ሓሞት ወይስ ኣዶ?
ኻበይ ይውለድ ጀግንነት
ኻብ ተሽከሞካዮ ፆር ኽብደት
ብረት እንተዘይኾነስ ኢስብኣዊ ውርደት::
ኻብ ዝብላዕ ምስኣን ጥምየት
ኻብ እርቃን ድኽነት
ኻብ ዐልየት ጭቆና ባርነት
ምሕሮ የለ ዕድገት
ሕክምና ኣልቦ ሞት ድንገት::
ጀግና ኣቦ ኣይብሉን ኣዶ
ሓሞት የብሉን ዘንድዶ
እኻዳኣ ሓቦ ምስነደዶ::
ብረት ንኽእጠቅ ዝግደድ
ኸሳድድ ንኽሳደድ
ኽድይብ ንኽወርድ
ኽፋሗኽ መሬት መሬት
ፀላዒ እንትገጥሞ ፊት ንፊት
መዳፍዕ እንትውርወር ንቅድሚት:
ቡምባታት እንትባራዕ
ሓዊ የማን ፀጋም እንትባላዕ:;
መሬት ስማይ እንትደባለቅ
ልቢ እንተንፈርፍር እንትጭነቅ
ኸምጨጎራ ንቅድሚት እንትፋሗኽ
ንድሕሪት ወይ ፈንትኽ::
ቆላሗ እንትብል ኽዝክር
እንታይ ኣሎ ተገደፈ ብድሕሪት ዘይችግር
ለካስ ኣለኹ እናበለ ጠጠው ኢሉ ሞት
ሞትንሞቱ መረፀ ናይፀላኢ ጥይት::
ዘሊሉ ትጠጉግ
ዓሣ ኸምዝረኣየ ዐንጉግ::
ለካስ ተዋጋእቲ ኽልተ ኣይነት
ሓደ ብዱል ቆራፅ ንኽመውት
ሓደ እሱብ እጡቅ ንኸብዱ ዝዘምት::
ብረት ትሽኪምካ
ዙራፍ ተፈከርካ
ሕደግ ኣይፋልካን:
ተጋጊኻ ኣይኾንካን::
ጀግና ተወለደ
ሓቂ ምስነደደ
ፍትሒ መንሚኑ ምስንጎደ
ናብራ ምስኸበደ
ኣማራፂ የለ
ነቨረ ኣይነቨረ
ሞት ኣብ ጎኑ ምስዓስለ
ጀግና መሗለ
እናዐለለ ነቀለ
ደሗን ኹኑ በለ::
ያሬድ ሑልፍ