ብ ብርሃነ ወልደሂወት፥

ፖለቲካ ትግራይ ብዙሓት መሰከፍቲ ነገራት ዘለዉዎ እዩ። ኣብ መንግስቲ ትግራይ፣ ብሄራውያን ኢና ዝብላ ውድባት ትግራይን ካልኦት ልሂቃትን ትግራይ ዘለዎም ውሽጣዊ ሕመቓት ፖለቲካ ብጣዕሚ መሰከፍቲ እዮም።

እዞም መሰከፍቲ ጎደሎታት ንኽስተኻኸሉ ከም ተጋሩ ሓቢርና ኽንቃለሶም ይግባእ። ብዙሕ ሰብ ፖለቲካና ንኽዕረ እቱ ቑልፊ ኣብ ኢድ መንግስቲ ጥራሕ ዘሎ ስለዘሎ ኣብኡ ጥራሕ እዩ ትኹረት ዝገብር። ነገር ግን ማዕረ ማዕረ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ዝግበር ቃልሲ ኣብቶም ብሄራውያን ውድባትን ካልኦት ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ኣካላትን እውን ክኸውን ይግባእ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝተኸተልዎ ስልቲ ቃልሲ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ኽንጥቀመሉ እንተፈቲንና ስሕተት እዩ። ኢትዮጵያውያን ዝተኸተልዎ ስልቲ ህወሓት ይወገድ እምበይ ዋላ ሰይጣን ይምረሐና ዝብል ስለዝነበረ ንህወሓት ኣወጊዶም ዝገደደ ሰይጣን መራሒ እዩ መፂእዎም። ዋላ ንኣና ብዝኸፍአ መንገዲ እንተብረሰና ንባዕልቶም እውን ካብቲ ናይ ህወሓት ዝገደደ መከራ እዩ ሒዙሎም መፂኡ። ምኽንያቱ ህወሓት ይወገድ እምበይ ቀፂሉ ዝመፅእ መንግስቲ እንታይ ይምሰል ዝብሉ ብድሕሪኡ ኽንሓስበሉ ኢና እዮም ዝብሉ ነይሮም። ኣብ መንገዲ ከዓ ሽፍታታት ጨውየምዎ።

ንሕና እውን ከም ተጋሩ እዙይ ኽንመሃረሉ ይግባእ። ተኳሳሕቲ ዝኾኑ ዕለታዊ ኣጀንዳታት ካብ ምፍጣር ወፂእና ብመሰረታዊነት ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ብዝቕይር መልክዑ ኽስራሕ ይግባእ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ኣንቃሕቲ (activist) ኣብ ዕለታዊ ኣጀንዳ ካብ ምትኳር ኽወፃ ይግባእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተገበረ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ለውጢ ኣብ ትግራይ ኽትግበር ከም ዘይከኣል ምርዳእ የድሊ። ንዙይ ኽልተ ምኽንያታት ምቕራብ ይከኣል እዩ። እቱ ቀዳማይ ህወሓት ኣብ ሂወቱ ካብ ዝሰርሖም ስሕተታት እቱ ዝዓበየ ስሕተት ኣብ ኢትዮጵያ ብ 2010 ዓ/ም ብናይ ፌስቡክ ዋጭዋጭ ስልጣኑ ገዲፉ ምምፅኡ ከምዝኾነ ስለዝኣምን ሀዚ እውን ብተመሳሳሊ ዋጭዋጭ ስልጣን ኽለቅቕ ትፅቢት ዘይግበር እንትኸውን እቱ ኻልኣይ ምኽንያት ከዓ እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ከምቶም ናይ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ደገፍን መሰረትን ዘይብሎም ምኳኖም እዩ።

እሞ እንታይ ንግበር?

ከም ተጋሩ ኽንገብሮ ዝግበአና ከም ዕንድሩር ጨርጊፍና ንምውራድ ካብ ምሙካር ብዝተፀንዐን ብዝተወደበን መልክዑን ብሰላማዊ መንገድን ንምቅላስ ውዳበታት ምጥንኻርን ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደሓደ ተኳሳሕቲ ነገራት ትኹረት ምግባር ብዘላቕነት ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዝፍትሕሉ መንገድታት ምእላሽ የድሊ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ዝኾነ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ንኽመፅእ መንግስቲ፣ ፖለቲካ ውድባት፣ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦት ምሁራትን እጃሞም ኽዋፅኡ ይግባእ።

መንግስቲ ትግራይ ከም መንግስቲ ኽገብሮም ዝግበኦ ነገራት ንምግባር ሙሉእ ዓቕሙ ፀንቂቑ ኽጥቀም ይግባእ። ኽንዲ ዝተኽኣለ መጠን ህዝቢ ዘማርሩ ነገራት ብምስትኽኻል ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ኸምፅኡ ዝኽእሉ ኣንፈታት ኣነፂሩ ኽሰርሕ ይግባእ። ኣብ ዉሽጢ መሓውር መንግስቲ ዝርከቡ ኸስርሑ ዘይኽእሉ ኣካላት ብዘይንሕስያ ኸራግፎምን ዝሐሸ ዓቕሚ ብዘለዎም መናእሰይ ኽትከኦምን ይግባእ። ካቢንኡ ኸስተኻኽልን ካብ ህወሓት ወፃኢ ዝኾኑ ኣካላት እውን ኣባላት ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ብምግባር ሙቐት ኽውስኸሉ ይግባእ። ዝተፈላለየ መድረኻት ብምድላው ኣብ እዋናውን ቀፃልን ኣንፈት ቃልስታትና ዝምልከት ዘተታት ንኽግበር ንኹሉ ዝምልከቶ ኣካል ዝሓቖፈ ክኸውንን ይግባእ።

ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ኽገብርዎ ዝግባእ ድማ ከም ሓላፍነት ዝስመዖም ንህዝቢ ትግራይ ኢልና ኢና እንቃለስ ዝብሉ ውድባት መጠን ንቱ ኽቡር ህዝቢ ትግራይ ዝምጥን ስራሕን ኣወዳድባን ኽገብሩ ይግባእ። ብዓቕምን ብሓይሊ ሰብን ንህወሓት ዝፍትኑን ብትኽክል ዝወዳደሩን ንክኾኑ ቀትርን ለይትን ኽሰርሑ ይግባእ።

ተቓወምቲ ውድባት ንዕብየት ሓንቲ ሃገር ወሳናይ ታራ እዩ ዘለዎም። ወሳናይ ታራ ዝህልዎም ግና ብሓይሊ ሰብ፣ ብፍልጠት፣ ብፖሊሲን ስትራተጅን ዝምርሑ እንተኾይኖም እምበይ ከም ኣክቲቪስት ሓደ ሓደ ተኳሳሕቲ ኣጀንዳታት እናምፅኡ ስለዘቃልሑ ክኸውን ኣይኽእልን። ምስ ገዛኢ ውድብ ተመጣጣኒ ዓቕሚ ዓቕሚ ኽፈጥሩ እንተኽኢሎም ግና መንግስቲ ኣብ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስን ዝበለፀ ንኽሰርሕን ንህዝቢ ዝበለፀ ንኸገልግልን ዝሕግዝ እንትኸውን ኣብ መረፃ እንተተዓዊቶም ከዓ ብዘይዘፀገም ኽመርሑ ይኽእሉ ማለት እዩ።

ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ኣለኒ ዝብለኦ መማረፂ ሓሳባት እንታይ እንታይ እዮም?  ብምኽንያት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብዙሕ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ፅልኢቱ ዝገለፀ እንትኸውን ዘሊሉ ንተን ብሄራውያን ውድባት ናብ ምድጋፍ ዘይኣተወሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? 

ኣብተን ብሄራውያን ውድባት ንፅረት ዝጎደሎም ነገራት ኣለዉ እዮም። ንዚኣቶም ድማ ውሽጠን ፈቲሸን ኸነፅርኦም ትፅቢት ናይ ኹሉ ትግራዋይ እዩ። ኽንፅሩ ዝግበኦም ኽልተ ነገራት ከቐምጥ እየ።

1. ርእዮተ ዓለም ዝምልከት

ንህዝቢ ትግራይ ናብቱ ሀዚ ወዲቕዎ ዘኒሆ ፀልማት ንኽኣቱ ዝገበሮ ህወሓት ዝተኸተሎ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ዝበሃል ርእዮተ ዓለም እዩ እዮም ዝብሉ። ብርእዮተ ዓለም እንተኾይኑ ንምንታይ ሩስያን ቻይናን እውን ኣንፃርና ተሰሊፈን ዝብል ይፅናሕ እሞ ህወሓት ርእዮተ ዓለሙ ናብ ሊበራሊዝም/ኒዮሊበራሊዝም ቀይሩ ህዝብና የድሕን እናበላ ዝደጋግመኦ ንምንታይ እዩ? ሊበራሊዝም ህዝብና ኸድሕን ዝኽእል ፖሊሲ እዩ ኢለን ዝኣምና እንተኾይነን ንባዕልተን ንምንታይ ፖሊሲአን ናብ ሊበራሊዝም ክቕይራ ዘይከኣላ። ንባዕልተን ዘይኣምናሉ ፖሊሲ ንህወሓት ግን ንክቕበሎ ፅዕንቶ ዝገብራሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ነብሱ ይምሓሮ ዋ ሊበራሊዝም እዩ ርእዮተ ዓለመይ ዝብል ዝነበረ ብሕታዊ ትግራዋይ ውድብ ዓረና እዩ ነይሩ። እቶም ካልኦት ውድባት ግና ፖሊሲኦም ሊበራሊዝም ኣይኮነን። ንኣብነት ሳወት ሶሻል ዴሞክራሲ፣ ባይቶና ባይቶኣዊ ወያናይ ዴሞኸክራሲ እንትኽተል ውናት ከዓ ፖሊሲ የብሉን። ስለዚ ፖሊሲኹም ንፅረት ይሃልዎ።

2. ሓቋፋይ ፖለቲካ

ብዛዕባ ናይ ትግራይ ፖለቲካ እንትለዓል እንተሎ ተደጋጊሙ ዝለዓል መንግስቲ ትግራይ ሓቋፋይ ኣይኮነን፣ ኹሎም ዓቕምታት ኽጥቀም ኣይከኣለን ዝብልን ስትራተጂክ መሪሕነት የረኸብናን ዝብልን እዩ። ብግልፂ እከለ ናብ መሪሕነት እንተዝመፅእ ዝሐሸ ስትራተጂክ መሪሕነት ክህብ ነይሩ ዝብል እኳ እንተዘይሰማዕና ብሽፍኑ ስትራተጂክ መሪሕነት ስኢንና ዝብል ግን ስልታዊ መቃለሲ ኾይኑ ይርከብ።

እቶም ህወሓት ኣይተጠቐመሎምን ዝተብሃሉ ዓቕምታትን ስትራተጂክ መራሕትን እተን ብሄራውያን ውድባት ንምንታይ ኽሓቕፎኦም ዘይከኣላ? ሓቋፋይነት ንገዛኢ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። መንግስቲ ትግራይ እንተዝሓቑፎም ለውጢ ኸምፅኡ ነይሮም እዮም ዝበሃሉ ኣካላት ንተን ተነሓናሕቲ ውድባት ዝሐሻ ተናሓናሕቲ ይግበርወን።

ካብ ብዙሓት ተጋሩ ተደጋጊሙ ዝለዓል ጉዳይ ካዓ ጉዳይ ምውህሃድ እዘን ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት (ባይቶና፣ ሳወትነ ውናትነ) ዝምልከት እዩ። ካብቲ ዘቕርበኦ ሓሳባት ተቐራራቢ ዕላማታት ዘለወን እየን ዝመስላ። ኣብ ትግራይ ሽኻሉ ዝገበረ ቃልስን ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ዝብል መቃለሲ ሓሳብን እንተሃልዩወን ካልኦት ኣፈላላያተን ተዛትየን ኸፅብባን እንተኽኢለን ኽወሃዳ እንተዘይኮይኑ ከዓ ግንባር ኽፈጥራ ይግባእ። ድሕሪ ምውህሃድ ከዓ እቱ ባኺኑ ዝብለኦ ዓቕምታት ኣኪበን ኽጥቀማሉን ብትኽክል ተነሓናሕቲ ክኾናን ይግባእ። ናይ ትግራይ ፀገም ናይ መሪሕነት ፀገም እዩ ዝብላ እንተኾይነን እቱ ናይ መሪሕነት ፀገም ኽፈትሕ ይኽእል እዩ ኢለን ዝኣምናሉ ኣካል ኣብ ናይ ባዕለን መሪሕነት ናብ ቅድሚት ኣምፂአን ዘለውዎ መፍትሒ ሓሳባትን ናይ መሪሕነት ኽእለትን ህዝቢ ኽሪኦ ይግባእ። 

እዙ ኣወዳድባ እዙይ እንተተኸቲለን ኣብ ቀረባ እዋን ኽግበር ተባሂሉ ተስፋ ዝግበረሉ መረፃ ኹሉ ዓቕምታተን ኣኪበን ዝሐሸ ስራሕ ንኽሰርሓ ብሀዚተን ኽሰርሓ ይግባእ። ብኹሉ መዳይ ዝሐሸ ኣወዳድባ ሒዘን እንተመፂአን ዋላ ኣብ ሓፂር ግዘ ኣይኹን ኣብ ነዊሕ ግዘ ግን ንህዝቢ ትግራይ ዝሐሸ ነገር ሒዘን ስለዝመፃ ካብ ሀዚ ጀሚረን ብዕቱብ ኽሰርሓሉ ይግባእ።

ንዲያስፖራ ትግራይ ይኹን ንኻሊእ ትግራዋይ ካድረ፣ ዘይነቕሐ ገለመለ ዝብሉ ቃላት ካብ ምጥቃም ወፂአን ዘእምን ኣካይዳ ክኽተላ ኣለወን። ንዝሓተተን ንዝነቐፈንን ሽማሽም ምሃብ ኣብተን ብሄራውያን ውድባት ይገንን ስለዘሎ ኽእረም ይግባእ።

በብሰሙን ወይ ከዓ በቢኽልተ ሰሙን ህዝባዊ ዋዕላታት ብምግባር ምስ ህዝበን ኽቀራረባ ይግባእ።

ትግራይ ትስዕር!

By aiga