ክቡራት ኣንበብቲ መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ፡ንሎሚ ሓፂር ሓበሬታ ክህበኩም እፈቱ። ንሱ ድማ እዘን ኣብ ስእሊ ትርእይወን ዘሎኹም ማማ ሰናይት ጳውሎስ ይበሃላ።ጓሎም ንክቡር ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ እየን። ንስም ጳውሎስ መንኣመኖ ዘይፈልጥ ክህሉ ንቡር እዩ።እንተኰነ ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ ኣብ ከተማ እንትጮ ዝተወልዱ በሊሕ ዲፕሎማትን ምሁርን ዝንበሩ እዮም። እቲ ዝበዝሕ ኣንባቢ ምስ ስም ጥሕሻ-ምሁር ገብረሕይወት ባይከዳኝ ብዝተሓሓዝ እዩ ዝፈልጦም ዝብል ግምት ኣሎኒ።እወ፡ ሳላ ናቶም ተወፋይነትን ዕቱብነትን መጽሓፍቲ ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ብርሃን ሕትመት ክርእይ ምክኣሉ ንእለቱ ይፈልጥ እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ።

ብዝኰነ ትማሊ ዕለት 5 ታሕሳስ 2015 ዓ/ም ንማማ ሰናይት ጳውሎስ መበል 88 ዓመተን እዩ ነይሩ።ኣነ እኳ ሞት ትረስዓኒ ኣቐድም ኣቢለ ተዓዲመ ክነሰይ ህልም ኣቢለ ረሲዐዮ እየ ዉዒለ።ግን ኣጋ-ምሸት ክብርቲ ኣዴና ማማ ሰብለወንጌል ሓጎስ (ጓል ጓሎም ንክቡር ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ) መልእኽቲ በጽሓኒ ለካ ነይሩ`ዩ፣ ግን ጭራሽ ከየስተብሃልክሉ ሓደርኩ።

ሎሚ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብዛዕባ እታ ፈላሚት ኢትዮጵያዊት ነርስ ምሕረት ጳውሎስ ክሓስብ ተቐሲበ ነበርኩ።ብዙሓት ጸሓፍቲ፡ እታ ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ነርስ ልእልቲ ፀሓይ ኃይለሥላሴ እያ ኢሎም ንነዊሕ ዓመታት ተገቲሮም ብምክትዖምን ብዘይሕንከት ብምፅሓፎምን፣ብዙሕ ሰብ ከም ሓቂ ወሲድዎ እዩ።እንሆ ድማ ርዒምዎ ይርከብ። ኣነ ግን ንዓመታት ክከራኸርን ክምጉትን ከም ዝጸናሕኩ ሰብ መመሊሸ መረዳታትን ሓበሬታን ክእኽብ ስለ ዘሎኒ፡እንሆ ሎሚ ብዛዕባ ልዕልቲ ፀሓይ ኣድሂበ- ቅድሚ 80 ዓመት ኣቢሎም ዝተጻሕፉ ጽሑፋትን መጽሓፍትን ክኣላልሽ ኣርፊደ`የ።

ካብ`ቲ ሰነዳትን ፅሑፋትን ዝምእርረሉን ዝምርምረሉን ቦታ፡ንዕረፍቲ ቢለ ብዝወጻእኹ ኸኣ፡ ትማሊ ዕለተ ልደት ማማ ሰናይት ጳውሎስ ምንባሩን ናብ ቤተን ዘይምምፅአይ ብደሓን ምኳኑን ዘይምኳኑን፡ማማ ሰናይት ብምሕታተትን፡ዝተልዓለ ብቕንፍፅ ናብኣን ደወልኩ። ኣብ ወግዕታትና ኸኣ፡ “ይቕረታ ማማ ሰናይት ጳውሎስ ናተይ ጌጋ እዩ፤ክርስዖ ኣይነበረንን ግን ረሲዐዮ ብምኳነይ እዩ ዘይመጻእኹ።” ብምባል ኣረዳእክወን።ንዕልተ-ሰንበተ ቺዳን ተቋፂርና ድማ ተፈላለና። ብድሕሪኡ ንዓይ እውን ኣተሓሳሰበኒ ምኽኒያቱ ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ዕለተ ልደተን ክውዕል ምኳነይ ኣብ መጋርያ ወግዕታትና ኣውሲአለን ነይረ እየ።ስለዚ ናተይ ጌጋ ወይ ምርሳዕ ዘስዓቦ እዩ።

እንተኰነ ትማልን ሎምን እታ ፈላሚት ኢትዮጵያዊት ነርስ ልእልቲ ጸሃይ ሃይለስላሴ ዘይኰነትሲ ሓፍተን ንማማ ሰናይት ዝኰነት ሲስተር ምሕረት ምኳና ደጊመ ደጋጊመ  ከረጋግፅ  ብምክኣለይ በቲ ሓደው ወገን ተደዓዒሰ ኣሎኹ ክብል እደፍር ብዝኰነ ማማ ሰናይት ጳውሎስ ኣብ ጉዳይ ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ይኹን ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማት ጳውሎስ መንኣመኖ ኣድሂበን፡ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ዉኃ-ዘበለ ሓበሬታ ኰነ ኣሳእል ደስ ኢልወን ሂበናኒ እየን።

እምበኣር ንሎሚ ብዙሕ ዝብሎ እኳ ተዘይብለይ ደጊመ እንቋዕ ሓጎሰክን እንቋዕ ተወልድክን ክብለን እፈቱ። ጳውሎስ መንኣመኖ፣ናማም ሰናይት ኣዝዮም ይፈትዉወን ምንባሮም እፈልጥ እየ።ሓንቲ ስእሊ፡ኣቶ ጳውሎስ፡ ኣብ ኣጋ እርጋኖም ዲፕሎማስያዊ ዕማማት እናዓመሙ ረኺበለን ኣሎኹ፡`ክህበን እየ። እቲ ምንታይ ሲ፡ “ንወሃቢ ፀባ ይክእላእ ዶ ማይ ጨባ” ከም ዝብልዎ ኣበዋት እዩ ንዓይ ዝኰነኒ።

ብሓጺሩ ግን እቶ ጳውሎስ መንኣመኖ፡ኣብ ዝተዋፈርሉ ዕዮታት ዕዉት ሰብ እዮም  ነይሮም ክበሃል ይከኣል እዩ።ኣብ ድርሰት፣ኣብ ንግዲ፣ኣብ ሞያ ዲፕሎማሲ፣ኣብ ሞያ ትርጉምን ተዛማድን ድማ ኣብነታዊ ሰብ እዮም ነይሮም። ኣቶ ጳውሎስ ብኢደ ሰብ (ብመተትን ብሽሕጣንን) ከም ዝሞቱ ይንገር እዩ።ጓሎም ተኰነ ሰሚዐንኦ ዞኣበያን ዝርዕምኦን እዩ።ኣብ እስራኤል ብዝሞቱ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ዮርሳሌም ነይርዎም እዩ።ግን ተበሊዑ ተሪፉ።

Paulos Menameno Cemetry(Burial Ground) in Israel

እታ ማማ ሰናይት ሒዘንኣ ዘሎዋ ስእሊ፡መቓብር ወላዲ ኣቡኣን እዩ።ኣብ ኲናት እስራኤል ሃገራት ኦኣረብን ብመጠኑ ሃስያ ወሪድዎ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።ምሕረት ጓሎም ድማ ናብ እስራኤል ብምካድ ክጽገን ከም ዝገበረት ታሪኽ የረድኣና እዩ። እኒ ጃንሆይ፣ኣባ ሃናን ብላቴን ጌታ ሑሩይ ወልደስላሴን ድማ ካብቶም በላዕቲ ሃፍተ-ገነቶም ምኳኖም ተጠቐስቲ ባእታታትን ተዋሰእትን እዮም። ቕድሚ ጳውሎስ ሆስፒታል ምስርሑ፡በዓል ጃንሆይን መላፍንቶምን “ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ በሊዖሞ ንኸንቱ ተሪፉ!” ዝብል ወረ ብሰፊሑ ይውረ ብምንባሩ ሰብ ዕድመ ጸጋ ዝኰኑ ፈላጣት ታሪኽን ነዚ ጉዳይ ዝፈልጡን የዘዝንትዉዎ እዮም። ጃንሆይ ተረጋም ድማ ከም ደበስን ዉለትን ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ እቲ ሆስፒታል ከም ዝተሰርሐ፣ነቶም ፈለጥቲ እቲ ምስጥርን መቕርብን ክንገሮም ከም ዝጀመረ ብዙሓት ሰብ ዕድመ ጸጋ ካብ ዘዘንትዉዎ ታሪኻት ሓደ እዮ።

“እውነት ትኖራለች ከመቃብር በላይ!” ከም ዝበሃል ድማ እንሆ እኳ ንሕና እውን “እቲ ኹሉ ሃፍተ-ገነት ኣቶ ጳውሎስ መንኣመኖ ናበይ ኰን ኣቢሉ፧ ኣበይ ኣተወ፧ ናበይ ነጠበ፧~”ወዘተ ንንብል ዝነበረና፡እቲ ሓቁ ጊዚኡ ሓሊዩ ሰማዕናዮ።ገና እውን ክስማዕን ክፃሓፍን እዩ ዝብል ፅኑዕ እምንት ኣሎኒ እዩ። እሞ “ካብ ጉይይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ከም ዝበሃል ማማ ሰናይት ጳውሎስ ፈጣሪ ዓቚይሩ ስለ ዘጽንሓልና፣እንሆ ብዙሕ ምስክርን ሚስጥርን ተኰነ ካብ ኣንደበተን እቲ ንሰን ዝፈልጥኦ ፈይ-ፈይ ኣቢለናልና ኣሎዋ።ክብረት ይሃብኽን ድማ ክበሃላ ዝግባእ እመስለኒ።

ስለዚ፡ ክብረት ይሃበልና ክብል እፈቱ።

By aiga