መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዓይጋኒውስ፥

ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ትግራይ ታሪኽ ኮይኖም ዝዝንተው ዕዉታት ተግባራት ከምዘለው ኩሉ ሓመቐ-መቀረ ድማ ደውታ ዘጋጠመና ግዜን ካብ ዝነበርናሉ ብራኸ ወሪድና ዝተረኸብናሉ ግዘ ውሑድ ኣይኮነን። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብቶም ብዙሓት ቃልስታት ፀረ-ጨቆንትን ደርባውን ብሄራውን ድርብ ወፅዓታት ሓደ ኮይኑ ብ ትውልዲ ዝዝከር ህዝባዊ ታሪኽ እዩ።

ኣብ እዚ ኣዝዩ ተኣናፊ ግዘ ኮይንና እነኽብሮ መበል 49 ዓመት በዓል ለካቲት 11 ኣዝዮም ተሓላለኽቲ ፈተናታትና ብብልሒ ንምፍታሕ ክንወስዶም ዝግብኣና ፖለቲካውን ማሕበረሰባውን መፍትሕታት ኣብ ምንዳይ ኢደይ ኢድካ ኢልና ዝርኣዩ ዓይኖም ዘፍጠጡ ሕመቓትና ንምውጋድ ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ።

ክልተ ፅንፊ ኣመለኻኽታ ዝሓዘሉ ኣታሓሳስባታት፥ መበል 49 ዓመት ምኽባር በዓል ለካቲት 11 ተጎዝጒዞም ኣብ ታሪኽ ትግራይ ኣበር ንምውፃእ ላዕሊ ታሕቲ ክብሉ ይርኣዩ ኣለው። እዞም ብክልቲኡ ጫፋት ዘለው ገመድ ጉታ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ዝሓለፉን ገለገሊኦም ድማ ብሽርሒ ግዳማውያን ሓይልታት ዝድገፉ ኮይኖም ይርከቡ።

እቲ ሓደ ጫፍ ልዕሊ 3000 ዓመታት ዝተሃነፀ ብሄራዊ ክብርታትን ስርዓታትን ትግራይ ኩሎም ምስ ምጅማር ብሄራዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ትግራይ ምትሕሓዝን ካብኡ ናብዚ ዘሎ ግዘ ጥራሕ ናይ ትግራይ ወርቃዊ ግዘ ገይርካ ምርኣይን እቶም ናይ ካልኣይ ወያነ ተቓለስቲ ጥራሕ ዘጉልህ ሃይሃይታ ነቲ ቀፃላይ ወለዶ ዘነኣእስን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 3 ዓመታት ትግራይ ናይ ምድሓን ቃልሲ ዝተርኣየ ተኣምራዊ ቃልሲ ዋጋ ዘይምሃብ ወይ ከዓ ብልክዑ ኣፍልጦ ዘይምሃብ እዩ።

እቲ ካልኣይ ተፃራሪ ጫፍ ድማ መሰረት ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ዝኾነት ለካቲት 11 ትኹን መራሕቲ እቲ ቃልሲ ዝኾኑ ተጋደልቲን መራሕትን ህወሓት ምኽንያት ኩሉ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ወራርን ኩሎም ፀላእቲ ዝፈፀምዎም ግፍዕታት ምስ ዝተወሰኑ ሰባት ኣተሓሒዝካ ርግማንን ፀርፍን እናነዛሕኻ ትግራይ ብዘይ ዘኹርዕ ታሪኽ ሕሉፍ ወለዶ ንምትራፍን ዓርሰ-ምፅላእ ክመፅእን ብባዕልና ክንሽቑረርን ብትግራዋይነትና ዝበፅሐና ግፍዒ ኣምሲሎም ስኢሎም ብሄራዊ ስምዒታትና ሰኪሕና ክንሃድሞ ዝግበር ሸበድበድ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።
“ወርቃዊት ለካቲት” እንትነኽብር ስለ እቶም ትግራይ ክብሉ ፈቖዶ ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ዝተረፉ ስውኣት ካልኣይ ወያነ፡ ስለ እቶም ኣካሎም ገቢሮም በታ ዝተረፈት ስጋ ምስ እንቅዓ ዓረሮም ፈለኽ እናበሉ ዘዕበይዎም ሽመላት ደቆም ን ስለ ትግራይ ክንወፍር ኢና ክብልዎም እንተለው ‘ዋጋ ደማዊ ቃልሲ እንታይ ምዃኑ እናፈለጡ ‘ – ፅኑዕ የርግፅኩም ኢሎም ወዶም ጓሎም መሪቖም ዘፋነዩ ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን፣ ስለ እታ ጀዲዳ ቀዲዳ ውግእ እትሕክም ኣደ ትግራይ ስለ እቶም ደሞምን ረሃፆምን ዝበጀዉ ኣዶታትን ኣቦታትን ትግራይ እዩ።

ዓይጋኒውስ ኣብ ትግራይ ውሽጥን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከባ ዝተፈላለዮ ማሕበረ-ኮም ዲያስፖራ ትግራይን ፈተውትን ዘኽብርዎ ዘለው መበል 49 ዓመት ፅምብል ለካቲት 11 ምኽንያት ብምግባር ርሑስ ፅምብል ክኾነልኩም ትምነ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከምዘመስከርክምዎ ተናቢብኩም ምስ እትሰርሑ ዝህልወኩም ተደማፅነትን ዕውታትን ኣድማዕቲ ስራሕትን ካብ ካሊእ ዘይኮነስ ካብ ባዕልኹም ዝተምሃርናዮ ስለዝኾነ እዚ ቅዱስ ተግባር ኣሕይልኩም ብምቕፃል ኣብ ስድት ዘሎ ህዝብናን ኩሎም ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፣ ደቡብ ትግራይን ናብ ቦትኦም ክምለሱ ወረርቲ ካብ መሬትና ክወፅኡ እትገብርዎ ፃዕሪ ክተዛይዱ ብኽብሪ ንምሕፀን።


ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ን ሰማእታትና!
ሓይልን ሞጎስን ን ሰራዊት ትግራይ!
ሰላምን ልምዓትን ንህዝብና!

By aiga