03 – 28 – 2022

ኣብርሃም ብርሃነ

እቲ ካልእ መሬፄን-ገጻት ወልቃይት ምስ ዝግላህ!

ኣብ ጉዳይ ወልቃይት ኣድሂበ ዝክረይ ደሪኹኒ ዝጀምርክዎ ፅሑፍ፡እንሆ ሣልሳይ ክፋል በጺሑ ኣሎ።

እሞ ደኣ ንሎሚ ብዛዕባ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ፊተውራሪ ኣስረሰሀይ ኣምባየን፡ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም፡እቲ ንትግራይ ዞይሮም ክርእይዋ ዝነበሮም መደብን ብዛዕባ ወልቃይት ኣድሂቦም ዘውግዕዎን ክፅሕፍ ኣንቂደ ነይረ።

እንተዀነ ንሱን እቱይ ኣብ እንዳ ኣቶ በቀለ ብርሃነ ወንድም ተራኺቦም ኢሂን ምሂን ዝተብሃሃልዎ ንካልእ ጊዜ ከወንዝፎ እየ።እቲ ምንታይ ሲ፡ኣብ ዝሓለፈ ክፋል መጽሓፍ ፕሮፊሠር ኣልቤርቶ ሰባቺ ጠቂሰ ብምንባረይ፡እታ መፅሓፍ ብቀሊሉ ክረኽብዋ ዘይከኣሉ ሰባት ግብረ-መልሲ ሂቦሙኒ ብምህላዎም፡እታ ኣብ ገጻት 91-92 ኣብ ጉዳይ ወልቃይትን ዙርያኡን ዘሎ፡ናብ ኣንበብቲ ከቕርብ ሑርያይ ገይረ ኣሎኹ።እሞ ደኣ ብሓጺሩ ነዚ ዝስዕብ ይመስል ኣሎ።ከምዘሎዎ ዝቐርብ ምህላው ክሕብር እፈቱ።

“The difficulties of dividing Shoa to meet military and security needs were also faced in the Governorship of Amhara.

Lessona insisted that Amhara include only territories of Amahric-speaking people.The regiom of Tzelellemt though a Tigrean-speaking area,was annexed to Amhara to secure a well-defined frontier of that Governorship,alone the Takaze River.

Other regions like Wolkait,Woldebba,Tzeggede,Semien,Woggerat,and Belesa were inhabited by Tigrean-speaking people rather than Amhara.

Before the intalian occupation of Ethiopia,all these regions of south of the Setit River gravitated economically toward Asmara and not toward Gonder.

Moreover,the Governship of Amhara had poor communications,was the vast and,therefore,difficult to govern.

Eventually in 1939 the territories between the Setit and Angareb Rivers were placed under the administration of Eritrea becouse the Governorship of Amhara could not protect these regions from Patriot incursions.”…

ክቡራት ኣንበብቲ፡ካልእ ኣብ ጉዳይ ወልቃይት ዘተኰረ መጽሓፍ ድማ ክውስኸልኩም እፈቱ።

መጽሓፍ “ቅኔ፡ሐበሻ።”- ድጒዓ፡ትግራይን ሓማሴኒ-እትብል መሸም ኣንቢብኩምዋ ትዀኑ ኢኹም እብል።እሞ ኣብታ መፅሓፍ ነዙይ ዝስዕብ ሰፊሩ ኣሎ።

“ቅኔ፡ሓበሻ።

ድጉዓ፡ትግራይን፡ሓማሴኒ፡

ኣሕተሞ፡ዶተር፡ያዕቆብ፡ፋይትሎዊች።ኣብ ዓመተ 1910 ዓ/ም/ፈ-ኣብ ከተማ ሮማ-ዓዲ ጥልያን ተሓትመ።”

ኣብ መእተዊ እታ መፅሓድ ድማ እዙይ ዝቕጽል ዘሎ ዝተቆንጨበ ፅሑፍ ሰፊሩ ኣሎ።

“መእተዊ

እዞም ኣብዚ ሓቲመዮም ዘለኹ ቅኔታት ብቋንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፉ እዮም።

ቋንቋ ትግርኛ፡ኣብ መኣኸላይን ደቡብን ሸነኻት ግዝኣት ጥልያን ዝኾነት ሃገረ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ሰሜናዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ማለት፡ምዕራባዊ ኣውራጃታት ጸገደ፣ወልቃይት፥ዋልድባን ከምኡውን ሓደ ክፋል ናይ ጸለምቲ ዝዝረብ ቋንቋ እዩ፤ካብኡ ሓሊፉ፡ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኣውራጃ ላስታ ዘሎዉ ደቀባት፡ምንም እኳ ገዛእ-ነብሶም ኣገው ይሃልዎም እምበር መብዛሕትኡ እዋን ቋንቋ ትግርኛ ምስ ቋንቋኦም (ኣገው) ሓናፊጾም ክዛረቡ ይስምዑ።

ቋንቋ ትግርኛ፡ከምዚ ሎሚ ዘይኮነስ፡ቀደም ኣዝዩ ዝሰፍሐ ቋንቋ ከምዝነበረ ይንገር፡ክሳዕ ንምድረ-ቤዳ ደንከል ዝዳወብ ኣውራጃታት ዘቡልን የጁን ከይተረፈ ይዛረብ’ዩ ነይሩ ይብሃል፤ ሽዑ እዋን  ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ክፋል ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብምሉእ ኣውራጃ ጸለምቲ ክሳዕ ኣውራጃ ዲባ-ባህር፡እግሪ-እግሪ ጐቦታት ለማሊሞ ኣቢሉ ክሳዕ ዶብ-ዋግራ ይዝረብ ነይሩ፤

ቅድሚ ወራር መሓመድ ግራኝ፡ገለ-ገለ ቦታታት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ መሬት ጋላ(ኦሮሞ) ዝመጹ ዓሌት ስለ ዝተትሓዘ፡ዎሎ-ጋላ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ፤ሽዑ እዋን ቋንቋ ትግርኛ ኣብኡ ኣዝዩ ተስፋሕፉሑ ስለ ዝነበረ፡ነቶም ወረርቲ ንኸልግስዎም ፈተነ ተኻይዱ ነይሩ፣እንተዀነ ግና፡ካብ ወራር ግራኝ ንምክልኻል ብማለት፡ኣብ ትሕቲ ጽላል ክርስትና ሓበሻ (ሃይማኖት ኣበው) ስለ ዝተዓቀቡ፡ቋንቋ ትግርኛ፡በቲ ሽዑ ዝነበረ ቋንቋ ቤተ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ተዓብሊሉ ተረፈ።

ቋንቋ ትግርኛ፡ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ቋንቋ ኣክሱም ወይ ቁንቋ ሓበሻ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ፤

…”-ዝብል ትረኽቡ ኢኹም።

እሞ ደኣ ገለ ስእሊ ሒዝኩም ክትኰኑ ተስፋ እገብር።ኣብ ዝቕፅል ድማ ካልእ ዝዘከርክዎ ኣብ ጉዳይ ወልቃይትን ተዛማዲ ጉዳያትን ሒዘ ከምፅእ ተስፋ እገብር።

ወደሓንኩም!

By aiga