ሙሉጌታ ወልደገብርኤል (ቕድሚ ወራር ትግራይ 18 ነሓሰ 2014 ዓም ዝተፅሓፈ)

“A nation that is afraid to let its people judge the truth and

falsehood in an open market is a nation that is afraid of its people.” John F. Kennedy

ዓላማ ናይዚ ፅሑፍ፥

1. ትግራዋይ መፃኢኡ ብዝምልከት መንገዱ ንኸነፅር፥ እዚ ማለት ናይ ህዝቢ ድሌትን ሕቶን ዘይነፀረሉ መሪሕነት ክህልው ስለ ዝኽእል ትግራዋይ ዝረኽቦም ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ ባህጉን መርገፂኡን ብዕሊ ንኸፍልጥ፤

2. ታንክን መድፍዕን ዓዲ ሀገር ዘየጥፈኣና ሰባት ከም ህዝቢ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ዝፈታተን ብቐንዱ ሕማም መሪሕነት ዝኾነ፣ ኣብ ሓፂር ጊዜ ንሓደጋ ከቃለዐና ዝኽእል፣ መን ብኸመይ ክጥቀመሉን ከጥቀዓናን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘፀግም ውሽጣዊ ፀገም ኣለና፤ ውሽጣዊ ፀገምና ስር ሰዲዱ ፋሕ ከየበለና ተሎ ፀገምና ንፍታሕ ዝብል ንመጠቀቕታ ዝተዳለወ ፅሑፍ ‘ዩ።

መእተዊ፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሕማቕን ፅቡቕን ዝረኣየ/ዝፈልጥ ዓቕላምን ዕጉስን ህዝቢ ‘ዩ። እንተ ሎሚ ግን፥ ብዝመፃናዮ ዝሓለፈ 133 ዓመታት ናይ ግፍዒ፣ ናይ ወፅዓን ዓመፅን መንገዲ ካብዚ ንላዕሊ ቀፂልና ክንከድ ዘኽእል ሓይልን ጉልበት ዘለና ህዝቢ ኣይኮናን። ንኽብርን ነፃነትን ኢትዮጵያ ክበሃል ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ክመዓራረ ዝኽእል ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ኢትዮጵያ የለን። ትግራዋይ ንኢትዮጵያ ወርቁን ጨርቁን ጥራሕ ዘይኮነ ደቁን ደቂ ደቁን ዝገበረን መስዋእትነት ዝኸፈለን ህዝቢ ‘ዩ። ኮይኑ ግና፥ መዋእልና ካብ ፅባሕ ሎሚ ክዕርዩ ‘ዮም እናበልና ምስ ቀተልትናን ሓረድትናን ክንቅፅል ኣይንኽእልን። ብዘበሳበሱናን ብዝቐተሉናን ቁፅሪ ምኽንያት እናፈጠርና ክኢልናዮምን ተሸኪምናዮም ክሳብ ሎሚ መፂና ኢና፥ እንተ ሎሚ ግን በቃ ይኣኽለና። ካብ ጥይቶም ዝተረፈ ትግራዋይ ዘርኢ ከይትክእ ኢሎም ምግብን መድሓኒትን ንኸይንረክብ ብሕሰምን በሕማምን ከም ቖፅሊ ከርግፉና መኺሮም ከምታ ዝመኸርዋ ድማ ትግራይ ብኹሉ ሸነኽ ዓፅዮም ትግራዋይ ብጥሜትን ብሕማምን ተፋሒሱ ክወድቕን ክፀንት ምስ ዝገበረት ዓዲ ክፍሊ የብልናን።

ኢትዮጵያ፥ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተሓበረ ሞይትናላ ኢና፥ ቀታሊትና ካብ ኮነት ግን ኣይናህናን ‘ያ። እቲ ሎሚ ኣብ ዝባና ፈፂማቶ ዘላ ግፍዕን በደል ‘ውን ተኾነ ትማሊ ዘይፈፀመቶ ሓድሽ ነገር ኮይኑ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ እቲ ሎሚ ሓሻኽር ሒዛ መፂኣ ኣብ ልዕሌና ዝፈፀመቶ ግፍዒ ትማሊ ምልሊኽ፣ ጃንሆንን ደርግን ዝፍፅምዎ ዝነበሩን ዝፈፀምዎን ‘ዩ። ጽባሕ ሎሚ፥ ሎሚ ትማሊ ማለት ከም ዘይኮነ ኹሉ ትማሊ ፄርናዮምን ክኢልናዮም ኢናሞ ሎሚ ‘ውን ክፀሮምን ክኢልናዮም ክንሓልፎ ኢና ማለት ግን ሎሚ ቦታ የብሉን። ገዲም ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ዝግበር ጉዕዞ ትግራዋይ ክህልው ስለ ዘይኽእል ትግራዋይ ከም ህዝቢ ባህሉን መንነቱን ዓቂቡ ክነብር ተኾይኑ፥ ከም ቁርዲድ ደምና እናመፀየትን እናሰተየት ዝመፀት ዓዲ ኣድዮስ ኢትዮጵያ! ኢና ከም ጡብ ወላዲትና ክንገድፋን ክንፋነዋ ክንክእል ኣለና። አብ ሎሚ በፂሕና ነጉባዕብዕ፣ ንጠራጠርን፣ መንታ ሓሳብ ንሕዝ ተኾይና ዕድልና ኢና ነፀልምት ኢና ዘለና። ድሕሪ ገዲም ንድሕሪት ምርኣይ ናይ ጨው ሓወልቲ ኮይንካ ንምትራፍ ጥራሕ ከም ዝኾነ፤ እታ ኢትዮጵያ ትበሃል ዘላ ዓዲ ‘ውን ከም ሀገር ዝሰፈናያ ንሕና ድኣምበር ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ከም ዘይተሰፈና ፈሊጥና ሕዚ ዝግበር ንኽንገብር ክንቆርፅ፣ ክንውስን፣ ክንጓየ፣ ንዓና ዝጠቕመናን ዝረብሓናን ክንገብርን ዝግበኣና ዘበለ ኹሉ ገንዘብና ክንገብር ክነቅል ‘ዩ ዘለናን ዝግባእን። መሰረት ዘይብሉ፣ ምኽንያታዊ ዘይኮነ፣ ዘይረብሕን አሉታዊ ሓሳባት እናዘርኡ ዘዘናግዑናን ንድሕሪት ዝጎቱና ውልቀ ሰባት ይኹኑ ውድብ ብተመሳሳሊ ካብ ህይወትና ክነፋንዎምን ክንቆርፆምን ይግባእ።

ስማዕ ትግራዋይ

ወልዶ ሓሊፉ ወልዶ ብዝመፀን ብዝተተከኣን ቁፅሪ ትግራዋይ ብረት ኣልዒሉ ንኽቃለስ ዝተገደደሉ ምኽንያት፥ ፀሓይ ብዝበረቐትን ብዝዓረበትን ቁፅሪ ጥፍኣትናን ዕንወትን ዝደልዩን ዝምነዩን ፀላእትና ደቂሶምልና ሓዲሮም ስለ ዘይፈልጡ ‘ዩ። ብምኻኑ ድማ ታሪኽ ትግራዋይ ናይ ቃልሲ ታሪኽ ንኽኸውን ግድን ኾይኑ ‘ዩ። ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ኣያታትና ምስ ብዙሕ ድኻሞም ተቓለስቲ ‘ዮም። ኮታስ ትግራዋይ ደም ዘለዎ ዘበለ ኹሉ ፍትሓዊ ተቓላሳይ ህዝቢ ‘ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ተዘይኸውን ነይሩ ካሊእ ይትረፍ ኣብቲ ዝሓለፈ 133

ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ህልውናን ታሪኽን ሎሚ ብመንነቶም ተጋሩ ዝኾኑ ብቑፅሪ 3 ሰባት ኣይምተረኸቡን ነይሮም። ከም ባህግን ድሌት ገዛእትን ሰበ-ስልጣናትን ኢትዮጵያ ተዝኾውን ነይሩ ቀደም መፅነቱና፣ ርስትና ‘ውን ወሪሶም ካብ ታሪኽ ምፈሓቑና ነይሮም። ምስጢር ሃለዋትና ካሊእ ዘይኮነ፥ ፀላእትና ከጥፍኡናን ከብሩሱናን እግሮም ብዘልዓሉ ቑፅሪ ዓከዓካሪቶም እናሰበርና ማሕልኻታቶም እናበጣጠስናን እናሰገርናን ስለ ዝመፀና ‘ዩ። እዚ ንኽንገብር ዘኽኣለና ድማ ተጋሩ ብቑፅርና ብዙሐት ስለ ዝኾነ ዘይኮነ ሰብ ዋናታት ዘይስበር መንፈስ ሰለ ዝኾና ‘ዩ። ትማሊ ኾነ ሎሚ መንፈስ ትግራዋይ ፅኑዕ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ፥ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይንብርከኽ፣ ንነፍሱ ኽብሪ ዘለዎን ፈጥሪኡ ዝፈርሕን ሓያልን ፅኑዕን ዝኾነ መንፈስ ዝወነነ ህዝቢ ‘ዩ።

ቡሩንዲ፣ ኮንጎ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ዝኣመሰላ ብተፈጥራዊ ሀብቲ ዝተዓደላ ናይ ኣፍሪካ ሀገራት ይሰባሰባ፣ ፖለቲካ ሕብረትን ምትእስሳርን ይፈጥራሉ ኣብ ዘለዋ ኣብዚ ሓዚ እዋን ንሕና ድማ ምርጫና ሀገር ምኻን ‘ዩ! ክንብል ከለና ኣንፈት ጉዕዞ ምብራቕ/ቀርኒ ኣፍሪካ ናበይ የብልን ይኸይድን ከም ዘሎ ተሰዊርናን ስሒትናዮን ዘይኮነ ትግራዋይ ባህሉን መንነቱን ዓቂቡ ከም ህዝቢ ክነብር እንተ ኾይኑ እታ ዘላትናን ዝተረፈትናን መማረፂ ከም ሀገር ደው ምባል ጥራሕ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ምርጫና፥ ሀገረ ትግራይ ‘ዩ! ክበሃል ከሎ ንበይንና ተነፂልና ምንባር ይሕሸና ማለት ከም ዘይኮነ ንኹሉ ግልፂ ክኸውን ይግባእ። ምርጫና፥ ሀገረ ትግራይ ‘ዩ! ክበሃል ከሎ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሃለዋትናን ድሕንነትናን ይበልፀና ማለትና ከም ዝኾነ ሕዚ ‘ውን ንኹሉ ግልፂ ከኸውን ይግባእ። ምስ ጎረባብቲ ሀገራት ክህልወናን ክንፈጥሮን እንደሊ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኾነ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ንዓና ንተጋሩ ድሕሪ ህልውናና ‘ዩ። ህልውና ተዘይሃልዩና ክህልወና እንደልዮ ዘበለ ኹሉ ትርጉም የብሉን ኣይክህልወናን ድማ ‘ዩ። ባህልናን መንነትናን ዓቂብና ከም ህዝቢ ክንቅፅል ተኽኢልና ግን ፖለቲካዊ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ክህልወናን ክንፈጥርን ግድን ‘ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ምንባር ንዓና ንተጋሩ ጥራሕ ዘይኮነ ንኢትዮጵያ ‘ውን እቲ ዝሓሸ መማረፂ ‘ዩ ነይሩ። ሰብ ዋናታት ዓባይ ሀገር ኮይንካ ምንባር ርዕሱ ዝኸኣለ ረብሓ ስለ ዘለዎ ዓባይ ሀገር ፈጢርካን መስሪትካን ምንባር ሕማቕ ኣይኮነን። ነዚ ተባሂሉ ድማ ክሳብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ፀኒሕና ኢና። ባህልን ታሪኽን ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያን ግን ነዚ ዝተዓደለ ኣይኮነን። ንዓና ኣጥፊኦም ናታቶም ዝኾነ ነገር ኣብ ትግራይ ተዘይተኺሎም ደቂሶም ዝሓድሩ ሰባት ብዘይ ምኻኖም ድማ ጎረባብቲ ሀገራትን መንግስታትን ዓዲሞም መፂኦም ኣብሪሶምና። ንዓና ተዘይፅኒቶም ክነብሩ ምስ ዘይኽእሉ ሰባት ክንቅፅል ኣይንኽእልን። ድሕሪ ገዲም ተጋሩ ከም ሀገር ኣብ እንገብሮን ክህልወናን ዝኽል ጉዕዞ ኣብቲ እንደለዮ ቦታ ንምብፃሕ ተወሳኺ መንገዲ ዓመት ዝሓተና ተኾይኑ እታ መንገዲ ዓመት ክንከዳ ኢና ድ’ምበር ሎሚ ‘ውን ምስታ እምነት ዘይብላ ቀታሊትናን ሓራዲትናን ዝኾነት በላዒት ነፍሲ ኢትዮጵያ ተመዓራሪና ኣይንነብርን። ሕዚኸ እንታይ ክንደግም? እንታይ ዘይተፈፀመና እንታይስ ተሪፍዎም? ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ከይመፀና?

  • ከም ደርሆን በጊዕን ኣንቂዖምና፤
  • ከም ጭራሮ ኣቃፂሎምና፤
  • ቀቲሎምን ኩርንኩሪት ኣሲሮምን ከም ጎሓፍ ናብ ውሑጅን ፀድፍን ደርቤሙና፤
  • ዓዲ ከም ዘይብልና ኣፍሊሶምና፤
  • ካብ ሰብነት ኣውፂኦም ከም ሕሩጭ እናሰፈሩ ዳጒኖምና፤
  • ዋና ከም ዘይብሉ ገዛ ሀብትናን ንብረትና ዘሪፎምና፤
  • ክብሪ እኖታትናን ኣሓትናን ንሰማዒ እዝኒ ብዘደንፅው ተጋሲሶም፤
  • ካህናታት ትግራይ ካብ ቤት መቕደስ እናውፅኡ ድሕሪ ምቕታል ንላዕላ እንታይ ከይመፀና?
  • ተኾነ፥ መፁና ‘ምበር ኣይከድናዮም፤ ዘረፉናን ኣጥፍኡናን ‘ምበር ኣይተንከናዮምን፤ ንሳቶም ዓመፁናን ኣበሳበሱናን ‘ምበር ብኽፉእ ኣይረኣየናዮም። ሕዚ ‘ውን ከምዚ ኢልና ንቐፅል?
  • ሰኣን መሪሕነት ዘለኣለም እናተቀደምናን እናበሳበሱናን ንንበር?
  • ምስ ቀተሉና እናተጎየና ነፍስና ምትራፍ ክሳብ መዓዝ?
  • እቶም ዝተረፍና ኢትዮጵያ ዳግም መዓዝ ከም ትወረናን ተፅንተናን እናሓሰብና ንንበር?
  • ዝሞተ ሞይቱ ዝጠፍኣ ድማ ጠፊኡ ‘ሎ ኢልና ተመሊስና ምስ ቀተልትናን ሓረድትናን ንለሀ?
  • ንምኻኑ ህይወት ትግራዋይ መኽዘኑ ኣዲስ ኣበባ ‘ዩ ዝበለ መን ‘ዩ?
  • እታ ኢትዮጵያ ተኾነትስ ዝፈጠርናያን ዝተኸልናያን ንሕናዶ ኣይኮናን ኢና?
  • ምስ ኢትዮጵያ ምንባር ሸክሚ ኻልኦት ተሸከምቲ ህዝቢ ገበረና ድ’ምበር ከም ህዝቢ እንታይ ረብሓና?
  • ድሕሪ እዚ ኹሉ ሎሚ ‘ውን ምስ‘ዛ ነውሪ ዘይብላን ዘይትፈልጥን በተኽ ዓዲ ንቐፅል? ጌጋ።

ዝሓለፈ ጌጋ ይኣክል። ሰብ፥ ምስ ተለሓሓፀን ምስ ተሰበረን “ተጋጌ” ተበለ/ማለት ትርጉም የብሉን። ንቕድሚት ዝግበር ጉዕዞ ንቕድሚት እናረኣኻ ድኣምበር ንድሕሪት እናጠመትካ ኣይኮነን ‘ሞ ትግራዋይ ከም ህዝቢ ክሓልፈልካ ተኾይኑ ትርጉም ካብ ዘይብሉ ህይወት ክትወፅእ ክትክእል ኣለካ። ብዕድመን በተሓሳስባን ምስ ዝኣረገን ዝበስበሰብን፣ ኣውርዩ ዘይደኽሞ መታለሊ፣ ካብ ኩሉ ኣጉል ዝተረፈ፣ ንሓደራ ዘይኣመን፣ ቀታሊኻ ምስ ዝኾነ ውድብ ተሰፊኻ ድኽነት እናሰፈኻ ካብ ምንባር ዝረብሓካን ዘዋፅኣካን ፈሊጥካ ዝግበር ንኽትገብር ንቐል። ለውጢ ካብ ነፍሲ ወከፍና ‘ያ ትጅምር ‘ሞ ናብራኻ ንኽትልውጥ፥ ዓይንኻ ኽፈት፣ በተሓሳስባኻ ተለወጥ፣ መንገዲ ለውጢን ዕቤትን ናብ ዝወስደካን ዝመርሓካን ኣንፈት ንኽትከይድ ድማ ተዳለው። እዚ ንኽትገብር ድማ፥ ካብቲ ዝመፃኻዮን ዘለኻዮን ናብራ ዝሓሸ ህይወት ከም ዘሎ ክትኣምን ክትክእ ኣለካ። ከም ትግራዋይ/ትግራይ፥ ክትልወጥ፣ ክትዓብን ክትምዕብልን ከምትኽል ክትኣምን ክትክእል ኣለካ።

ብበዝሒ ዘረባ ዝልወጥ ነገር ተዝህልው ነይሩ መራሕቲ ህወሓት ዝመዓራረ፣ ዘረባ ዘይውድኦን ተዛሪቡ ዘይደኽሞን፣ መዋእሉ ኣኼባን ገምጋምን እናበለ ህዝብን ሀገርን ዘድከመ ውድብ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክገዝኣና ኸሎ ምሓለፈልና ነይሩ። ትግራዋይ፥ ብሽምካ ዝሸቓቕጡ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ዘይብሎም በፃብዕቲ ዝቑፀሩ ውልቀ-ሰባት ንውልቃዊ ረብሓኦም ክብሉ ተፀባይ ስንዳይን ዘይትን ዓዲ ሀገር ገበሩኻ ድኣምበር ብታሪኽ ኢድ ሰብ እትፅበ ተመፅዋቲ ህዝቢ ኣይኮንካን። ለንዘበን፥ ወይ ከሞቶም ዝነቕሑ ህዝብታት ነቒሕካ ክትልወጥን ክሓልፈልካን ‘ዩ ተዘይኮይ ድማ ምሳሕ ዘይኾን ታሪኽ እናውረኻ ምፅኣት ክተርክበካ ‘ያ። ዝረብሓካን ዘዋፅኣካን ፈሊጥካ፣ ዝቑረፅ ቆሪፅካ ንቕድሚት ንኽትከይድ ተወሲንካ (ንለውጢ ተነቒልካ) ግን ከምቶም ሓወልቲ ኣኽሱም ደው ዘበሉን የመን ተሻጊሮም ዝገዝኡ ኣቦታትና ታሪኽ ክትሰርሕ ኢኻ። ብድኻምካ/ብርሃፅካ ድማ ደስ ክብለካ ‘ዩ፤ ክትዓብን ክትልወጥን ድማ ኢኻ። ዝነቐለ ህዝብን ጋሻ ውሕጅን ሓደ ‘ዮም ደው ዘብሎም ሓይሊ የለን ‘ሞ ዝሓለፈ ይኣኽለኒ! ኢልካ ንለውጢ ተነቒልካ፥ መላሲ የብልካን፤ ደው ዘብለካ ሓይሊ ድማ ኣይክህሉን ‘ዩ። ሓያል ‘የ ኢሉ ዝኣምን ኮነ ሓያል መሲሉ ንኽረኣ ብዙሕ ፃዕሪ ዝገብር ዘበለ ኹሉ ቆሪፅካ ክሳብ ትለዓል ጥራሕ ‘ዩ። ከም ዝቖረፅካ ዝፈለጠ ዕለት ሰይጣን ተዘይፀሊእሉ ዝተዳመፅካ ዕለት ኣብ ቅድመኻ ደው ኣክብልን ‘ዩ። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብሽምካን ብሽም ሰማእታት/ሰውኣት ትግራይን እናሸቓቐጡ ሀብትን ንብረትን ዘጥረዩ ሰብን ፈጣርን ዘይፈርሑ መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ንዓኻ ዝምጥኑ፣ ጠለባትካን ረብሓታትካን ክሕልዉን ከማልኡን ዝኽእሉ ሰባት ኣይኮኑን። ብሄራዊ ረብሓኻ (ሃለዋትካን ድሕንነትካን) ንምሕላው ዘኽእለካ ሕቶ ሀገራዊነት ትግራይ ክምልሱ ዝኽእሉ ሰባት ኣይኮኑን። መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት 30 ዓመት ዝለመድካዮ፣ ዘደንቆረካን ዘድመየካን ተራ ናይ ካድረ ወረ ካብ ምውራይ ሓሊፎም ሀገር ናይ ምፍጣርን ምምሕዳርን ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም ሰባት ኣይኮነን። ወናኒ ውቁብ ስልጣነን ታሪኽን ዝኾንካ ህዝቢ ግን ሀገራዊነት ክንእሰካ ‘ዩ።

ሰኣን ህዝባዊ ራእይን ዓላማን ዘልዎ ብቑዕ መሪሒነት ከም ሽንቲ ጊመል ንድሕሪ ምኻድ ይኣክል! ክትብል ተዘይክኢልካ ሎሚ ትማሊ ፅባሕ ድማ ሎሚ ኾይና ክትቅፅል ‘ያ። መሪሕነት ህወሓት ንዝሓለፉ 30 ዓመታት አብ ትግራይ ዝተኸተሎ ፓለቲካዊ መስርሕን እምነትን ብጥንቓቐ ተርኢናዮ፥ መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምእማን ግዴታ አለና ኢሎም ዘይኣምኑ ሰባት ‘ዮም። ብምዃኑ ድማ፥ ከም መሪሕነት እኽለ ማይ ከምኡ ድማ ስልጣና ኣጥቢቕና ተሒዝና ህዝቢ ናብ ዘብሎ የብሉን ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ናይ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ስልጣን በመኖፖሊ ብምቁፅፃር ድሌቶም ክሰርሑን ከፍፅሙን መፂኦም ‘ዮም። እቲ ሕቶ፥ ከምዚ ኢልካ ናብራ ክሳብ መዓዝ? ዝብል ‘ዩ። ኣይኮነንዶ ዲሞክራሲያዊ ስራዓት ክፈጥሩን ክዝርግሑን ይትረፍ፥ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ንባዕሉ ውስጠ ዲሞክራሲ ዘይብሉን ዘይፈልጥን መሪሕነት ህወሓት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ስልጣኖምን ረብሓታቶምን ንኽሕልዉ ዘዋፀኦም ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ፥ ንስኻ ድማ ከም ህዝቢ ዝረብሓካን ዘዋፀኣካን ክትገብር ይግባእ። ንምንታይ? ሓያላት ኢና በሃልቲ እናውደቕካ ብኣንፃሩ መፃወቲ ድኹማት ኮይንካ ክትነብር ስለ ዘይብላካ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ተኾነ፥ ትግራይ ብቐፃልነት ትውቃዕ ዘላ፥ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ትግራይ

ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሽርሕን ተንኮልን ዝተልዓለ ንምኻኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ምንጪ ስራሕቲ ፕሮፓጋንዳ ኢትዮጵያ ኾይኑ ትግራይ ዓቕሚ ዘስእና ዘሎ ካሊእ ዘይኮነ ስልጣነይን ረብሓታተይን ይዓብየኒ ኢሉ ዝኣምን እዚኣ ተፈፃሚት ንኽገብር ድማ ኣብ እግሪ ትግራዋይ ማሕልኻታት እናቕመጠ ትግራይ ኣደዳ ፀላኢ ዝገብራ ዘሎ ብሕቲ ሓይሊ መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ።

ስማዕ ትግራዋይ፥ ሰኣን ዓቕሚ ናብ ሓዊ የእትዮምኻ፥ ሕዚኸ እንታይ ይድከሙኻ? እቲ ሓቂ፥ ታሪኽ ትግራዋይ ታሪኽ መሪሕነት ነው። ታሪኽ ትግራዋይ ሓላፊነት ናይ ምውሳድ ታሪኽ ‘ዩ። ትግራዋይ፥ መእተዊኡን መውፅኢኡን ዝፈልጥ በዓል ኣጀንዳ ዝኾነ ህዝቢ ‘ዩ። ትግራዋይ፥ ሸኽሚ ንዝኸበዶም (ተሸኻሚ ሸኽሚ ካልዖት) ድኣምበር ንኻልኦት ሸክሚ ዝኾነ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ከምዚ ዝበለ ታሪኽ ‘ውን የብልናን። መፅሓፍ፥ “ጎረቤትካ ከም ነፍስኻ ፍተው” ክብል ከሎ፥ ነፍስኻ ደርቢኻ፣ ንነፍስኻ ከም ሽምዓን ጥዋፍን እናቕለጥካ ንኻሊእ መብራህቲ ኹኖ ማለት ኣይኮነን። እታ ናይ ልቢ ቕንዕና ተኸቲላ ትመፅእ ካልኦት ናይ ምፍታውን ናይ ምቕባልን ባህሪይ ካብ ነፍስኻ እያ ትጅምር። ነፍስኻ ምስ ተቐበልካ፣ ምሰ ኣትረፍካን ምስ ረዳእኻን ኢኻ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል። ከም ተጋሩ ነፍስና ንረድኣሉ ሰዓት ሕዚ ‘ዩ።

እቶም ንፍትሕን ማዕርነትን ትግራይ እናተጓየዩ ዝወደቑን ብሕቲ ህይወቶም ዝገበሩን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ድሕሪ ገዲም ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኾይና ቐፀለት ሀገር ኮነት ነቶም ዝሓለፉ ዘምፅዖ ለውጢ የብሉ። እቶም ስለ ህዝቦምን ዓዶምን ዝወደቑ ተጋሩ ንኸይምለሱ ፈፂሞም ሓሊፎም ‘ዮም። ብሞት ኣሕዋትናት ኣሓትናን ብህይወት ዝተረፍና፣ ርስቲ ዝረኸብና ሰባት ግን እንታይ ንግበር? ኢልና ክንመያየጥን ሓድሽ ኣንፈት ክንቅይስን ይግባ ድኣምበር ከም ሓሳማን ከም ኣድግን ተሓፂብና ናብ ጭጋ ክንምለስ ኣይገባእን። እንተ ኾነ፥ ከምቶም ቀደምቲ ኣያታትና ወለድናን ከውሒ እናፈልፈና ሓወልቲ ደው ምባል ተሪፍና እተን ደው ኣቢሎመን ዝሓለፉ ክንሕልወን ይጋባእ። ትግራይ ርስትና ‘ያ ሰብዋናታታ ድማ ንሕና ኢና። ከም ሰብዋናታት ርስትናን ርስቲ ኣቦታትናን ንምሕላው ድማ ክነማትእ የብልናን፤ ኣይግባእን። ትግራዋይ፥ እናውደቐን እናተልዓለን እናቖሰለን እናሞተን ክብሩ ዝሕልው ህዝቢ ድ’ምበር ብጥበራ ዝታለል ህዝቢ ኣይኮነን። እምበኣርከስ፥ መስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣሕዋትናን ፍረ ከፍሪ ተኾይኑ፥ ተጋሩ ከም ህዝቢ ክሓልፈልና ተኾይኑ ዋጋ ዝተኸፈሎ ዕድልና ተጠቒምና ሀገር ተኾይና ጥራሕ’ዩ።

ክዳን ንዘይፈልጥን ንዘይነበሮን ክዳን ከዲካ፣ ንዝወደቐን ዝተረሰዓን ኣልዒልካ፣ ንዝተረገፀን ዝተወፀዓን ኣደዓዒስካ፣ ካርታ ናሓንፀፅካን መንነቱ እናፍለጥካ ሰባት ሰብ ዝገበርካ ህዝቢ ንነፍስኻ ሰብ ምዃን አይሕረምካ። ዐቢይ ኣህመድ ዓሊ ይኹን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ልሒቃን ኣምሓራ ይኹኑ መራሕቲ ህወሓት ከም ህዝቢ ተረባሒ ኾይካ ክሪኡን ክሰምዑን ዘይደልዩ ሰባት ተኾይኖም ኩሉም ማዕረ ፀላእትኻ ‘ዩ። ዐቢይ ኣህመድ ዓሊ – ኦሮሞ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ – ኤርትራዊ፣ ልሒቃን ኣምሓራ – ኣምሓሩ ስለ ዝኾኑ ኣይኮኑን ፀላትኻ፥ የግዳስ ከም ህዝቢ ክትርባሕ ምርኣይ ስለ ዘይወሓጠሎም ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት በተመሳሳሊ፥ ተጋሩ ስለ ዝኾኑ ፈተውትኻ ‘ዮም ወይ ድማ ፀላእትኻ ክኾኑ ኣይኽእሉን ማለት ኣይኮነን። ስልጣን ናይ ጥቕሚ ጉዳይ ‘ዩ። እዚኣ ተረድኢኻ ድማ ትግራዋይ ማሊያ ይከደን ካሊእ ቀሚስ ይተዓጠቕ፥ ብሚዛን ረብሓኻን ጥቕምታትካን ኩሉ ብማዕረ ሚዛን ብምምዛን በዓል ዋና ስልጣን ክትከውን ይግባእ።

ስማዕ መሪሒነት ትግራይ፥

ድሕሪ ገዲም ህዝቢ ትግራይ ከፊኢዎ ንዓኻ ንበይንኻ ትጥዕመካ ዓዲ ክትህልው ከም ዘይትኽእል ተረዲኢኻ ከም መሪሕነት ምስ ህዝብኻ ምኽር፣ ምስ ሰብካ ተላዘብ፣ ምስ ወገንካ ተሰለፍ። መራሕቲ ህወሓት ሳላ ተጋድሎን መስዋእትነትን መንእሰይ ትግራይ ካብ ኢድ ሰራዊትን ሰበ ስልጣንን ኢትዮጵያን ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ከምኡ ድማ ኢንተርሃምዌ ዕጡቕ ኣምሓራይ ተሪፍኩም ኢኹም። ኣብርሃም ሊንከር፥ “You can fool all the people some of the time and some of the people all the time, but you cannot fool all the people all the time.” ከም ዝበሎ ፈተኹም ፀላእኹም ከምዚኣ ኢልኩም ኣይትቕፅሉን ኢኹም። ንህዝቢ ፍትሕን ዲሞክራሲን ኣስኢንኩም ስለ ዲሞክራሲ እናውረኹም ትሓልፍዎ ዘበን ስለ ዘይኮነ ጥዕና ንኽትገብሩ እፅውዕ። ሕዚ ‘ውን፥ ንዓኻትኩም ጥራሕ ክጥዕመኩም ብቐፃልነት ትኣልምዎ ዘለኹም ሽርሕን ተንኮልን ዋና ከም ዘይብሉ ህይወት ድኻ ትግራዋይ ምጥፋእ ዋጋ ከም ዘኽፍለኩም ፈሊጥኩም ንኽትእረሙ ደጊመ ፃዊዒተይ የቕርብ። ብሞትን ጥፍኣት ትግራዋይ ምጥላዕ ይኣክል። ናይ ህዝቢ ቀልቢ ንምስራቕን ህዝቢ ንምድንጋርን ዓሊምኩም ትሰርሕዎ ዘለኹም ዝተዋደደ ድራማ (ተተኮሰና፣ ተደብደብና ዝብል) ከም ዘይጠቕመኩም ፈሊጥኩም ግልጽነትን ቅንዕናን ንኽገዝኣኩም

‘ውን ይምከር (ተተኲስካ ድማ መፍትሒኡ /rule of engagement/ ዓፀፌታ ምምላስ ጥራሕ ‘ዩ)። ህዝቢ ትግራይ፥ ከም ዕውርን ድኹምን ጉድጓድ እናፈሓርኩምን ዕንቅፋት እናቕመትኩምን እናውደቕኩም ከም ምንፃፍ ኣብ ዝባኑ ምኻድን ምዕንዳርን ኣመል ካብ ኮኖኩም ግን እታ ጉድጓድ ክትኣትዋ ኢኹም። እዚኣ ድማ ናይ ጊዜ ጉዳይ ጥራሕ ‘ያ ክትከውን እትኽእል።

ዘዝተወለደ ትግራዋይ ብቐፃልነት ዝመውት ዘሎ ንዓላማ ምኻኑ፤ ፍረ-ፃምኡ ክረክብ ከም ዝግባእ ድማ ጠፊኢኩም ኣይኮነን፥ የግዳስ ብሞትን ጥፍኣትን ህዝቢ ትግራይ ናብራኹምን ናብራ ስድራ ቤትኩምን ምጥጣሕ ስለ ዝመረፅኩም ስልጣንኩምን ረብሓታትኩምን ንኽትሕልዉ ብሽም ህዝብን ሰማእታት ትግራይ ሸቐትኩም ቀፂልኩምሉ ትርከቡ። እቲ ሓቂ፥ ዘምለጥኩም ሕዚ ንግዚኡ ‘ዩ ድኣምበር፥ ህልውናንን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ውሕስ ዝገብር ረብሓ ትግራይ ንሓስናእን ንሓዋሩን ንምምዕርራይ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ተሳታፊ ዝኾነሉ ባይታ ብምፍጣር ሕዝባዊ ቅቡልነት ዘለዎ ውሳኔ ኣብ ክንዲ ምውሳን፥ ዝነበርና ንሕና ዘለና ንሕና ንቕፅል ‘ውን ንሕና ኢና ዝብል ፈርዖናዊ ዝኾነ ናይ እብሪትን ትምክሕትን ሓሳብ ካምታ ነታ ነቶም ኻልኦት ዝቐበረት ክትቀብረኩም ‘ያ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፥ “ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ” ክትበሃሉ ከለኹም፥ ባንኩን ታንኩን ኣብ ኢድኩም ስለ ዝነበረ ዝንቕንቐኩም ምድራዊ ሓይሊ ክህልው ከም ዘይህልው ትዛረቡን ትፍክሩን ኔርኩም፤ ብዙ ኣይፀናሕኹምን ምንቕናቕ ጥራሕ ዘይኮነ ኣለና ኣለና እናበልኩም ካብ ሱርኩም ተማሒውኩም! ጋሻ ውሕጅ ወሲድኩም፤ መስሓቕ ሸራፋትን ጓህማማትን ድማ ኮይንኩም። ቀፂሉ ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ፥ ገለኹም ናይ ብረት ሰንሰለት ኣቲኹም ብምርኮ ናብ ሸገር ወሲዶም ናብ ዘብጥያ ኣውሪዶምኹም፣ ገለኦም ሬሰኦም ኣብ ሞንጎ ምውታን ተረኺቦም፣ ገለኹም ድማ ጨው ተዝንስነሰኩም ‘ውን ዝብእን ከልብን ዘይሓልፈኩምን ዝፅየፈኩምን ንምርኣይኩም ፀገም ኮይንኩም ርኢናኩም። ድሕሪ እዚ ኹሉ ድማ፥ ምናልባት ኣብ ኢድ ትግራዋይ ምስትወድቁ ምሕረት ንኽይገብረልኩም ዘግብር ስራሕ ተፀሚድኩም ኣለኹም። ናብታ መለለይትኩም ዝኾነት ዓመፅን ሸፈጥን መንገዲ ተመሊስኩም ኣለኹም። ኣዚኣ መጥፊኢትኩም ‘ያ። ፀላኢኻ እንትጋገ ኣይትኣርሞ! ዝበሃል ኣባሃላ ኣሎ (ከይደፋኣኻዮ ገደል ንኽኣቱ) ናይ ሓሳብ ድኣምበር ናይ ሰብ ፀላኢ የብለይን ኢለ ዝኣምን ሰብ ግን ንደቂ ደቅኹም ዝተርፍ ዕዳ ዘለዎ ተደጋጋሚ ስሕተት ትፍፅሙ ኣለኹም ይብለኩም ኣለኹ።

ንዘይፈልጠክን ተዓጠና! ከም ዝብልዎ፥ ተኾነ መሪሕነት ህወሓት ካብ ሰበይ ንላዕሊ ‘የ ኢሉ ንኽሓስብን ከኣምንን ዘኽእሎ ዝኾነ ይኹን ጭቡጥ ነገር ዘለዎ ቡድን ኣይኮነን። ስልጣን መቐለን ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ተኾነ ዘመክሕ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲ ድኻ ማሕበረሰብ ምስልጣን፣ ህፃናትን ኣንስትን ኣናታለልካ ርሃፅ ሰራሕተኛ ህዝቢ ምምታፍ፣ መቐነት ድኻ ወላዲት ምፍታሕ ኣየመክሕን። ከምዚ ዝበለ መሕፈሪ ስራሕ ንምስራሕ ድማ ሚኒስተር ‘የ ነይረ ማለት ኣይሓትትን። ሚእቲን ዓሰርተን ሚልዮን ህዝቢ ዝገዝእ ዘሎ ዐቢይ ኣህመድ ዓሊ ‘ዩ። ካሊእ ስልጣን ዘበለ ኹሉ ካብዚ ንታሕቲ ‘ዩ። ዐቢይ ኣህመድ ዓሊ 7ይ ክፍሊ ከም ዝኾነ፣ እቲ ኣለኒ ዝብሎ ናይ ትምህርቲ ማስረጃ ኩሉ ሓሶት ከም ዝኾነ ብቕሉዕ ዝነገርኩምና ድማ ንስኻትኩም፤ 7ይ ክፍሊ መልሚልኩም ንሚንስትርነት ዝሾምኩም ሰባት ንስኻትኩም ባዕልኹም ኢኹም (ብቪድዮ ምድጋፍ ይከኣል ‘ዩ)። ስለዚህ፥ ናይ ግዛዕ ሚኒስተር ‘የ ነይረ፣ ሻምበር ‘የ ነይረ ማለት ዘሕፍር ድ’ምበር ዘመክሕ ኣይኮነን። ከምዚ ዝብልዎ ዘረባ ‘ውን ኣቕሚ፣ ከእለትን ትምህርትን ዘመላኽት ዘይኮነ ናይ ኢትዮጵያ ኾነ ናይ ትግራይ ስልጣን ሰብ ይመሃር ኣይመሃር ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ቀዲሙ ዝሓዘ ዝሕዞ ምኻኑ ጥራሕ ‘ዩ።

ስልጣን፥ ዕድል ጊዜን ዝሃቦ ኩሉ ይሕዛ ዝሕልዋ ግን ውሓድ ‘ዩ። ድሕሪ ሞት ኣቶ መለስ ዜና ስልጣን ምሕላው ስለ ዝተስኣነኩም ዶ ኣይኮነን ህዝቢ ትግራይ ሎሚ ንሞትን ጥፍኣት ዝበቕዓ። ድሕሪ ናብታ ዝተፀየፍኩምዋ መሬት ትግራይ ምብራርኩም ‘ውን ተኾነ ሰኣን ዓቕሚ ዶ ኣይኮን ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓዊ የእቲኽምዎ ዘለኹም? ትግራይ ሰብ ከም ዘይብላ “ኣነ ጥራሕ ‘የ ዝፈልጥ” ማለት መጥፍኢትኩም ‘ያ። ከምቲ ልዕል ኢለ ዝሓበርክዎ መሪሒነት ህወሓት ካብ ሰብካ ንላዕሊ ትፈልጦ ዝኾነ ይኹን ፍልጠት የለን። እንደውም እቲ ሕዚ ትፍፅሞ ዘለኻ ስህተት ስእነት እኹል ፍልጠት ምኻኑ ክትፈልጥ ይግባእ። ኣካል ህዝቢ ከም ምዃንካ መጠን ዝነዓቕ ምኽሪ ስለ ዘየለ ድማ ምኽሪ ሰብካን ህዝብኻን ስማዕ። ካብዚ ተላዒልካ ድማ ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ዝጠቅምን ዝረብሕን ንኽትገብር ወስን። ሸውላለ ፀወታ ይትረፍካ። ሓረስታይ ትግራይ ርኢቶ ኣለዎ ስምዓዮ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ምሁር ትግራዋይ ሓሳብ ኣለዎ ዕድል ሃቦ፣ መንእሰይ ትግራይ ዘበርክቶ ኣለዎ ተቐበሎ። ቅድሚ ሕዚ ንበይንኻ ክትጎይይን ክትበልዕን ኣይማይና ኣይሰማይና ኣውቕዒኻና፥ ሎሚ ግን ንበይንኻ መኻሪካ ክተጥፈኣና ዝፈቕደለካ የለን። ሄንሪ ኪሲንጀር “ፀላኢ ኣሜሪካ ምኻን ሓደገኛ ‘ዩ፤ ምሕዝነት ምስ ኣሜሪካ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ‘ዩ” ከም ዝበሎ፥ ከምዚ ዝበለ ሕማም መሪሕነት ትግራይ መን ብኸመይ ክጥቀመሉን ከጥቀዓናን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘፀግም

ብምኻኑ ዓቕሚ ረኺብካ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉ ደው ምባል ተሳኢንዋ ናይ ልብኻ ተረኸብካ እኳ ጥዒምካ ኣይክትቅፅልን ኢኻ። ቅድሚ ሕዚ “ዝተቓለስና ንሕና ኢና” እናተብሃለ 1983 ዓ/ም ዝደለኻዮ ጌርካ ኢኻ። 1983 ዝደለኽዎ ገይረ እየሞ ሎሚ ‘ውን ዝደለኽዎ ክገብር ‘የ ኢልካ ግን ካይተሓስባ (ብርግፅ ህዝቢ ትግራይ ከምታ ሕዚ ትገብራ ዘለኻ ብጥሜትን ብሕሰምን እናጠበስካ ድሌትካ ክትረክብ ትኽእል ኢካ)። ካብ ኢድ ኢትዮጵያን ሻዕቢያን ዝተረፍካ መሪሕነት ህወሓት ግን፥ ኣብ ኢድ ሓድሽ ወለዶ ትግራይ ዝወደቕካ ዕለት ዘትርፈካ የለን። ሎሚ ብኽብሪ ተለሚንካ ዘይሰማዕኻ ኣብ ኢዱ ምስ ወደቕካ ምሕረት ክገብረለይ ‘ዩ ኢልካ ድማ ካይትፅበ። ከም ጓና ክንተሓሳሰበካ ኢና። ኣብ ትግራይ ናብ ደቂ ደቕካ ተመሓላልፋ ሀብትን ንብረትን ህዝቢ ትግራይ ኣይክትህሉን ‘ያ። ዝወሰደ ጊዜ ይውሰድ ኢዚኣ ከይገበረ ድቃስ ለይቲ ደቂሱ ዝሓድር ትግራዋይ ድማ የለን። በታ ዝሰፈርካያ መስፈሪት ክስፈረካ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን (ኣይትረኽባን ድ’ምበር) ኣብ ኢድ ፀላእተይ ወዲቐ ነይረ ተዝኸውን ምሓሸኒ ኢልካ ክትምነ ኢኻ። እዚኣ ከም መጠንቀቕታ ውሰዳ። ስልጣንካን ረብሓታትካን ክትሕልው ክትብል ንህዝቢ ትግራይ እትሓስዎ ዘለኻ ሓሶት ንባዕልኻ ኣእምኒካ ሒዝካ ቅድሚ ምጥፍኡ ሕዚ ተኣረም ሕዚ ተስተኻኸል። መድሓኒት ጥራሕ ዘይኮነ ንስሃ ‘ውን ናይ ጊዜ ገደብ ኣለዎ ‘ዩሞ።

Hasta la vista, baby!

By aiga

One thought on “ቁሉዕ መልእኽቲ ንህዝብን መሪሒነትን ትግራይ”

Comments are closed.