ብክብሮም ብርሃነ – ስራሕ ፈፃሚ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) 

መእተዊ፦ 

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝወነነ ኣካል እዩ። ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ማለት እውን ሕጊ መውፅኢ÷ ሕጊ ተርጓምን ሕጊ ፈፃምን ነንባዕሎም እናተሓላለዉ (Check and balance system ፈጢሮም) ህዝቢ ሙዕሩይን ፍትሓውን መንግስታዊ ኣገልግሎት ክረክብን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ትካላት ካብ እዋን ናብ እዋን እናተማሓየሸን እናሰፍሐን ክኸይድን፥ በዚ ኣቢሉ ድማ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ኩነታት ትግራይ እናበረኸ ክኸይድ ዘለዓለ ሓላፍነት ካብ ዘለዎም ትካላት ሓደ እዩ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብ/ክ/መ/ትግራይ።  

ብስነ ሓሳብ ደረጃ እዙይ እኳ እንተኾነ ብተግባር ዝነበረን ዘሎን ክውንነት ካብዚ ፈፂሙ ዝተረሓሓቐ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። ብፍላይ ከዓ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ምትእንጋድ ዘይለመደን ናይ መድብለ ፓርቲ ተሞኩሮ ዘይብሉን ን25 ዓመታት ብናይ ሓደ ውድብ ኣባላት ምሉእ ብሙሉእ (100%) ዝተመልአን ኮይኑ ምፅንሑ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ናይ ምእላይ ባህልን ተመኩሮን ከምዘይብሉ ንኹሉ ግልፂ እዩ።  

መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ መድረኽ ክሰምዖ ዘይደሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊ ምሳይል ዝፈርሖ ነገር እንተሃልዩ ዝተፈለየ ሓሳብ እዩ። ዝተፈለየ ሓሳብ ብዝቐረበ ቁፅሪ ክንዲድላዩ ጠቓሚ ይኹን ነቲ ዝቐረበ ዝተፈለየ ሓሳብ ብጃምላ ካብ ምጥቓዕ ሓሊፉ ነቲ ሓሳብ ብኣንፃር ረብሓ ህዝቢ መዚኑ ናይ ምቅዋም ወይ ናይ ምድጋፍ ልምዲን ባህሊን ኣየማዕበለን። በዚ ኣካይዳ መሰረት ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናይ ህዝቢ ስልጣን ብሒቱ ዝመፀን ዘሎን መሪሕነት ህወሓት ህዝብና ዝተፈላለዩ ሓሳባት ቀሪቦምሉ ዝረብሖ ወይ ዝጠቕሞ ሓሳብ ወሲዱ ዘሪኡ ከየብቁል ዓፊኑ፥ ብኣንፃሩ ብናይ ህዝቢ ግብሪ ዝንቀሳቐሳ ሚድያታት ብሒቱ ኣብ መሬት ዘየለን ዘይተሰርሐን ፀብፃባት ብዘይስኸፍታ ብናይ ሕሶት ፕሮፖጋንዳን ፀለመን ንህዝብን ንባዕሉን ኣደንዚዙን ኣደነቂሩን ፀኒሑ እዩ። እዚ መንገዲ’ዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኽ መዋእሉ ሪእዎ ዘይፈልጥ ውርደት ክሽከምን ኣብ ልዕሊኡ ዘርኣዊ ፅንተት ንክፍፀመሉ ዘብቀዐ ናይ ስሕተት መንገዲ ምዃኑ እናተፈለጠ ዝረአ ምምሕያሽን ለውጢን ዘይምህላዉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ።  

ሐዝውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝበኣሰ ዕፅዋን ክባን ኣትዩ ብሓደ ወገን ሰኣን ምግብን መድሓኒትን እቶም ናይ ፅባሕ ተስፋን ተረከብቲ ሃገርን ዝኾኑ ህፃውንትን ሰብ ዕቑር ታሪኽ ዝኾኑ ሽማግለታትን በብደቒቑ ብኣማኢቲ ሂወቶም ይሓልፍ ከምዘሎ ብዓይንና እንሪኦን ብዓለም ለኸ ሚድያታት ይግለፅ ዘሎን ሓቂ እዩ። እዙይ መፍትሒኡ ቃልስን ቃልስን ጥራሕ  እዩ ብምባል ኣናብስን ዋዕሮታትን ተጋሩ ድማ ምሰ 360% ከቢቦም ዘርእና ንምፅናት ዝተሰለፉ ታሪኻውያን ፀላእትናን መላፍንቶምን ገጢሞም ብምኩሻሕ ናይ ዘመንና ድሙቕ ታሪኽ ይፅሕፉ ኣለዉ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፥ መሪሕነት ህወሓትን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን እናገበርዎ ዝመፁ ዓፈናን ዝተኸተሉዎ ዝተሰሓሓተ መንገድን ከም ህዝቢ ንዘርኣዊ ፅንተት ኣሳጢሑና ከብቅዕ ካብ ሕሉፍ ስሕተቶም  ተማሂሮምን  ገምጊሞምን ህዝቢ ትግራይ ንምኽሓስ ዘኽእል መንገድታት ኣብ ክንዲ ምንዳይን ካብቲ ልሙድ ናይ ስሕተትን ጥፍኣትን መንገዲ ብምውፃእ  ንኹሎም ሓይልታትን ሰብ ዝተፈላለየ ዓቕሚ  ተጋሩን  ናብ ሓደ ዘተኣኻኽብን ነቲ ዘለናሉ ግዜን ኩነታትን ኣብ ግምት ዘእተወን ነቲ ሕሉፍ ናይ ስሕተት መንገዲ ብዝእርምን መልክዑ ክጎዓዙ  እናተገብኦም፥  እቲ ናብዚ ኩሉ ደልሃመት ዘእተወና  ዝተለመደ ፀጋማይ መንገዲ ብዝገደደ መልክዑ ኣጠናኺሮም  ምጉዓዝ መሪፆም  እንሆ ህልቂትን ዓፀቦን ህዝብና ክጋዳድን ምስ ደመኛታት ፀላእትና ዝግበር ዘሎ ናይ ህልውና ቃልሲ ክናዋሕን መሪሕነት ህወሓትን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ  ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን  ዝተለመደ ስሕተት ሐዝውን ብዘይ ሕንከት ክደጋግሞዎ ይረአ  ኣሎ። 

ናይ ህወሓት ዓፈናን ባህርን ዘርዚርካ ስለዘይውዳእን ነዚ ዘይፈልጥ ትግራዋይ እውን ዳርጋ ስለ ዘየለን እቲ ክሳብ ሐዚ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ንስሙ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብ/ክ/መ/ትግራይ ብተግባር ናይ  ህወሓት ዋና ናይ ዓፈና መሳርሒ ምዃኑ  ብዝግባእ ዝተረዳእኹዎ ኣብ መበል 6ይ ዘመን 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ብ14/09/2014 ኣ.ግ ዘካየዶ  ስሩዕ ኣኼብኡ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ  ኣብዚ ግዜ ዝነበረ ከይዲ እቲ ኣኼባን ዝነበሩ መስደመምቲ ተርእዮታትን ንኹሎም  ምትንታን ግዜን ኩነታትን ዝፈቅድ ስለዘይኮነ ብዝተወሰነ መልክዑ ስእሊ ክህብ ወይ ድማ ክሕብር  ክፍትን። 

ውዕሎ ባይቶና ኣብ 6 ዘመን 3 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ   ብ/ክ/መ/ትግራይ  

እዙ ጉባኤ እዙይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋን ከበባን ኣብ ዘለሉን  በዚ ምኽንያት ድማ ህዝብና ብጥሜት፣ ብስእነት ሕክምናን መድሓኒትን በብመዓልቱ  ብማኢቲ ናሞተ ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት ዝተኻየደ ብምዃኑ ኩሎም ኣጀንዳታት ናይቲ ቤት ምኽሪ ብዘይ ኣፈላላይን ናይ ፖለቲካ ሽርሕታትን ኣብ ኩለመዳያዊ ድሕነት ህዝብና ዘተኮረ ክኸውን ትፅቢት እንተተገበረሉ ጌጋ ኣይኮነን። ይኹን እምበር “ወዲ ድሙ ዘይገድፍ ግብረእሙ” ከም ዝበሃል ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብዝግባእ ተረዲኡ ውሳነታት ዘሕልፍ ቤት ምኽሪ ዘይኮነስ ልዕሊ ህልውናን ዓፀቦን ህዝቢ ትግራይ ህልውናን ቀፃልነትን ሓደ ውድብ ምሒር ዘጨንቖን ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ቅልውላዋት እንትለዓል ብቖፅሊ ኣምኦ ከም ዝትወቕዐ ፀላዕላዕ ዝብሎ ቤት ምኽሪ ምዃኑ ብዝግባእ ዘረጋገፀናሉ ዋዕላ እዩ ነይሩ። 

ከም ልሙድ ኣሰራርሓ እቲ ጉባኤ ቤት ምኸሪ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ኣማሊኡ ምዃኑ ምስተረጋገፀ ዝተኸበሩ ኣፈጉባኤ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረ  በቲ  ቤት ምኽሪ ተዘትዩሎም  ዝፀድቁ ኣጀንዳታት  ምስ ኣቕረቡ ካብዚ ወፃኢ ብኣጀንዳ መልክዕ ተታሒዞም ክዝተየሎም ይግባእ እትብልዎ ኣጀንዳ ዘለኩም ናይ ቤት ምኽሪ ኣባላት ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም ምስ በሉ ካብቶም ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኸቡ  ክልተ ተወከልቲ ባይቶና ዕዱል ረኺቦም ኣርባዕተ መሰረታውያንን ወቕታውን ዝኾኑ ኣጀንዳታት ብምቕራብ በቲ ቤት ምኽሪ ክዝተየሎም ክሓቱ ክኢሎም እዮም። ብተወከልቲ ውድብ ባይቶና ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ዝስዕቡ እዮም፦  

  1. ሕገመንግስቲ ዝምልከት – ኣብ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ዘለዉ ፀረ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ዓንቀፃት ነመሓይሽ። 
  1. በጀት ዝምልከት – ንዝተፈላለዩ ጉዳያት መንግስቲ ዝጥቀመሉ ዘሎ በጀት ይዕበ ይንኣስ ብቤት-ምኽሪ ይፅደቕ። 
  1. ሰራዊት ዝምልከት – ሰራዊት ትግራይ ብኣዋጅ ባዕሉ ዝኸኣለ ትካል ኮይኑ ይጣየሽ፡፡  
  1. ዲፕሎማሲ ዝምልከት – ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብኣዋጅ ይጣየሽ ዝብሉ እዮም ነይሮም። 

ባይቶና እዞም ኣጀንዳታት እዚኦም ከም ኣጀንዳ ኮይኖም በቲ ቤት ምኽሪ ክዝተየሎም ይግባእ ዝበለሉ ሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ገይሩ እዩ ::  

እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ሕገ መንግስቲ ትግራይ ንክኽበርን ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ንሕገመንግስቲ ተገዛኣይ ኮይኑ ከመሓድርን ክመሓደርን ይግባእ ካብ ዝብል እዩ። ብፍላይ መንግስታት ክጥቀምሉ እንትደልዩ ሕገ መንግስቲ ትርኣሶም ዝገብረዎ እንተዘይደልዮም ድማ ዝንፅፍዎ እንተኾይኖም ነዚ ስዒቡ ፋሉልነት ወይ ገባራይን ሓዳጋይን ዝኾነ ጉጅለ ክፍጠር ዕድል ዝኸፍት ስለዝኾነ ካብሐዚ ንደሓር ኣብ ትግራይ ንኸምዙይ ዓይነት ኩነታት ባይታ ክፍጠር  ክንፈቅድ የብልናን ካብ ዝብል መበገሲን ትግራይ ብሕጊን ብሕጊን ጥራሕ ክትምራሕ ኣለዋ ካብዝብል ቅዋምን እዩ። መንግስቲ ትግራይ ሕገ መንግስቲ ናይዛ ሃገር ተጣሒሱን ይጠሓስን ስለዘሎ ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ትካላት ሕገመንግስቲ ንክኽበር ፀቕጢ ክፈጥራ ኣለዎን እናበለ ኣብ ዝምሕፀነሉ ግዜ ኣብ ኢዱ ዘሎን ባዕሉ ንኽመሓደረሉ ዘፅደቖን ሕገ መንግስቲ ትግራይ ባዕሉ ንውድባዊ ረብሕኡ  ክብል ሃደሽደሽ ዘብሎ እንተኾይኑ ንሕገ መንግስቲ ተሓላቒ እየ ዝብለሉ ሞራል  ይኹን ምኽንያት እውን ኣይህልዎን። 

ካልኣይ ምኽንያት ህዝብና ካብታ ዘይብሉ ኣብ ግንባራት ዋልታ ህዝቦም ኮይኖም ዝኳሽሑ ዘለዉ ደቁን ኣሕዋቱን ከካብ ገዛ ብማንካ ዝተዋፅአ ሽሮን በርበረን ከምኡ’ውን ኮረንሾን ዝርካባ ቅርሽን ኣብኣቶም ከይበፅሐ እናተሸጠን እናተለወጠን መበልፀጊ ውሕዳት ካድረታት ህወሓትን  መሓውር  መንግስትን ይኸውን ስለዘሎን በዚ ኣቢሉ ድማ ስርዓት ተሓታትነት ጠፊኡ በኣንፃሩ ብልሽውነትን በለፅን ካብ ዝነበሮ ብዝበኣሰ  ሱር ይሰድድ ስለዘሎን  በዚ ምኽንያት ደማ ቃልስና ከይተዓናቐፍን ከም ህዝቢ ድማ ከይንጠፍእን ስርዓት ተሓታትነትን ቁፅፅርን ንኽሰፍን ተሓሳቢ ዝገበረ እዩ። 

እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ድማ ንልዕሊ 27 ዓመታት ዝተጎዓዝናሉ ምትሕውዋስ መንግስትን ውድብን፣ መንግስቲ  መንግስታዊ  ሓላፍነቱ ረሲዑ ውድባዊ ረብሕኡ ብምቕዳም ህዝብና ብኢኮኖሚ ጭዋድኡ ከየሕብጥ፣ ፖለቲክኡ ከየዘምንን ስርዓተ ምሕደርኡ ፍትሓዊ ከይኾንን ብኔትዎርክን ልምዓት (ጥፍኣት) ጉጅለን ቆራሪኑ መወዳእትኡ ናብ ዘርኣዊ ፅንተት (Genocide) ንኽፍፀመሉ ማዕፅኡ ጋሕ ኣቢሉ ኣደዳ ፀላእቱ ዝገበሮ ኣካይዳ ስለዝኾነ፥ ሐዝውን ካብዚ ከይተምሃረ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ስልጣን ፃምእ ንምርዋይ ናይ ህወሓት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ድሌትን ነቲ ወታደራዊ ጉዕዘና ዕንቅፋት እናፈጠረ ወይ ድማ ንወታደራዊ ገስጋስና ፖለቲካዊ ድሌት ህወሓት ታኮ እናኾነ ፀገምን ዓፀቦን ህዝብና ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ክጋደድን ሱር ክሰድድን ይገብር ስለ ዘሎ ሰራዊትና ብኣዋጅ ተጣይሹ ብማንም ዘይዝወር ብናይ ባዕሉ መትከልን ዓላማን ጠጠው ዝበለን ውግንንኡ  ንህዝቡን ሃገሩን ዝኾነ መከላኸሊ ሰራዊት ክህነፅ ባይቶና ካብ ዘለዎ ባህግን ድሌትን ዝተበገሰ  እዩ። 

ነዞም  ዝቐረቡ ኣጀንዳታት በቲ ቤት ምኽሪ ዝተውሃበ ግብረ መልሲ  

ባይቶና እዞም ኣጀንዳታት እዚኦም ከቕርብ ከሎ እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ 100% ናይ ህወሓት ምዃኖም ረሲዑ ወይ ድማ ልዕሊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ውድባዊ ረብሕኦም ከምዘቐድሙ ሕሉፍ ልምዶም ዘንጊዑ ዘይኮነስ ክልተ መሰረታዊ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ነይሩ። 

እቲ ሓደ ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ዝነበረሉን ሐዚ ዘለሉን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ወድዓዊ ኩነታት ፈፂሙ ዝተፈላለየ እዩ። ትማሊ ፍርዲ ይዛብዖ ወይ  ብስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ሙስናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሽግራት ይማረር ምንባሩ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ። ሎሚ ግን ከም ህዝቢ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ሓደጋ ኣትዩ ቤተሰብ ከም ቤተሰብ ተበታቲኑ ÷ ኣብ ልዕሊኡ ብፀላእቱ ብዝተፈፀመ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ስነ ልቦንኡ  ተጎዲኡ÷ ብጥሜትን ሕማምን ዝፈትዎም ስድርኡ ስኢኑ ብሓፈሻ ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዙርያ መለሽ ዕፅዋ ብምእታው ነበረያ ነበረ ክገብርዎ ኣብ ዝረባረበሉ እዋን ዋላ እኳ 100% ተወከልቲ ሓደ ውድብ ይኹኑ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይኖም ከምቲ ልሙድ ብዓይነ ዕሙተይ ዘይኮነስ ነባራዊ ኩነታት ህዝቦም ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ወይ ኣጀንዳታት ብኣንፃር ረብሓታቶም መዚኖም ታሪኻዊ ውሳነ ከዕርፉ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል  ተስፋ ብምብጋስ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ኣጀንዳ ብባይቶና ስለዝቐረበ ጥራሕ ምኽንያት ብምግባር ከም ኣጀንዳ ኮይኑ ናብ ምይይጥ እንተዘይቀሪቡ ንታሪኽ ተመዝጊቡ ይፀንሕ ካብ ዝብል ምኽንያት እዩ ነይሩ። 

ዘይሩ ዘይሩ ዝተፈለየ ሓሳብ ናይ ምትእንጋድ ባህልን ልምድን ዘይብሉን ንኸይሰምዕ ኣእዛኑ ብጡጥ ዝዓፀወን ቤት ምኽሪ ምዃኑ ብዝግባእ ኣመስኪሩ ሓሊፉ እዩ። እቶም ኣጀንዳታት ቀሪቦም ንኸይዝተየሎም ብኹሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህወሓት ብተቓውሞ እቲ ሓሳብ ጥቕሙን ጉድኣቱን ተዘትዩሉ ናብ ምድጋፍን ምቅዋምን ከየምርሐ እዚ ኣጀንዳ እዙይ ምርኣይ ኣየድልን ተባሂሉ ብጉሓቱ ውድቂ ኮይኑ። 

ናብቲ ቤት ምኽሪ ብመንግስቲ  ዝቐረበ ፀብፃብ 4 ወርሒ 

መንግስቲ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ውሽጢ ብኣንፃር ፖለቲካዊ÷ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝሰርሖም ወይ ዝተርኣዩ ለውጥታት  ኽቡር ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር  ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል  ብንባብ  ምስ ኣስምዑ ኣብቲ ዝቐረበ ሪፖርት ሕቶ ወይ ርኢቶ ዘለኩም ዝብል ዕድመ ብኽቡር ኣፈጉባኤ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ምስ ቀረበ ሕቶ ወይ ርኢቶ ናይ ምቕራብ ዕዱል ዝረኸቡ ኣባላት ቤት ምኽርን  ተወከልቲ  ባይቶና ነቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ኣመልኪቶም እዙ ዝስዕብ ርኢቶን ሕቶን ኣቕሪቦም። 

“እዚ ቀሪቡ ዘሎ ሪፖርት ወይ ፀብፃብ ናይ መን እትበሃል ዓዲ እዩ ? ናይ ትግራይ ክኸውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ  ንዘለናሉ ፖለቲካዊ ÷ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ኩነታት  ህዝብና ፈፂሙ ዘይገልፅ ÷ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅን ቀሪቡ ዘሎ ሪፖርትን ዘይዛመድ እዩ። ህዝብና ኣብ ሙሉእ ዕፅዋን ክባን ኣትዩ ኣደዳ ጥምየት ÷ ሕማም ÷ ሞትን ስደትን ኮይኑ እናሃለወ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ሱስዓት ነጋዶን መሓውር መንግስትን ተሻሪኾም ብዝፈጥርዎ ናይ ውሽጢ  ዕፅዋ ሰኣን ቁፅፅርን ክትትልን ህዝቢ ደሙ ናተመጠጠ ÷ ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን ኣናእሽተይ ዘይሕጋውያን መንግስታት ተፈጢሮም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ህዝቢ እናመሳመሱ ይኣስርዎን ይብዝብዝዎን እናሃለዉ ነዚ ዝገልፅ ሪፖርት ኣይቀረበን። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ መንግስቲ በቶም  ውሱናት ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይብሎም ነጋዶ ተማሪኹ እዞም ነጋዶ እዚኦም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ህዝቢ ብሃረፃን ብዝበዛን ክነብር ኣይከኣለን። ብሓፈሻ እዚኦምን ካልኦት ዘይተገለፁ ሽግራት ዘይፈተሸን ንቐፃላይ ዝፍትሕሉ ኣንፈት  ዘይኣቕመጠን ሪፖርት እዩ  ዝብል ርኢቶ ተዋሂቡ። ናይ ብሓቂ ድማ ሪፖርት  ስራሕቲ ኣርባዕተ ወርሒ እቲ ብተደጋጋሚ ዝወሃብ ዝነበረ መግለፅታትን ብመልክዕ ዜና ብመራኸብቲ ሓፋሽ እንሰምዖ ዝነበርናን ዳርጋ ሓደ እዩ ምባል ይከኣል።  

“እዙ ሪፖርት እዙይ ምቕራብኩም እቲ ህዝቢ ተመሓድርዎ ከም ዘየለኹም ዘመላኽት እዩ” ዝብል ርኢቶ ምስቀረበ ድማ እቲ ቤ/ምኽሪ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ዕድሚኡ ሙሉእ ከምዚ ዓይነት ሕቶን ርኢቶን ሰሚዑን ሪኡን ስለዘይፈልጥ ብጣዕሚ ተደናጊፁ ነይሩ። ብዙሓት እውን እንታይ’ዶ ኣትዩና እዩ ኢሎም ከካብ ድቃሶም ተበራቢሮም እዮም።  

ሓደ ሓደ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህወሓት ንኹሉ ሰሚዕኻን ኣጣቒዕኻን  ኣበልካ ተቐቢልካ ምኻድ እምበር ከምቲ ብኣመራርሓ ባይቶና ዝቐረበ ወድዓዊ ሕቶን ርኢቶን ዘይልሙድ ኮይኑዎምን ተደፊርና ካብ ዝብል  ኣነነታዊ ስምዒትን ዝተልዓለ ኣብቲ መንግስትና  ኣብ ዞባታት ዘካየዶ ናይ ህዝቢ ናይ ምኽክር መድረኻት  እኮ እዞም ተቓወምቲ ምስ ፀላእትና ኮይኖም ንመንግስትና ይርብሽዎ ስለ ዘለዉ ሓዲኡ ይግበሮም ይብል ነይሩ እዩ። መንግስቲ ሓዲኡ ዘይገብሮምኢሎም ዝሓተቱ እውን ነይሮም እዮም  እዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምቲ ልሙድ ነቲ ዝቐረበ ሪፖርት ዝወፆ ዘይብሉን ንትግራይ ዝምጥን ምዃኑን ብዝተኾሓሓለ ቃላትን መለብለብ ኣንደበትን ርኢቶኦም ዝሃቡ ውሕዳት ኣይነበሩን። ብኻሊእ መዳይ ድማ ዋላካ  ዓው ኢልካ ዘይብከ ሞት ሕፁይ ኮይንዎም ኣይዛረቡ፣ ብተወከልቲ ባይቶና ዝቐረበ ርኢቶ ወቕታውን ክበሃል ዝግብኦን ምዃኑ ኣሚኖም ግቡእ መልሲ ንምሃብ ዝፈተኑ ተወከልቲ ተዓዚብና ኢና።   

ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ብኹቡር ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ /ፅዮን /ሚካኤል ዝተውሃበ ግብረ-መልሲ 

ዶ/ር ደ/ፅዮን ንዘቕረብዎ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ናይ መንግስቶም ሪፖርት መሰረት ብምግባር ዝቐረቡ ሕቶን ርኢቶን ክምልሱ ከለው ትሕዝቶ እቲ ሪፖርትን ነዚ መሰረት ገይሩ ንዝቐረበ ሕቶን ርኢቶን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን። ብመሰረቱ መልሲ ዘድልዮ ጥንክር ዝበለ ሕቶን ርኢቶን ዝቐረበ ብተወከልቲ ባይቶና ስለዝነበረ ከምቲ ልዕል ክብል ዝተሓበረ  ንዶ/ር ደብረፅዮን እውን ዘይተለመደ  ስለ ዝኾኖም  ንዘቕረብዎ ሪፖርት ትሕዝትኡን ህልዊ ኩነታትን ኣዛሚድካ ምንቃፍ ከም ስሕተት ወይ ድፍረት  ገይሮም እዮም ወሲዶምዎ። ምኽንያቱ መልሲ ክህቡ ከለው ዝነበሮም ስምዒትን ዝጥቀምዎም  ዝነበሩ ቃላትን በኣውርኡ ከዓ ነቲ ዝቐረበ ሕቶን ርኢቶን ዝህብዎ ዝነበረ መልሲ  ርኢኻ እቲ ዝወሃብ ዘሎ መልሲ ካብ መራሒ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደ/ፅዮን ምዃኑ ንምእማኑ የፀግመልካ። ኣበይ ከምዘለኻ እውን ትጠራጠር እሞ እንኳን ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብ ሓደ ናይ ቀበሌ ኣኼባ ኣለኹ ኢልካ ነብስኻ ክተእምን እውን ይንእሰካ። :   

ብፍላይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን እምነትናን ብዘየገድስ ንኹላትና ተጋሩ ሓቒፉ ከመሓድረና  ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተሸከመ ኣካል መንግስቲ  ዘይትፅበዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓላፍነት ዝጎደሎን ካብ ናይ ሓደ ናይ ቀበሌ ካድረ ብዝበኣሰ ኣገላልፃ  እሞ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ክንፀባረቕ ከሎ ናይ ብሓቂ ዘድንግፅ እዩ።   

ብሓፈሻ ናይቲ ዕለት ናይ  ዶ/ር ደ/ፅዮን መደረ ጀሚሮም ክሳብ ዝውድኡ ኣብ ልዕሊ ተነሓናሕቲ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ብፍላይ ካዓ ዋላኳ ከይዲን ውፅኢትን መረፃ 2012 ፀገማት ዝነበርዎን ብሕጊ ክረኣዩ ዘለዎም ጉዳያት ይሃልዉ ነታ ዝተረኸበት ነዃል ተጠቒምና ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣቲና ኣብ መሬት ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ህዝብና ናብቲ ቤት ምኽሪ እናቕረብና ንኽፍትሑ ፀቕጢ ክንፈጥርን ባህሊ ዲሞክራሲ ትግራይና ከነዘምንን ኢና ዝብል እምነት ሒዙ ብፓርቲ ደረጃ ወሲኑ ኣመራርሕኡ ልኢኹ ኣናተሳተፈ ዝወዓለ ባይቶና ንተወከልቱን ነቲ ፓርቲን ታርጌት ዝገበረ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ንምድንጋር  ባይቶና ኣልዒልዎ ዘይፈልጥን ቅዋሙ ዘይኮነን ዛዕባታት ብምልዓል ናብ ፀለመን ጠቐነን እዩ ተኣትዩ። ንኣብነት፤  ዝተመረፀ መንግስቲ እናሃለወ ስግግር መንግስቲ እናበልኩም (ከምዘይበልና ይፈልጡ እዮም) ÷ ህወሓት ናሳተፈኩም እናሃለወ ንበይኑ እዩ ዝጎዓዝ ዘሎ ኣየሳትፈናን ዘሎ እናበልኩም ትኽስሱኒ ኣለኹም ÷ እዛ ሽጉጥ ቅርፂ ዘለዋ ካርታ ትግራይ ኣይኮነትን መሬትና እናበልኩም ቃልስና ናብ ካርታ ተውርድዎ ኣለኹም ÷ ዓባይ ትግራይ’ዶ ታይ’ዶ እናበልኩም ህዝቢ እናኸፋፈልኩምን እናደናገርኩምን  ብኣኻቱም ጉድ ረኺብና። ካብ ሐዚ ንደሓር ኣይንዕገሰኩምን። ከምቲ ብኣባል ቤት ምኽሪ ዝተሓተተ ህዝብና እውን ኣብ ኩሉ ዝገበርናዮም ህዝባዊ መድረኻት ስጉምቲ ውሰዱሎም  ኢሉና እዩ። ኣንሕና ኢና ትዕግስቲ ምግባር ይሓይሽ ኢልና ካብ ክንዕገሶ ንላዕሊ ተዓጊስናኩም ፀኒሕና። ካብ ሐዚ ንደሓር ግን ከምዚ ኢልና ኣይንቕፅልን ዝግበር ክንገብር ኢና። ብተወሳኺ ድማ፣ ኣብ መኸተ የለኹምን፣ በረኻ ኣይወፃእኩምን፣ ኣብ መቐለ ተሓቢእኩም ዝነበርኩም ኢኹም፣ ብስሩ ናይ መን ተወከልቲ ኢኹም? ክንስዋእ እዮም ዝደልዩ ኔሮም፣ ንሕና ተሰዊእና ንስኹም ስልጣን ክትሕዙ እዩ ድላይኩም ኔሩ ዝብሉ ተራ ዴማጎጂክ ዘረባታት ብጣዕሚ ብዝተቖጥዐ መንፍስ ካብ ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ኣካል ምስትሰምዕ “እንታይ ዲና ተዛሪብና?” ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት።  

ናይ ዶ/ር ደ/ፅዮን ኣሰር ተኸቲሎም ካልኦት ናይ ቤት ምኽሪ ኣባላት ንቤት ምኽሪ ዘይምጥን ዝተናገሩን ዘፋራሩሑናን እንተነበሩ እኳ  ደድሕሪ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ዘረባ ኽቡር ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር ደ/ፅዮን ብምዃኑ ምንም ኣይመሰለናን።  ምኽንያቱ  ተምሃሮ ንመምህሮም እዮም ዝመስሉ። ዕድሚኤን ካብ 55-60 ዝኾና ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣዶታትና ናይ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣሰር ሒዘን ክዝረብ ዘይግብኦ ዘይምልከተን ጉዳይ ተዛሪበን። ብዙሕ ቀልቢ ዘይሃብናሉ ምስ  መደረ ዶ/ር ደብረፅዮን ብምውድዳር ደኣምበር  ዲሞክራስያዊ መስርሕና  ንምዝማን ዝኸድናዮ ርሕቐት ገና ፈንተት ዘይበለን ብጎሮሩኡ ተሓኒቑ ከምዘሎን ብዝግባእ ተረዲእና ኢና። ልዕሊ ኹሉ ድማ ሐዝውን ካብ ሕሉፍ ጉዕዘና ከይተምሃርና ዝተፈለየ ሓሳብ ምስማዕ ፀላዕላዕ ዘብሎን ወይ ንዘይ ምስማዕ ዝተሰማመዐን  ከምኡ ድማ ብጨብጨባን ሆይሆይታን ብዙሕ ዝሰኸረ ከምዘለናን  ምስተዓዘብና  ሕዚውን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፃሕ ከምዘለና ተረዲእና ኢና።  

መጠቓለሊ፦ 

ኽቡር ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ከም መራሒ መንግስቲ ነቲ ዝቐረበሎም ሕቶን ርኢቶን (ዋላ መሪር ይኹን) ዝግባእ መልሲ ኣብ ክንዲ ዝህቡ  ፀርፊ÷ ውንጀላ÷ ምድንጋር÷ ምፍርራሕን ፈኸራን እዮም መሪፆም። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ውድቦም ህወሓት ኣብ መረፃ 2012 ዘይተወዳደሩ መን ምዃኖም ዘይፍለጡ ውልቀሰባት ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ንክሳተፉ ከምዝገብር ዘሎ እናፈልጡ፣ ተወከልቲ ባይቶና ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉን ብድምፂ ዝተስዓሩን ኮይኑ ግና ከም ውድብ ንዝረኸብዎ ልዕሊ 90,000 ድምፂ ህዝቢ ውክልና ክረክብ ተባሂሉ ንሶም ባዕሎም ብዝወሰንዎ ውሳነ መሰረትን ኮምሽን መረፃ ትግራይ ብዝተቐበሎን ሕጋዊ መስርሕ መሰረት ኣብቲ ክልላዊ ፓርላማ ብድምፂን ብዘይድምፂን ከም ንሳተፍ ናፈለጡ “ናይ መን ተወከልቲ ኢኹም?” ኢሎም ከባጭዉልና ምሙካሮም ዝገርም እዩ። ንኽብሪ እቲ ቤት ምኽሪ እዉን ዝትንክፍ እዩ። እዚ ኹሉ እንትኾን ዝተኸበሩ ኣፈጉባኤ ኣይተ ራፋኤል ሽፋረ ነቲ መድረኽ ክኣልይዎ ዘይምፍቃዶም ድማ ካልእ ሕቶ ዘልዕል እዩ።     

እዚ ኣካይዳ፣ ናይ ቀፃሊ ጉዕዞ ፖለቲካን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትግራይ ዘፀልምት ካብዚ ሓሊፉ ድማ  ፖለቲካዊ ኣፈላላይና ከም ፀጋ ወሲድናን ተኸባቢርናን ብሕዱራት ፀላእትናን መላፍንቶምን ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወት ትግራይና ብሓድነትን ሕብረትን ኣብ ሐደ ሰሚርና ሙሉእ ግዜናን ዓቕምናን ኣዋዲድና ንኹለመዳያዊ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክንረባረበሉ ዝግባእ መፃኢ ወርቃዊ ግዜና ኣብ ነንሕድሕድና ስም ምጥፍፋእን ምውንጃልን ክንውዕል ዝደፋፍእ ልሙድ ኣሰራርሓ  ህወሓትን እሱ ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይን ንኹላትና መንገዲ ጥፍኣት ንህዝብና ድማ ዓብዪ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ካብ ብሐዚኡ እንተዝእረም ይሓይሽ ክብል ይፈቱ።  

ትግራዋይነት ይስዕር!              

ብክብሮም  ብርሃነ 

ዝተፈለየ ሓሳብ ምስማዕ እዝኑ ዝኹርኩሖ ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ 

By aiga