03 – 28 – 2022

ኣብራሃም ብርሃነ

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ኣብ መስርሕ ምሕካም ብርሃን-ዓይኒ ንነዊሕ ዓመታት (ልዕሊ 50 ዓመት) ብቕንዕናን ብልዑል ሰብኣውነትን ርህራሔን ካብ ዘገልገሉ፡ክቡር ሓኪም ዓይኒ ኪሮስ ሙሉ መኰነን (ዶ/ር) ኣብነታውን ፊተውራርን እዮም።
ሸምጊለን ኣሪገን እንከይበሉ፣ኣብዚ ዕድሚኦም እዙይ እናሻዕ የንብቡን ታሪኽ ይምርምሩ እዮም።ኣነ ሓደ ካብ ምስክራቶም እየ እብል።እቲ ምንታይ ኣብ ሰሙን ሓደ ምዕልቲ ግድን  ይዕዘቦም እየ።እዙይ ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከየባተዂን ከየቋረፅኩን ዝረኣኽዎ እዩ።
ትማሊ ቀዳም ከም ልሙድ ረኺበዮም ነይረ እየ።ንሶም መበል 90 ዓመቶም ንክፅንብሉ፡ ኣብ  ድርኲኺት ምሽብሻብ ይርኸቡ ብምህላዎም፣ዓቕመይ ዝክእሎ ክሕግዞም (ኣብ ምፅሓፍን ተዛምዳን ነገራት) ናብ ቤቶም ኣምሪሐ ነይረ እየ።
ንግደ ሓቂ ንሶም ኣብ ታሪኽን ኣብ ተገዳስነቶምን ንሰብ ዘሎዎም ክብርን ፍቕርን ኣነ እየ 100% ተረባሒ ክብል እክእል እየ።ብፍላይ ክልተ መፅሓፍቲ ለፊዖም ዝፀሓፍዎ ብርሃን ሕትመት ክርእይ ብርቱዕ ባህግን ሃንቃን ኣሎዎም-እንተኰነ እዙይ ዘሎ ሕማቕን ፀዋግን ጊዜ ጭራሽ ዘይተኣማምን ብምኳኑ ካብ ፈለጥቶምን መቕርቦምን እቲ ምሕታም መፅሓፍቶም ከወንዝፍዎ ብምንጋሮም እንሆ ኣብ ኢዶም ሒዞሞ ኮፍ ክብሉ ተቐሲቦም ኣሎዉ።
ትማሊ ቀዳም ወዝቢ ናብ ዉሽጢ ቤቶም ብዝኣተና፡ኣብ መናድቕ ዉሽጢ ቤቶም ኣሣእል ተሰቂሉ ምንባሩ እዝክር እየ።ቕድሚ ሎሚ (ዓሚ) ~”ካብ መራሕቲ ንመን ተድንቁ፧”-ቢለ ተወኪሰዮም ምንባረይ ብምዝካር፡ኣብ መናድቕ ስእሊ-ስእሊ ኣቶ መለስ ዜናዊ ወሪዱ ምህላዉ ብምዕዛበይ።ምኽንያቱ ምስ ዘሎ ህልው ኲነታት፡ኣብ ቤቶም ዘለዉ መቕርቦም ከውርድዎ ተላቢዮሞ-ኣውሪዶሞ ምኳኖም ርዱእ ነገር ብምንባሩ ክሓቶም ኣይረደኩን።
ኣብ ዉሽጢ መደቀሲ ክፍሎም ግን ስእሊ ሃጸይ ዮሓንስ ብምርኣየይ-ወላ እኳ ኣዝማድ ብሥጋ ምኳኖም ዝፈልጥ ተኰንኩ ንሶም -ንሃጸይ ዮሓንስን ንቀዳማይ ምኒስተር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊን እምብዛ ከም ዘድንቅዎም ኣብ ወግዕታትና ደጋጊሞ የልዕሉለይ እዮም።በዙይ ከኣ ~ “ዶክተር ኪሮስ፡ንመዘከርታ ክስእለኩም ዶ ፧” በልክዎም።ንሶም ድማ “እሺ።” ብምባል እሽትኦም ብምግላፆም እንሆ እዝይን ካልእን ኣሳእል ኣልዒለዮም (ስኢለዮም) እየ።
ሓኪም ዓይኒ ኪሮስ ሙሉ ንማእለያ ዘይብሉ ሕሙም ኣብ ከተማ መቐለ፣ኣብ ናዝሬት፣ኣብ ደብረዘይቲ (ቢሾፍቱ)ን ኣዲስ ኣበባን ብናጻ ክፍሊት ኣሓኪሞም መነፅር ዓይኒ ሂቦሞም እዮም።ነቶም ፍሉጣት ብናፃ ዓይኖም ሓኪሞም መነፀር ዓይኒ ዝዓደልዎም ሓደ መዓልቲ ክሕንጥጦ ክፍትን እየ።ብሓፂሩ ንልዕሊ ፍርቒ ሚልዮን ህዝቢ ሓኪሞም እዮም።
ናብ ኮርያ ዝዘመቱ ሰራዊት ኢትዮጵያ-ጀነራል ነዋይን ጀነራል ፅጌ ዲቡን ምስጥርና ዝሕልወልናን እሙን ሓኪምን ዶ/ር ኪሮስ ሙሉ እዮም ብምባል ንጃንሆይ ጠለብ ብምቕራብ፣ነቲ ኲሉ ዘማቲ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብናፃ ዝሓከሙ እንኮ ዉፍይ ሓኪም ዓይኒ ምኳኖም እፈልጥ እየ።
ብዝኰነ ሓኪም ኪሮስ ሙሉ መኰነን፣ ኣብ ታሪኽ ዘለዎም ግዳሰን ፍትሓዊ ኣገባብ ኣዘናትዋን ርትዓዊ ሥውያ ኣፀሓሕፋን ንብዙት ኣብነት ክኰኑ ይክእሉ እዮም እብል።ኣብ ኣጋ እርጋኖም ናብ ብርክት ዝበሉ ዓድታት ከይዶም ካብ ምምርማርን ምፅናዕን ዓዲ ዘይውዕሉ፣ወርትግ ኣብ ምንባብን ምሕታትን ኰነ ክፅሕፉ ምዕዛብ ማዕረ ክንደይ መነቃቕሕን ኣብነት ንመንእሰይ ወለዶ ከም ዝኰኑ ኣይትስሕቲን ኢኻ።
በሉ እምበር ዶ/ር ኪሮስ መሉ ኩሉ ነብሶም ታሪኽ እዩ።ግን ሓንቲ ትምስጠኒ ወሲኸ ንሎሚ ኣብዚ ክዛዝሞ ክፍትን እየ።
ወ/ሮ ጸሐይ መለስ-እንሓግኦም ታሪኸን እንክሰምዕ እዚየ ይምሰጥ እየ።ንሰን 4 ሰነ 1830 ተወሊደን ኣብ መበል 120 ዓመተን ኣብ 4 ሰነ 1950 ኣብ ወጀራት-እንደርታ ዝዓረፋ፣ኣብነታዊ ኣደን ፈላጥ ታሪኽ ምንባረን ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።
ንሰን ብምርጭአን ሰብኣይ ዘእተዋ ጓል ሔዋን እየን።ንለማኒ ኣክቢረን ኣብ ቤተን ኣእስተይን ዝዕንግላን ታሪኽን ሕውነትን መታን ክፈልጣ ዓሊመን ንማንም ከይነዓቃ ዘውግዓን ፍልጠት ዝቀስማን ነበራ።ናብ ሱዳን ከይዶም ክመሃሩ ዝገበራ ንሰን እየን።
ኣብ ሱዳን ድማ ሳላ ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ብምርካቦም ምስ ሓደ እንግሊዛዊ ክፋለጡ ብምግባር ዕድል ትምህርቲ ክጓናፀፉ ባይታ ኣርሒውሉ እዩ።ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኣዲኡ በዓልቲ ተምቤን እየን።በዚ ድማ ምስ ዶክተር ኪሮስ ዝምድና ኣሎዎም እዩ።
ሰበይቲ ኣማን ዓንዶም በዓልቲ እንትጮን ወልቃይትን ምኳነን ካብ ኣፎምን ካብ ኣፍ ወ/ሮ ሰብለወንጌል ሓጎስን ወዘተን ሰሚዐ ምንባረይ እዝክር እየ።ዶ/ር ኪሮስ ንጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም ዘኪሮምን ኣመስጊኖም ኣይጸግቡን እዮም።
ስም ዶ/ር ኪሮስ ሙሉ ንማንም ሰብ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበርን ዝነበረን ተልዒልኻ-“እቶም ሕያዋይ ሰብኣይ።እቶም ርህሩህን ግዱስን ሰብ።እቶም ንወደይ ዓይኑ ካብ ምዕዋር ዘድሓኑለይ።እቶም ታሪኽ ፀውዮም ዘይፀግቡ።ወዘተ” ዝብለኻ ብቀሊሉ ኢኻ ትረኽብ።
እሞ ደኣ ~”ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ መሓዝ ” ከም ዝበሃል ጉዳይ ዶክተር ኪሮስ ሙሉ መኰነን ኣልዒልኻ፣ነየላይ ኣውሲእኻ፣ነየናይ ክትገድፎ ይሕርብተኻ እዩ።እዝንተኰ እዛ ሓፃር ብምኽንያት መበል 90 ዓመቶም ክሕንጥጣ ተገዲደ ኣሎኹ እብል።
ኣነ ድማ ካብ ዶክተር ኪሮስ ሙሉ መኰነን ዝተረባሕክዎ እምብዛ ሓሽከት ምኳኑ ክምስክር እፍረድይ እየ።ብኻ እቲ ቐደም ኣብ ፒያሳ እናወዓልና ክንዮ ሰላምታ ቀሪበ ብዙሕ ተጠቂመሎም እብል።ምኽንያቱ ባሕረ-ነጋሽ ሕክምና ዓይኒ ዘይፈልጥ ወድ ኣዲስ ዳርጋ ኣሎ ክትብል የፀግም ብምንባሩ እዩ!
ወደሓንኹም!

By aiga