ትማሊ፡ ሓንቲ ፅሕፍቲ ኣብ ጉዳይ “ቅነ ሰሙን ዲፕሎማሲ” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎዋ ናብ ገለ ገለ ኣንበብተይ ዘርጊሐ ነበርኩ። ካብቶም ወሃብቲ ርእይቶ ድማ ኣቡነ ተስፋስላሴ ከምዚ ክብሉ ሓተቱኒ።

“Have you heard about Ambassador Azmach Ayelle Sebhat (Irobetay) who was the first to be assigned to arrange office in Paris in 1916 eth.calendar, and diplomatic relation between Ethiopia and France? Please do some research on this.”

ብሓጺሩ፡ “ብዛዕባ ኣዝማች ኣየለ ስብሓት በዓል ኢሮብ፡ኣብ ፈረንሳይ ቕድሚ 100 ዓመት ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማሲ ዝኸፍቱ ትፈልጦም ዶ ትኸውን፧” ትብል እያ መንፈሳ።ዝጐደለ ተሎ ክእርሞ ወይ ክውስዀ ይኽእል እየ። ብዝኰነ፡ ብዛዕባ ኣዝማች ኣየለ ስብሓት ሕልፍ-ሕልፍ ኢለ እሰምዕ ነይረ እየ።ቕድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ግን ምስ እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት ናብ እንዳ ኮማንደር ኣድሓኖም እግርና ኣብ ዝመራሕናሉ እዋን፡ቀንዲ መኽየዲና ብዛዕባ እቲ ምኲርን እናሻዕ ኣንክዝክሮ መንፈሳዊ ቕንዒ ዘቕንኣኒ፡ጋዜጠኛ ገዳሙ ኣብራሃም ዝምልከት እዩ ነይሩ። መሸም ስም ገዳሙ ኣብራሃም ኣልዒለ ሓንቲ ነጥቢ ከየልዓልኩ ኣይሓልፍን’የ።

ምስ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ይኹን ቴክንሻናት ሬድዮን ተለቪዥንን ኢትዮጵያ ክፋለጥን ከዋግዕን ዕድል ከም ዝገብርኩ ሰብ መጠን፡ንስም ገዳሙ ኣብራሃም ደጋጊመ እሰምዕ’የ።ብሓሳበይ ምስ ዛንትኡን ክእለቱን ዕዝር እብል’የ። ግን ጉዳየይ ጉዳይ ኣዝማች ኣየለ ካብ ኰነ ከየግፍሖ መኣንታን፡ናብኡ ከብለኹም’የ።ቕድሚኡ ግን ኣፍቒደ ሓንቲ ነጥቢ ክውስኽ ኣፍቕዱለይ ኢኹም።

ኣብ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ኣመሪካ እንጅነር ግርማይ ብስራሕ ጉዳይ ዝኸድሉ እዋን፡እቲ ሰራሕተኛ እታ ዩኒቨርስቲ ከምዚ በሎም።”ገዳሙ ኣብራሃም ዝበሃል ንቋንቋ እንግሊዝ ዝመልኽ ንፉዕ ጸሓፊ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን’ዩ።ተትፈልጦ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ!፧” በሎም። እቲ መንፈሱ እየ ዝገልጾ ዘሎኹ።እንጅነር ድማ ፍሽኽ ኢሎም “I do know Mr Gedamu Abraham” በልዎ።እቲ ሰራሕተኛ እታ ዩኒቨርስቲ ንክእለት ኰነ ዕሊ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ገዳሙ ብኣግራሞት ዝገለጸሎም ነጢረያ ወይ ጎሲየያ ከቶ ኣይሓልፍን እየ ብዝብል እየ ዝሕንጥጣ ዘሎኹ።

በሉ፡ ናብ ኣዝማች ኣየለ ስብሓት ከብለኩም።ኣነ ታሪኽ ከም ዝፈቱ ሰብ መጠን ንስም ኣዝማች ኣየለ ክሰምዖ ዕድል ኣጋጢሙኒ እፈልጥ’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ ዝተብሃሉ ሓያል ብርዐኛ ኣብ ዘመነ እንግሊዝ ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ጽሑፋት ከንብብ ዕድል ከም ዝገብርኩ ሰብ መጠን፡ንተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ልደታ-ኢሮብ ንገሊኦም ብጽሑፍ ክፈልጦም ባብ ተራሒዉለይ እዩ እብል።

ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኣድሂበ ኣብ ዝጸሓፍክዎ፡ንስም ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ፣ኣማኑኤል ኣብራሃም፣ ይልማ ደሬሳ፥ብላቴን ጌታ ኤፍሬም ተወልደመድህን፥ብላቴን ጌታ ሎሬንዞ ታእዛዝ፣ተፈሪ ሻረው፣ኣዝማች ኣየለ ወዘተ ብምባል ክጥቐሱ እናተገብኣ ዘመኑ ዘመነ ሓምሓም ብምኳኑ ነቶም ወሰንትን ቀለስትን ስሞም ይኹን ታሪዀም ክዝለል ወይ ክሕከኽ ብዙሕ ሒለት ይበሃል’ዩ።

ኣብ ምምስራት ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሽወደናዊ ዮሃንስ ኮልመዲን እጃም ብምግባሩ፡ቴድሮስ ምሕረቱ ዝተብሃለ ጋዜጠኛን ተመራማሪ ታሪኽን መጽናዕቲ ክገብር ኣብ ዝመጸሉ እዋን ምስ ገለ ኣብ ዲፕሎማሲ ሪም ዘሎዎም ሰባት ክራኸብ ሰባት ኣራኺበዮ ብምንባረይ ብዛዕባ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘሎዎ ሃጐፋት ክስወጠኒ ልዑል እጃም ገይራ እያ እታ ዕለት እቲኣ።

ካልእ ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት ኣብ ሓደ እንዳ ሓዘን ክልተ ኣምባሳደራት በጋጣሚ ተራኺበ ብምንባረይ፡ነታ ዕድል ናብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ብምእታው ክሓቶም ተቐሰብሉ።ግን ብዙሕ እንዶ ኣይጸንሖምን።ኣሹምባይ 100 ወይ ልዕሊኡ ዝገበረ ታሪኽ ኣብ ዘመኖም ዝተገብረ ተኰነ ብዙሕ ዝዕግብ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ኣስተውዓልኩ። እሞ ስምን ታሪኽን ኣዝማች ኣየለ ስብሓት እውን ከም ካልኦት ዝተወጽኡን ወይ ድማ ከም ሕሱም ጓሳ ንጥሪቱ ዝጎስይ ዝተጎሰዩ ምኳኑ ምፍላጡ ኣይከብድን እዩ እብል።

ኢትዮጵያን ፈረሳይን ወግዓዊ ርክባተን ካብ ዝጅምራ ብጽሑፍ ካብ ዝሰፈረ ብሓጺሩ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ንጉስ ሚኒሊክ፡ኣብ ዓመተ 1902 ዓ/ም/ፈ፡ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መዓልቲ ቅብኣ ንግስነት ንጉስ ኤድዋርድ ንምስታፍ ኣንቂዱ፡ኣብ ዝገሸሉ እዋን ኣብ ፈረንሳይ ኣዕሪፉ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ብቕድሚኡ ፈረንሳይ ንግዝኣታ ጅቡቲ ኣብ ዓመተ 1883 ዓ/ም/ፈ፡ዶባት ከተካልል ኣብ ዝመጸትሉ መቃን ጊዜ ላህመታዊ ርክብ፡ምንባሩ ከይዘንጋዕና ማለት’ዩ።

ብድሕሪ’ዚ መንግስታት እንግሊዝ፣ፈረንሳን ጥልያንን፡ብዕለት 13 ታሕሳስ 1906 ዓ/ም/ፈ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንምስልሳል ዓሊመን፡ኣብ ዝገብርኦ ሰለስተኣዊ ሳምዕ ሓደ ታሪኽ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይገብሮ’ዩ። ብድሕሪ’ዚ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ብወግዒ ክራኸባ ዝጀመራሉ 100 ዓመት ጉዕዞ ጃንሆይ ናብ ምድረ ኤውሮጳ ምኳኑ ገለ ገለ ምሁራት ይሰማምዑ እዮም።

ኣብዚ መድረኽን እዋንን ድማ ግደን ኣበርኽቶን ኣዝማች ኣየለ ስብሓት በሪኹ ዝለዓል ሮራ ዲፕሎማሲያዊ ታሪኽ ዝጥቐስ። ኣዝማች ኣየለ፡ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ፡እቶም ፈላማይ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ፡ኣብ ሃገር ፈረንሳይ ክዀኑ ድማ ስርሖም ኣብ ቆፎ ታሪኽ ሰፊሩ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ’ዩ። ኣዝማች ኣየለ መን እዮም ዝብል ድማ ብሓፂሩ ከም’ዚ ዝስዕብ ይመስል።

ኣዝማች ኣየለ፡ካብ ኣብ’ኦም ስብሓት ወልደዮሃንስ ካብ ወላዲት ኣዲኦም ወ/ሮ ሥላስ ብ1890 ዓ/ም ኣብ  ትግራይ ኣብ ኣውራጃ ዓጋመ፡ሎሚ ዞባ ምብራቕ ኣብ ወረዳ ኢሮብ- ኣብ ጣቢያ እንዳ ልጌዳ ተወልዱ።

ኣብ ልደታ ማርያም ዓሊቴና ድማ ማህደረ ትምህርቶም ኣሃዱ ቢሎም ፊደል ብምቁጻር ክሳብ 6ይ ክፍሊ ደረጃ ትምህርቶሞ ተማሂሩ በቕዑ። ኣብ ዓመተ 1907 ዓ/ም ድማ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኳድ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣሊያንስ ፍራንሲዝ ትምህርቶሞ ዛዘሙ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣኮ ደራሲ ከበደ ሚካኤል ዝኰኑ ኣቶ ሰይፉ ሚካኤል ይኹን መንእሰይ መንክር ገብረእየሱስን ዝተብሃሉ ክልተ ሊቃውንቲ ተጋሩ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም፡ኣብ ፈረንሳ ማህደረ ትምህርቲ ዝረኸቡ ድማ ከይጠቀስኩ ክሓልፍ ሕልናይ ኣይገብረለይ ኣሎ።እሞ ነቶም ኣብ ታሪኽ ትግደሱ ጦብላሕታ ዝሕድር ታሪኽ እዞም ምሁራት ኢደይ ኢድካ ኢልና ኣብ ዝብፃሕ ከነብጽሖ መተንባህታ ክህብ እደልይ።

ናብ ኣዝማች ኣየለ ክመልሰኩም-፡ንሶም፡ብዝነበሮሞ ልዑል ፍልጠት፡ኣብቲ ሽዑ ጊዜ መራሒ ሃገር ዝነበሩ ልጅ ኢያሱ ሓቢሮሞ ክሰርሑ ዕድል ረኺቦም እዮሞ። ልጅ እያሱ ምስኪና ኣብ ዘይወዓልዎ ዉዲት ተወዲዎም፡ብተንኰልን ክፍኣትን ካብ ስልጣኖም ተዓልዮም፡ኣደዳ መስኻክሒ ቅትለት ተዘይኰኑ ነይሮም።ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ደሓን ፍኖት ምንበረት ነይራ ካብ ዝብሉ ሓደ እየ። ንትግሬ (ተጋሩን ኤርትራውያን) ድማ ደሓን ኣመለካኽታ ከም ዝነበሮም ካብ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ወለዲ እናሻዕ ምስክርነት ሰሚዐ እፈልጥ ብምኳነይ ኣድናቆየይ ክገልጸሎም እረድይ።

ኣዝማች ኣየለ፡ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮሞ ደርማስ ድልየትን ፍቅርን ንምርዋይ ድማ ካብ ናይ ባዕሎም ወጻእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብ ምድሪ ግብጺ ብምኻድ ፍልጠት ሰኒቆም እዮም። ካብ ግብጺ ብምቕጻል ኸኣ ከ ናብ ሃገረ ፈረንሳይ ሑርያኦም ብምጋብር ኣብ ከተማ ፓሪስ ብምኳድ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ብምቕጻል ኣብቲ ዉሩይ ዪንቨርስቲ ስርቦ (Sorbonne University)  ብዓውደ ሕጊ ተመሪቖሞ እዮም።

ንልጅ ኢያሱ ተኪኦሞ ኣብ 1923 ዓ/ም ናብ ኮረሻ ስልጣን ዝመጹ ተፈሪ መኰነን ( ሃጸይ ሥይለስላሴ) ርክብ ኢትዮጵያ ወ ፈረንሳይ ክዓቢ ብምሓሳብ፡ ንፈለማ ጊዜ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ኣብ ፈረንሳይ ከፈቱ። ፈላማይ ኣምባሳደር እትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ክኾኑ ድማ ኣዝማች ኣየለ በቕዑ።

ኣዝማች ኣየለ ስብሓት ንሃገሮም ዝገበሩዋ ደርማስ ኣስተዋጽኦ ካብ ብዙሕ ንገለ ንምጥቃስ ዝኣኽል ድማ ኣብ ፈረንሳይ ንመጀመርታ እዋን ማሕበር ኢትዮጵያውያን ማለት “የኢትዮጵያ ልጅ መረዳጃ ማህበር” ዝመስረቱን ብፕረዚደንት ኰይኖሞ ዝመርሑ ፈታዊ ሃገር ምንባሮም ታሪዀም የረድኣና’ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመስሉ እዋን ከኣ፡ኣብ ሚንስተር ግዝኣት ሃገር  “የአገረ ግዛት ሚንስተር” ዝበሃል ትላል ኣንጻር ፋሽሽቲ ኢጣልያን ምስ ካልኦት ሓርበኛታትን ብጾቶምን ብሙኳን ሃገራዊ ግቡኦሞ ብዘይተጽዓድነት ብምፋጻም መርኣያ እልፊ ኣእላፍ ጀጋኑ ኰይኖም እዮም።

ኣብ ሚኒስተር ግዝኣት ሃገር (ጠቅላይ ግዛት ዝብልዎ ኣሎዉ) ኣብ ቤት ማእሰርቲ (ወኽኒ ቤት) ክፍሊ ፖሊሰ ተኰነ ተመዲቦሞ ሰርሖም እዮም። ኣዝማች ኣየለ ስብሓት ንፈለማ ጊዜ “ኢትዮጵያ ኣባል ሊግ ኦፍ ኔሽን ክትከውን ልዑል ግደ ካብ ዝነበሮም ሓደ እዮም።እንተኰነ ታሪዀም ብግቡእ ኣይግለጽን’ዩ። ካብ ዕለት 10 መስከረም  ክሳዕ 4  ጥቅምት 1930 ዓ/ም/ፈ፥ኣብ ዝተካየደ “The Eleventh section of the Assembly” ዝተሳተፉ  ወኺል ድም ኣባላት ኢትዮጵያ ማሕበር ሃገራት ዓለም “League of Nation” ናይ ሎሚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (United Nation) ኣባል ንኽትከውን መሪሕ ኮይኖሞ ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንክፀድቕ ክታም ክዓርፍን ቀላሲ ግደን ንሪሞም ዝተረማረሙ  ዲፕሎማት ኣዝማች ኣየለ ስብሓት ምኳኖም ታሪኰም የረድኣና።

ኣዝማች ኣየለ ስብሓት ኣድሃ ( ኣንደበተ ርቱዕ)፣መስተውዓልን ፈታው ህዝቦምን ሃገሮምን ብምዃን ንስም ሃገሮም ኣብ መላእ ዓለም ከም ሽግ ክብ ኢላ ክትበርህ ዝገበሩ ኢሮበታይ እዮም። ኣዝማች ኣየለ፡ኣብ መድረኽ ዓለም ምኲር ዲፕሎማት ኰይኖም ደረጃ መሳልል ኣምባሳደር ክበቅዑ ዝኸኣሉ ዘመናዊ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና ካብ መንጎ ዘፍረየቶም ተምሃሮ ሓደ ምዃኖም ክንስሕቶም የብልናን እብል።

ህቡብ ድምጻውን ስፖርተኛን መምህር ተወልደ ረዳ ኣብ ወግዕና ኣብ ኢሮብ ከም ትውልዲ ከም ዘሎዎም የዋግዑኒ እዮም። ዓሚ ብዛዕባ ኢሮብን ኢሮበቶትን ኣብ መጋርያ ወግዕትናን ከነዋግዕ ከምዚ በልክዎም።”ክኸይድ ናብቲ ሩባ ዘነበሽ ከዛርባ” ትብል ንዘነበች ዝተብሃለት ፈታዊት ስድራቤተይ ዝተደርፈ ይመስለኒ ነበረ።” በልኽዎም።

ብምቕጻል ድማ “እታ ዓቢይ ስነ ጥበባዊ ትኳቦ ወልደማርያም ከም ኰኰብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ ኢሉ ዝደረፈላ፡ክብርቲ ኣዴና ጽገወይኒ ኣረይ ጓል ኢሮብ ምኳና ብቆልዓይ ዝሰማዕክዎ ጽዋ ወለዲ ኣልሊለ ኣውጋዕክዎም።” መምህር ተወልደ ረዳ ርግእ ኢሎም ምዝራብን ምስማዕን ዝፈትዉ ፈላጥ ታሪኽ እዮም።

ታሪኽ ከም ታሪኹ ክዝንተዉን ክንገርን ኣሎዎ ካብ ዝብሉ ድማ ሓደ እዮም። ስለዚ፡ታሪኽ ታሪኽ ካብ ኰነ ኮማንደር ኣድሓኖም ካብ ዘዋግዑና ሓንቲ ትንክፍ ኣቢለ ፅሑፈይ ክዛዝሞ እፈቱ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ማሕበራት ሃገራትን ዉድባትን ከይትጥርነፍ ሓደ ካብ ማሕለኻታትን ብድሆታትን መሸጣ ደቂ ሰብ (የባርያ ፍንገላ) ምንባሩ ታሪኽ የረድኣና እዩ።

ሃገሮም ኢትዮጵያ ካብ መሸጣ ደቂ ሰባት (ባሮት) ብህጹጽ ትወጽእ ከም ዝነበረት ዝገብርዎ ሽጣራ ድማ ተዘካሪ እዩ እብል። ኣብ ጋዜጣ መዓልታዊ ባሮት ናጻ ይወጹ ከም ዘሎዉ ዝገልጽ ድራማ ኣብ ጋዜጣታት ክሕተም ብምግባር፡ነቲ ዝተሓትመ ጋዜጣታት ኣብ ኣኼባን፡ኣብ መድረኽ ክትዕ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ዕውት ኣብ ምኳን ተራ ኣዝማች ኣየለ ተጠቃሲ ምኳኑ ኣብ መጋርያ ወግዕና ኮማንደር ኣስሒቆሙና ምንባሮም ብምዝክኻር ንሎሚ ኣብዚ ፅሑፈይ ደው ከብሎ ተቐሲበ ኣሎኹ።

ሰሙነ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝዝከረሉ መድረኽን ቅርዓትን ስምን ታሪኽን ከም እኒ ኣዝማች ኣየለ ስብሓት፣ኣቶ ጵውሎስ መንኣመኖ፣ ወዘተ ክለዓልን ከነውስኦን ኣሎና እብል።ወደሓንኩም! ገዳሙ ኣብራሃም (ካብ ሰራየን ዓድዋን ዝውለድ ኰይኑ) በዓልቲ ቤት ኮማንደር ኣድሓኖም ወ/ሮ ኣዜብ ኣብራሃም ሓውቱ ንገዳሙ ምኳኑ ክጠቕስ እረድይ። ካልእ ኣብ ሃገር ግዛኣት ምስ ኣዝማች ኣየለ ካብ ዝሰርሑ ዝነበሩን ብመንነቶም ብዙሕ ኣደራዕ ዝበጽሖም፡እቶም፡ምሁርን ፈታዊ ሃገሮም በዓል ዓድዋ ኣቶ ተስፋማርያም ንግሩ ምግላጽ ይከኣል’ዩ።

ኣብራሃም ብርሃነ

By aiga