። ኣብ ትግሬይ እንታይ ስልጣን ሃልዩ ኽ እዩ ስልጣን ዝደለዩ እዮም ተቃወምቲ ሕወሓት ዝበሃል ዘሎ?

    If Debretsion has an ounce of integrity, he has to vacate his post and let others do the job he miserably failed at. There is no denying that he is a spectacular failure. Anyone who cares in Tigray’s future has to call for his removal. That should happen very fast before the genocidaires get a chance to put their own puppets in charge of Tigray’s and decide it’s destiny.

  3. ፍፁም ተኽላይ፣ ሕዝውን እንካብ ድቃስካ ኣይተባራበርካን።

Comments are closed.